ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ...

12
ገዲም ሓርበኛ ተቓላሳይ ጸጋይ ገብረመድህን ወልደገርግስ፡ ኣብ መበል 79 ዕድሚኡ ብሕማም ኣብ ሃገረ ሽወደን ዓሪፉ። ብዝነበሮ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት፡ ኣብ ፈለማ ሱሳታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተቓላሳይ ጸጋይ፡ ከም መርኣያ ወተሃደራዊ ብስለቱን ተወፋይነቱን፡ ኣብ እዋን ክፍልታት፡ ምስ ምምስራት 5ይ ክፍሊ - ከም መራሒ ናይ’ታ ክፍሊ ተመዚዙ ዘገልገለ እዩ። ሓርበኛ ጸጋይ፡ ካብ 1964 ክሳብ 1966 ኣብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እናኣካየደ እንከሎ - ኣብ 1969 ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ። ኣብ 1975 ድማ ሓደ ካብ’ቶም ብስርሒት ሰውራ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሰምበል ናጻ ዝወጹ እሱራት ኮይኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ። እንተኾነ፡ ኩነታት ጥዕናኡ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ብፍቓድ መሪሕነት - ፈለማ ናብ ሱዳን፡ ካብኡ ድማ ናብ ሽወደን ብምምራሕ፡ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት ከማልእ ዝጸንሐ ተቓላሳይ’ዩ። ሓርበኛ ጸጋይ ገብረመድህን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ደቂን’ዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ 21 ጥሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ። ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተቓላሳይ ሓርበኛ ጸጋይ ገብረመድህን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል። መበል 26 ዓመት ቁ.123 ቀዳም 21 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 9 ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 7 ሕርሻ፡ ኣቲኻዮ ዘይሰድድ... ሳልሕ ወዲ ቅጭን ...? ዝለዓለ ደሞዝ ዝረኽቡ ተዋሳእቲ... እቶታውነት ሕርሻ ንምዕባይ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝለዓለ ኣተኵሮ ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ - ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጸዊዑ። ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ክወሃቦ ጸዊዑ ብ18 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ - እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ ብምምልካት፡ ጠንቁ ብግቡእ ክልለን ኣብነታውያን ሓረስቶት ተመኵሮኦም ዘካፍሉሉ ባይታ ክፍጠርን ተላብዩ። ምህርቲ ጸባን ስጋን ንምድንፋዕ - ምትእትታው ቀጠልያ መግቢ እንስሳ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ንሓረስቶት ዝተዓደላ ምሩጻት ናይ ጸባ ከብቲ ዝወለዳአን ናብ ካልኦት ሓረስቶት ንምዝርጋሕ ክስራሓሉ፡ ነተን ብመጓሰ ዝናበያ ጥሪት እኹል ተረፍ ምህርትን ሳዕርን ክኽዘነለን እውን ኣዘኻኺሩ። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ንልምዓት ኣዝርእቲ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ውጽኢት ጸባን ስጋን፡ ምርባሕ ንህብን ደርሁን፡ ምዕቃብ ሓመድን ልምዓት መስኖን፡ ምክልኻል ብቚሊ፡ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ፡ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ዞባዊ ኣገልግሎት ቊጽጽር፡ ንናብራ ዕብየትን ልምዓታዊ ፕሮጀክታትን ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡ። ተሳተፍቲ፡ ምምሕዳራት ውዳቤኦም ኣሐይሎም ንትግባረ ናይቶም ዝወጹ መደባት ሕርሻዊ ልምዓት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኖም። ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ዑመር መሓመድ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ኣብ ንጥፈታት ምግራብ፡ ዕዉት ስራሕ ንምትግባር ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝተሓንጸጹ መደባት ምዃኖም ሓቢሩ። ገዲም ተቓላሳይ ጸጋይ ገብረመድህን ዓሪፉ ሃገራዊ በዓላትና፡ ናይ ምውርራስ መድረኻት ክኾኑ ዝካየድ ጻዕሪ - ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦ ከምዝግባእ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣገንዚቡ። ኣብ ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ሃገራዊ በዓላት ምስ ዝነጥፉ ኣባላትን ሓለፍትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ኣብ ሃገራዊ በዓላት ዝቐርቡ መደባት ብትሕዝቶኦምን ኣቀራርቦኦምን መሃርትን ኣዘናጋዕትን ኮይኖም፡ ተዘክሮታት ብዘሐድሱን ታሪኽ ብዘስንቑን ትሕዝቶታት ክስነዩ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። “ሃገራዊ በዓላትና፡ ንርዝነትን ጽንኩርነትን ዝተሓልፈ መድረኻት ቃልሲን ክብርታቱን ዘንጸባርቑ ክኾኑ ይግባእ” ዝበለ ኣምባሳደር መሓመድ- ስዒድ፡ ብመንገዲ’ዚ ሃገራዊ ምትእኽኻባት፡ ንኣሽቱ ወለዶታት ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቦምን ሃገሮምን ክፈልጡን ክወርሱን ስለዝግባእ፡ ኣብተን ኣጋጣሚታት ዝስርዑ መደባት ብዕቱብ ክሕሰበሎምን ብቑዕ ምድላዋት ክግበረሎምን ኣዘኻኺሩ። ህዝባውን ሃገራውን በዓላትና፡ ሃገራዊ ባህልን መንነትን ዝመለለዪኦም ክብርታት ሕብረተሰብናን ህዝባዊ ግንባርን ዝዅልዑሎም ኣገደስቲ ኣጋጣሚታት “ሃገራዊ በዓላት ታሪኽ ብዘስንቑ ትሕዝቶታት ክስነዩ የድሊ” ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ምዃኖም ዝሓበረ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣደም ዓሊ ብወገኑ፡ ሕልሚ ናጽነት ዘግሃዱን ህንጸት ሃገር ዘውሓሱን መትከላት ዕቱብ መሰናድኦታት ክግበረሎምን ክስነዱን ከምዘድሊ ኣረዲኡ። ኣቶ ኣደም ዓሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ዝቐርቡ ትሕዝቶታት መበቈላውነቶም ከየህሰሱ ብዝማዕበለን ዝተጸንዐን ኣገባብ ክቐርቡን ንዘለና ሃብታም ኣፋዊ ያታታትን ልምዲታትን ክፍትሹን ኣተሓሳሲቡ። መንእሰያት ኣብ ምንጽብራቕ ባህሎም ብዝለዓለ ከም ዝሳተፉ ንምግባር ክስራሓሉ ከምዝግባእ እውን ኣስሚሩሉ። ገጽ 8 ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ ዘካይዶም ማእቶታዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ምድንፋዕ መደባት ልምዓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ስለዘለዎም፡ ብዝሓየለ ውዳቤ ክድፋኣሎም ከምዝግባእ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ ጸዊዑ። ምስ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣቶ ኣውረልዮ፡ መስመራት ሶሶና - ባረንቱ፡ ኣብ መደባት ልምዓት ኮማዊ ተሳትፎ ክዓዝዝ ተሓቲቱ ካርካሻ - ቢንቢና፡ ዳሰ - ባረንቱ፡ ከምኡ’ውን ዳሰ - ተኾምብያ ብወፈራታት ስለዝተጸገነ፡ ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል ፍሕፍሕ ሩስያን ኣመሪካን ድሕሪ . . . ስ/ኣካል መብራህቱ ደፓይ ናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ

Transcript of ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ...

Page 1: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ገዲም ሓርበኛ ተቓላሳይ ጸጋይ ገብረመድህን ወልደገርግስ፡ ኣብ መበል 79 ዕድሚኡ ብሕማም ኣብ ሃገረ ሽወደን ዓሪፉ።ብዝነበሮ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት፡

ኣብ ፈለማ ሱሳታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ገዲም ተቓላሳይ ጸጋይ፡ ከም መርኣያ ወተሃደራዊ ብስለቱን ተወፋይነቱን፡ ኣብ እዋን ክፍልታት፡ ምስ ምምስራት 5ይ ክፍሊ - ከም መራሒ ናይ’ታ ክፍሊ ተመዚዙ ዘገልገለ እዩ።ሓርበኛ ጸጋይ፡ ካብ 1964 ክሳብ 1966 ኣብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እናኣካየደ እንከሎ - ኣብ 1969 ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ። ኣብ 1975 ድማ ሓደ ካብ’ቶም ብስርሒት ሰውራ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሰምበል ናጻ ዝወጹ እሱራት ኮይኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ።እንተኾነ፡ ኩነታት ጥዕናኡ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ብፍቓድ መሪሕነት - ፈለማ ናብ ሱዳን፡

ካብኡ ድማ ናብ ሽወደን ብምምራሕ፡ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት ከማልእ ዝጸንሐ ተቓላሳይ’ዩ።ሓርበኛ ጸጋይ ገብረመድህን፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ደቂን’ዩ።ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ 21 ጥሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ

ክፍጸም’ዩ።ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ህግደፍ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተቓላሳይ ሓርበኛ ጸጋይ

ገብረመድህን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

መበል 26 ዓመት ቁ.123 ቀዳም 21 ጥሪ 2017 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 9ገጽ 3 ገጽ 5 ገጽ 7

ሕርሻ፡ ኣቲኻዮ

ዘይሰድድ...ሳልሕ

ወዲ

ቅጭን

...?

ዝለዓለ

ደሞዝ

ዝረኽቡ

ተዋሳእቲ...

እቶታውነት ሕርሻ ንምዕባይ፡ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ዝለዓለ ኣተኵሮ ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ - ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጸዊዑ።

ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ክወሃቦ ጸዊዑ

ብ18 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ኣረፋይነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ - እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ ብምምልካት፡ ጠንቁ

ብግቡእ ክልለን ኣብነታውያን ሓረስቶት ተመኵሮኦም ዘካፍሉሉ ባይታ ክፍጠርን ተላብዩ።ምህርቲ ጸባን ስጋን ንምድንፋዕ -

ምትእትታው ቀጠልያ መግቢ እንስሳ

ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ንሓረስቶት ዝተዓደላ ምሩጻት ናይ ጸባ ከብቲ ዝወለዳአን ናብ ካልኦት ሓረስቶት ንምዝርጋሕ

ክስራሓሉ፡ ነተን ብመጓሰ ዝናበያ ጥሪት እኹል ተረፍ ምህርትን ሳዕርን ክኽዘነለን እውን ኣዘኻኺሩ።ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ንልምዓት ኣዝርእቲ፡

ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ውጽኢት ጸባን ስጋን፡ ምርባሕ ንህብን ደርሁን፡ ምዕቃብ ሓመድን ልምዓት መስኖን፡ ምክልኻል ብቚሊ፡ ሓለዋ ጥዕና እንስሳ፡ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ዞባዊ ኣገልግሎት ቊጽጽር፡ ንናብራ ዕብየትን ልምዓታዊ ፕሮጀክታትን ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡ።ተሳተፍቲ፡ ምምሕዳራት ውዳቤኦም

ኣሐይሎም ንትግባረ ናይቶም ዝወጹ መደባት ሕርሻዊ ልምዓት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተማሕጺኖም።ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ

ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ዑመር መሓመድ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ’ውን ኣብ ንጥፈታት ምግራብ፡ ዕዉት ስራሕ ንምትግባር ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝተሓንጸጹ መደባት ምዃኖም ሓቢሩ።

ገዲም ተቓላሳይ ጸጋይ ገብረመድህን ዓሪፉ

ሃገራዊ በዓላትና፡ ናይ ምውርራስ መድረኻት ክኾኑ ዝካየድ ጻዕሪ - ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦ ከምዝግባእ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣገንዚቡ።ኣብ ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ሃገራዊ

በዓላት ምስ ዝነጥፉ ኣባላትን ሓለፍትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ኣብ ሃገራዊ በዓላት ዝቐርቡ መደባት ብትሕዝቶኦምን ኣቀራርቦኦምን መሃርትን ኣዘናጋዕትን ኮይኖም፡ ተዘክሮታት ብዘሐድሱን ታሪኽ ብዘስንቑን ትሕዝቶታት ክስነዩ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

“ሃገራዊ በዓላትና፡ ንርዝነትን ጽንኩርነትን ዝተሓልፈ መድረኻት ቃልሲን ክብርታቱን ዘንጸባርቑ ክኾኑ ይግባእ” ዝበለ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ብመንገዲ’ዚ ሃገራዊ ምትእኽኻባት፡ ንኣሽቱ ወለዶታት ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቦምን ሃገሮምን ክፈልጡን ክወርሱን ስለዝግባእ፡ ኣብተን ኣጋጣሚታት ዝስርዑ መደባት ብዕቱብ ክሕሰበሎምን ብቑዕ ምድላዋት ክግበረሎምን ኣዘኻኺሩ።ህዝባውን ሃገራውን በዓላትና፡ ሃገራዊ

ባህልን መንነትን ዝመለለዪኦም ክብርታት ሕብረተሰብናን ህዝባዊ ግንባርን ዝዅልዑሎም ኣገደስቲ ኣጋጣሚታት

“ሃገራዊ በዓላት ታሪኽ ብዘስንቑ ትሕዝቶታት ክስነዩ የድሊ” ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ

ምዃኖም ዝሓበረ ጸሓፊ ህግደፍ ኣብቲ ዞባ፡ ኣቶ ኣደም ዓሊ ብወገኑ፡ ሕልሚ ናጽነት ዘግሃዱን ህንጸት ሃገር ዘውሓሱን መትከላት ዕቱብ መሰናድኦታት ክግበረሎምን ክስነዱን ከምዘድሊ ኣረዲኡ።ኣቶ ኣደም ዓሊ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል

ዝቐርቡ ትሕዝቶታት መበቈላውነቶም ከየህሰሱ ብዝማዕበለን ዝተጸንዐን ኣገባብ ክቐርቡን ንዘለና ሃብታም ኣፋዊ ያታታትን ልምዲታትን ክፍትሹን ኣተሓሳሲቡ። መንእሰያት ኣብ ምንጽብራቕ ባህሎም ብዝለዓለ ከም ዝሳተፉ ንምግባር ክስራሓሉ ከምዝግባእ እውን ኣስሚሩሉ።

ገጽ 8

ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ ዘካይዶም ማእቶታዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ምድንፋዕ መደባት ልምዓት ዕዙዝ ኣበርክቶ ስለዘለዎም፡ ብዝሓየለ ውዳቤ ክድፋኣሎም

ከምዝግባእ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ ጸዊዑ።ምስ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡

ኣቶ ኣውረልዮ፡ መስመራት ሶሶና - ባረንቱ፡

ኣብ መደባት ልምዓት ኮማዊ ተሳትፎ ክዓዝዝ ተሓቲቱ

ካርካሻ - ቢንቢና፡ ዳሰ - ባረንቱ፡ ከምኡ’ውን ዳሰ - ተኾምብያ ብወፈራታት ስለዝተጸገነ፡

ናብ 2ይ ገጽ ይቕጽል

ፍሕፍሕ ሩስያን

ኣመሪካን ድሕሪ . . .

ስ/ኣካል መብራህቱ

ደፓይ

ናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ

Page 2: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 2መበል 25 ዓመት ቁ.123

\\\\\\\\\\\\\

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፋሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266/201820(2220)ም/ዋና/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2217)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 200454 - 07121322ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ምስጋና ተዓገስኣስቴር ካሕሳይ

ሰማያዊት ሓይለኣብ

ኤደን ሃብተኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

ኣገደስቲ ቴሌፎናት

ሆስፒታል ሓሊበት 18 54 00

ሆስፒታል ኦሮታ 20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ 12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክ ሲቲ

12 22 22

ፋርማችያ ቁ. 1 127565

መጥፋእቲ ሓዊ 202099

ማሕበር ቀይሕ መስቀል154633

ሰዓት መደብ12፡00 ካርቱን12፡30 ዜና ትግርኛ12፡55 ኣብዚ ሰሙን’ዚ13፡30 ዜና ዓረብ13፡40 ፓኖራማ14፡15 ፍሉይ መደብ

14፡50 sport highlights15፡35 N/Geographic16፡35 ሄራር 17፡25 ደርፊ ሕላይ 18፡25 ማእገር20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ጉዳይ ኣብ ዘተ21፡00 ዜና ትግርኛ 21፡25 ጩራ ጥዕና22፡00 ዜና ዓረብ 22፡10 ሕዋራት22፡30 ዜና እንግሊዝ 22፡40 FILM

ሎሚ ኣብ ERI-TV

ሰዓት መደብ

9፡00 ካርቱን

9፡28 ሄሎው ደባይ

11፡05 ብጋህዲ

11፡35 ፓኖራማ

12፡15 ዶክተራት ኣብ ስትድዮ ብቐጥታ

13፡30 ሙ/ድራማ14፡00 ሞዛይክ ብቐጥታ16፡45 ኣብዚ ሰሙን’ዚ17፡15 ማእገር ብቐጥታ18፡55 ህርመት 20፡00 ዜና ትግረ20፡10 ተኸታታሊት ፊልም ሻከት21፡00 ዜና ትግርኛ21፡25 ድባብ ብቐጥታ22፡00 ዜና ዓረብ22፡10 tec insight22፡30 ዜና እንግሊዝ22፡40 FILM

ሰኑይ 23/01/2017

ሰዓት መደብ

09፡00 ካርቱን

09፡28 ም/ሞያውያን

10፡05 N/Geographic

11፡00 ዘተ ስፖርት

11፡45 ፓኖራማ

12:30 ዜና ትግርኛ

12:50 ጩራ ጥዕና

13:30 ዜና ዓረብ

13:40 ኣልመጀላ

14:00 ናትራን ብቕጥታ

16:00 ዶክተራት

17:15 DOC FILM

17:45 ሙ/ድራማ

18፡10 መደብ ሕላይ

20:00 ዜና ትግረ

20:10 ልዝብ መንእሰያት

21:00 ዜና ትግርኛ

21:20 ደሃይ ደቂ ሓደ ልቢ

22:00 ዜና ብዓረብ

22:10 መላምሕ

22፡30 ዜና እንግሊዝ

22፡40 FILM

ሰንበት 22/01/2017መደብ ምጥርናፍ ዓድታት ብኣድማዕነት

ንኽትግበር፡ ህዝቢ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣዘኻኺሩ።ብ17ን 18ን ጥሪ ኣብ ከተማ ከረን

ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣቶ ዓሊ፡ ምጥርናፍ ዓድታት ኣገዳስነቱ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝተቐስመ ተመኲሮታት ምርኲስ ብምግባር፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልዑል ቈላሕታ ተዋሂብዎ ክድፋኣሉ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ በብጽላቱ ንዝተሰላሰለ

ንጥፈታትን ናይ መጻኢ መደባትን ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡን ሰፊሕ ዘተ ተኻዪዱሉን።ብመሰረት’ቲ ጸብጻባት፡ ኣብ ትካላት

ጥዕና ዝሓርሳ ኣዴታት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ዕቤት ከምዘርኣየ፣ ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ተሳታፍነት ደቂ-ተባዕትዮ ብልዕሊ 55 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ - ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ግን ብ11 ሚእታዊት ከምዝጐደለ በሪሁ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 2016 ብዝነበረ ህጡር

ክራማት ብያታውን ዘበናውን ኣገባብ ካብ ዝተሓርሰ ኣስታት 58,100 ሄክታር ዝሓሸ ምህርቲ ኣእካል ከምእተሓፍሰ፡ ኣብ

ፍረታት ግን ካብ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝውሓደ እቶት ከም እተረኽበ ተገምጊሙ። ርእሰ-ውጥን ከተማ ሓጋዝ፡ ሓውሲ

ከተማ ዒላበርዕድ፡ ሓመልማሎ፡ ገለብን ሰልዓን ንምጽፋፍ - ካብቶም ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ክትግበሩ ተወጢኖም ዘለዉ

ዓንሰባ - ኣብ ምጥርናፍ ዓድታት ተሳትፎ ህዝቢ ክዓዝዝ ተሓቲቱ

መደባት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።ኣብ መወዳእታ፡ ሓረስቶት ጸረ-ባልዕ

መድሃኒት ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ተረዲኦም ኣብ ኣጠቓቕማኡ ጥንቃቐ ክገብሩ፡ መደብ ምህናጽ መጸበዪ ሓራሳት ኣስማጥ፡ ሃማሽድባን ሂምቦል-ቀጨጭን ብቕልጡፍ ክትግበር መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ዝተመሓየሽ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይህብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።ሽግር ዝስተ ማይ ከተማ ባረንቱ

ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ ከፊላዊ ፍታሕ ኣረጋጊጹ ምህላዉ፡ ኣብተን ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ዝርከብ ብጸሓያዊ ጸዓትን ናይ ኢድ ፖንፓን ዝሰርሕ ፕሮጀክትታት ግን ምትዕርራይ የድልዮ ስለዘሎ ንዕኡ ዝምልከት መደብ ከምዘሎ፡ ምብራስ ኣግራብ እናሳዕረረ ይኸይድ ብምህላዉ ድማ ጽኑዕ ቊጽጽር ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።ጥዕና እንስሳታት ንምሕላው ብዝካየድ

ኣብ መደባት ልምዓት ኮማዊ ተሳትፎ ...

ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ

መደባት፡ ኣብ 11 ምምሕዳራት ከባቢ ልዕሊ 69 ሽሕ ጥሪት ከምእተኸትባ፡ እዚ ድማ ምስ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ15 ሚእታዊት ዕቤት ከምዘርኣየ ዝገለጸ ኣቶ ኣውረልዮ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካ

ኣቶ ዑመር መሓመድ ብወገኑ፡ ሽግር ዝስተ ማይ ከተማ ባረንቱ ንምፍታሕ ዝካየድ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ’ውን ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።ኣኼበኛታት ብወገኖም፡ ሕጋዊ ታሪፍ

መጓዓዝያን ዘይሕጋዊ ምስራሕ ኣባይቲ ኣብ ከተማ ባረንቱን ጥቡቕ ምክትታል ክግበረሉ ተላብዮም።

ስ/ሙሴ ኪዳነ

Page 3: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 3መበል 25 ዓመት ቁ.123

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻ፡ ኣቲኻዮ ዘይሰድድ ፍቕሪ!

ሕርሻን መግብን

* ብመጀመርታ ምስ ነብስኻን ስራሕካንዶ ክተላልየና?

- ብንያም ስብሃቱ እብሃል። እዚ ዘለናዮ ቦታ ‘ዓ’ሳግላ’ ዝብሃል ኰይኑ፡ ኣብ ዓዲ ዂታ እዩ ዝርከብ። እዚ ሕጂ ናይ ሕርሻ ቦታ ዀይኑ ዘሎ፡ ከምዚ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ መሬት፡ እምንን ኣኻውሕን ዝመልአ፡ ጽዑቕ ቈጥቋጥ ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ነበርቲ እዚ ከባቢ ድማ ከም መውዓል ከብቲ ይጥቀምሉ ነይሮም። ኣነ፡ ኣብ 2005 ነዚ ቦታ ንኸልምዖ ንዓዲ ምስ ሓተትኩ፡ ተቐቢሎምኒ። ኣዝዩ ከቢድ ጻዕርን ብዙሕ ወጻኢታት ብምግባር፡ ካብ ኣስመራ ዶዘር ኣምጺአ፡ ጉልበተይ እናሓወስኩ፡ ሸቃሎ እና’ውፈርኩ ንኣስታት 3 ዓመታት ዝኸውን ኣብ ምቝጥቋጥ ኣግራብ፡ ምእላይ ደናጉላን ምድልዳል መሬትን ኣሕሊፈዮ።

* ብድሕሪኡኸ- እቲ ቦታ ምስ ተደላደለ፡ ናብ ግራት ሕርሻ እናተቐየረ መጺኡ። ገለ ገለ ኣትክልቲ ተኺለ። ነዚ ስራሕ ዘካይድ ክኢላን ሸቃሎን ብምቝጻር ድማ ደሓን ክስጕም ጀሚረ።

* እንታይ ዓይነት ኣትክልቲ ኢኻ ተልምዕ ዘለኻ?

- ዝያዳ’ኳ ኣራንሺን ፓፓዮን እየ መሪጸ። ካልኦት ዓይነት ኣሕምልቲ'ውን ተኺለ ኣለኹ። ብፍላይ እዚ ብሕርሻዊ ምርምር ዝተረጋገጸ ኣብ ሓጺር እዋን ዝፈሪ ዓሌት ፓፓዮ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ። እቲ ዘድልዮ ማይን ኰስኳስን እንተ ረኺቡ፡ ኣብ 10 ኣዋርሕ

ፍርያቱ ክህብ ይጅምር። ብተወሳኺ፡ ከም ጉዕ በርበረ፡ ድንሽ፡ ኣውሊዕ ዝኣመሰሉ’ውን አፍሪ እየ። ንተኽሊ ዝኸውን ፈልስታት’ውን ኣብዚ አፍልስ’የ።

* መስኖኣዊ ምስልሳላት ብኸመይ ይካየድ?- እዚ ቦታ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ኩርባታት ስለ ዝነበረ፡ መጀመርታ ናይ ማይ ክኢላታት ኣምጺአ ኣፈቲሸዮ። ማይ ከም ዘሎዎ ምስ ተረጋገጸ፡ ብማሽን እናዀዓትና ክሳዕ 16 ሜትሮ ንታሕቲ ኣእማን ኣውጺእና፡ ዓይኒ ማይ ረኺብና። እንተዀነ፡ እቲ ማይ እኹል ኣይነበረን። ብሰንኩ ኸኣ ከምቲ ዝድለ ክንስጕም ኣይከኣልናን።

ጸኒሑ ግና በዚ ልዕሌና፡ መንግስቲ ዲጋ ምስ ሃነጸ፡ ናይ ማይ ጸገምና ተፈቲሑ። እቲ ዒላ ምሉእ ዓመት ማይ ዝጸግብ ኰይኑ። ካብቲ ዒላ ብሞተረ ብትቦታት ማይ እናሰሓብና ድማ፡ ነዚ ሕርሻ ካናለታት ጌርና፡ ናብ ነፍሲ ወከፍ ተኽሊ ከም ዝበጽሕ ንገብሮ።

* እቶትከ ድሕሪ ምፍታሕ ማይ ከመይ ቀጺሉ?- ብሓፈሻ እንተ ርኢናዮ ዘተባብዕ እዩ። ኣዳቒቕካ ክትርእዮ ከለኻ ግን ከምቲ ትሃልኮን ትጽዕሮን ኣይትረክብን ኢኻ። ዋላ'ኳ ኣዝዩ ኣዕጋቢ እቶት ዝሓፍስ እንተዀንኩ፡ ኣብ ዕዳጋታት ኣዝየ እየ ዝህሰ። ከምቲ ንደልዮ ኣይከደልናን እዩ። ካባና ካብቶም ኣፍረይቲ ንላዕሊ፡ እቶም ነጋዶ ዝረብሑዎ ይበዝሕ።

ጀጋኑ

ልምዓት

ዝበዝሕ ሓረስታይ ሃገርና፡ ካብ ኣቦታቱን ኣባሓጐታቱን ብዝወረሶን ዝተረከቦን እዩ ህይወት ሕርሻ ዝቕጽሎ። ገሊኡ ድማ ብዛዕባ'ቲ ክኣትዎ ዝሓስብ ሞያ ኣቐዲሙ ብግቡእ ኣጽኒዑ፡ ከም ዘዋጽኦ ፈሊጡ ይጽንበሮ። ካልኦት ድማ ብወዝቢ ወይ ብሓንቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ፍጹም ሓሊሞሞ'ውን ዘይፈልጡ ዓይነት ሞያ ይኣትዉ።ቢንያም ምስ ዓርኩ ብስራሕ ምስ ገሹ፡ ንኽዛነዩ ኢሎም ኣብ ከባቢ ዓዱ ደው ኢሎም በረኻ እና'ስተማቐሩ ኸለዉ፡ "እዛ ትርኣየካ ቦታስ ንሕርሻ ተመንየካ" ተበሃሂሎም። ጥቓ ጸሊም ጽርግያ እያ ነይራ። "ቈጥቊጥካ ንጀርዲን ግርም መድምዐት" ወሲኾም። ንእለቱ ድማ ከምዛ ዋዛ ወሲኖም። ናብ ባይቶ ዓዱ ኸይዱ ሓቲቱ። ባይቶ ዓዲ፡ "ርኸብ ኣይትስኣን" ኢሎሞ። እንሆ እምበኣር እቲ ኸም ዋዛ ዝተጀመረ ስራሕ፡ ፓፓዮ፡ ኣራንሺ፡ ድንሽ፡ ኮመደረን ካልእን ዝፈርዮ ዓቢ ጀርዲን ኰይኑ። ናብ ኣቶ ብንያም፡ ኣብ ጀርዲኑ ብምኻድ ምስ ምዕባለታት ሕርሻኡ ዝተሓሓዝ ሓጺር ዕላል ኣካይድና ኔርና፡ ጽማቝ ትሕዝቶኡ ይስዕብ።

* ናይ መጻኢ መደባትካ ከመይ ይመስል?- ነዚ ጀሚረዮ ዘለኹ ሕርሻ ዓበይቲ ኣትክልቲ ብሰፊሑ እየ ክሕዞ ዝደሊ። ብርክት ዝበለ ሓደስቲ ፓፓዮ ወሲኸ ኣለኹ። ካብኡ ሓሊፈ፡ እንስሳታት ከም ሓሰማ፡ ደርሁ፡ ስታላ'ውን ከይተረፈ ክገብር መደብ ኣሎኒ። ብሓፈሻኡ ፍረታት፡ ስጋን እንቋቝሖን ንህዝቢ ክቕርብ እዩ ድሌተይ። ድሕሪ ሓደ ዓመት እንተ ተመሊስኩም፡ ዓቢ ለውጢ ክትርእዩ ተስፋ ኣሎኒ።

* ተወሳኺ ክትብሎ እትደሊ እንተሎ...- ኣነ ብዛዕባ ሓደ ልሙድ ባህሊ ንሓረስቶት ክመክር እደሊ። ንኣብነት ጉዕ ተኺልካ ክሳዕ እተእትዋ 10 ወርሒ እያ ትወስድ። ፓፓዮ’ውን ካብኡ ዘይፍለ ኣብ ፍረ ክበጽሕ 10 ወርሒ ጥራይ እዩ ዝወስደሉ። ስለዚ መለሳ መሬት ከርክበና እዩ ከይበሉ፡ ደሓን ዝዀነ ማይ እንተ'ለዎም ከም በዓል ፓፓዮ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፍረታት እናተኸሉ ንዕዳጋ ከቕርቡ እላቦ።

ኤርምያስ ሰሎሞን ዮናስ ንጉሰ

ኣቶ ብንያም ስብሃቱጀርዲን ብንያም ኣብ እዋን ምምስራቱ

መስርሕ ምዅዓት ዒላ - 16 ሜትሮ

ዓይነት መግቢኣሰራርሓ መግቢ

መረቕ ብርስንዓቐን-1 ማንካ ሻሂ ዝደኸመ ፐርሰሜሎ1 ማንካ ሻሂ ዝደኸመ ጉንዲ ሰዴኖ1 ኩባያ ብርስን ዘይተጸጸየ 1 ማንካ ዝደኸመ ጻዕዳ ሽጉርቲ1 ዳዶ1 ማንካ ጣውላ ሽጉርቲ ቐይሕ ጨው ከም ኣድላይነቱ¼ ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም¼ ኹባያ ዘይቲ

ኣገባብነቲ ዓደስ ጽቡቕ ጌርና ንሓጽቦ፡ ብድሕሪኡ ኣብሲልና ንጥሕኖ፡ መሊስና ንስኽትቶ ሽዑ ነቲ ኩሉ ቀመማት ማለት ሽጉርቲ ጻዕዳ፡ ፐርሰሜሎ፡ ሰዴኖ፡ ዳዶ፥ ጨው፡ በርበረ ጸሊም፥ ኣእቲና ብዘይቲ ነብስሎ፡ ብድሕሪዚ በሲሉ ምስ በልናዮ ኣወሃሂድና ንመግቢ ንቕርቦ።

መረቕ ፉልዓቐን፥½ ኩባያ ፉል ተቐልዩ ተጨጭፉ ዝተወቕጠ½ ማንካ ጣውላ ዝደኸመ ሰዴኖ2 ኩባያ መረቕ ዳዶ1 እንቋቚሖ1 ኩባያ ጸባ½ ማንካ ሻሂ በርበረ1 ኩባያ ክሬም 1 ማንካ ሻሂ በርበረ ጸሊም½ ማንካ ሻሂ ዝደኸመ ሽጉርቲ ጻዕዳ

ኣገባብመጀመርታ ሽጉርቲ ጻዕዳ ሰዴኖ ፐርሰሜሎ ን5 ደቂቕ ካብቲ መረቕ ዳዶ ገይርና ነብስሎ ምስ በሰለ ዝተወቕዐ እንቋቚሖ ሓሩጭ ፊኖ ወይ ጥሑን ጸባ ማይ ዳዶ ኣእቲና ጨውን በረበረ ጸሊም ኣእቲና ነውርዶ ፉል ነስኒስና ንቕርቦ፡ እንተኣድልዩ ክሬም ብላዕሊ ኣመልኪዕና ንቕርቦ።

Page 4: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 4መበል 25 ዓመት ቁ.123

* ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ንዝነበረ ደረጃ ትምህርትኻ ክንደይ ተርታ እናወጻእኻ ኢኻ ዛዚምካዮ?

- ኣብ 3ይ፡ 7ይን 9ይን ብልጫ ክወስድ እንከለኹ፡ ኣብተን ካልኦት ደረጃ ናይ ክፍለይ ድማ ካብቶም ዝበለጹ ዓሰረተ ተማሃሮ ብምዃን’የ ዛዚመዮ።

* ብኸመይ ደኣ ኣብተን ካልኦት ደረጃ ትምህርትኻ ብልጫ ዘይወሰድካ?

- ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍሊ ናይ ምውድዳር ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ኣብቲ ዝተረፈ ግና እቶም መዋዳድርተይ ን ዓት ብምንባሮም ኣፍደገ ብልጫ ስለ ዝሰኣንኩ ደኣ’ምበር ስለ ዝሓመቕኩ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ ነጥበይ ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ ነይሩ።

* ኣብ 8ይ ክፍሊ ዝካየድ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ማለት ጀነራል ክንደይ

ነጥቢ ኢኻ ረኺብካ?

- 96.5%።

* ሕጂኸ ብልጫ ንምውሳድ ዘሎ ምድልዋትካ ከመይ’ዩ ዘሎ?

- እቲ ቀዳማይ ታርጌተይ ኣብ ታሽዓይ ክፍሊ ንዝነበረኒ ሃጓፋተይ ወይ ድኽመታተይ ሸፊነ ቀዳማይ ኮይነ ንኽዕወት’የ ተዳልየ ዘለኹ።

* ዝተፋላልዩ ሰባት ንዝረኽብዎ ትርፊ ግዜ ኣብ በበይኑ መዓላ’ዮም ዘውዕልዎ፡ ንስኻኸ ከም ተማሃራይ መጠን ካብ

ትምህርቲ ወጻኢ ንእትረኽቦ ትርፊ ግዜ ኣብ ምንታይ ኢኻ ተሕልፎ?

- ኣብ ትርፊ ግዜይ መጻሕፍቲ አንብብ’የ። ምስ መዛኖይ’ውን እጻወት’የ። ብፍሉይ ከኣ ደጋፊ ማንቸስተር ዩናይትድ ስለ ዝኾንኩ ጸወታ ኵዕሶ-እግሪ እርኢ።

* ኵዑሶ ምርኣይ’ሞ ንናይ መጽናዕትኻ ግዜ ኣይጫሮተንዶ?

- ኣይጫሮቶን’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትርፊ ግዜይ’የ ዝርእዮ። ብፍላይ ኣብ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ናይ ስፖርት ሕቶታት ስለ ዘሎ ነቲ ዝቐርበልካ ሕቶታት ንኽትምልሶ ይሕግዘካ’ዩ። እዚ ክብል እንኮለኹ ግና ዝተወሰነ ጸወታታት ደኣ’ምበር ንኹሉ ጸወታታት ግዜኻ ኣጥፊእኻ ክትርእዮ ኣለካ ማለተይ ኣይኮነን።

* ገለ ካብቶም ዘንበብካዮም መጻሕፍቲ ከም ኣብነት ክትጠቕሰለይ እንተ ዝሓተካ?

- ብዙሓት መጻሕፍቲ’የ ኣንቢበ። ንኣብነት ንኽልቴና’ባ ተመርዖ፡ ካቴና፡ ኣላዲን፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ “Oliver twist፡” “Nelsen mandela’s history፡” ኣንቢበ ዝወዳእክወን

መጻሕፍቲ ክኾና ከለዋ፡ ማሰን መልቀስን ቀዳሞት ዘርእስታ መጽሓፍ ናይ ኣቶ ሰለሙን ጸሃየ’ውን ጀሚረያ ኣለኹ።

* ተማሃሮ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርቶም ን ዓት ንክኾኑ እንታይ ክገብሩ’ዩ ዘለዎም?

- እቲ ቀንዲ ነገር ተገዳስነት’ዩ። ስለዚ ተስፋ ከይቆረጹ ብተገዳስነት ክጽዕሩ ኣለዎም። ኣብ ዓለም ከኣ ዘይከኣል ነገር ከም ዘየለ ኣሚኖም ኣበርቲዖም ክጽዕሩ’ዩ ዘለዎም። ምኽንያቱ ዓወት ብጻዕሪ’ዩ ዝርከብ።

* ካብ ኣባላት ስድራቤትካ ሞዴል ኮይኖም ዝመርሑኻ ኣለዉዶ? ማለተይ ን ዕ ንኽትከውን ድርኺት ዝፈጠርሉካ?

- ናይ ኩሎም ኣባላት ስድራቤተይ ሓገዝ ኣይተፈልየንን፣ ብፍሉይ ግና እቲ ናተይ ነጥበ መቐይሮን ሞዴልን ዝብሎ ኣቦይ።

* ኣብቲ ብኣብያተ ትምህርቲ ዝካየድ ተወስኽቲ ንጥፈታት ከም ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ክትዕን መደረን ዝኣመሰሉ ንጥፈታትከ ትሳተፍዶ?

- እወ እሳተፍ’የ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መደረን ክትዕን ጽቡቕ ዝኾነ ኣቃራርባ ስለ ዝኽተል እዕወት’የ።

* መዓልታዊ ክትረኽቦም ትደሊ ተማሃሮ ከመይ ዝበሉ’ዮም?

- ብትምህርቲ ን ዓት፡ ብጠባዮም ምስጉናት ዝኾኑ ተማሃሮ። እዚ ክብለካ እንከለኹ ግና ነቶም ካብዚ ወጻኢ ጠባይ ዘለዎም ሰባት’ውን ክሕግዞም ስለ ዝደሊ ክረኽቦም እደሊ’የ።

* እዋናዊ ሕልምኻኸ እንታይ’ዩ ዘሎ?

- እቲ ቀዳማይ ሕልሚ ኣብ ማትሪክ ጽቡቕ ነጥቢ ከምጽእ’ዩ። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ኮለጅ ኣምሪሐ፡ ብልዕሉል ነጥቢ ተመሪቐ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዶክትረይት በጺሐ ንሕማም ካንሰርን ካልኦት ዓበይቲ ሕማማትን ክፍውስ’ዩ እዋናዊ ሕልመይ።

* ስለምታይ ደኣ ካብ’ዚ ኹሉ ዓይነት ሞያ ነዚ ዓውዲ’ዚ መሪጽካ?

- ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት በዚ ሕማም’ዚ ክኹለፉ ንርኢ ኣለና። ገሊኦም ቆልዑ ድማ ብሰንኪ እዞም ዓበይቲ ሕማማት እዚኣቶም ወለዶም ስኢኖም ክዝኽትሙ ስለ ዝርኢ’የ።

* ዕላልና ናብ ምዝዛሙ ገጹ’ዩ ናታን። ኣብ መወዳእታ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንከማኻ ተማሃሮ ከተማሓላልፎ ትደሊ መልእኽቲ

እንተ’ሎ ንእሽቶ ዕድል ክህበካ?

- በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክብሎ ዝደሊ እንተ’ሎ፡ ንሕና ተማሃሮ ነዚ ረኺብናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ዕድል ተጠቒምና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክንበጽሕ ኣለና። ጎኒ-ጎኒ ናይ ኣካዳምያዊ ትምህርትና ድማ ካልኦት ዘገድሱና ንጥፈታት እናኣካየድና ግዜና ብጽቡቕ ክንጥቀመሉ ይግባእ። ብሓፈሻ ድማ ተማሃሮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሖም ስሞም፡ ስም ስድርኦምን ሃገሮምን ክኹሉዑ ከም ዘለዎም እላቦ።

* የቐንየልና ናታን።

- ንዓይውን ነዚ ዕድል’ዚ ብምሃብኩም የቐንየለይ።

መርሃዊ ታደሰ

“ኣብ ቁጽሪ ንኽትነፍዑ ምልምማድ

የድልየኩም። ምልምማድ፡ ፍጹም

ይገብር።” ይብለና ነይሩ ሓደ

ካብ’ቶም ዝዝክሮም መምህራንና።

“ፍቕሪ፡ ካብ ምልምማድ እዩ።”

ዝብሉ ሰባት‘ውን ድሒረ ንምስማዕ

በቒዐ። ሓሳባት ናይ’ዞም ኩሎም ሰባት፡

ኣብ ሓደ ይጠቓለል እንተዝበሃል

ከኣ፡ ‘ኣብ ቁጽሪ ኮነ ኣብ ፍቕሪ

ዕዉት ንምዃን፡ ምልምማድ የድሊ፡

’ ምተባህለ መስለኒ።

ነዛ ዓለም ኣብ ምቕያር ልዑል

ተራ ዝተጻወቱ ክልተ ደርማሳት

ረቛሒታት፡ ቁጽሪን ፍቕሪን እዮም።

ኣብ ኩሉ ነገር ቁጽሪን ፍቕሪን

ኣለዉ። ካብ ጣዕሚ ዝመልኦ ህላወ

ክሳብ ክብሪን ወግዒን ዘለዎ ስነ-

ስርዓት ቀብሪ፡ ፍቕሪ ኣሎ። ንኸልብኻ

ዝኸውን ገዛ ካብ ምድላው፡ ክሳብ

ሚሳይል ምስራሕ ከኣ፡ ቁጽሪ ኣሎ።

ንፍቕሪን ቁጽሪን፡ ከም ኦክስጅን

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ምጽናሕ

ተኽእሎ ዘለዎም ኣምራት ኢልና

ቅጽል ከነልግበሎም ንኽእል’ውን

ይመስለኒ። እዞም ዝተጠቕሱ ክልተ

ረቛሒታት እንተዘይነብሩ ግን እዛ

ዓለም ከመይ ምመሰለት፧ እዚ ሕጂ

ተበጺሑ ዘለ ደረጃ ናብራን ምዕባለን

ክብጻሕ ምተኻእለ’ዶ፧ ነዞም ክልተ

ዓበይቲ ረቛሒታት ክትክኡ ዝኽእሉ

ካልኦት ኣማራጺታት ክንረክብ

ንኽእል ዲና፧ ብዘይብእኦም’ከ እዛ

ዓለም ምሃለወትዶ ኣይምሃለወትን፧

ከም ዝርግሐኦም፡ ብዛዕባኦም ዝለዓል

ናይ ሕቶታት ተርታ ‘ውን ብዙሕ

እዩ።

እቲ ካልእ ገጽ ፍቕሪን ቁጽሪን ከኣ፡

ብዙሓት ሰባት ንዕኦም እናኣልዓሉ

ከማርሩ ዝስምዑ ምዃኖም’ዩ።

“ፍቕሪን ምዃን ኣብይኒ፡ ንዓይ

ዝኸውን ሰብ የለን ማለት ዲዩ፧!”

ኣይበልካን ወይ ዝብሉ ኣይሰማዕካን

ዲኻ፧ “ኣነን ፍቕሪን፡ ኣብ ክልተኦም

ናይ ምድሪ ዋልታታት ኢና፣ ወርትግ

ተመዓደውቲ።” ምባልከ፧ ብቑጽሪን

ቁጽርጻሩን’ከ ኣየማረርካንዶ፧

ዝተባህለ እንተተባህለ ብዘይብእኦም

ከም ዘይኮነልና ብሩህ እዩ። ዋላ

እኳ ደረጃ ናይ ኣድላይነቶም ማዕረ

እዩ ንምባል ኣይኹን፡ ብዙሕ ናይ

ህላውነትን ምንባርን ትንግርቲ ግን

ኣብ’ዞም ክልተ ዓበይቲ ኣዕኑድ እዩ

ጸግዑ ዝሕዝ። ምስ ቁጽሪን ፍቕሪን

ንምትዕራቕ እምበኣር፡ ኣገዳስነት

ምልምማድ ዓቢ እዩ በሉኹም። እስኪ

ፈለማ ብዛዕባ ፍቕሪ ነውግዕ።

ሓደ ሰብ ዝህልዎ ናይ ምልምማድ

ክእለትን ዕድልን፡ ኣብቲ ዝምስርቶ

ዝምድና ዝህልዎ ጽልዋ ዘይቀሊል እዩ።

ምኽንያቱ፡ ምቅርራባት እናተዘርግሑ

እንክኸዱ፣ ሓባራዊ ዝኾነ ሓጎስ ናይ

ምፍጣር፡ ሽግራት ብምርድዳእ ናይ

ምፍታሕ፡ ሕልምታት ናይ ምክፋልን

ምጽብባቕን ተኽእሎታት ክርኣዩ

ይጅምሩ። ምስ ዕምቆት ናይ’ዞም

ተኽእሎታት ከኣ፡ ብፍቕሪ ሓደ

ኮይንና ነዚ ዝምድናና ዘይነማዕብሎ

ምባል ይስዕብ።

ሕዉሳት ኣብ ዝኾኑ ሰባት፡

ተኽእሎ እዚ ብምልምማድ ዝፍጠር

ፍቕሪ ዝሰፍሐ እዩ። ብዋዛ ዝጀመርዎ

ዝምድና ናብ ካልእ ናይ ህይወት

ፍሽኽታ ሒዝዎም እንክዕዘር‘ውን

ግር ይብሎም እዩ። እቲ ጽኑሕ

ምቅርራብ ግን ከም መሰረት ብምዃን

ናብ እቲ ዝወሸጠ ክፋሉ የሰንዮም።

ብኣንጻር እዚ፡ ዕላሎምን ግዜኦምን

ኣብ ቀረባ ርሕቐት ወይ ነብሶም

ጥራይ ከውዕልዎ ኣብ ዝነበሩ ሰባት፡

ካብ ምልምማድ ንዝኽሰት ተኽእሎ

ምጽባይ ክብድ ዝበለ ይኸውን።

ዘይተርፍ ጻውዒት ኮይኑ ብምኽንያት

ኻልኦት ኣጋጣሚታት ኣብ ዝኽሰተሉ

እኳ፡ ንኽቕበልዎን ክገልጽውዎን

ቀሊል ኣይከውንን። ሓደ ተዋዛያይ

ንሓደ ዘይሕዉስ ሰብ “ባዕላ ተላምድን

ትወስድ እንተረኺብካ እምበር፡ ንስኻስ

ክሳብ ምጾታት ናይ ምጽናሕ ዕድል

እንተዝወሃበካ’ውን በይንኻ ተሕልፎ

ኢኻ ትመስል።” ክብል ምኽሪ ሓዘል

ዳእላ ሰው ኣቢልሉ ነይሩ። ናብ

ነብሱ ጥራይ ምቕራቡ፡ ካብ ካልኦት

ይፈልዮ ከም ዘሎ እዩ ብተዘዋዋሪ

ክነግሮ ደልዩ።

ዋላ እኳ ኣገዳስነት ናይ ምልምማድ

ከም’ዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ይኹን፡ ኣብ

ምልምማድ’ውን ምስትብሃል ዘድልዮ

ሸነኽ ኣሎ። እዚ ከኣ ዕምቖት ናይ

ምልምማድን ምፍላጥን እዩ። እዚ

ከኣ፡ ዝተፈላለዩ ጸበብቲ ኣጋጣሚታት

ብዝፈጥርዎ ስሑው ናይ ምርእኣይን

ምፍላጥን ድፍኢት ጥራይ፡ ‘ጽቡቕ

ጌረ ይፈልጣ/ጦ እየ’ ብምባል ዓበይቲ

ውሳኔታት ምውሳድ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ

ስለዝኸውን’ዩ። “እንክፈልጦ/ጣ

ከምኡ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን/ትን፣

ተታሊለ እየ።” ብምባል ዘማርሩ ሰባት

እውን ናይ ስዕረቶም መበገሲ ኣብ’ዚ

እዩ። ገጣሚ መለስ ንጉሰ “ሰብ ኣብ

ምፍላጡ ምስትውዓል የድሊ፡ ሽሕን

ሚእትን ካብ ኮነ ዓይነቱ ከም ተኽሊ”

ዝበሎ‘ውን እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ኣብ መእተዊ እዚ ጽሑፍ ከም

ዝተተንከፈ፡ ቁጽሪ’ውን ምልምማድ

ዘድልዮ ካልእ ዓውዲ እዩ። ናይ

ቁጽሪ ክፍላተ ግዜያት ንብዙሓት

ሰባት ናይ ቀጨውጨው ክፍላተ

ግዜያትን ምኽንያት ጽልኣት ካልኦት

ዓውድታትን ዝኾናኦም‘ውን ኣብ’ዚ

ናይ ልምምድ ዓንኬል ብዝተገብረ ጌጋ

እዩ። እዚ ኸኣ ስሕው ዝኾነ ልምምድ

ወይ ከኣ ዘይቅኑዕ ናይ ልምምድ

ኣቀራርባ ክኸውን ይኽእል። እቲ

ዓቢ ስእሊ ኣምጺእካ ምስ ዝርአ

ግን፡ ኣብ ቁጽሪን ፍቕሪን ዘጋጥሙ

ቀጨውጨዋት፡ ዝመሳሰሉ’ውን

እዮም።

ቁጽሪ፡ ኪንዮ ተራ ዝኾነ ናይ

ቁጽሪታት ዕንክሊል ዝኸይድ፡ ግድላት

ተፈጥሮ ናይ ምፍታሕ መንገዲ

ምዃኑ ብምፍላጥ እቲ ልምምድ

ከም ዝጅምር ናይ’ቲ ዓውዲ ምሁራን

ይገልጹ። ‘ነፍሲ ወከፍ ቁዋመ-

መምርሒ(formula)፡ ናይ ዝተወሰኑ

ብድሆታት መልሲ ንምርካብ ዝውሰድ

መንገዲ’ዩ፣ ነፍሲወከፍ ናይ ቁጽሪ

ሕቶ ከኣ፡ ኣብ ግብራዊ ዓለም ናይ ዘሎ

ግድል መዘና’ዩ፣ ንስለ ምምሃር ወይ

ከኣ ኣብ ፈተና ክመጽእ’ዩ ብምባል

ዘይኮነ፡ ግብራዊ ዕዮ ኣብ ምስልሳል

ከም ዘለኻ ብምርዳእ ምምሃሩ ሓጋዚ

ይኸውን’ ክብሉ‘ውን ይውስኹ።

ናይ ቁጽሪን ፍቕሪን ግድላት፡

ብገለ ውሱን ልምምዳት ተፈቲሖም

ዝውድኡ ኣይኮኑን። እቲ ዓቢ ናይ

ፊዚክስ ሊቅ ኣልበርት ኣንስታይን

ብዛዕባ ናይ ቁጽሪ ግድላት እንክዛረብ

“ብዛዕባ ናይ ቁጽሪ ግድላትካ

ኣይትጨነቕ። ኣነ ንባዕለይ ካብ ናትካ

ዝገደዱ ግድላት ኣለዉኒ።” ይብል።

ኩሎም ናይ ተፈጥሮን ህይወትን

ግድላት ተፈቲሖም ክሳብ ዘይተወድኡ

ከኣ እቲ ምስ ግድላት ዝግበር ቅልስ

ክቕጽል እዩ። ኣብ’ዚ ሰናይ ናይ ቅልስ

መድረኽ ብምስታፍ ንዓኻ ዝኸውን

ዓወት ሒዝካ ምውጻእ እምበኣር

መንፍዓት ይበሃል። ወደሓንኩም።

ሙሴ ብርሃነ

መንደፈራ

ናታን የማነ’ዩ ዝብሃል። ኣብ 2001 ዓ.ም. ካብ ኣቦኡ ኣቶ የማነ ዓንደብርሃንን ወላዲቱ ወ/ሮ ልችያ በረኸትን ኣብ ኣስመራ ከባቢ ገዛ ከንሻ ተወሊዱ። ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ናይ መዋእለ ህጻናት ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ መዋእለ ህጻናት ሓድሽ ዓዲ፡ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ መደበር፡ ካብ ራብዓይይ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ይመሃር ኣሎ። ምስዚ ካብ ዓዲ-ጓዕዳድ እናተማላለሰ ዝመሃር ዘሎን ኣብ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ን/ዞባ ማእከል ከተማ ድማ ኣብ ንጥፈታት ማሕበር ብትግሃት ዝነጥፍ ዘሎን ሃብሮም ተማሃራይ ናታን የማነ ዘካየድናዮ ሓጺር ዕላል እምበኣር እዚ ዝስዕብ’ዩ ሰናይ ንባብ፥

Page 5: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 5መበል 25 ዓመት ቁ.123

ትንታነ ዜ

ተስፋኣለም የማነ

ሩስያ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣመሪካ 2016 ሳይበርያዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ንምስጢራዊ ኢመይላት ሂላሪ ክሊንተንን መሳርሕታን ሰርሲራ ናብ ቃልዕ እንተደኣ ኣውጺኣቶ ኮይና፡ ‘ንምንታይ ዕላማ ከምኡ ገይራ’ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ። ላዕለዎት ሰብ-መዚ ምምሕዳር ኦባማ፡ ቀዳማይ ዕላማ ናይ’ቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ሃገሩ እምነት ከምዘይህልዎ ንምግባር፡ እቲ ካልኣይ ዕላማ ድማ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እወታዊ ኣጠማምታ ስለዘለዎ፡ ብዋጋ ሂላሪ ክሊንተን ንዕኡ ናብ ኮረሻ ስልጣን ከምዝድይብ ንምግባር ምዃኑ ደጋጊሞም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። በዚ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ተወሳኺ ማዕቀብ ኣጽኒዑን ንዲፕሎማሰኛታታ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ዋሺንግተን ከም ዝወጹ ገይሩን። “ሩስያ፡ ብሕጂ’ውን ኣንጻር ኣመሪካ ዝቐንዐ ዝኾነ እከይ ተግባር ምስ እትፍጽም፡ ከቢድ ዋጋ ክትከፍለሉ ምዃና ዘዘኻኽር ቀጻዒ ስጉምቲ’ዩ” ክብል፡ እቲ ክሳብ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ገሊጹ ነይሩ። ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተሉዎ

ዝጸንሑ ሓያለ ወገናት ፈጺሙ ክወሓጠሎም ዘይክኣለ ሓደ ጉዳይ ግን ነይሩ። ንሱ ከኣ፡ ሰለስቲአን ትካላት ስለያን ጸጥታን ኣመሪካ ማለት፡ ማእከላይ ወኪል ስለያ (CIA)፡ ፈደራላዊ ቤት-ጽሕፈት መርመራ ገበን (FBI)፡ ከምኡ ድማ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (NSA)፡ እቲ ሳይበርያዊ መጥቃዕቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝተኻየደ ዝድምድም ጸብጻብ ድሕሪ’ቲ ናይ ማዕቀብ ስጉምቲ ምዝርግሐን እዩ። እዚ ከኣ፡ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ልዕሊ ትሽዓተ ትካላት ሩስያ ማዕቀብ ከጽንዕ እንከሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝኾነ መርትዖታት ከምዘይነበሮ ዘመልክት ኣብነት ምዃኑ እቶም ወገናት ይገልጹ። በዚ ምኽንያት ድማ’ዮም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሞስኮ ነቲ ስጉምቲ “ስምዒታዊ” ኢሎም ክገልጹዎ ዝተሰምዑ። ንሳቶም ወሲኾም፡ “ትራምፕ፡ ንዝምድና ክልተአን

ሃገራት ናብ ንቡር ከይመልሶ ኦባማ ደይ መደይ ኢሉ ነተጒቲ ኣጻዊድሉ ይኸይድ ኣሎ” ክብሉ ተዛሪቦም። ትማሊ ዓርቢ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ትካላት ስለያ ሃገሩ ዝዘርግሓኦ ጸብጻብ፡ እቲ ሳይበርያዊ መጥቃዕቲ ብሩስያ ከም ዝተፈጸመ ከእምን ዝኽእል ብቑዕ መርትዖታት ዘይብሉ ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፡ “ደጊም ኣብ ጉዳይ ዒራቕ ዘታለልክናና ይኣኽለክን!” ክብል ተሰሚዑ። ከም ዝዝከር፡ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ፡ ዒራቕ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሳዳም ሑሰን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንደቂ-ሰብ ከጽንቱ ዝኽእሉ ስነ-ቀመማውን ስነ-ህይወታውን ኣጽዋር ብብዝሒ ከዚና ከምዘላ ዘመልክት ስለያዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምዝርጋሑ እዩ ምምሕዳር ቡሽ ኣብ 2003 ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ወራር ኣበጊሱ። እቲ ወራር ንኣመሪካ ኣብ ዘይውጻእ ታኼላ ምስ ሸመማን፡ እቲ ዝተባህለ ውጉዝ ኣጽዋር ኣብ ባይታ ምስ ተሳእነን ድማ፡ “ማ.ወ.ስ እንዳኣሉ ኣጋግዩኒ . . .” ክብል ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ካብ ቤተ-መንግስቱ ኣብ ምስንባቱ ጣዕሳኡ ገሊጹ ነይሩ። ናይ ኣስታት 8 ቢልዮን ዶላር ርእሰ-

ማል ከምዝውንን ዝንገረሉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብኣባላት ኮንግረስ፡ ሓለፍቲ ትካላት ስለያን ጸጥታን ሃገሩ ንዝቐርበሉ ዘሎ መጠንቀቕታ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ምስ ሩስያ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ሓድሽ ናይ ዝምድና ምዕራፍ ክኸፍት ከም ዝኽእል ይገልጽ ኣሎ። ኣመሪካ ነቲ ዝዓበየ ዓለማዊ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ሽበራ ክትምክቶ እንተኾይና፡ ምስ ሩስያ ምሽራኽ ግድን ከድልያ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር ዘሎ። ትራምፕ፡ ኣመሪካ ኣንጻር ኣሸበርቲ ከተካይዶ ብዝጸንሐት ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘይዕግበቱ ክገልጽ፡ ብኣንጻሩ ድማ ሩስያ ኣብ ሶራያ ኣንጻር ዳዕሽን ካልኦት ጥሩፋት ጉጅለታትን ከተካይዶ ንዝጸንሐት ስርሒታት እናሻዕ ክምጉስ ተሰሚዑ’ዩ። “ፕረዚደንት ፑቲን እንተደኣ ንኣሸበርቲ ይጭፍጭፍ ሃልዩ ኮይኑ፡ ንኣመሪካ ከም ዓቢ መኽሰብ’ዩ ክጥመት ዘለዎ” ክብል ቅድሚ ገለ መዓልታት መግለጺ ኣስሚዑ ምንባሩ’ውን ኣይርሳዕን። ነቲ ብምምሕዳር ኦባማ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ድማ፡ “ሩስያ ኣብ ጉዳይ ቃልሲ ግብረ-ሽበራ ምስ ኣመሪካ ምሉእ ምትሕብባር ከተርኢ እንተኽኢላ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዘሎ ማዕቀባት ከነልዕሎ ኢና” ይብል ኣሎ።

ንሱ፡ ምምሕዳር ኦባማ በብእዋኑ ኣንጻር ሩስያ ዘሕለፎም ማዕቀባት፡ ንፖለቲካውን ወተሃደራውን ወጥሪ ክልተአን ሃገራት መሊሱ ካብ ምኽራር ሓሊፉ ካልእ ዘረጋገጾ ፋይዳ ከምዘየለ’ዩ ዝገልጽ። ኣብ መንጎ ምምሕዳራት ኦባማን

ፑቲንን ብሓፈሻ፡ ኣብ መንጎ ፑቲንን ሂላሪ ክሊንተንን ድማ ብፍላይ ሕሉፍ ጽልኢ ስለ ዝጸንሐ፡ ሂላሪ ክሊንተን ናብ ኮረሻ ስልጣን ንኸይትድይብ ሩስያ ኣቐዲማ ገለ ነገር ክትገብር ትጽቢት ከም ዝነበሮም ዝገልጹ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብ 2011፡ ኣብ ሞስኮ ኣንጻር ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝቐንዐ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ተለዓዒሉ ነይሩ። እቲ እዋን፡ ፑቲን ንሳልሳይ እብረ ናብ ኮረሻ ስልጣን ብምድያብ ንሩስያ ክመርሕ ዝጀመረሉ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ደጊሙ ናብ ስልጣን ምድያቡ ከቢድ ስግኣት ኮይኑ ዝተሰምዓ ኣመሪካ፡ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምጒህሃር ንፑቲን ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ብመገዲ’ታ ኣብቲ እዋን’ቲ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረት ሂላሪ ክሊንተን ኣቢላ ዝከኣላ ጽዒራ። እቲ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ዘፍሰሰትሉ ጻዕሪ ግን መወዳእታኡ ከይሰመረ ተሪፉ። ካልእ ንፑቲን ምሒር ኣቖጢዕዎ

ዝጸንሐ ጉዳይ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዘርግሐ - ንውልቃዊ ሃብቱ ዝምልከት ምስጢራዊ ሰነዳት እዩ። እቲ ብ‘ፓናማ ፐፐርስ’ ዝፍለጥ ብጠቕላላ 11.5 ሚልዮን ፊናንሲያዊ ምስጢራት ዘዝረቘ ሰነዳት፡ ፕረዚደንት ፑቲን 2 ቢልዮን ዶላር ውልቃዊ ሕሳብ ኣብ ባንክታት ከምዘለዎ’ዩ ዘረድእ። መንግስቲ ሩስያ ግን፡ እቲ ዝተዝርግሐ ምስጢራዊ ሰነድ ብምምሕዳር ኦባማ ከምዝተፈብረኸን ኣካል ናይ’ቲ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ፑቲን ካብ ስልጣን ንምእላዩ ከተካይዶ ዝጸንሐት ሽርሒታት ከምዝኾነን’ዩ ኣብ እዋኑ ምላሽ ሂቡሉ። ብዘይካ’ዚ፡ “መንግስቲ ሞስኮ ንኣትለታቱ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ክህቦም ጸኒሑ” ብዝብል ምኽንያት፡ ኩሎም ኣትለታት ሩስያ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ንኸይሳተፉ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ከካይዳኦ ዝጸንሓ ፖለቲካዊ ዘመተታት እውን፡ ሩስያ ንመስርሕ ምርጫ ኣመሪካ ብስዉር ብምጭዋይ፡ ሕነኣ ክትፈዲ ዝደረኻ እቲ ካልእ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል እቶም ተንተንቲ ወሲኾም ይገልጹ። የግዳስ፡ ትንታነኦም ብዝበዝሑ ክኢላታት ናይ’ቲ ዓውዲ ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን። ቀንዲ መሓዛ ሩስያ ንዝነበረ ኣመሪካዊ

በዓል ዋኒን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ክኸውን መዚዙ ዘሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ሃገሩን ሩስያን ንዘሎ ወጥሪ ንምፍኳስ ሓደ ሓደ ስጉምቲታት ክወስድ ከምዝኽእል ትጽቢታት ኣሎ። እንተኾነ፡ መጻኢ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብልክዕ ንምግማቱ ገና ኣጸጋሚ እዩ። ትራምፕ፡ ምስ ሩስያ ሽርክነት ንኸይምስርት ካብ ሓያለ ወገናቱ ተሪር ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ። ሕሉፍ ታሪኽ ክልተአን ሓያላን ሃገራት እንተደኣ ተመልኪትና’ውን፡ ዝምድናአን ክመሓየሽ ይኽእል እዩ ኢልካ ትጽቢት ክትገብር ዘኽእል ስእሊ ዝህብ ኣይኮነን። ንኽልተአን ሃገራት፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከሳንየን ዘይክእል ዓበይቲ ነጥቢታት ኣሎ፦ሓደ ካብኣቶም ጂኦ-ፖለቲካዊ

ረብሓታት እዩ። ሩስያ ኩሉ ግዜ ነቲ ኣብ 1990 ዘኽተመ ናይ ሕብረት-ሶቬት ዓርሞሽሽ ሓይሊን ጽልዋን ክትመልስ ክቱር ጥሙሕ ኣለዋ። ፑቲን፡ ሕብረት ሶቬት ክትበታተን ከምዘይነበራ ብምግላጽ፡ ኣካላ ንዝነበረ ከባቢታት ዳግማይ ከምዝሓብር ምግባሩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጽ። ድሮ’ውን ብሩስያ ዝምራሕ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ሕብረ-ሶቬት ነበር ዝጠርነፈን ቅርጺታት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓዘን ውድብን፡ ካልእ ናይ ምትእኽኻብ ኪዳንን ከምዝምስረት ክገብር ክኢሉ ኣሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኑ፡ ከምቲ ካልኦት ወገናቱ ዝበሉዎ - ኣመሪካ ንተወሰኽቲ 100 ዓመታት ኣብ ዓለም ዓብላሊት ሓይሊ ኮይና ክትቅጽል ምዃና ዘመልክት ንጹር ኣጀንዳ’ኳ እንተዘይብሉ፡ “ንኣመሪካ ዳግማይ ዓባይ ሃገር ክንገብራ ኢና” ዝብል ዘረባ ግን ከቃልሕ ጸኒሑ እዩ። ንመሪሕነት ፑቲን ሽሕ ግዜ ይመጉሶ ደኣ’ምበር፡ ንጽልዋታት ኣመሪካ ኣብ ዞባ ኤውሮሽያ ከተህስስ ዘኽእላ ዓቕሚ ዝደለበት ሓያል ሩስያ ክርኢ ግን ፈጺሙ ዝደሊ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣመሪካ ኣብተን ምስ ሩስያ

ዝዳወባ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ንዘለዋ ሓያል ጽልዋን ወተሃደራዊ ህላወን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከተቋርጾ ኣይትኽእልን እያ። ካልእ፡ ክልተአን ሃገራት ንኣህጉራዊ

ጉዳያት ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓታተን ስለዝጥምታኦ፡ ኩሉ ግዜ ተጻራሪ መርገጺታት’ዩ ዘለወን። ሩስያ፡ ዓለም ብክልተ ዝተወደነ ሓይሊ ክትምራሕ ኣለዋ ዝብል መርገጺ’ዩ ዘለዋ። ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ማዕረ ኣመሪካ ጽልዋ ክህልዋ ትደሊ። ፑቲን፡ ሩስያ ኣብ ጉጅለ-8 (ብኢንዱስትሪ ንዝማዕበላ ሃገራት ዝሓቁፍ ጉጅለ) ብዘለዋ ተራ፡ ኣብ ‘ሽማግለ ኔቶ - ሩስያ’ ድማ ዝኾነ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘይብላ ብምዃኑ ዘይዕገበቱ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ንሱ፡ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ንቕድም ክመያየጠሉ ዝኽእል ነጥቢ - ምምሕያሽ ክልተኣዊ ዝምድና’ኳ እንተኾነ፡ ሩስያ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ማዕረ ኣመሪካ ናይ ምስጓም ኣጀንዳታታ ግን፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየእትዎ እዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዝእምቱ። ብኣንጻሩ ግን፡ ሩስያ ነቲ ናይ ሕብረት ሶቬት ጽልዋታት ብምምላስ፡ ዓብላሊት ሓይሊ ኮይና ክትርአ ስለዘይትደሊ፡ ነቲ ክትክተሎ ዝጸንሐት ናይ ምድኻማን ምቁጽጻራን ፖሊሲ ከተቋርጾ ዘዋጽኣ ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ፡ ክልተአን ሓይሊታት ኣብ

ወታሃደራዊን ጸጥታውን ጉዳያት ተጻራሪ መርገጺ’የን ሒዘን ዘለዋ። ሩስያ፡ ጸጥታ ወይ ድሕነት ነጺልካ ክርአ ዘይክእል ጉዳይ ምዃኑ፡ እዚ ማለት ድማ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ፍጹም ጸጥታዊ ርግኣት፡ ንጸጥታ ካልኦት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ምውዳቕ ምዃኑ ትገልጽ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ንምትካል ስርዓተ-መከላኸሊ ሚሳይል ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳን ምብራቕ ኤስያን ብትሪ ክትቃወሞ ጸኒሓን ኣላን። ሩስያ፡ ንምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ነቶ) ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ’ውን ኣትሪራ’ያ ትቃወሞ። እቲ ስርዓተ-መከላኸሊ ሚሳይል ይኹን ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ንድሕነታን ረብሓታታን ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ፡ ኣድላዪ ዝበለቶ ወተሃደራዊ ግብረ-መልሲ ኣብ ምሃብ ትርከብ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ዓመታዊ ኣስታት 3.4 ቢልዮን ዶላር ብኣመሪካ ዝምጠወሉ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ “ግዚኡ ዘሕለፈ ዘይረብሕ ኪዳን” ክብል ገሊጹዎ ነይሩ። ኣበሃህላኡ ግን፡ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዳግመ-ክለሳ ተኻዪድሉ ዝያዳ ክሕይል ኣለዎ ንምባል ደኣ’ምበር፡ ኣድላይነት የብሉን ንምባል ኣይመስልን። ክንዲ ዝኾነ፡ ብምምሕዳር ኦባማ ኣቐዲሞም ናብ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮፓ ንዝተላእኩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራቱ ክስሕቦም ኣብ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ናይ’ቲ ዞባ ትጽቢት የለን።

ፍሕፍሕ ሩስያን ኣመሪካን ድሕሪ 20 ጥሪ ኸ . . .

2ይን መወዳእታን ክፋል

Page 6: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 6መበል 25 ዓመት ቁ.123

ዊንታ ገ/ሄር

ማንታ ምስሊ

“ እወ እንታይ ደኣ ከምኡ’ዩ ማማ። ብሕልናኻ ዝስራሕ ስራሕ’ኳ ኩሉ ግዜ’ዩ ዝኣስረካ። ኣብዚ ከኣ ንስኻ ከም ሰብ ቁሩብ ቀለም ቀሚስካ፡ ንምኽርን ሓገዝን ዝደልዩ ሰባት ከተገልግል ተስፋ ተነቢሩልካ ከተብቅዕ ምስሉይነት ክተርኢ ሕልና ዘይፈቕዶ ጉዳይ’ዩ። ዳሕራይ ድማ ተሽጊሮም ሓገዝ ደልዮም ኣብ ኦፊስካ ንዝመጽኡኻ ሰባት ኣብ ግቡእ ቦታኻን ግዜኻን ተረኺብካ እንተዘይሓጊዝካዮም ተወሳኺ ጭንቀት ትፈጥረሎም ኣለኻ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ምስ ሕልና ፈጺሙ ዘይሳነ’ዩ....” ዘረብኡ ኣይቀጸለን፡ ኣቶ ሃብቱ ኣብ መንጎ ኣተዉ። “ኣየ ሄኖስ ወደይ! ንርእስኻ

ብዙሕ ምኽሪ ዘድልየካ እንከሎስ ንሰባት ምኽሪ ክትልግስ ትውዕል ኣለኻ? ግና ሰባት ከምኡ ኢና። ኣብ ዓይንና ዘሎ ጉንዲ ከይረኣና ኣብ ዓይኒ እንዳማትና ዘሎ ሓበላ ብምርኣይ፡ ንዕኡ ከመይ ገይሮም ከልግስዎ ከምዘለዎም ክንመኽሮም ህርድግ ንብል። የግዳስ ጉንድና ምእላይዶ ኣይምሓሸን?” ምስ ዕድመ እናበጨወ ዝኸደ ግን ከኣ ጽባቐኡ ገና ዘይሃሰሰ ኣስናኖም ብናይ ባጫ ክምስታ ከፈትዎ።“ኣንታ ባባ፡ ኩሉ ዝመክር መዓስ

ምኽሪ ዘይደሊ ኰይኑ! ኩሉ ሰብ ኣብ ዝዀነ ግዜን ኣጋጣምን ሓሳብ ካልኦት ክካፈል ይደሊ’ዩ። ኣነ ብጉዳይ ጥዕናይ ካብ ብዓል ሞያ ሓኪም ዘድሊ ምኽርን ሓገዝን ከድልየኒ ይኽእል’ዩ። ሓኪም’ውን ንባዕሉ ምስ ጉዳይ ሕጊ ዝተሓሓዝ ጉዳይ እንተ ኣለዎ ናይ ሕጊ ምኽሪ የድልዮ። ብዓል ሞያ ሕጊ ምስ ቁጠባ ዝተኣሳሰር ዛዕባ ምስ ዝህልዎ ምስቲ ኣብቲ ሞያ ኣፍልጦ ዘለዋ ሰብ ይረዳዳእ። ሓደ ናይ ቁጠባ ክኢላ ብዝወረዶ ገንዘባዊ ክሳራ ምስ ዝጭነቕ፡ ካብ ብዓል ሞያ ስነ-ልቦና ምኽሪ ይደሊ ይኸውን። ሳላ ከምዚ ኢልና ኣብ ዘዝተዋፈርናሉ ዓውዲ እናተሓጋገዝና ክንነብር ብምኽኣልና ኢና ድማ፡ እዛ ብዙሕ ዝጐድላ ህይወትና ከም ምልእቲ ክንቅበላ ዝሕግዘና። የግዳስ ምኽርን ሓገዝን፡ ኣብ ጸገም እቲ ደላዪ ዝተመርኰሰ ርትዓዊ፡ ንዝግብኦ ሰብ፡ ኣብ ግቡእ ግዜን ቦታን ክትህቦ እንተኽኢልካ’ዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን። ንኣብነት ንመዓልቲ ካብ ዘድልየካ ገንዘብ ንላዕሊ ምሓዝ፡ ምንጪ ኩሉ ሕማቕ ነገር’ዩ፡” ዝብል እምነት ዘለዎ ሰብ ብዛዕባ ምኽዕባት ሃብቲ ተመኸርካዮ ኣገዳስነት ዝህልዎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ገንዘብ ብምሓዝ ክዕበ፡ ክብሪ ሰባት ክዝንግዕ፡ ክሰክር ከምሲ፡ ብንዋቱ ክሻቐል፡ ስስዐ ከጥሪ...’...ወዘተ ምኽንያት ስለ ዝዀኖ፡ እተን ኣብታ መዓልቲ ንመግቡን ካልእ ኣገደስቲ ነገራትን ዝሽፍናሉ ገንዘብ

ሒዙ ብሰላም ምንባር ይሓይሽ ዝብል ምኽሪ ካልኦት ዘየድልዮ ክኸውን ይኽእል’ዩ።” ነቲ ኣብ ገንዘብ ዘለዎም ኣርኣእያ ንምስራጽ ዝገብርዎ ምኽርን ማዕዳን ብዘይምቕባሉ ይዛረብዎ ምንባሮም ስለ ዘይሰሓቶ፡ ኣንጻር’ቲ ቅኑዕ ኢሉ ዝኣምነሉ ስነ-ሓሳብ ከም ዘለዉ ብጎቦጎቦ ከረድኦም ሓለነ።“ኣየ ንስኻ፡ ወረ እንታይ ኢኻ

ትኸውን ዘለኻ? ፈጺሙ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ካን ልዕለና ቀለም ተቘጸርካስ ልዕለና ኩሉ ነገር ትፈልጥ’ዩ ዝመስለካ ዘሎ። ቀደሙ ወለድና ምህሮ ሰይጣንዶ ኸ ኣይበልዎን፡” ዝህቦ ዝነበረ ግብረ መልሲ ሓሳቦም ንዘይምቕባል ምዃኑ ክዝንግዕዎ ኣይከኣሉን። የግዳስ ብዙሕ ግዜ ተዛሪቦሞ ከብቅዑ ዋላሓደ ለውጢ ክገብር ስለ ዘይረኣይዎ ኪኖኡ ምቕጻል ኣይተራእዮምን። “ደሓን ንሱ’ሞ ይጽንሓልካ።

ንመመረቕታኹም ዝኸውን ዕረፍቲዶ ኣይህብኹምን እዮም?” ወ/ሮ ኣረጋሽ ኣንፈት ዛዕባ ክቕይራ ሓሰባ። “ኣንታ መዓስ እዩኸ ዝኸውን ዘሎ እቲ መመረቕታኹም? ደጊምሲ ኣጋይሽና ምዕዳም ከድልየና’ዩ መስለኒ።” ኣቶ ሃብቱ’ውን ብስቤት ሻሽ ዝመሰለ ጭሕሞም እናሰሓቡ ብዓልቲ ቤቶም ንዝጀመርኦ ዘረባ ቀጸሉ። “ቀሪቡ’ዩ ባባ።” ሄኖስ ብውሽጡ

ፍሉይ ደስታ ይስምዖ ነበረ። “እወ ንኽራይ ዝኸውን ዳስን ካልእን

ወዳዲእና ክንጸንሕ ኢለ’የ።” ገጾም ናብ ሄኖስ ጠውዮም ጠመቱዎ። “ኣንታ ባባ ምሽ ሓንቲ መጽሓፍ

የዳሉ ከም ዘለኹ ነጊረካ።” ምስ ዓውዱ ዝተሓሓዝ ኣብ ሜላ ኣነባብራን ርድኢትን ደቂ ሰብ ዘተኰረት ኣጻፊፍዋ ዝነበረ መጽሓፍ ኣዘከሮም። “እወ ንሳ ደኣ ኣብ ቦትኣ እኳ’ያ ዘላ።

መመረቕታኻዶ ኣይኰነን ክቕድም ሓቀይ? ንሳ ደኣ መሕተሚ ዝኸውን ገንዘብ ከማን ዘይሓተትካና። ገናዶ ኣይኰነትን?” ዝተዋጃበሮም መሰሉ።“እንታይ ገና ደኣ ኣታ ባባ፡ ተሓቲማ

ምስ ተወደአት ምስ መመረቕታይ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ከውዕሎ እናሓሰብኩ እንታይ ኣምጽኦ ክልተ ክሳራ?” ክሳብ ሕጂ ዘየካፈሎም ናይ ውልቁ ሓሳብ ነገሮም። ኣቶ ሃብቱ ብዝሰምዕዎ ቁልጭ

ኢልዎም፡ “እንታይ ኢልካ?” እንታይ ምስ ሰኣንካ ኢኻ መመረቕታኻን መመረቕታ መጽሓፍካን ብሓደ ትገብሮ? ሃለውለው ዘረባ ገዲፍካ መመረቕታኻ ኣብ ሃገርገር ዝብል ዳስ፡ መመረቕታ መጽሓፍካ ድማ ኣብቲ ዝበለጸ ኣዳራሽ’ዩ ዝኸውን።” ብሕርቃን ገጾም በርበረ መሰለ። “ኣታ ባባ ኣብ ሃገርገር ዝብል ዳስ

ግበሮ! ኣብ ዝበለጸ ኣደራሽ መመረቕታ፡ መመረቕታ ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ። ኣነ

ድማ ዝተፈላለየ መመረቕታ ክልተ ዲግሪ ወይ ክልተ መጽሓፍ ኣይኰነለይን’ዩ። ስለዚ ንኹሉ ኣጣምር ኣቢልና ሓደ ሓጎስ ክዀነልና’ዩ ትምኒተይ።” ብቑጥዐ ኣቶ ሃብቱ ፈሪሑ ቃላቱ ኣትሒቱ ኣድመጾም። ወይዘሮ ኣረጋሽ ንሄኖስ ስዒበን፡ ኣቱም

ደሓን ግደፍዎ’ዚ ቘልዓ። ንሕና ወለዱ ንሱ ኣብ ዝሕጎሰሉ ደኣ’ልና ክንነጥፍ ዘለና’ምበር....” ዘረብአን ኣይቀጸላን። “ስቕ በሊ እንታይ ኣፍሊጡኪ?

ዝሰኣንኩዎ ዘይብለይ ሃብታም በቃቕ ከተብሉኒ’ኳ ኢኹም ደሊኹም፡” ዘረብአን ኣቋሪጾም ኣጉባዕቡዑለን። “ስምዑ እንዶ እዚ’ኮ

መመረቕትኡ‘ምበር መመረቕታና ኣይኰነን። ስለዚ፡ እቲ ናቱ ንሱ ከም ዝደለዮ ጌርና ኣብቲ ንሱ ዝሕጎሰሉን ዝኣምነሉን እንተነጠፍና እንታይ ጸገም ኣለዎ? ካብ ሰብ ከኣ ወድና ይቐርበና መስለኒ። ሰብ ኣፉ ክሳብ ዝተኸፍተ ከይዛረብ ክንዓጽዎ ዓቕሚ የብልናን። ስለዚ፡ ንሕና ኣብቲ ወድና ዝሕጎሰሉ ንተሓጎስ።” “እወ ሓቃ ባባ።” ወሰኸ ሄኖስ። ኣቶ ሃብቱ ብሕርቃን ነዲዶም ካብ

ዘረብኡ ኣቋሪጾም ድሕሪ ምጽናሕ፡ “እቲ መሕተሚ ገንዘብከ ካበይ ምስ ኣምጻእካዮ ኢኻ ተወዲኣ ትብል?” ብ ም ባ ል

ተጸዊጎም ጠመትዎ።“ንሱ ደኣ ሓደ

መዓልቲ ምሽ ሓቲተካ’ስ ሂብካኒ” ኣዘኻኸሮም። “እንታይ? መጽሓፍዶ ኣይኰንካን

ተሕትም ዘለኻ፡ መጽሔት ዲኻ?” ተገሪጮም ሓተቱ። “ደሓን ኣታ ባባ፡ ኩሉ ተወዲኡ’ዩ።

ሕጂ ጥራይ ነቶም ክትዕድሞም እትደሊ ሰባት ዓድም። ንዓይ ድማ ገለ ቁሩብ ካብቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ሃበኒ።” ነቲ ኣብ ኣደራሽ ኤክስፖ ክገብሮ ዝሓሰቦ ናይ ዕድመ ወረቐት ካብ ቦርሳኡ ኣውጺኡ ኣቐበሎም። ኣቦኡ፡ ኩሉ ኩነታት ወዶም ኣርመሞም። ኪኖኡ ዝጻወር ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም ከኣ፡ ትፈልሕ ዝነበረት ቡን ጠንጢኖም ናብ መደቀሲ ክፍሎም ኣምርሑ። ***ቤቲኤል ናብ እንዳ ሄራን መሓዝኣ

ብምኻድ መዕለሊ ዝዀነን ቡን እናሰተያ ዕላል ተተሓሓዝኦ። “ኣንቲ መሓዛይ ምስ ብንያምከ ትራኸቡዶ ኣለኹም?” ቤቲኤል’ያ ናብቲ ክለዓል ደስ ዝብላ ዛዕባ ንምእታው መጀመሪ ዝሓሰበቶ ሕቶ ኣቕሪባ።“እወ። ሕጂ ደኣ መመረቕታ ቀሪብዎ

ናይ ምርኻብ ግዜና ውሒዱ’ምበር. . .” ማይ ዝመልአት ጀበና ኣብ ፈርኔሎ

ኣመዓራርያ እናቐመጠት ቅድሚኡ ኣልዒላታ ዘይትፈልጥ ሓዳሽ ዘረባ ኣቕረበት።“እዋእ እንታይ ኢኺ ትብሊ ኣንቲ!

ምሁር ድዩ?” ኣብ ግንባራ ዓጢሩ መሕለፊ ናይ ማይ ካናለ ዝመሰለ ጽዋገኣ ማዕረ ክንደይ ከምዝተገረመት ንምግላጽ ኣይተጸገመን።“እወ ነጊረኪ ኣይፈልጥን ምሽ።

ንባዕለይ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ’የ ፈሊጠ፡” ጉድለታ ክትሽፍን ደለየት።“እዋይ መሓዛይ’ኳ ሓደ ሓደ ግዜ

ከምቲ ናይ ልበይ ገላሊጸ ዝነግረኪ ኣይትነግርንን ኢኺ። ሕጅስ ምሁር’ዩ ምስ በልክኒ ምሳኺ ኣብ ውድድር ኣትየ ፍቕርኺ ከይጫረተኪ ዲኺ ነዚ ተራ ዕላል ሓቢእክለይ?” የማናይ እግራ ናብ ጸጋማይ እግራ ኣመሳቒላ ኮፍ ብምባል ናብ ሄራን ኣትኲራ እናጠመተት ተዋዘየት። “ኣቲ ቤቲ መሓዛይ ከምኡ ኣይኰነን።

መዓስ ብዛዕብኡ ምስ ኣዕለልና ኢና’ሞ ክነግረኪ? ዳሕራይ ድማ ሃብታም ኣፍቃሪ ሒዝኪ ክንስኺ ነዚ ድኻ ክትጫረትኒ ኢለ ክሰግእ? ግዳ ከመይከ ኣሎ ርክብኩም?” ፍሽኽታ ኣሰንያ ኣንፈት ዕላለን ቀይራ ናብ ሄኖስ ከም ዝኸውን ገበረት። እንተዀነ ንብንያም ከተነኣእስ ሓ ሲ ባ ዘ ይ ኰ ነ ት ስ ፡ መሓዝኣ እንታይ እንተተዛሪባ ዝ ያ ዳ

ትሕጐስ

ክትፈልጥ ስ ለ

ዝኸኣለት’ያ ካብቲ ወጥሪ

መገላገሊ ክዀና ሓሲባቶ።

“እንድዒ በጃኺ። እዚ ኩሉ ለባም እናመሰለ ኣብ ፍቕሪ ግን ኣይግድን።” መዳርግቲ ኣልቦ ፍቕራ ብዓሚቚ ምስትንፋስ ከተጉድሎ ደለየት።“እሂ መሓዛይ፡ ደሓንዶ ኣይኰንኩምን

ኢኹም?” ምንብድባድ ኣቋሪጻ ንፍቕሪ ሓቲታቶ ነጺግዋ ከይከውን ብተርባጽ ሓተተት። “ኖኖ ዋላሓደ ኣይተባሃሃልናን።

ግን ምሽ ኣለኪ እዚ ኩሉ ተገዳስነት እናርኣኽዎስ ንፍቕሪ ክሓተንስ ይትረፍ ካብቲ ናይ መጀመርያ ኣቀራርባኡ ዋላ ዘይቅይር። ኩሉ ግዜ ድማ ምስ ደወልኩሉ ብጽቡቕ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ባዕሉ ደዊሉ ደሃየይ ገይሩ ዘይፈልጥ። እንድዒ በጃኺ።” ነገራት ምጭባጦም ዝኸበድዋ መሰለት። ኣንቲ ቤቲ መሓዛይ፡ ካብ ከምዚ

ኢልካ ኩሉ ግዜ ምጭናቕ፡ ከምዛ ናተይ ድፍረት ወሲኽኪ ሓደ መዓልቲ ምክራጅ ኣይምሓሸክን? ቢነይ ንፍቕሪ ምስ ሓተትክዎ ኣብ ልዕለይ ዝነበሮ ክብሪ ወሲኹ’ምበር ኣይቀነሰን። ስለዚ፡ ሄኖስ ከኣ ከምኡ እንተዀነ ባዕልኺ ዘለኪ ፍቕሪ ዘይተካፍልዮ። ኩሉ ግዜ ክትሓትት እንተዘይክኢልካ’ኮ እቲ መልሲ ኣይፋል’ዩ። ስለዚ ካብ ከምዚ

ኢልካ ምቕጻል ገለ ሕሰቢ መሓዛይ፡” ዝተቐድሐ ቡን ኣቕረበትላ። “ኣቲ መሓዛይ ንስኺ ዝገበርክዮ ምስ

ኣዕለልክንን ተስፋ ምስ ሰኣንኩሉን ደኣ መዓስ ዘይፈተንኩ ኰይነ?” ዝተቐረበላ ቡን ኣልዒላ ኣብ ጣውላ ኣቐመጠት።“ እሞ ሽዑኸ? ኖ ኢሉኒ ጥራይ

ከይትብልኒ!?” ዝሰንበደት መሰለት።“ኣንቲ ከምኡ ኣይነበረን። እቲ

መልእኽቲ ብቴክስት’የ ሰዲደዮ። መልእኽቲ ሰዲደ ብዘይ መልሲ ንነዊሕ ከዕለብጥ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ሞባይለይ ናይ መልእኽቲ ድምጺ ገይራ። ኣልዒለ ምስ ኣንበብኩዎ ግን...ኡፍ እምባእ!” ርእሳ ጨቢጣ ኣንጸርጸረት።“ኢሂ፡ እንታይ ዓርኪ ኣላትኒ ኢሉኪ?”

ክትሰትያ ዘልዓለታ ፍንጃል ኣብ ኢዳ ብምሓዝ ብተርባጽ ሓተተት። “ኖ እቲ መልእኽቲ፡ ‘ዩር ኤስ.ኤም.

ኤስ. መልእኽቲ ኩድ ኖት ኮምኘሊትድ፡ ትራይ ኢት ኤገይን ሌተር።’ ዝብል’ዩ ነይሩ። በቃ ኣነ ሽዑ ንሱ ዝበለኒ’ምበር ኮነክሽን ዝዘረየኒ ስለ ዘይመሰለኒ ተስፋ ቆሪጸ ንዕኡ ምጽባይ መሪጸ።” ቡን ምዒጓ ጐረሮኣ ኣተርከሰት። ሄራን በቲ ካብ ትጽቢታ ወጻኢ ዝነበረ

መልሲ ሰሓቕ ዳሕድሐቶ። “ኣቲ ቤቲ፡ ከመይ ዲኺ ኰይንኪ! ኮነክሽን ምእባይስ ምስ ኣየፍቅረክን’የ ጸብጺብክዮ በቃ፡፡” ሰሓቓ ቀጸለት።“ሓቅኺ ንስኺ ደኣ ኣምላኽ ፍቕሪ

ሰሊዑ እንድዩ ሂቡኪ። ኣብ መጀመርታ ዘሎ መስገደል መዓስ ፈቲንክዮ?” ብሕርቃን ከንፈራ ጀልዐት።“ኣቲ ቤቲ’የ እቲ ኣጋጣሚ’ዩ

ኣስሒቑኒ። ደሓን ከኣ ጸገም የብሉን። ሎሚ ኣይሰለጠን ጽባሕ ይሰልጥ። ንኣእምሮኺ ጥራይ ኣይተናውጽዮ። ትራኸቡዶ ኸ ኣለኹም?” ንመሓዝኣ ንምጽንንናዕ ኣንቀደት።“ትማሊ ከማን ዕድመ ናይ

መመረቕትኡን መመረቕታ መጽሓፉን ወረቐት ሂቡኒ።” ዝሃባ ናይ ዕድመ ወረቐት ክትርእዮ ንሄራን ኣቐበለታ።“ዋእ መጽሓፍ ድማ የመርቕ ኣሎ?

ዝተሰደደትላ ወረቐት ተቐቢላ ከተንብብ ጀመረት። “እዋእ ኣንቲ ቤቲ መመረቕትኡ ደኣ ምስ ናይ ቢኒ ኣብ ሓደ እንድዩ ዘሎ” ሃንደበት ምንባባ ኣቋሪጻ ብኣግርሞት ሓተተት። ብንያም ዝበላ ብጌጋ ሰሚዓቶ ከይትኸውን ከኣ ንእዝና ተጠራጠረትለን። ንሰለስቲኡ ማለት፡ ግዜ፡ ቦታ፡ መዓልቲን ብጌጋ ክትሰምዖ ከምዘይትኽእል ሕልንኣ ስለዘረጋገጸላ ግን ሓቅነታ ኣረጋገጸት።“ዋእ ተጋጊኺ ከይትዀኒ። ብኸመይ

ክኸውን ይኽእል? እስከ ወረቐት ዕድመ ኣርእይኒ።” ቤቲ ብወገና ዝተገረመት መሰለት። “ኣንቲ ብቓሉ’ዩ ነጊሩኒ። ቀስ ኢሉ

ድማ ይህበኒ ይኸውን። ግን ክገብሮ ስለ ዘይከኣለ ድዩ ምስኡ ከሕልፎ ሓሲቡ?” ዘረባ ኣቋሪጻ ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ሰጠመት። ውሽጣ፡ “ዋላ ቡንን ዕምባባን ገይሩ በይኑ ኣብ ገዝኡ ዘይገብሮ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ገለ ንመመረቕታ ሓገዝ እንተዀነካ ኢለ ክህቦ ዝሓሰብኩ ስለምንታይ ይኣብየኒ።” ዝብል ሓሳብ ኣልዒሉ ኣብ ናይ በይና መጐተ ከም እትጠልቕ ገበራ።“ኣበይ ይፋለጡ?” ሓተተት ቤቲ።

ይቕጽል....

መበል 13 ክፋል

ብዳዊት ሓድሽ

Page 7: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 7መበል 25 ዓመት ቁ.123

ዓብደልቃድር ኣሕመድ

እታ ሕሳስ ልደት ስድራኣ ዝኾነት ወ/ሮ ራውዳ ኣሕመዲን ሱለይማን፡ እቲ ቦኽሪ ገዛ ዝኾነ መሐንቀቒ ሓዋ ሳልሕ ኣሕመዲን ሱለይማን፣ ድሃዩ ብምስኣና ኣይቀሰነትን። ወትሩ ምስ ካልኦት ኣሕዋታን ኣባላት ስድራቤታን ንዕኡ እናዘከረት ‘ሳልሕ ሓወይ ኣብ ልዕሊ እዛ መሬት ብህይወት እንተሎስ ሓደ መዓልቲ ንራኸብ ግዲ ንኸውን!” ትብል። ንሳ

ደሃይ ሓዋ ንምርካብ ብተስፋ ምጽባይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሓንሳብ ባዕላ እናተንቀሳቐሰት እንሓንሳብ ከኣ ሰባት እናለኣኸት ድሃዩ ካብ ምንዳይ ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን።“ ኣብ እከለ እትበሃል ዓዲ ተራእዩ..”

ዝብል ዘይተጨበጠ መልሲ እንክትሰምዕ ተስፋኣ ጥርዚ ክበጽሕ ከሎ፣ ካብ’ቲ ዝረኸበቶ ተስፋ ተበጊሳ ነቲ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ከተጣልል ምስ ተበገሰት ከኣ እቲ ነገር ኪንዮ ተስፋን ትጽቢትን ዘይከይድን ምስ ገጽ ሳልሕ ሓዋ ብኣካል ዘየራኽብን ኮይኑ ትረኽቦ’ሞ መሊሳ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ገጻ ትደናደን። ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ መሊሳ ንምንዳዩ ትብገስ…****ሳልሕ ኣሕመዲን ነታ ‘ወዲ

ቅጭን’ እትብል ሳጓ ካብ ወላዲኡ ኣቶ ኣሕመዲን ቅጭን እዩ ወሪሱዋ። ብ1958 ካብ ኣቦኡ ኣቶ ኣሕመዲን ሱሌማን ዓሊ ኣሕመዲን ቅጭን ኣዲኡ ወ/ሮ ሓሊማ ሱሌማን ዑመር ኣሕመድ ኣብ ዓዲቐይሕ ተወሊዱ ዝዓበየ ሳልሕ ቦኽሪ ናይታ ስድራ እዩ። ኣብ ከተማ ዓዲቐይሕ ኣብ ኣስኮላ ጥልያን ክሳብ 5ይ ክፍሊ ምስ ተማህረ ከኣ ስድራቤት ኣቶ ኣሕመዲን ብምኽንያት ስራሕ ናብ ኣስመራ ግዓዙ’ሞ ንሱ’ውን ንትምህርቱ ኣብ ኣስመራ’ዩ ቀጺሉዎ። ይኹን’ምበር ሳልሕ ብንእስነቱ ኣትሒዙ ንቑሕን ሓላፍነት ዝስመዖን መንእሰይ ስለዝነበረ

ምስቲ ከቢድ መነባብሮ ናይ’ታ ስድራ ተደሚሩ ኣብ ኣስመራ እናሰርሐ እዩ ትምህርቱ ዝከታተል ዝነበረ። ስድራቤት ኣቶ ኣሕመዲን ሱሌማን

ዓሊ፣ ወላዲት ወ/ሮ ሓሊማን ሓሙሽተ ደቆምን ሰለስተ ኣዋልድ ክልተ ኣወዳት ዝቘመት ኮይና፡ ሳልሕ ቦኽሪ ናይታ ስድራ-ቤት እዩ። እቶም ዝተረፉ ሓጃያ፡ መሓመድ፡ ፋጡማ፡ ራውዳ እዮም።

ሳልሕ ኣብታ ስድራ ይኹን ኣብ ቤተሰቡ ብሓፈሻ፡ በቲ ስቕተኛ ጠባዩን ለባም፡ ለዋህ፡ ለጋስን ንስድራኡ ዝሓሊን ሰብ እዩ ዝልለ ዝነበረ። ሳልሕ ከም ቦኽሪ ገዛ

መጠን በቲ ኣብ ትርፊ ግዜኡ እናሰርሐ ስድራ ክሕግዝ፡ በቲ ካልእ ከኣ ትምህርቱ ወዲኡ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክበጽሕ እናሓለነ እዩ ህይወቱ ዝመርሕ ዝነበረ። ይኹን እምበር እቲ ሳልሕ ናብ ግዜ ንእስነት ዝተሰጋገረሉ ዕድመ፡ እቲ ኣብ ኣስመራን መላእ ሃገርን ዝተኸስተ ኩነታት ዘቕስን ኣይነበረን። ሳልሕ ኣብ መበል 14 ዓመት ዕድመኡ ከኣ’ዩ እቲ ናይ 1974/75 ኩነታት ደርግን ዕግርግር ኣስመራን ዝተኸሰተ። ሳልሕ ከኣ

ከም ኩላቶም ኣብቲ ዕድመ’ቲ ዝነበሩ ተማሃሮን መንእሰያትን በቲ ከቢድ ኩነታት ክጽሎን ብግፍዕታት ጸላኢ ከስካሕክሕን ግድን ኮነ። ብፍላይ ሓደ መዓልቲ፣ ንሱ ወዲ

14 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ማእከል ገዝኡ ብወተሃደራት ደርጊ ዝራኣዮ ግፍዒ ክጻወሮ ኣይከኣለን። እቲ ናይ ማህረምትን ማእሰርትን ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ ወላዲኡ እዩ ወሪዱ። ሳልሕ ህይወት ወላዲኡ ንምድሓን ገለ ክገብር ስለዝነበሮ ከኣ፣ በቲ ጎድኒ ጎድኒ ትምህርቲ ምክትታል ሓርኮትኮት ኢሉ ዝኣኮቦ ገንዘብ ህይወት ኣቦኡ ከድሕን ላዕልን ታሕትን በለ። ኣቦኡ ኣቶ ኣሕመዲን ካብ’ቲ

ዘንጸላለዎም ሓደጋ ብሳላ ጻዕሪ ወዶም እኳ እንተተገላገሉ፣ እቲ ፍጻመ ግን ኣብ

ኣእምሮ ሳልሕ ስንብራት እዩ ገዲፉ ሓሊፉ። ካብ’ታ እዋን እቲኣ ከኣ ኣብ ልዕሊ መግዛእቲ ክቱር ጽልኢ ኣሕደረ። ከም ቀደሙ ካብ ገዝኡ እንተ ናብ ስራሕ ይኹን ትምህርቲ ወፊሩ ብሰላም ናይ ምምላሱ ጉዳይ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዎን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ፍጹም ውሕስነት ከምዘይብሉ እናተረደኦን መጽአ። ጎድኒ ጎድኒ’ዚ እውን ብሰንኪ እቲ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ልዕሊ መንእስያት ዝተፈጠረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒት ክድረኽን ኣብ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ንናጽነት ክሳተፍን ሓለነ። ኣይጸንሐን 1974 መጨረሻ ከኣ ምስ ገለ ብጾቱ ናብ ሜዳ ተሰለፈ - ናብ ተ.ሓ .ኤ።ይኹን’ምበር ሳልሕ እቲ ኣብ ሜዳ

ዘጋጠሞ ባይታ ከም’ዚ ኣብ ኣእምሮኡ ዝቐረጾ ኩነት ኮይኑ ግዲ ዘይጸንሖ፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ቃልሲ ኣብ ዓመተ - 1978 ካብ ተሓኤ ወጺኡ ንሱዳን ካርቱም እዩ ተሰዲዱ። ኣብ ሱዳን ኮይኑ ንስድርኡ ክሕግዝ ድማ ወሲኑ። ሳልሕ ፈለማ ናብ ሱዳን ብዝኣተወ

ምስ ናብራ ስደት ተወሃሂዱ ክሳብ ንዕኡ ዝኸውን ስራሕ ዝረክብ ብወገን ስድራኡ ድሃይ ኣይነበሮን። ንሳቶም ናብ ሜዳ ከም ዝወጽአ እምበር፡ ናብ ስደት ከም ዘምረሐ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን።ሓደ መዓልቲ ግን ድሃዮም ንምግባር

ጭቡጥ ተበግሶ ወሰደ። ኣብ ዓመተ - 1983 ድማ፣ ንሓደ ካብ ካርቱም - ሱዳን ናብ ኣስመራ ዝተበገሰ በዓል ቦጥ ረኸበ’ሞ፦“ሓደራኻ እዛ ደብዳቤ ናብ ቤተ-ሰበይ

ኣብጽሓለይ። ስድራይ ኣነ ብህይወት ከም ዘለኹ ኣይፈልጡን እዮም - ስለዚ ሓደራኻ ነዚ መልእኽቲ ነቦይ ደሊኻ ርኸበለይ….” ኢሉ ምስ’ታ ደብዳበ ገለ ኣቑሑት ብምስናይ ናይ ኣቶ ኣሕመዲን ስእሊ ኣረከቦ። እቲ በዓል ቦጥ ናብ ኣስመራ በጺሑ ብመሰረት ዝተዋህቦ ኣድራሻ ናብ’ታ ናይ ቀደም ገዛ እንዳቦኡ እዩ ኣምሪሑ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ስድራቤት ሳልሕ ገዛ ስለዝቐየሩ በቲ ዝሃቦ ኣድራሻ ክረኽቦም ኣይከኣለን። እዚ ኮይኑ ግን፡ እቲ በዓል ቦጥ ሓደራ ስለዝኸበዶ እምነቱ ከጽንዕ ሕልናኡ ስለዝደረኾን ንሰባት ኣጣይቑ ድሕሪ ብዙሕ ኮለል ነታ እንዳቦይ ኣሕመዲን ዝቕመጡላ ገዛ ረኺቡ ሓደራኡ ኣብጸሐ። ንሱ፡ ንኣቶ ኣሕመዲን ነታ ደብዳቤ እናኣረከበ፦“ሕጂ ሩፍ ኢለ …ወድኻ ብጐሮሮይ

እዩ ሒዙኒ ነይሩ።” በለ። ስድራ ቤት ኣቶ ኣሕመዲን ድማ፣

ሳልሕ ወዲ ቅጭን ናበይ ኣበለ. .?ድሃይ ናይቲ ድሕሪ ሽድሽተ ዓመታት ዝተፈልዮም ዝፈትውዎ ቦኽሪ ውላዶም ምስ ረኸቡ ፈለማ ምእማን ኢዮም ስኢኖም። እቲ በዓል ቦጥን ትሕዝቶ እቲ ዝለኣኾ ደብዳቤን ምስ ኣረጋገጹሎም ድማ እዮም ኣዚዮም ዝተሓጎሱ።ሽዑ ኣቶ ኣሕመዲን፡

“እንቋዕ ድኣ ድሃይ ውላደይ ረኸብኩ’ምበር ደጊም ሞት ከም ኣዳም!” በሉ። ኣይጸንሑን ግዳ - ድሕሪ ዓመት ኣብ 1984 ዓረፉ።ብድሕሪ’ዚ፡ ሳልሕ

ናይ ሱዳን ናብራ ይኣኽለኒ ብምባል ዓዲ ክቕይር እዩ ኣንቂዱ። ብ1984 ድማ ንስዑዲ ዓረብ ከይዱ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብ1985 ኣብ ከባቢ ጀዛን ዝርከብ ቤሽ ኣብ ዝበሃል ዓዲ፡ ምስ ሓደ ኣሕመድ ጉራ ዝተባህለ ወዲ ዓዲ ቐይሕ ኣብ ሽርክነት ቤት-መግቢ ከፊቱ ክሰርሕ ጀመረ።ኣብ 1986 ጓል ዓሰርተው ሓሙሽተ

ዓመት ሓብቱ ፋጥማ ብሕማም ምኽንያት ካብዚ ዓለም ከም ዝተፈልየት ተረድአ። ንሳልሕን ስድራቤቱን እቲ ሓዘን ኣብ ርእሲ ሓዘን ኮኖም። ሳልሕ ብፍላይ ምስቲ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ምፍልላይ ድርብ ሓዘን ኢዩ ኮይንዎ። ኣደይ ሓሊማ ብሰንኪ መሪር ሓዘን ናይ በዓል-ቤታን ምጭውቲ ጓላን ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 1988 ሰዓበት። ሳልሕ ድሕሪ እዚ ነዊሕ ዓመታት ንወለዱ ብህይወት ከይራኣዮም ብምፍላዮም ኣመና ሓዘነ።ሳልሕ ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ስዑድያ

ምንባር ስለዘይመረጸ፡ እንደገና ብ1989 ንሱዳን ተመሊሱ ኣብ ከተማ ፖርት-ሱዳን ሚኒባስ ዓዲጉ ክሰርሕ ፈተነ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ማለት 1990 እንደገና ነታ ሚኒባስ ሸይጡ ንስዑዲ-ዓረብ ተመሊሱ ኣብኡ ይነብር ነይሩ።“ሳልሕ ቦኽሪ ገዛ ብምንባሩ ሓላፍነት

ናይዞም ዝዘኽተሙ ኣሕዋቱ ብምስካም ላዕልን ታሕትን ብምባል የናብሮም ነይሩ። መታን ዘኽታማት ኢና ኢሎም ከየስተማስሉ ነብሱ ገዲፉ ንኣሕዋተይ ኢዩ ዝብል ዝነበረ።” ትብል ሕሳስ ልደ ሓብቱ ራውዳ።ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1996 ስድራ

ናፊቑ ናብ ኣስመራ መጺኡ ምስ ምንኣሱ ሓፍቱ ሓጂያ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነታ ሓዳራ መስሪታ ኣብ ዓሰብ እትቕመጥ ሕሳስ ልደ ሓብቱ ራውዳ

ኣሕመዲን ንኽሪኣ ዓሰብ ገጹ ኣምረሐ። ሳልሕ ብተፈጥሮኡ ሓርኮትኮት በሃሊ ብምንባሩ ኣብ ዓሰብ ንእሽቶይ ድኳን ኣብ ከባቢ ካምቦ ሱዳን ከፊቱ። ኣብኡ ጽቡቕ ይሰርሕ ብምንባሩ ንኣሕዋቱ ይሕግዝ ነበረ። “ንኽልተ ዓመት ኣብ ዓሰብ ድሕሪ

ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ 1999 ንሓዉ መሓመድ ኣብ ጅቡቲ ዝቕመጥ ንኽርኢ ንጅቡቲ ገጹ ኣምረሐ። ካብኡ ኣየዕረፈን ጃልባ ገይሩ ንስዑዲ-ዓረብ ተበጊሱ - ሓዉ ከኣ ኣፋነዎ። በጺሐ ኢሉ ደሃይ ኣይሰደደን እታ ዝወሰደቶ መርከብ ተመሊሳ። እንተ ሳልሕ ግን እንድዒ… ሰብ እንተ ተሓተተ፡ ገሊኡ እንድዒ ገሊኦም ከኣ ኣትዩ ኣብ ስዑዲ ርኢናዮ ይብሉ። ኣብ መወዳእታ 2002 ኣብ ኣቡዓርሽ ዝበሃል ከተማ ርኢናዮ ዝብሉ ነይሮም። ሓቅነቱ ግን ኣይተረጋገጸን። እንተ ሳልሕ ግን እነሀ ዓሰርተ-ሽዱሽተ ዓመት ገይሩ ኣሎ ደሃይ ዝበሃል የብሉን።” ትብል ራውዳ። ንሳ ብተወሳኺ፦“ሳልሕ ሓወይ፡ ምስቲ ኩነታት

ምጥዓም ኣብይዎ ላዕልን ታሕትን ክብል፡ ሂወቱ ከመሓይሽን ብድሕሪኡ ስድርኡ ክኣልን ዝሓስቦ ዝነበረ ኩሉ ኣብ መዓላኡ ከይበጽሐ እዩ - ሃንደበት ደሃዩ ተሰዊሩና። ሳልሕ ተማዊቱ እዩ ደሃይ ዝገብር ነይሩ። ኣመሉ ኣይኮነን ደሃይ ምጥፍእ። እቲ ዝያዳ ንስድራቤት ቁስሊ ኮይንዎም ዘሎ ዘይምምርዓዉን ውላድ ዘይምግዳፉን ኢዩ።” በለት’ሞ ናብ’ቲ ቀንዲ ካብ ዓሰብ ናብ ኣስመራ ምስ ጓላ ኢክራም ኣሕመድ ናብ ፎርቶ ኣስመራ ክትድይብ ዝደረኻ ጉዳይ ምናልባት ኣይፍለጥን ብመገዲ ዓምዲ ገጻት ህይወት’ ድሃዩ እንተረኸብኩ ብምባል ምዃኑ ትገልጽ።“ እታ ሓንቲ ትምኒትና፡ ብሂወት እንተሎ

ተስፋ ከይቆረጽኩ ምድላይ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ተሓጋጋዝን ተደንጋጽን እዩ እሞ በጃኩም ኣንበብቲ…ኣብ ምንዳይ ድሃይ ሳልሕ ሓወይ ተሓባበሩኒ።” ብምባል እያ ዕላላ ዛዚማ - ወ/ሮ ራውዳ።

****

ደሃይ ንዘለኩም ወይ ርኢናዮ ንእትብሉ፦ኣድራሻብ07210964 ወይ 07286034 ወይ እውን 07521956 ክትድውሉልና

ብትሕትና ንሓትት።

Page 8: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 8መበል 25 ዓመት ቁ.123

ዓመት ሰሪሑ። ክሳብ ሕጂ ድማ ናብ ታሕቲ ከውድቖ ዝኽእል ስርሓት ብዘይምፍራዩ ብዘለዎ ተፈላጥነትን ምስቶም ናይ ሆሊዉድ ተዋሳእቲ ከስርዖ ዝኽእል ጽፍሒ ይውንን።3. ሞሺዲ ሞትሸጓ፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ

እትስራዕ ጓል-ኣንስተይቲ ተዋሳኢት እያ። ኣብዚ ሞያ ንልዕሊ 15 ዓመት ሰሪሓ። ሞሺዲ ሞትሸጓ፡ ካብቶም ዝለዓለ ደሞዝ ዝኽፈሉ ተዋሳእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ። ብመጠን ክፍሊት ደሞዝ፡ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ካብታ ኣብ ተለቪዥን’ታ ሃገር ትፍኖ ዝነበረት “SABC 2” ዘርእስታ ናይ ፖሊስ ተኸታታሊት ፊልም ዝተወስደ “ደንዘላ ለድዋባ” ዝብል ስም ለጊቡዋ ኣሎ። ኣብ 2006 ኣብቲ ንብሉጻት ተዋሳእቲ ዝወሃብ ስልማት’ታ ሃገር፡ ዝበለጸት ጓል-ኣንስተይቲ ተዋሳኢት ናይ ቴለቪዥን ድራማታት ተባሂላ ተሰሊማ እያ። እዛ ተዋሳኢት ኣብ ዝበዝሓ ኣብ ተለቪዥን ዝረኣያ ተኸታተልቲ ድራማታት ሰሪሓ እያ።

ራንድን ልዕሊኡን ይኽፈል። ማከ ካ ንኩበ፡ ኣብዚ መስርሕ ናይ ተዋስኦ ናይ መሪሕነት ደረጃ ሒዙ ይርከብ። በቲ ዘለዎ ናይ 25 ዓመት ተመክሮ ስራሕን ተፈላጥነትን ድማ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ይስራዕ።2. ጃሜ ባርትለት፡ ኣብ ካልኣይ

ደረጃ ዝስራዕ ኣብ ሃገሩ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ህቡብን ውፉይን ዝኾነ ተዋሳኣይ እዩ። ጃሜ ባርትለት፡ ካብታ ዝተዋስኣላ ናይ ካርቱን ፊልም ብዝተወስደ ጠባይ፡ “ዴቭድ ጀናሮ” እናተባህለ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ህቡብ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተዋሳኣይ ብዘይካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከም ኬንያ፡ ጋና፡ ቦትስዋና፡ ካሜሮንን ዚምባብወን ኣብ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ፍሉጥ ተዋሳኣይ እዩ። ምስቶም ዝለዓለ ደሞዝ ዝኽፈሉ ተዋሳእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተሰሪዑ ድማ ኣብ ወርሒ ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 120 ሽሕ ራንድ ይኽፈል። ጃሜ ባርትለት፡ ኣብዚ ትካል ከም ተዋሳኣይ ኮይኑ ንልዕሊ 30

n

ሳሮን ሰርጹ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ናይ ምዝንጋዕ ትካል ምስቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዝበለጹ ማእከላት መዘናግዒ ይስራዕ። እዚ ትካል ዝተፈላለዪ ስነ-ጥበበኛታት ይጥርንፍ። እዚ ትካል እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጸኦ መብርሂ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ብዘለዎ ተመክሮ ስራሕ መሰረት ደሞዝ ከምዝኽፈል ኣፍሊጡ። በቲ ዘውጸኦ ቅጥዒ፡ እቶም ጀመርቲ ስነ-ጥበበኛታት ካብ 25 ሽሕ -68 ሽሕ ራንድ ከምዝኽፈሉ ተገብረ። መጽሄት ድራም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመጠን ክፍሊቶም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስርዑ ሰለስተ ተዋሳእቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ሰሎ ማከ ካ ንኩበ፡ እቲ ኣዝዩ ሃብታምን ፍሉጥን ተዋሳኣይ ኮይኑ ብዝወስዶ መጠን ደሞዝ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስራዕ። እዚ ኣዝዩ ህቡብ ተዋሳኣይ ኣብ ወርሒ፡ ካብ 100 ክሳብ 120 ሽሕ

ኢቲሞሎጂ፡ ባህርያት እንስሳታት ዘጽንዕ ሓደ ክፍሊ ስነ-ፍልጠት እዩ። ባህርያት ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳታት በብናቶም ዓሌት ወይ’ውን በቲ ኣብ ከባቢኦም ዝለምድዎ ይጽሎ። ገለ እንስሳታት ልሙድ ዝኾነ ባህሪ ክውንኑ ከለዉ፡ ካልኦት እንስሳታት ድማ ፍልይ ዝበለ ኣገራሚ ባህሪ ይውንኑ። እዞም ዝስዕቡ ፍልይ ዝበለ ባህሪ ዝውንኑ እንስሳታት እዮም።ምጹጽላይ መሰል ኣንጭዋ፥ እዛ

እንስሳ ብ “ኔክድ ሞል ራት” ትፍለጥ ኮይና፡ ኣብ ኣጻምእ ትርከብ ምጹጽላይ ወይ’ውን ኩርኩር ናይ ሑጻ ተባሂላ ትጽዋዕ። እዛ እንስሳ ኣንጭዋ ኣይኮነትን ዋላ’ውን ምጹጽላይ ኣይኮነትን፤ ዓሌት ናይቶም ኣብ ጊኒ ዝርከቡ ሓሰማ እያ። እዛ እንስሳ ብዘለዋ ባህርያት ወኻዕኻዕ፤ ንድሕሪትን ንቕድሚትን ብቕልጡፍ ናይ ምጉያይ ክእለት ፍልጥቲ እያ። ብተወሳኺ እዛ እንስሳ ኣብ ግዜ ጸልማት ዓይና ፈጺሙ ክርኢ ከምዘይክእል ይግለጽ። ንግስቲ ናይዘን ምጹጽላይ መሰል ኣንጭዋ፡ ከም ናይ ንግስቲ ንህቢ ኣካዪዳ ትኽተል። ንኹለን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ካልኦት ደቀንስትዮ ትቆጻጸርን ተመሓድርን። ዑፍ ቦወር፥ እዚ ዓሌት ዑፍ ዘይከም

ካልኦት እንስሳታት ንገዛእ ርእሱ ናይ ምጽብባቕ ድሌት ኣለዎ። ተባዕታይ ቦወር ሰፈሩ ንምምዕራግ ብዙሕ ጻዕሪ የካይድ። ነዊሕ ብምጓዓዝ ድማ ሰፈር ናይቶም ንዕኡ ዝመስሉ ኣዕዋፍ የዕኑ። ናቱ ጎሊሓ ክትረአ ምእንቲ ድማ የጸባብቓ። መጻምድቲ ንምስሓብ ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ይገብር። እዚ ዑፍ ኣዝዩ ጥንቁቕ ሰላሚ እዩ። ዕምባባታት፡ ክንቲት፡ ኣእማን፡ ቁሩጽራጽ ናይ ጎማን

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሕማም ኤች ፓይሎሪ ብብዝሒ ካብ ዝረኣዩ ሕማማት ከስዐ ኮይኑ ንረኽቦ። ብፍላይ ብደረጃ ዓለም ካብ ዘጋጥሙ ሕማማት ከስዐ እቲ 50 ሚእታዊት ብሰንኪ ባክተርያ ኤች.ፓይሎሪ ከም ዘጋጥም እዩ ዝግለጽ። ኤች ፓይሎሪ፡ ካብቶም ኣብ መዓንጣን

ከስዐን ክራብሑ ዝኽእሉ ባክተርያ ሓደ እዩ። እዚ ባክተርያ ካብ ዝፍለጥ 100 ዓመት ኣቚጺሩ ኣሎ። ኤች ፓይሎሪ፡ ኣብ ከስዐ ደቂ ሰባት መቺእዎ ክነብር ይኽእል። ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ከስዐ ገለ እንስሳታት ይርአ እዩ። ከም ኣብነት ኣብ ድሙን በጊዕን ከም ዝርከብ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኤች ፓይሎሪ፡ ከም ጠንቂ ሕማም ክልለ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ሕማም ከስዐ ዝግበር ዝነበረ ኣገባብ ፍወሳ ዘዕግብ ኣይነበረን። ኣብ 1982 ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣሰራት ናይዚ ባክተርያ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ኣብ 1989 ብዝተገብረ ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ሕማም ኤች ፓይሎሪ ብግቡእ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ መጽናዕቲ ድማ ኣብ ኣፈዋውሳ ሕማማት ከስዐ ርኡይ ለውጢ ክመጽእ ተራእዩ።ጠንቂ ሕማም ኤች ፓይሎሪ?መሰረታዊ መበገሲ ናይዚ ባክተርያ

ርስሓት እዩ። ጽሩይ ማይ ዘይምዝውታር፡ ኣእዳውና ብግቡእ ዘይምጽራይ፡ ኣከባብያዊ ጽሬት ዘይምሕላው ከም ኣብነት ክጥቀስ ይኽእል። ብጻዕቂ ኣብ ሓደ ቦታ ምንባር እውን ጠንቂ ሕማም ኤች ፓይሎሪን መስፋሕፍሒኡን ክኸውን ይኽእል። እዚ ባክተርያ ብምትንኻፍ፡ ብዘይመኸነ ሕክምናዊ መሳርሕን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ኣለዎ።ባክተርያ ኤች ፓይሎሪ ኣብ ከስዐ

ምስ ሰፈረ ዘምጽኦ ዕንወት ነቲ ኣብ ከስዐ ዝርከብ ቀጸላ ማለት ንከስዐ ዝሽፍኖ ኒኮስሌር ዝብሃል መለግለግ ዝብል ሽፋን ከጥቅዖ ይጅምር በዚ ምኽንያት ከኣ ይህሰ እሞ ነድሪን ቁስልን ክገብር ይጅምር።።ምልክታት ሕማም ኤችፓይሎሪ?ብኤች ፓይሎሪ ዝተጠቕዐ ሰብ ኣብ

ከባቢ ኣፍ ልቡ ቃንዛ ይስምዖ። እቲ ባክተርያ መግቢ ብግቡእ ከይሓቅቕ ስለዝኽልክል፡ ሸውሃት ይዓጹ። መንፋሕቲ’ውን ይገብር። ከም ውጽኢቱ በዚ ዝተለኽፈ ሰብ፡ ቅጥራን ዝመስል ጸሊም ቀልቀል የውጽእ።ብኤች ፓይሎሪ ዝስዕብ ቁስሊ ኣብ

ዝለዓለ ደረጃኡ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ዘርእዮ ምልክታት ክብድ ዝበለ እዩ። ንኣብነት፥ ቀጻሊ ተምላስ ይገብር፡ ሸውሃት ይኽልክል፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ክብደት ክቕንስ ይኽእል። ቀጻሊ መድመይቲን ምብሳዕ ሻንብቆ ደምን እውን ከስዕብ ይኽእል። እዚ ምልክታት ናብ መንሽሮ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ከምዘለዎ ክኢላታት የረድኡ። እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣብ ኩሉ ሰብ ይርከብ ማለት ግን ኣይኮነን።በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ኩሉ ሰብ፡ ኣልሰር

ዝለዓለ ደሞዝ ዝረኽቡ ተዋሳእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ

ባ ር ኖ ስ ን ዓ ፍ ር ጅ ዚ

ነ ግ ራ ም ዓ ወ ት ለ ሚ ን

ር ኣ ዒ ባ ድ ለ ዮ ል ጎ

ት ኪ ዛ ጉ ኣ17

ር ቱ ክ

ኣ ሮ ጀ ር ሚ ላ እ ሳ ር ያ ን

ስ ም ስ ም ስ ቶ ሌ ስ

ሊ ፍ ስ ቕ ታ ሽ ም ታ ጳ

ል ጀ ሚ ቪ ስ ሕ ው

ቀ ላ ሚ ን ጦ ስ ሳ ኦ ፓ ው ሎ

ስ ይ ላ ሎ ፈ ለ ኛ ሞ ነ ስ

ከማዕብል ኣይክእልን እዪ። ቅድሚ ናብ ነድርን ቁስልን ምምዕባሉ፡ ተመርሚርካ ግቡእ መድሃኒት ብምውሳድ ክትከላኸሎ ይከኣል።ቅኑዕ ኣገባብ ኣፈዋዉሳ እንተ

ተኸቲልና፡ መጀመርያ፡ እቲ ሕማም ዳግማይ ንኸይክሰት ክንገብር ንኽእል ኢና። እቲ ካልኣይ ድማ ናብቲ ዝኸፈአ ደረጃኡ ከይበጽሕ እሞ ናብ መንሽሮ ንኸይምዕብል ክንገትኦ ንኽእል።ኤች ፓይሎሪ፡ ከም ኩሉ ዓይነት

ሕማማት፡ ኣቐዲምና ክንከላኸሎ ንኽእል። ንሱ ድማ ነቲ ጠንቂ ኣለሊና ምውጋድ እዩ። ከም ኣብነት ጽሬት ነብስና፡ ገዛና፡ ከባቢና ወዘተ ክንሕሉ ኣለና። ማሕበራውን ቁጠባውን መነባብሮና ከነመሓይሽ ይግባእ። ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት እዚ ዓይነት ሕማም ዳርጋ እናጠፍአ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። ስለዚ እምበኣር ነቲ ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸናኺንካ ጥዕና ዝብል ኣበሃህላ ብግቡእ ክንሰርሓሉ ይግባእ።

ኤች ፓይሎሪ

ጠራሙዝን ተጠቒሙ ሰፈሩ የጸባብቕ። ናይ ስካቡሊ ገዝኡ ሰላሊሙ ድማ ብተስፋ ኣንስተይቲ ዑፍ ብስርሓቱ ክትሰሓብ ይጽበ። እዚ ዑፍ ብሓደ ሕብሪ ጌሩ ገዝኡ ክሰላልም ኣይሽገርን እዩ። ካብ ናቱ ዝበልጽ ስልማት ምስ ዝዕዘብ ድማ ነቲ ናቱ በቲኑ፡ ካብኡ ቀዲሑ እንደገና ናይ ምስላም ባህሪ ኣለዎ።ዑፍ ኩኩ፥ ፍልይ ዝበለ ባህርያት

ዝውንን ዑፍ እዩ። ኩኩ ፍልይ ዝበለን ደስ ዘብልን ስድራቤታዊ ኣተሓሓዛ የዘውትር። እዞም ዓሌታት ኣዕዋፍ ንእንቋቑሖኦም ዘቐምጥሉ ሰፈር ጨራሩ የብሎምን። ስለዚ እምበኣር ነቲ ዝወልድዎ እንቋቑሖ ኣብ ናይ ካልኦት ሰፈር የቐመጥዎ’ሞ ናይ ምሕላው ዕማም ነቶም ካልኦት ኣዕዋፍ ይገድፍዎ።ኣንስተይቲ ዑፍ ኩኩ፡ ጽምው ኣብ

ዝበለላ እዋን እንቋቑሖኣ ኣብ ናይ ካልኦት ሰፈር ኣዕዋፍ ትወልዶ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዝወለደትሉ ግዜ እንቋቑሖኣ ተቐምጠሉ ቦታ ዝተፈላለየ እዩ። ምስ ነቚሐ፡ ነቶም ምስ ውላዳ ዝጸንሑ ዘይናታ እንቋቚሖ ክትሰብሮ ትርአ። ነዚ መስርሕ ዋናታት ናይቲ ሰፈር ኣብ ዘይብሉ ግዜ እያ ተካይዶ።ኣደሌ ፔንጒን፥ እዞም እንስሳታት

መጻምድቲ ንምስሓብ ዝኽተልዎ መስርሕ ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ። እዞም ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ ዘይነፍሩ ኣዕዋፍ፡ መጻምዲ ክመርጹ ከለዉ ፍልይ ዝበለ ኣካዪዳ እዮም ዝኽተሉ። ተባዕትዮ ፔንጒን፡ ነታ ዝመረጽዋ ኣንስተይቲ ፔንጒን እምኒ ኮረር ኣቢሎም ኣብ እግራ ምስ ዘብጽሑላ፡ “መጻምዲ ክትኮንኒ ሓርየኪ ኣለኹ” ማለት እዩ። እዚ ምርጫ ሓንሳብ እዩ ዝካየድ። እዛ ኣንስተይቲ ፔንጒን ድማ ነቲ ሕቶ ምስ ተቐበለቶ

ምስ መጻምዳ ከብዲ ንኸብዲ ተወሃሂባ ትስዕስዕ። ብድሕር’ዚ እቶም ሓደስቲ መጻምድቲ ንበይኖም ናብ ጽምው ዝበለ ቦታ ኣርሒቖም ክኸዱ ይረኣዩ።በዓል ቀርኒ ጠበቕ፥ እዞም እንስሳታት

ፍልይ ዝበለ ኣፈራራሒ ናይ ምክልኻል ግብረ-መልሲ የዘውትሩ። እዞም እንስሳታት ንተመራመርቲ ፍልይ ዝበለ ክልሰ-ሓሳብ ከማዕብሉ ከምዘገደዱ ይግለጽ። ካብ ጸላኢ ንምክልኻል ዝጥቀምሉ መስርሕ ካብ ናይ ካልኦት እንስታታት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። እቲ

ፍሉይ ባህሪ ዝውንኑ እንስሳታትመስርሕ ናይ ደም ተዂሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከጥቅዖም ንዝመጸ ጸላኢኦም ካብ ዓይኖም ብዝወጽእ ደም ይግጽብዎ። ኣብ ሶርኖኦም ተኸዚኑ ንዝጸንሐ ገዛእ ደሞም ክሳብ ዝደለይዎ ዓቐን ብናቶም ፍቓድ ናብ ጸላኢኦም ክውርውሩ ይኽእሉ። ነቲ ደም ክሳብ ሓሙሽተ ሜትሮ ክውርውርዎ ይኽእሉ። እዚ ደም ዝኾነ መርዚ እኳ እንተዘይሃለዎ ንጸላእቶም ግን ከሰንብዶምን ከህድሞምን ይኽእል።

መልሲ ዝተመሳቐለ ቃላት

Page 9: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 9መበል 25 ዓመት ቁ.123

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

መደብ ጸወታሎሚ

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃጋና - ማሊ 7፡00

ምስሪ - ኡጋንዳ 10፡00

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝሊቨርፑል - ስዋንሲ 3፡30

ቦርንማውዝ - ዋትፎርድ 6፡00ክሪስታል ፓላስ - ኤቨርተን 6፡00ሚድልስቦሮ - ዌስት ሃም 6፡00ስቶክ - ማን ዩናይትድ 6፡00

ዌስትብሮም - ሳንደርላንድ 6፡00ማን ሲቲ - ቶተንሃም 8፡30

ላ’ሊጋኤስጳኞል - ግራንዳ 3፡00

ሪያል ማድሪድ - ማላጋ 6፡15ቪያሪያል - ቫለንስያ 10፡45

ሰረ’ኣሚላን - ናፖሊ 10፡45

ቅንጥብጣብ

+ ሓላዊ ልዳት ክለብ ቸልሲ - ኮርቶዋ፡ ዝመጽእ ክረምቲ ናብ ሪያል ማድሪድ ናይ ምስግጋር ባህጊ ከምዘለዎ ተዛሪቡ፣ ምንጪ ደይሊ ሚረር

+ ኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዒ ክለብ ባርሳ - ሊዮነል መሲ፡ ካብ ባርሴሎና ከምዘይወጽእ ጋዜጣታት እስጳኛ ንኣቦ ናይቲ ተጻዋታይ (ጆርጅ መሲ)

ብምጥቃስ ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረን፣ ምስ ክለብ ባርሴሎና ኣብ ዝርርብ ዝርከብ ጆርጅ፡ ወዱ ውዕል ናይ ምንዋሕ ስምምዕ ንኽፍርም ከምዝተቓረበ የረድእ፣ ምንጪ - ዲፖርቲቮ ስፖርት

+ ቸልሲ፡ 12 ሚልዮን ፓውንድ ንዝተተመነ ሓላዊ ልዳት ቦርንማውዝ - ኣስሚር በጎቪች ተጣይቕ ከምዘላ ተገሊጹ፣ ምንጪ - ደይሊ ሚረር

+ ኣሰልጣኒ ኣትለቲኮ ማድሪድ - ዲያጎ ሲሞነ ኣጥቃዒ ክለቡ ኣንቶኒ ግሬዝማን ኣብ ክረምቲ ካብታ ጋንታ ክወጽእ ምስ ዝደሊ ባብ ክለቡ ክፉት ምዃኑ ገሊጹ፣ እቲ ወዲ 25 ዓመት ህቡብ ተጻዋታይ፡ ብከም ክለብ ማን ዩናይትድ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ክለባት ተጠሚቱ ይርከብ፣ ፈረንሳዊ ግሬዝማን፡ በዚ ሒዝዎ ዘሎ ብቕዓት ኣስታት 86 ሚልዮን ፓውንድ ይትመን፣ ምንጪ - ደይሊ ቴለግራፍ

+ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ተጻዋታይ ሊቨርፑል ሉቃስ ለይቫ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ልዕሊ ፕለይማውዝ ሸቶ ምምዝጋቡ ይፍለጥ፣ እቲ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ከምዘይረግአ ዝግለጸሉ ዘሎ ተጻዋታይ ካብ ዝተፈላለያ ክለባት ጻውዒት ይቐርበሉ ኣሎ፣ ኢንተር ሚላን ድማ ነቲ ወዲ 30 ዓመት ኣብ ራዳራ ካብ ዘእተወትን ምስ ሊቨርፑል ድማ ርክባት ተካይድ ዘላን ጋንታ እያ፣ ምንጪ - ደይሊ ኤክስፕረስ

+ ማን ዩናይትድ ንወዲ 13 ዓመት ተጻዋታይ ሳውዝኢንድ ዩናይትድ - ፊንለይ በርነስ ብ175,000 ፓውንድ ንምዕዳግ ተመጣጠር ምህላዋ ተገሊጹ፣ እዚ ተጻዋታይ እንተደኣ ናብ ማን ዩናይትድ ተጸምቢሩ፡ ክብረወሰን ምስግጋር ተጻወትቲ (ምስ ዕድሚኡ ብምንጽጻር እዩ) ክሕዝ እዩ፣ ምንጪ - ታይምስ

+ ኣብ ራዳር ባርሴሎና ዝኣተወ ወዲ 21 ዓመት ተጻዋታይ ክለብ ቦሩስያ ሞንሸንግላድባኽ - ማሕሙድ ዳሁድ ብክለብ ሊቨርፑል ከምዝድለ ተገሊጹ፣ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ነቲ ኣከፋፋሊ ብተደጋጋሚ ብምውዳሱ፡ ሊቨርፑል ኣብ ምዕዳጉ ዝሓሸ ተበግሶ ከተርኢ ከምእትኽእል

ይግመት፣ ምንጪ - ደይሊ ስታር

+ ማንቸስተር ዩናይትድ ንሉክ ሻው ናይ ምሻጥ መደብ ከምዘለዋ ተሓቢሩ፣ ምንጪ ዘ ሳን

+ ተኸላኻሊ ሌስተር - ሉዊስ ሀርናንደዝ፡ ብመልክዕ ልቓሕ ናብ ማላጋ ናይ ምስግጋር ተኽእሎ ከምዘለዎ ተሓቢሩ፣ ምንጪ - ስካይ ስፖርትስ

+ ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ማን ዩናይትድ - ኣሽሊ ያንግ፡ ብቻይናውያን ክለባት እንተደኣ እኹል መሃያ ተዋሂቡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክወጽእ ዓይኑ ከምዘይሓሲ ገሊጹ፣ እቲ ወዲ 31 ዓመት ተጻዋታይ፡ ብሻንዶግ ሉነንግ ዝተባህለት ክለብ 16 ሚልዮን ፓውንድ ንዓመት እናተኸፍለ ክጻወት ጻውዒት ከምዝቐረበሉ ይንገር፣ ምንጪ - ደይሊ ሚረር

+ ኣርሰናል ንውዕል ሓለቓ ጋንታ ፐኽ መተሳከር ክሳብ 2018 ከተናውሖ ምውጣና ኣሰልጣኒኣ ኣርሰን ቨንገር ኣፍሊጡ፣ ምንጪ ደይሊ መይል

ደፓይ ናብ ሊዮን ተሰጋጊሩተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ

መምፒስ ደፓይ፡ ናብ ክለብ ሊዮን ከምዝተሰጋገረ ቢቢሲ ትማሊ ኣፍሊጡ፣ኣብ ሊግ 1 ፈረንሳ እትነጥፍ ዘላ ሊዮን፡

ነቲ ሆላንዳዊ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ 16 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ከምዝገበረትሉ ይግለጽ ኣሎ፣ ቢቢሲ ንመቕርብ ናይታ ፈረንሳዊት ክለብ ብምጥቃስ፡ እቲ ክፍሊት ካብ 16 ናብ 21.7 ሚልዮን ፓውንድ ክብርኽ ከምዝኽእል እውን ኣሚታ፣ኣብ ግንቦት 2015 ማልያ ማን

ዩናይትድ ምውዳይ ዝጀመረ ደፓይ፡ ኣብ 53 ጸወታታት ተሳቲፉ፣ ሸውዓተ ሸቶታት ድማ ኣመዝጊቡ፣ ካብ ክለብ ፒኤስቪ ኣይንድሆቨን ናብ ማን ዩናይትድ

ዝተሰጋገረ ደፓይ፡ ፈለማ 25 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ክግበረሉ እንከሎ ምስ ግዜ ድማ ወጻኢታቱ ናብ 31 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝደየበ ይግለጽ፣ኣብዚ ዓመተ ስፖርት፡ ሊዮን፡ ኣብ

ውድድር ሊግ ፈረንሳ 1 ካብ መራሒት ሞናኮ ብ11 ነጥቢ ድሒራ ትርከብ፣ደፓይ ኣብ 2014/’15 ኣብ ዝተኻየደ

ላዕለዋይ ዲቪዥን ክለባት ሆላንድ፡ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ምንባሩ ይግለጽ፣ ድሕሪ እቲ ዓመተ ስፖርት ድማ’ዩ ብኣሰልጣኒ ማን ዩናይትድ ዝነበረ ሉዊስ ቫን ሃል ተዓዲጉ፣ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዕዉት

ናይ ምዕላም ግዜ ዘየሕለፈ ቫን ሃል፡ ኣብ ግዚኡ ናብ ሜዳ ኦልድትራፎርድ ዝኣተዉ ተጻወትቲ ናብ ካልእ ክለብ እናተሰጋገሩ ይርከቡ፣ ኣብ ነሓሰ 2014 ብ59.7 ሚልዮን

ፓውንድ ዝተዓደገ ዲ ማርያ፡ ብ44.3 ሚልዮን ናብ ፒኤስጂ፥ ካብ ሳውዝሃምፕተን ብ25 ሚልዮን ፓውንድ ዝተዓደገ ሞርጋን ሽናይደርሊን፡ ናብ ኤቨርተን ምስግጋሩ . . . ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል፣ ካልእ ኣብ ዘመነ ቫን ሃል ካብ ዝተዓደጉ

ተጻወትቲ፡ 14.4 ሚልዮን ፓውንድ ዝወጸሉ ባስትያን ሽዋይንስታይገር ይጥቀስ፣ እዚ ጀርመናዊ ተጻዋታይ ባየር ሙኒክ ነበር፡ ብኣሰልጣኒ ሞሪኖ ከምዘይድለ ብተደጋጋሚ ይግለጽ፣ ወዲ 32 ዓመት ሽዋይንስታይገር፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት 16 ደቓይቕ ጥራይ እዩ ተሰሊፉ፣

** ** **

ደፓይ፡ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ንማን. ዩናይትድ ክልተ ሸቶታት ኣበርኪቱ

ዜና ብሓጺሩ= ኤርትራዊ ሽወደናዊ ተስፋልደት ተኪኤ ካብ ሽወደናዊት ክለብ ኣይ ኤፍ ከይ ኖርኮፒን

ናብ በልጅዩማዊት ክለብ ጀንት ብ1.5 ሚልዮን ዩሮ ከምዝተሰጋገረ ተሓቢሩ፣ ወዲ 19 ዓመት ተስፋልደት፡ ምስ’ዛ ሓዳስ ክለብ ናይ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ውዕል ምኽታሙ ይንገር፣ ኣብ መስመር ምክፍፋል ዝጻወት ተስፋልደት፡ ምስ ክለባት ቦይልክ ከምኡ ድማ ምስ ሲልቪያ ብመልክዕ ልቓሕ ክጻወት ምጽንሑ ይግለጽ፣

** ** **= ተኸላኻሊ ክለብ ቶተንሃም ያን ቨርተንገን ኣብ ዓንካር ዓንካሪቶኡ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ

ንኣስታት ሽዱሽተ ሳምንቲ ካብ ጸወታ ከምዝርሕቕ ኣሰልጣኒኡ ማውሪቾ ፖቸቲኖ ገሊጹ፣ወዲ 29 ዓመት ያን ቨርተንገን፡ እቲ ማህሰይቲ ጋንታኡ ንዌስትብሮም 4ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ጸወታ እዩ ገጢምዎ፣

** ** **= ኮኾብ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ነበር ዲያጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ መበል 30 ዓመት

ዓወት ክለብ ናፖሊ ኣብ ሻምፕዮን ሰረ’ኣ ኢጣልያ ተሳቲፉ፣ ኣብ ኢጣልያ ኣዝዩ ህቡብ ዝኾነ ማራዶና፡ ናፖሊ ኣብ ዓመተ ስፖርት 1986/87 ሻምፕዮን ክትከውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ምግባሩ ይዝከር፣

** ** **= ኣስቶን ቪላ ንሓለቓ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት - ሀንሪ ላንስበሪ ብ2.75 ሚልዮን ፓውንድ

ምፍራማ ኣፍሊጣ፣ እቲ ኣብ መስመር ምክፍፋል ዝስለፍ ወዲ 26 ዓመት ተጻዋታይ፡ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ዝነብሮ ውዕል ዝመጽእ ክረምቲ እዩ ዘብቅዕ ዝነበረ፣ ኣብ 2012 ካብ ኣርሰናል ናብ ኖቲንግሃም ዝተሰጋገረ ላንስበሪ፡ 150 ጸወታታት ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣካይዱ፣ ንሱ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ዘካየደን 19 ጸወታታት፡ ሽዱሽተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ፣

** ** **= ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ መበል 18 ደረጃ ሒዛ እትርከብ ዘላ ሃል ሲቲ፡

የማናይ ሸነኽ መስመር ምክልኻል ንዝጻወት ዑመር ኤላብደዓሊ ብመልክዕ ልቓሕ ካብ ግሪኻዊት ክለብ ኦሎምፕያኮስ ምፍራማ ኣፍሊጣ፣

ሎሚ ካብ ዝካየዱ ጸወታታት ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ፡ ማን ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ኢትሓድ ንቶተንሃም እተአንግደሉ ግጥም ብኣጋኡ ልዑል ኣቓልቦ ረኺቡ ኣሎ፣

ካብ ፓልሜራስ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ዝተሰጋገረ ኣጥቃዒ ጋብሪኤል ጂሰስ ኣንጻር ቶተንሃም ክጻወት ክኽእል እዩ፣ እዚ 27 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ዝተገብረሉ ኣጥቃዒ ብሰሉስ እዩ ውዕሉ ከቲሙ፣

ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ናይ ሎሚ ግጥም ተጻዋታያ ፈርናንዶ ካብ መጉዳእቲ ከምዝተመልሰ

ትገልጽ ኣላ፣ ፈርናንዲኖ ግና ብሰንኪ መቕጻዕቲ ኣብዚ ግጥም ኣይክህሉን እዩ፣

ብወገን ቶተንሃም፡ ብዘይካ ተኸላኻሊ ያን ቨርተንገን፡ ኣከፋፋሊ ኤሪክ ላሜላ እውን ኣብ ምሕኹልቱ ብዝገጠሞ ማህሰይቲ ኣንጻር ሲቲ ኣይክስለፍን እዩ፣

ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ 52 ነጥቢ ንዘዋህለለት መራሒት ቸልሲ ብሸውዓተ ነጥቢ ትሒታ ትስዕባ ዘላ ቶተንሃም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ግጥም ኣንጻር ሲቲ፡ ሰለስተ ግዜ ክትዕወት ክኢላ እያ፣

ምስ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ዋላ’ኳ ምሉእ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ እንወጸት፡ ተበዲሃ እያ ግና፣ ሎሚ ምሸት ድማ ኣብቲ እትርከቦ ምድብ ኣርባዕተ፡ ተጠማቲት ምስ ዝኾነት ማሊ ግጥም ተሰሪዑላ ኣሎ - ጋና፣ ምስሪን ማሊን ማዕረ ብምፍልላየን፡

ጋና በተን ካብ ኡጋንዳ ዝወሰደተን ሰለስተ ነጥቢ ነዚ ምድብ ትመርሕ ኣላ፣ ይኹን እምበር ሎሚ ምሸት ነጥቢ ምስ ዘይተመዝግብ፡ መሪሕነታ ብመጠኑ ነቕነቕ ክብል ብምዃኑ እዚ ግጥም ኣዝዩ ከገድሳ እዩ፣ኣሰልጣኒ ጋና - ኣቭራም ግራንት፡

ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ኣብ ኣሰላልፋ መጠናዊ ለውጢ ከምዝገብር

ይግለጽ፣ ኣቸምፖንግ ብ ባ ብምትካእ ድማ ኣንጻር ኡጋንዳ ካብ ዝገጠመት ጋንታኡ ለውጢ ክገብር እዩ፣ጋና ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ጸወታታት

ኣንጻር ማሊ፡ ኣብ ሰለስተ ብምዕዋት ዝሓሸ ታሪኽ ኣለዋ፣ ኣብ ክልተ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ፡ ክልተ ግዜ ድማ ተሳዒራ፣ እዘን ጋንታታት ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ክልተ ግዜ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታታት ዝተራኸባ እየን፣ ንከም ኣንድሬን ጆርዳን ኣየውን ዝሓዘት

ጋና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ውድድራት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘርኣየቶ ገስጋስ ኣብዚ ምድብ’ዚ ተጠማቲት ክትከውን ክኢላ እያ፣ ኣብ ካልእ ግጥም ናይ ሎሚ ምሸት፡

ምስሪ ምስ ኡጋንዳ ኣብ ስታድዩም ፖርት ጀንቲል ክትጻወት እያ፣ ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ናብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተመልሰት ኡጋንዳ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ብጋና ትሰዓር፡ ዘርኣየቶ ብቕዓት ግና ሕጂ እውን ንምስሪ ክትብድህ ከምእትኽእል ሓያለ ተንተነቲ ይሰማምዑ፣ ኣብ መሳልል ሃገራውያን ጋንታታት

ፊፋ መበል 35 ደረጃ እትርከብ ምስሪ፡ መጉዳእቲ ቀንዲ ሓላዊ ልዳታ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ጽልዋ ከምዝህልዎ ርዱእ እዩ፣ እንተኾነ ከም መሓመድ ኤልነኒ ዝኣመሰሉ ተጻወትታ ንኡጋንዳ ክብድሁ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ፣

** ** **

Page 10: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 10መበል 25 ዓመት ቁ.123

ደሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ት.ዓቢ ምጉዳል ዋጋ

ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ካብ 09 ጥሪ 2017 ክሳብ 21 ጥሪ 2017 ዝጸንሕ ኣብ ኩሎም ፍርያትና ክሳብ 35% ዝበጽሕ ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበርና ነበስር!

ናይ ዓበይቲ ካናቴራ ፣ ማልያ ፣ ኮምፕላስዮነ ፣ ጋውን ፣ ስረ

ናይ ናእሽቱ ካናቴራ ፣ ማልያ ፣ ፒጃማ ፣ ኮስቱሞ ፣ ጃኬት ፣ ካምቻ ፣ ስረ

ናይ ህጻናት መጠመቒ ክዳውንቲ ፣ ካናቴራ ፣ ማልያ

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ቀምሽ ውሽጢ ፣ ፓርዮ

ንዘበታዊ ኣገልግሎት ኣንሶላን ኮፕረሌቶን ………….ቀሪብናልኩም ኣሎና!

ፍርያትና እንሸጠሉ ቦታ፡ኣብ ኣስመራ፦ ኣብ ድኳን ትካልና ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳ ኖራኣብ መንደፈራ፦ ሩት ቡቲክ ጥቓ ጁራ ፍዮሪኣብ ደቀምሓረ፦ ፎዝያ ቡቲክ ጥቃ ዕዳጋ

ሃየ ዝዕድል ተጠቐምሉ! ብዓይነት ፍርያትና፥ ብምቑሉል ኣገልግሎትናን ፣ ርትዓዊ ዋጋን ክትዓግቡ ኢኹም!

ብተወሳኺ ንሆቴላት ፣ ቤት መግቢ ፣ ካፊተራታት ፣ መዋእለ ህጻናትን ካልኦትን ዘገልግሉ ዩኒፎርም ፣ ክዳውንቲ ብዝደለኽሞ ዓይነትን ብዝመረጽክሞ ኣገባብን ርትዓዊ ዋጋን ክነዳልወልኩም ከምእንኽእል ነበስር!

ርሑስ በዓል!ቁ.ተሌፎን- 182967/186405 ኣስመራ

ምልክታ

ብስም ወ/ሮ ለተፉፋኤል ገብረመድህን ሃይለማርያም ዝተመዝገበ ቁ.ፍቓድ ዋኒን ASL00016954 ዝኾነ ኣብ ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ፣ ማእከል ከተማ ጎደና፣ ኣፍዓበት ቁ/ገዛ 208 ዝርከብ ናይ ዝተሰርሑ ቤት መስተ ትካለይ ንወ/ሮ ኣስማይት ኤልያስ መስመር ካብ 01/01/2017 ክሳብ 31/12/2017 ኣካሪየዮ ስለዘለኹ ዝቃወም ምስ ዝህሉ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ስላሳ መዓልቲ ስልጣን ንቤት ፍርዲ ተቓውምኦ ይቕረብ። እንተዘይኾይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፍጸመሉ ነፍልጥ።

ለተርፍኤል ገብረመድህን

ምልክታ

ኣቶ ሃብትኣብ ዮሴፍ ጽገየሱስ ገብረ ዝተባህልኩ ካብ ኣቦይ ኣቶ ዮሴፍ ጽገየሱስ ገብረ ከማኡውን ካብ ኣደይ ወ/ሮ ፍቓዱ ኢሳቕ ናይዝጊ ብዕለት 12/10/2013 ብውህብቶ ዝተቐበልኩዎ ገዛውቲ ቁ.ምስክር ወረቐት 102172 ቁ.መወከሲ 111223 ኣብ ኣስመራ ገዛ ኬኒሻ ኣብ ዚፕ(ZIP) 1A137 ፕሎት ‘17’ ፓርሰል ‘A’ ስፍሓቱ 134,40 ት/ሜ ካብ ወለደይ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለ ዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ትእዛዝ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ኖታሪን ካዳስትራልን ይቕረብ።

ኣቶ ሃብትኣብ ዮሴፍ ጽገየሱስ

ዞባ ማእከል ኣስመራ

ፊዮሪ ሩፋኤል ገብረትንሳኤ ምባል ተሪፉ፡ ፊዮሪ በርሀ ገብረእግዚኣብሄር ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/2/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣቶ ኣማኑኤል ክፍሎም ገብረእግዚኣብሄር ንተኸሳሲ ሜሮን ሕብረት ተስፋሚካኤል ናይ መኪና ስም ምትሕልላፍ ክሲ ስለዘቕረበሉ ኣድራሽኡ ስለዘይፈልጦ ይጸውዓለይ ስለዝበሉ፣ ተኸሳሲ ሜሮን ሕብረት ተስፋሚካኤልብኣካል ወይ ብወኪሉ፡ ን9/2/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ። እንተዘይቀረበ ኣብዘየለወሉ ከምዝረአ ቤ/ፍ የፍልጥ።

ኣቶ የውሃንስ ገርግሽ ወልደማርያም፡ ስም ኣደይ ሃነጸት ከሰተ ወልደሚካኤል ምባል ተሪፉ፡ ሃነጻ ከሰተ ወልደሚካኤል ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/1/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኣቶ ኤርምያስ ኣማን ጸጋይ ምባል ተሪፉ፡ ኤርምያስ ኣማኑኤል ጸጋይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን7/2/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ ሲቪል መጋባኣያ ቁ/39 ይቕረብ።

ርእሶም መንግስ ገ/ክርስቶስ ምባል ተሪፉ፡ ርእሶም መንግስትኣብ ገብረክርስቶስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/2/17 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባኣያ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ 4 ኣስመራ

ወ/ሮ ኢትዮጲያ ተወልደ ተስፋዝጊ፡ ሓፍተይ ወ/ሮ ይሕደጋ ተወልደ ተስፋዝጊ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 4 ክልዋት ኣሕዋተይን 1 ስዉእ ሓውናን 1 ተተካኢት ጓሉን ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ኣበባ በየነ ተድላ፡ ወላዲተይ ወ/ሮ መዓሾ ወልደእንድርያስ ዓንዶም ስለዝሞተት፡ ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ፖራዲዞ

ጸጸራት

ኣቶ ሻም መንግስ ኣደራጀው፡ ኣቦና መንግስ ኣደራጀው ማና ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ትዕበ ገብረኣምላኽ ሃይለ በዓል ቤተይ ኣቶ ኢሳቕ ገብረእግዚኣብሄር ገብረሚካኤል ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን21/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል

ኣቶ ተኽለ መለስ በራኺ፡ ሓፍትና ወ/ት ትርሓስ መለስ በራኺ ጥፍእቲ ምዃና ስለዝተሰረጋገጸለይ 5 ኣሕዋታ ጥራይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን3/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ፍዮሪ ዮአሃንስ ኪዳነን ተኸሳሲ ኣቶ ቢንያም የማነ ተወልደን ዝቐረበልና ሲቪላዊ ክሲ ጉዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኑ፡ ተኸሳሲ ኣብ ኣድራሽኡ ክርከብ ስለዘይተኻእለ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ን20/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ኣብ ዘየለወሉ ክረአ ምዃኑ የፍልጥ።

ወ/ሮ ትርሓስ ካሕሳይ ሃይለ፡ ኣደና ነጪ ሃብተገርግሽ ስብሃቱ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

Page 11: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 11መበል 25 ዓመት ቁ.123

Vacancy Announcement

Asmara International Community School

AICS is currently accepting applications for the following positions.The deadline is January 31, 2017. ONLY Applicants who meet or exceed these requirements should apply: successful applications will be notified.

Primary ES (Grades 1 and 3)1. Intermediate ES (Grades 5 and 6)2. Secondary Social Studies3. Secondary Biology4.

Successful candidates Should have:Bachelors Degree•Minimum 2 years teaching experience preferably in an •international settingInternationally recognized teacher certification/qualification•Flexibility and qualifications to teach in other areas as needed•Experience living in a foreign country (Preferred)•Certificate of exemption from national service (Eritrean)•

Digital Media5.

● Bachelors Degree in Subject areaMinimum 2 years teaching experience.•preferably in an international setting•Excellent English skills•Certificate of exemption from national service•

Classroom Assistance6. Certificate or BA•Excellent Spoken English language skills•Excellent interpersonal skills•At least 2 years experience in a support type position working •with peopleCertificate of exemption from national service•

Send CV with contact information and references by postal address to: AICS, P.O. Box 4941, Asmara.

Please mail a second copy of your application to ministry of Labor addressed: - Aliens’ Employment permit Affairs P.O.Box 7940, Asmara.No telephone call or appointment please. Candidates will be notified by February 7, 2017.

ምልክታ

ኣቶ ሃብትኣብ ዮሴፍ ጽገየሱስ ገብረ፡ ዝተባህልኩ ካብ ኣቦይ ኣቶ ዮሴፍ ጽገየሱስ ገብረ ከምኡውን ካብ ኣደይ ወ/ሮ ፍቓዱ ኢሳቕ ናይዝጊ ብዕለት 12/10/2013 ብውህብቶ ዝተቐበልኩዎ ገዛውቲ ቁ.ምስክር ወረቐት 102171 ቁ.መወከሲ 111224/111225 ኣብ ኣስመራ ገጀረት ኣብ ዚፕ(ZIP) 1A751 ፕሎት ‘3’ ፓርሰል ‘C’ ስፍሓቱ 1100.00 ት/ሜ ካብ ወለደይ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለ ዝደለኹ፡ ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ትእዛዝ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ኖታሪን ካዳስትራልን ይቕረብ።

ኣቶ ሃብትኣብ ዮሴፍ ጽገየሱስ

ምልክታ ጨረታ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንቤት ትምህርቲ ሕርሻን ተክኒክን ሓጋዝ ንተመሃሮ ኣገልግሎት መግቢ ዝውዕል ኣሕምልትን ፍረታትን ን2017 ኣቕርቦት ዝህብ ሕጋዊ ነጋዳይ ንምርካብ ግዱሳት ነጋዶ ንጨረታ ይዕድም።

ተጫረትቲ ከማልእዎ ዘለዎም፦

1. ናይ 2016 ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ብኦርጅናልን ፎቶ ኮፒ መንነት ፎቶ ኮፒ ምቕራብ የድሊ። 2. ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ጀሚሩ ን30

መዓልታት ክፉት ኮይኑ ይጸንሕ።3. ሳንዱቕ ጨረታ ንጽባሒቱ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን

ወከልቶም ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ቤ/ጽሕፈት ቁ.20 ይኽፈት።4. መኽበሪ ጨረታ 50,000.00 (ሓምሳ ሽሕ) ናቕፋ ዝተረጋገጸ ቸክ (CPO)

ይተሓዝ።5. ተወሳኺ መግለጽን ዝርዝራዊ ሓበሬታን ኣብ ሚኒ/ትምህርቲ ቤ/ጽሕፈት ቁ.20

ወይ ቴለ 200595/123749 ተወኪሱ። 6. ሚኒ/ትምርህቲ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብምልኡ ወይ ብኸፊል

ናይ ምስራዝ መስሉ ዝተሓለወ ኢዩ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ

ምልክታ

ወ/ሮ ኤደን ክብርኣብ ቦኽሩ፡ ኣደይ ወ/ሮ ጽገሮማን ጎድይታኦም ጋብር ኣብ ቅድሚ ረጂስትራ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ቀሪባ እቲ ኣብ ከተማ ኣስምራ ንኡ/ዞባ ኣባሻውል ኣብ ፕሎት 132R ፓርሰል ዞን ASP00009048 ፓርሰል C፡ ዚፕ ኮድ ኣባሻውል 1A132 ጎደና ዓይገት ቁ.ገዛ 103 ኣብ ስፍሓት መሬት 168.18 ት/ሜ ዝተደኮነ G+1 ዝዓይነቱ ብመለለዩ ንብረት ቁ.1፡0006484 ብዕለት 05/09/2011 ዓ.ም ኣብ ቤት ጽሕፈት ካዳስተር ብስማ ዝተመዝገበ 7 ቀንዲ ክፍልታት ክልተ ክሽነን ሓደ ዓይኒ ምድርን ዘለዎ ገዛ ብውህብቶ ስለ ዝሃበትኒ፡ ናብ ስመይ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ፡ዝቃወም እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ኖታዮን ካዳስተርን ከቕርብ ዝቃወም እንተዘይቀሪቡ ግን ሰነዳተይ ኣቕሪበ መስርሕ ስም ምትሕልላፍ ክፍጽም ምዃነይ የመልክት።

ወ/ሮ ኤደን ክብርኣብ ቦኽሩ

ምልክታ ጨረታኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንዝርከቡ ናይ ሕጊ

እሱራት ካብ 1/02/2017 - 31/12/2017 ብጨረታ ኣሕምልቲ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ይዕድም።

ተጫረትቲ፦

1. ቅዳሕ ናይ 2015 ዝተሓደሰ ናይ ንግዲ ፍቓድን ኤርትራዊ መንነት ኦርጂናል ፎቶ ኮፕን ከቕርብ ይግብኦ፦2. ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጻሉ ዕለት ን15 ናይ ስራሕ

መዓልታት ክፉት ሰዓት 6፡00 ድ/ቀ ይዕጾ ንጽባሒቱ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 10፡00 ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ዝተረኽብሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ማእሰርቲ ተሃድሶን ሓዝሓዝ ይኽፈት፦3. ዝርዝር ሓበሬታ ብዝሕን ዝቐርብ ኣሕምልትን ዝሓዘ ወረቐት ኣብ ናይ ስራሕ

ሰዓታት ካብ ቤት ጽሕፈት ፋይናንስ ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ሓዝሓዝ እናመጻእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ፦4. ተጫረትቲ ዘድሊ ዋጋታቶም መሊኦም ሰታሪት ዓሺጎም ኣብ እዋን ሰዓታት ስራሕ

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ሳንዱቕ ጨረታ የእትውዎ።5. ሰነዳት ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ናቕፋ ብምኽፋል ክገዝእ ይኽእል።6. ተዓዋቲ ምስ ተሓበረ ናይ ኮንትራት መኽበሪ ናቕፋ 100.000.00 ብCPO

የትሕዝ፦

ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ኤርትራ ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ በዚ ጨረታ’ዚ ኣይግደድን እዩ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጎዳይፍን ሰምበልን

ኣቶ እስቲፋኖስ በርሀ ስብሃቱ በዓል ቤተይ ትብለጽ ተክለገርግሽ ኪዳነ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 2 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ቅድስቲ ግርማጽየን መዓሾ በዓል ቤተይ ያየ ዑቅባዝጊ ተክለኣብ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሚዛን ጸጋይ ንጉሰ በዓል ቤተይ ኣስመሮም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣

ዝቃወም እንተሎ፡ ን20/2/17 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ዞባ ደቡብ ደቀምሓረ

ከሳሲ ኣቶ ሃይለማርያም ኪዳነ ምስጉን፡ ኣብ ልዕሊ ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ሳልሕ እድሪስ መሓመድ 1.ኣቶ ዑስማን ሳልሕ እድሪስ 2.ወ/ሮ መርየም ሳልሕ እድሪስ 3.ወ/ሮ ከድጃ ሳልሕ እድሪስ 4.ኣቶ ዓብደላ ሳልሕ እድሪስ 5.ወ/ሮ ዒሻ ሳልሕ 6.ኣቶ እድሪስ ሳልሕ እድሪስ 7.ኣቶ ዓብዱ ሳልሕ እድሪስ 8.ወ/ሮ ዓለውያ ሳልሕ እድሪስ 9.ወ/ሮ ሙኒራ ሳልሕ እድሪስ ናይ ስም ዋንነት መኪና ምትሕልላፍ ክሲ ስለዝመስረቱ፡ ተኸሰስቲ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል መልሲ ሒዝኩም ን2/2/17 ኣብ ላ/ቤ/ፍ ቅረቡ። እንተዘይቀሪብኩም ንስኹም ኣብ ዘይብሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።

Page 12: ሚኒስተር ሕርሻ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኵሮ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_21012017.pdfናብ ሊዮን ተሰጋጊሩ ሓዳስ ኤርትራ

ሓዳስ ኤርትራ 21 ጥሪ 2017 - ገጽ 12መበል 25 ዓመት ቁ.123

ቀደም ዘመን ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ዝቕመጥ ንፉዕ ነጋዳይ ነበረ። እዚ ነጋዳይ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምኻድ በብዓይነቶም ኣቕሑ እናሸጠ’ዩ ዝናበር ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሰፊሕ ሑጻ ዝበዝሖ ምድረበዳ ሰንጢቑ ኣብ ርሑቕ ቦታ ናብ ዝነበረት ከተማ ብምኻድ ንብረቱ ክሸይጥን ብዙሕ መኽሰብ ክረክብን ወጠነ። ምስኡ ብዙሓት ሰራሕተኛታትን ንጉዕዞ ዝኸውን ማይ፡ መግቢ፡ ሓዊ ተማልአ።ብመሰረት ውጥን ናይቲ ነጋዳይ ኩሉ

ንብረት ኣብ ኣባቕል ዝጉተታ ዓረብያ ተጻዕነ። ኣብ ምድረበዳ ክበጽሑ እንከለዉ ጸሓይ ኣዝያ ትብርትዕ’ሞ ነቲ ሑጻ ተርስኖ፤ ብርቱዕ ምቘት ድማ ይፍጠር። ስለ’ዚ እቶም ተጓዓዝቲ ሃሩር ስለዝበርትዖም ብግዜ ለይቲ እምበር ብቐትሪ ክጐዓዙ ኣይክእሉን ነበሩ። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ’ዮም እቲ ነጋዳይን ብጾቱን ኣብ ምድረበዳ ምስ በጽሑ ዘዕረፉ። መሬት ምስ መሰየ ኸኣ ጉዕዞኦም ቀጸሉ። ካብ ኩሎም ብከዋኽብቲን ብእኦም ተሓጊዝካ መኣዝን ናይ ምልላይ ክእለት ዝነበሮ ሰብኣይ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ከዋኽብቲ እናተመልከተ መንገዲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ነይርዎ። ንሱ እናመርሖም ምሉእ ለይቲ ኽጐዓዙ ሓደሩ።

መሬት ወጊሑ ጸሓይ ኣብ ኣጋ ምብራቓ ኣብ ሓደ ቦታ ኣዕረፉ። ነቶም ሰኸም ዝነበሮም ኣባቕል’ውን ጽዕነቶም ብምርጋፍ ከም ዘዕርፉ ገበርዎም። ሓዊ ኣጒዶም መግቢ ድሕሪ ምብሳሎም ክሳብ ዝኣኽሎም በልዑ። ምስ ጸገቡ ኮበርታኦም ኣብ ሑጻ ኣንጺፎም ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ደቀሱ። ጸሓይ ዓሪባ ሰፈራ ሓዘት። እቶም

መንገደኛታት መግቦም ድሕሪ ምብሳል ድራሮም በልዑ። እቲ ሑጻ ምስ ዘሓለሎም ከኣ ንብረቶም ጠራኒፎም መገዶም ቀጸሉ። ከምዚ ኢሎም ከኣ ቐትሪ እናኣዕረፉ፡ ለይቲ ክይድ እናሓደሩ ንመዓልታት ተጓዕዙ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ምሸት እቲ ነጋዳይ “ሕጂ ኩሉ ማይ፡ መግቢ፡ ሓዊ ደርብይዎ። ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ ኣብታ እንደልያ ከተማ ክንበጽሕ ኢና። ያላ ንናይ መወዳእታ ጉዕዞ ተበገሱ፡” በሎም ንብጾቱ። እዚ ትእዛዝ መሰል መልእኽቲ ምስ

ተመሓላለፈ እቲ መገዲ ዝመርሕ ሰብኣይ ከም ኣመሉ ኣብ ቅድሚት ኰይኑ ክመርሕ ነቐለ። ይኹን’ምበር ብግዜ ቐትሪ ዝነበረ ብርቱዕ ሃሩር ‘ቀጨውጨ’ ስለዝበሎ ክድቅስ ኣይከኣለን። ስለዚ ኸኣ ኣዝዩ ደኺሙን ፈዚዙን ነበረ። እቲ ነጋዳይን ብጾቱን ናብታ ከተማ

ክኣትዉ ብምቕራቦም ዝፈጠረሎም ሓጐስ ኣብ መገዲ ‘ቅልጥፍ ቅልጥፍ’ እናበሉ ንኽጐዓዙ ኣኽኢልዎም’ዩ። ትጉዕዝ ሓዲሮም መሬት ምስ በርሀ ወዮ

ስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትስድራቤትሃብቶም ኢዮብ

ኣብዚ ሰሙን’ዚ እቶም ዝበዝሑ ተመሃሮ ፈተና ወዲኦም፡ ናይ ገሊኡ ዓይነት ትምህርትታት ውጽኢቶም ርእዮም ኣለዉ። ኣብ ሓደ ክልተ ዓይነት ትምህርታት ግን ናይ ፈተና ወረቐት ተኣሪሙ ኣይተወድአን ዘሎ። ዘቢብን ዘቢባን ብዛዕባ ፈተና እንታይ ከም ዝተበሃሃላ እስከ ክትግምቱ ፈትኑ።ዘቢብ ኣብ ናይ ቊጽርን ናይ

እንግሊዝን ፈተናታት ጽቡቕ’ያ ሰሪሓ። ስለዚ ኸኣ ገጻ ብርህ ኢሉ ፍሽኽ ፍሽክ ትብል ነበረት። ዘቢባ ብኣንጻሩ ጽውግ በለት። “እንታይ ድኣ ዘይተሓጐስኪ

ትመስሊ?” ሓተተት ዘቢብ ናብ መሓዝኣ ኣተኲራ እናጠመተት። “ኣብ ናይ ቊጽሪን እንግሊዝን ፈተና

ሕማቕ ስለዝሰራሕኩ ካብ ትማሊ ኣትሒዘ’የ ሓሪቐ ዘለኹ።”“ክሳብ ክንድኡ ክትሓርቂ የብልክን።

ዘይጋገ የለን መሓዛይ። እንተ ኣካቢድክዮ ኸኣ መመሊሱ ከሕርቐኪ ዋላ ካልኣይ ሰሚስተር ጽቡቕ ከም ዘይትሰርሒ ክገብረኪ’ዩ። ኣየጽናዕኪን ዲኺ ድኣ ‘ጽቡቕ ኣይሰራሕኩን’ ትብሊ?” በለት ዘቢብ።“ምጽናዕሲ ኣጽኒዐ ነይረ’የ። ኣብታ

እዋን ፈተና እቲ ኹሉ ዘጽናዕኩዎ ጠፊኡኒ። ኣዝየ ተረቢሸ።”“ድሓን ዝበዝሐ ግዜ ብሕጂ’ዩ ዘሎ።

ጌጋኺ እንተተረዲኡኪ ዝበለጸ ነገር’ዩ። ምኽንያቱ ሰባት ከይሓገዙኺ ክትእረሚ ክትመሓየሺ ጸገም የብልክን፡” ምስ በለት ዘቢብ ኩነታት መሓዝኣ ባህ ኣይበላን። “ትሰምዕኒዶ ኣለኺ?” ሓተተት ዘቢብ ህድእ ኢላ።“እወ፡” መለሰት ዘቢባ ፍርሒ

ዘቢብ ዘቢባእናተሰምዓ።“እሞ እንታይ ድኣ ኰይንኪ

ፈዚዝኪ?”“ከመይ ገይረ ካብ ባባ ነዚ ናይ ፈተና

ወረቐተይ ክሓብኦ’የ ኢለ ይሓስብ ኣለኹ፡” በለት ዘቢባ።“ኤእ!” ሰንበደት ዘቢብ። “ካብ ወለድና

ንሓብኦ ነገር ክህሉ ጽቡቕ ኣይኰነን። ጽባሕ ንግሆ ምስ ፈለጠ ባባኺ እንታይ ክትብሊ ኢኺ?”“”እንድዒ እንታይ ፈሊጠ ኢልክኒ!”

ተሸበረት ዘቢባ።“እቲ ዝዀነ ዀይኑ’ዩ። ብዝሓለፈ

ምጭናቕ ዘይኰነ ብዝመጽእ ምሕሳብ’ዩ እቲ ዘገድስ። ድሓር ከኣ ባባኺ ዝሓሸ ምኽሪ ክህበና ይኽእል’ዩ። ‘ሓባእ ቊስሉስ ሓባእ ፈውሱ’ ክበሃል ሰሚዕኪዶ ትፈልጢ?” ብምባል ሕጂ’ውን ንመሓዝአ ኣተኲራ ጠመተተታ ዘቢብ። “እንታይ ኢኺ ክትብሊ ደሊኺ?”

በለት ዘቢባ ምስ መሓዝኣ ምዕላላ ቊሩብ ፍኹስ ክብላ እናጀመረ።“‘ብቕልል ዝበለ ገይረ ክገልጸልኪ

ክፍትን’የ። ብኸመይ ውጽኢትኪ ተመሓይሺ ትሓስቢ ኣለኺ ንበሎ።”

“ሕራይ” “ንኣብነት ዝያዳ ናይ መጽናዕቲ ግዜ

ምውሳኽ ከም ዘድልየኪ ትኾኒ፡”“ቀጽሊ፡”“ኣብዚ ሕጂ ስድራኺ ክፈልጡ

ኣለዎም። እንተዘይፈሊጦም ግን ክልእኩኺ ይኽእሉ። ስለዚ ኸኣ ከምቲ ዝደለኽዮ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ኣይህልወክን። ውጽኢትኪ ብዘይምንጋርኪ ፈውስኺ፡ ማለት ሓገዝ ከም ዘይትረኽቢ ትገብሪ ኣለኺ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ ስድራኺ ኣባኺ ዘለዎም እምነት ከም ዘጉድሉ ትገብሪ ኣለኺ?” በለት ዘቢብ ዕትብ ኢላ።“እንታይ?” በለት ዘቢባ ናይ ስንባደ

ድምጻ ኣትሕት ኣቢላ።“ ‘እምበኣር ቅድሚ ሕጂ’ውን ገለስ

ትሓብኣልና ነይራ’ያ’ ከም ዝብሉ፡ ከም ዘይኣምኑኺ ብኣኺ ከም ዝጠራጠሩ ትገብሪዮም ኣለኺ።” ዘቢብ ንመሓዝኣ ቀስ ብቐስ ክትገንሓ’ያ ጀሚራ።“እዎ……..” ኣጻብዕታ ቈራዕራዕ

ኣበለት ዘቢባ። “ሓቅኺ ኢኺ ዘቢብ፡ እታ ዘላ ከም ዘለታ ምንጋር ይሕሸኒ።”“ንፍዕቲ!” ድሕሪ ምባላ “ሰላም በልኒ፡

” በለት ዘቢብ ብዓውታ። ተሓቛቚፈን ከኣ ናብ ገዛ እንዳ ዘቢባ

ከዳ።

ሰሚራ እታ ናይ ቊጽሪ ክኢላ ከም ኣመላ ዘደንቕ ትሕዝቶ ቚጽሪ ቀሪባ ኣላ። ነዚ ኣብዚ ዘሎ ትሕዝቶ ብምክትታል ከምኡ ዝመስል ሕቶ ኽንሰርሕ ንፈትን።

1) ቁጽሪ ሓዙለይ!- ብዘይካ 8 ካብ 1 ክሳብ 9

ብዘለዉ ቚጽርታት ብቕደም ተኸተል (ብመስርዕ) ሓደ ቚጽሪ ንፍጠር። እዚ ተኣምራታዊ ቚጽሪ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ።- ሕጂ ካብ 1 ክሳብ 9 ካብ ዘለዉ

ቚጽርታት ሓደ ሓዙ።- ነቲ ዝሓዝኩሞ ቚጽሪ ብ9

ኣርብሕዎ- ንቚጽርኹም ብ9 ምስ ኣርባሕኩም

ንዝረኸብኩሞ ቚጽሪ በቲ ተኣምራታዊ ቚጽሪ ኣርብሕዎ።- መልስኹም ክንደይ

ኰይንልኩም?2) ሓደ ቚጽሪ ብገዛእ ነብሱ

ምርባሕ፥2 ብገዛእ ነብሱ ኽረብሕ እንከሎ 4

ይህበና። 3 ድማ ብገዛእ ነብሱ ኽረብሕ ከሎ 9 ይዀነልና። እዚ ኣገባብ ኣረባብሓ ኣብ ንኣሽቱ ቚጽርታት ቀሊል’ዩ። ኣብ ዓበይቲ ግን ከሸግረና ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ - መጀመርያ ናይቲ ቚጽሪ

ንውሰድ።- ብድሕሪ’ዚ ሓደ ንደምረሉ- ነቲ ሓደ ዝደመርናሉ ምስቲ

መጀመርያ ናይቲ ቚጽሪ ነርብሓዮ- ብድሕሪ’ዚ ነቲ ብገዛእ ነብሱ

ዝረብሕ ዘሎ ቚጽሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ብምርባሕ ዝረኸብናዮ ቊጽሪ ኮፍ ነብሎ።

ጽዉይ ጽ

መራሒ መገዲ ካብ ድቃሱ ተበራበረ። ንብጾቱ ኸኣ ኸምዚ በሎም “ትሰምዑኒዶ ኣለኹም? ኰሊልና ኰሊልና ናብታ ትማሊ ዝነበርናያ ቦታ ኢና ተመሊስና። እዞም መጽዓኛታት ኣነ ደቂሰ ከለኹ ንድሕሪት ገጾም ተጠውዮም ክዀኑ ኣለዎም። ስለዚ ኢና ናብታ ዝነበርናያ መጺእና።”ነቲ ኣብ ዓረብያታት ተጻዒኑ ዝነበረ

ንብረት ኣውሪዱ ነቶም ኣባቕል ፈነዎም። ይኹን’ምበር ማይ፡ መግቢ ሓዊ ዝበሃል ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ ብድሮ ንኹሉ ደርብዮሞ’ዮም። ኣብቲ ብርቱዕ ሃሩር ዝነበሮ ምድረበዳ እንታይ ክገብሩ’ዮም?እቶም መንገደኛታት ኮበርታኦም ኣብ

ሑጻ ኣንጺፎም ክድቅሱ’ኳ እንተፈተኑ፡ ብጥምየትን ጽምእን ተሰኒፎም ብምንባሮም ድቃስ ኣበዮም። “ማይ የለ፡ መግቢ የለ ድኣ እንታይ ኢና ንገብሮ?” እናበሉ ከኣ ተጨነቑ። እቲ ነጋዳይ በዚ ዘጋጠመ ኹነታት ብዙሕ ሓሰበ። “ኣነ ተስፋ ክቘርጽ የብለይን። ዝገበርኩ ገይረ ማይ ክረክብ ኣለኒ። ከምኡ እንተዘይ ገይረ እዞም ሓገዝተይ ብጽምኢ ክነቕጹ፡ መግቢ ዘብስሉሉ ማይ ስኢኖም ብጥምየት ክሞቱ’ዮም። እቶም ኣባቕል እንተዀኑ’ውን ማይ ከይሰተዩ ጉዕዞ ክጅምሩ ዝኽእሉ ኣይመስለንን፡” ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ገለ ነገር ክገብር ተበገሰ። ማይ እንተረኸበ ከኣ ፈቐድኡ ኮለለ። ኣብ መወዳእታ ኣማዕድዩ እክብ ዝበለ ቀጠልያ ሳዕሪ ዝመስል ኣቑጽልቲ ረኣየ። ንብጾቱ ኸኣ “ኣፍራዛታትን ባዴላን ሒዝኩም ምጹኒ፡” በሎም። ንሶም ምስ መጹ “እዚ ሳዕሪ፡ እዚ ቘጽሊ ቀጠልያ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣብ ታሕቲ ማይ ስለዘሎ’ዩ፡” ብምባል ተስፋ ኣስነቖም። በዚ ተስፋ ተሓጊዞም ናይ ሓይሎም ክኹዕቱ ጀመሩ። እንተዀነ ዓሚቚ ጉድጓድ ድሕሪ ምኹዓቶም ተሪር ከውሒ ረኸቡ። ኪንዮኡ ክኹዕቱ ኣይክእሉን’ዮም። ነዚ ኩነታት ዝተዓዘበ ነጋዳይ ናብቲ ጉድጓድ ኣተወ። እዝኑ ናብቲ ከውሒ ኣጸጊዑ ኸኣ ተጸናጸነ። “ኣብ ትሕቲ እዚ ከውሒ ማይ ከም ዘሎ ብእዝነይ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ስለዚ ተስፋ ከይቈረጽና ንኹዓት፡” በለ። ነቲ ቀንዲ ሰራሕተኛኡ ኸኣ “ተስፋ ቈሪጽና ምኹዓት እንተሓዲግናዮ፡ ክንመውት ኢና። ስለዚ ኣጆኻ ክትኩዕት ፈትን፡” በሎ። እቲ ሰራሕተኛ ዘረባ ናይቲ ነጋዳይ ጽቡቕ ገይሩ ስለዝተረድኦ፡ ማሳ ኣልዕሊ ርእሱ ሓፍ ኣቢሉ ነቲ ከውሒ ብዘለዎ ሓይሊ ክወቕዖ ጀመረ። ክሳብ ዝደክም ከኣ ቀጸሎ። ኣብ መወዳእታ ብርቱዕ ማይ ካብቲ ከውሒ ‘ቡሕ ቡሕ’ እናበለ ክወጽእ ተራእየ። እቲ ነጋዳይ ሓሳብ ልቡ ስለዝሰመረ ተሓጒሱ፡ እቶም ህዝቢ ከኣ ንዕኡ ኣመስገንዎ። ካብ ካሮሳ ናይ ኣባቕሎም ዕንጸይቲ ሰባቢሮም ሓዊ ብምንዳድ መግቦም ኣብሰሉ። ነብሶምን ክዳውንቶምን ሓጺቦም፡ መግቦም በሊዖም ደቀሱ። ምሉእ መዓልቲ ድሕሪ ምዕራፎም እንደገና መግቦም በሊዖም ናብታ ከተማ ነቐሉ። ነታ ማይ ዝረኸቡላ ቦታ ካልኦት ሓለፍቲ መገዲ ክጥቀሙላ ምእንቲ ከኣ ኣብታ ቦታ ባንዴራ ተኸሉ። ኣብታ ዝሓሰብዋ ከተማ ምስ ኣተዉ ካብቲ ፈለማ ዝገመትዎ ንላዕሊ ከሰቡ። እናተሓጐሱ ከኣ ናብ ዓዶም ተመለሱ።

ንኣብነት 25 ብገዛእ ነብሱ እስከ ነርብሓዮ። 25 x 25 = 252= ?- መጀመርያ ናይ ክልቲኦም

ቊጽርታት 2 እዩ።- ነዚ መጀመርያ ቊጽሪ ሓደ

ንደምረሉ። 2 + 1 = 3- ን3 ምስቲ መጀመርያ ቚጽሪ

ማለት 2 ነርብሓዮ።3 x 2 = 6-

ነቲ ብገዛእ ነብሱ ዝረብሕ ዘሎ ቚጽሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ብምርባሕ ዝረኸብናዮ ቚጽሪ ነቐምጦ። እቲ ብምርባሕ ዝረኸብናዮ ቚጽሪ 6 እዩ። እቲ ብገዛእ ነብሱ ዝረብሕ ዘሎ ድማ 25 እዩ። ስለዚ ንቚጽሪ 25 ኣብ ቅድሚ ቑጽሪ 6 ኮፍ ምስ ኣበልናዮ እቲ ውጽኢት ንረክብ። 6 ኣብ ቅድሚኡ 25 ኮፍ ምስ በለ 625 ይኸውን።ስለዚ 25 x 25 = 625

ቊጽሪ

ጉዕዞ ኣብ ምድረበዳ

ቤት ትህምርተይኣየ ቤት ትምህርተይዕረፍቲ ኣኺሉ

ኣይክንመጸክን ኢናድሓን ኲኒ ድሓን ኩንልና

ሰላም ሰላም በብዘለናነቶም ክቡራት መማህራንና

ክቡራት መማህራንናሰላም ሰላም በልልናነቶም መማህርትናድሓን ኩኑ በልዮምክሳብ እንርአአ ክሳብ

እንራኸብኣብ ሓድሽ ሰሚስተርቻው ቻው ቤት ትምህርተይ

ክሳብ ዝምለሰኪ ድሓን ኩንለይ።

ኣማኑኤል ሃብታይ

ቤት ትምህርተይ