ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ...

12
መበል 29 ዓመት ቁ.20 ሰሉስ 24 መስከረም 2019 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ ገጽ 4 ገጽ 8 ገጽ 3 ገጽ 6 ትምህርቲ ቀሲመ እየ ጸባ ጡብ ተኽእሎታት ... ኣውቶቡሳት ከተማ ባረንቱ ጋዜጣዊ መግለጺ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና ከም ምዃኑ መጠን፡ ጉዳይ ጸጥታኡን ርግኣቱን ዓቢ ዞባዊን ዓለማዊን ኣርእስቲ እዩ። ነተን መዳውብቲ’ዚ ባሕሪ’ዚ ዝኾና ሃገራት ከኣ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ጂኦ-ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን ዝተፈላለየ ዓለማዊን ዞባዊን ምሕቋናትን፡ እቲ ጉዳይን ክብደቱን ዘይክሓድ ኮይኑ፡ ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ’ዚ፡ ናይ ሃገራት’ዚ ገማግም ኣበርክቶ፡ ወሳኒን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ። ዘድምዕ ጥሙር ጉልበት ምፍጣር ድማ፡ ምስ ንጹር ስትራተጂን ውርጹጽ ውጥንን፡ ግዜን ዕቱብነትን ጸጋታትን ይሓትት። ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ ከኣ፡ ናብዚ ሸቶ’ዚ ዝዓለሙ እዮም። ናይ ኤርትራ መርገጺን ኣመለኻኽታን ኣብዚ ሓባራዊ ሸቶ’ዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 21-22 ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ጅዳ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝተጋብአ ዞባዊ ዋዕላ ተነጺሩ ነይሩ እዩ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ሕመረት መትከላት ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ ህልዊ ኩነታት ቀይሕ-ባሕሪን ላቔባታቱን፡ ብኹሉ 1) ማእዝናቱን ማዕዶታቱን (dimensions) ብዘይ ዝዀነ ዘውጊ ምግምጋም፣ ኪውቅዑ ወይ ኪጭበጡ ዝድለዩ ወይ ዘለዎም ዕላማታትን 2) ሸቶታትን ምንጻር፣ ስግኣታት (threats) ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ብደቂቕ 3) ምልላይ፡ ምክዋም (categorise); ምኽታይ (define)፣ ኣብ ሃናጺ ዕላማታትን ሸቶታትን ዘብጽሕ ስትራተጂ 4) ምቕያስ፣ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣዎንታ፡ ስግኣታት መመከቲን መእለዪን 5) ስትራተጂ ምቕያስ፣ ንኽልቲኡ ስትራተጂታት ኣጣሚሩ ከተግብር ዝኽእል፡ 6) ዝርዝራዊ ውጥናት ምርቃቕ፣ ናይ ትግባረ ኣወዳድባ (መካኒዝም) ምውቃርን ጸጋታት 7) ምጉስጓስን፣ ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን ልዑላውነትን ኣህጉራዊ 8) ሕጊን ከምዝምእዘዝ ምርግጋጽ፣ ኩሉን ዝምልከተን ሃገራት ናይ ባዕለን ብቑዕ ትካላት 9) ምክልኻልን ሓይሊ-ባሕሪን (ብዘይ መተካእታ) ከምዝሃንጻ ምግባር፣ ኪኖ ዘቤታዊ ዓቕሚታትን ብቕዓትን ዝዀነ፡ ብሓባራዊ 10) ዓቕሚ (ሲነርጂ) ከምዝሽፈን ምግባር፣ ኩለን ዝምልከተን ሃገራት ልዕሊ ሓባራዊ ዓቕመን ንዝዀነ 11) ወይ ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር ብዝሰማምዓሉ መሰረት ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ሕጋዊ ባይታ ፈጢረን ክሰርሓ፣ ንኹሉ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥቢታት ብሞያውነት ዘጽንዕ 12) ኣካላት ምቛም። ሚኒስትሪ ዜና 23 መስከረም 2019 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ምስ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ ዝተኣሳሰሩ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድን ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ንምትእትታውን ዝነጥፋ ኮሚተታት፡ ልዕሊ 160 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ጐስጓስ ከምዘካየዳ፡ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ብ18ን 19ን መስከረም ዝተኻየደን ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተወከሉ ልዕሊ 100 ኣባላት’ተን ኮሚተታት፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ ደቡቡን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ጸብጻብ ዝተሰላሰለ ዕማም ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን። ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ክሳብ ብደረጃ ዓዲ ዝተዘርግሐ መሓውር ናይ’ተን ኮሚተታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ካብ ምስራጽ ንቕሓት ክሳብ ትግባረ ዝኸይድ ውጽኢታዊ ስራሕ ከምዝዓመማ በሪሁ። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ፡ ኮሚተ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ ክሽቦን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ንምብራኽ ንልዕሊ 83 ሽሕ ህዝቢ፡ ኮሚተ ኮም ዝመርሖ ሓበራዊ ጽሬት ድማ ንልዕሊ 80 ሽሕ ህዝቢ ጐስጓሳት ከምዘካየዳ ገሊጹ። እተን ብዘይ ባጀት ክነጥፋ ዝጸንሓ ኮሚተታት ብዘካየድኦ ጻዕሪ፡ ኣብ ምትእትታው ዓይኒ ምድሪ ዘተባብዕ ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ፡ ኣብ ቈልዑ ዝካየድ - ከም ምኽላእ ዓንቀር ዝኣመሰለ ጐዳእቲ ልምድታት፡ ክሳብ ሞት ዘስዕብ ጥዕናዊ ጸገማት የኸትል ብምህላዉ፡ ህዝቢ ከወግዶ ተላብዩ። ጸሓፊት ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ወ/ሮ ኣመተ ንጉሰ ድማ፡ ነቲ ዕማም ተመዚዘን ዘለዋ ኮሚተታት፡ ብልጫታተን ብምዕቃብን ድኽመታተን ብምፍዋስን ጻዕረን ክቕጽላ ኣዘኻኺራ። ኣብ ‘ኣቢታቕ’ ዝተሰርሐት ዲጋ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብር ኣላ። ቅድሚ ሕጂ ንነብሶምን ጥሪቶምን ዝኸውን ማይ ንምርካብ ነዊሕ ይጐዓዙ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝተሃንጸት ዲጋ ዝነበሮም ጸገም ከምእተፈትሐ ገሊጾም። ኣመሓዳሪ ዓዲ-በርበረ ኣቶ ጃበራ እንዱል፡ ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ኪሎ- ሜተር ተጓዒዞም ይሰትዩ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን‘ዚ፡ እታ ዝተሰርሓትሎም ዲጋ ማይ መሊኣ ነባሪ ፍታሕ ከም ዘረጋገጸትሎም ሓቢሩ። ትሕቲ’ታ ዲጋ ብኣሕምልትን ፍረታትን ዝለምዕ - 25 ሄክታር መሬት ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ። ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ነታ ዲጋን ሒዛቶ ዘላ ማይን ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝርከብ ማይ- ክዖታት ብወፈራታት ክፍወስ ኣዘኻኺሩ። ስ/ሃብተገርግሽ ተስፋማርያም ገጽ 9 ደሃይ ሴካፋ ስ/ሚዛን ተስፋሚካኤል ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ተተግቢሩ ዓዲ-በርበረ - ዲጋ ‘ኣቢታቕ’ ጸገም ማይ ነበርቲ ተቃልል ደሃይ ወላዲየይ ክረክብ ሓግዙኒ

Transcript of ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ...

Page 1: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

መበል 29 ዓመት ቁ.20 ሰሉስ 24 መስከረም 2019 ገጻት 12 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 4 ገጽ 8 ገጽ 3 ገጽ 6

ትምህርቲ ቀሲመ እየ ጸባ ጡብ ተኽእሎታት ...

ኣውቶቡሳት ከተማ ባረንቱ

ጋዜጣዊ መግለጺ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና ከም ምዃኑ መጠን፡ ጉዳይ ጸጥታኡን ርግኣቱን ዓቢ ዞባዊን ዓለማዊን ኣርእስቲ እዩ። ነተን መዳውብቲ’ዚ ባሕሪ’ዚ ዝኾና ሃገራት ከኣ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ጂኦ-ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን ዝተፈላለየ ዓለማዊን ዞባዊን ምሕቋናትን፡ እቲ ጉዳይን ክብደቱን ዘይክሓድ ኮይኑ፡ ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ’ዚ፡ ናይ ሃገራት’ዚ ገማግም ኣበርክቶ፡ ወሳኒን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ። ዘድምዕ ጥሙር ጉልበት ምፍጣር ድማ፡ ምስ ንጹር ስትራተጂን ውርጹጽ ውጥንን፡ ግዜን ዕቱብነትን ጸጋታትን ይሓትት። ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ልምምድ ከኣ፡ ናብዚ ሸቶ’ዚ ዝዓለሙ እዮም። ናይ ኤርትራ መርገጺን ኣመለኻኽታን ኣብዚ ሓባራዊ ሸቶ’ዚ፡ ኣብ ሚያዝያ 21-22 ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ጅዳ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝተጋብአ ዞባዊ ዋዕላ ተነጺሩ ነይሩ እዩ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ሕመረት መትከላት ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦

ህልዊ ኩነታት ቀይሕ-ባሕሪን ላቔባታቱን፡ ብኹሉ 1) ማእዝናቱን ማዕዶታቱን (dimensions) ብዘይ ዝዀነ ዘውጊ ምግምጋም፣

ኪውቅዑ ወይ ኪጭበጡ ዝድለዩ ወይ ዘለዎም ዕላማታትን 2) ሸቶታትን ምንጻር፣

ስግኣታት (threats) ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ብደቂቕ 3) ምልላይ፡ ምክዋም (categorise); ምኽታይ (define)፣

ኣብ ሃናጺ ዕላማታትን ሸቶታትን ዘብጽሕ ስትራተጂ 4) ምቕያስ፣

ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣዎንታ፡ ስግኣታት መመከቲን መእለዪን 5) ስትራተጂ ምቕያስ፣

ንኽልቲኡ ስትራተጂታት ኣጣሚሩ ከተግብር ዝኽእል፡ 6) ዝርዝራዊ ውጥናት ምርቃቕ፣

ናይ ትግባረ ኣወዳድባ (መካኒዝም) ምውቃርን ጸጋታት 7) ምጉስጓስን፣

ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን ልዑላውነትን ኣህጉራዊ 8) ሕጊን ከምዝምእዘዝ ምርግጋጽ፣

ኩሉን ዝምልከተን ሃገራት ናይ ባዕለን ብቑዕ ትካላት 9) ምክልኻልን ሓይሊ-ባሕሪን (ብዘይ መተካእታ) ከምዝሃንጻ ምግባር፣

ኪኖ ዘቤታዊ ዓቕሚታትን ብቕዓትን ዝዀነ፡ ብሓባራዊ 10) ዓቕሚ (ሲነርጂ) ከምዝሽፈን ምግባር፣

ኩለን ዝምልከተን ሃገራት ልዕሊ ሓባራዊ ዓቕመን ንዝዀነ 11) ወይ ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር ብዝሰማምዓሉ መሰረት ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ሕጋዊ ባይታ ፈጢረን ክሰርሓ፣

ንኹሉ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥቢታት ብሞያውነት ዘጽንዕ 12) ኣካላት ምቛም።

ሚኒስትሪ ዜና23 መስከረም 2019

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ምስ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ ዝተኣሳሰሩ ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድን ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬትን ክንክን ጥዕናን ንምትእትታውን ዝነጥፋ ኮሚተታት፡ ልዕሊ 160 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ጐስጓስ ከምዘካየዳ፡ ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ብ18ን 19ን መስከረም

ዝተኻየደን ካብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተወከሉ ልዕሊ 100 ኣባላት’ተን ኮሚተታት፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ ደቡቡን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ጸብጻብ ዝተሰላሰለ ዕማም ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ክሳብ ብደረጃ ዓዲ ዝተዘርግሐ መሓውር ናይ’ተን ኮሚተታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ካብ ምስራጽ ንቕሓት ክሳብ ትግባረ ዝኸይድ ውጽኢታዊ ስራሕ ከምዝዓመማ በሪሁ።ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ

ኣገልግሎት ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ፡ ኮሚተ ምርግጋጽ መሰላት ቈልዑ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ጐዳእቲ ልምድታት ብሓፈሻ ክሽቦን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ድማ ብፍላይ ንምብራኽ ንልዕሊ 83 ሽሕ ህዝቢ፡ ኮሚተ ኮም ዝመርሖ ሓበራዊ ጽሬት ድማ ንልዕሊ 80 ሽሕ ህዝቢ ጐስጓሳት ከምዘካየዳ ገሊጹ። እተን ብዘይ ባጀት ክነጥፋ ዝጸንሓ

ኮሚተታት ብዘካየድኦ ጻዕሪ፡ ኣብ ምትእትታው ዓይኒ ምድሪ ዘተባብዕ ገስጋስ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኒኤል ምሕረትኣብ፡ ኣብ ቈልዑ ዝካየድ - ከም ምኽላእ ዓንቀር ዝኣመሰለ ጐዳእቲ ልምድታት፡ ክሳብ ሞት ዘስዕብ ጥዕናዊ ጸገማት የኸትል ብምህላዉ፡ ህዝቢ ከወግዶ ተላብዩ።ጸሓፊት ህግደፍ ኣብ’ቲ ዞባ ወ/ሮ ኣመተ

ንጉሰ ድማ፡ ነቲ ዕማም ተመዚዘን ዘለዋ ኮሚተታት፡ ብልጫታተን ብምዕቃብን ድኽመታተን ብምፍዋስን ጻዕረን ክቕጽላ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ‘ኣቢታቕ’ ዝተሰርሐት ዲጋ፡ ጸገም ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ኣብ ምቅላል ዓቢ ኣስተዋጽኦ ትገብር ኣላ። ቅድሚ ሕጂ ንነብሶምን ጥሪቶምን

ዝኸውን ማይ ንምርካብ ነዊሕ ይጐዓዙ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ነበርቲ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ብዝተሃንጸት ዲጋ ዝነበሮም ጸገም

ከምእተፈትሐ ገሊጾም።ኣመሓዳሪ ዓዲ-በርበረ ኣቶ ጃበራ

እንዱል፡ ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ ኪሎ-ሜተር ተጓዒዞም ይሰትዩ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን‘ዚ፡ እታ ዝተሰርሓትሎም ዲጋ ማይ መሊኣ ነባሪ ፍታሕ ከም ዘረጋገጸትሎም ሓቢሩ።

ትሕቲ’ታ ዲጋ ብኣሕምልትን ፍረታትን ዝለምዕ - 25 ሄክታር መሬት ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ

ማሕሙድ፡ ነታ ዲጋን ሒዛቶ ዘላ ማይን ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ልዕሊኣ ዝርከብ ማይ-ክዖታት ብወፈራታት ክፍወስ ኣዘኻኺሩ።

ስ/ሃብተገርግሽ ተስፋማርያም

ገጽ 9

ደሃይ ሴካፋ

ስ/ሚዛን ተስፋሚካኤል

ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ተተግቢሩ

ዓዲ-በርበረ - ዲጋ ‘ኣቢታቕ’ ጸገም ማይ ነበርቲ ተቃልል

ደሃይ ወላዲየይ ክረክብ ሓግዙኒ

Page 2: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 2 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ

ሊድያ ስልጣንሳምራዊት መለስትንሱእ ፍስሃየ

ለይ-ኣውት

ዋና ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም

ቍ.ስ 116266 / 201820(2220)

ቦርድ ምስንዳእ ብርሃነ ምሕረትኣብዮሴፍ ሃይለማርያም

ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤልኤርምያስ ገብረልዑል

ሺሃብ ኣርኣያቍ.ስ 201820 (2214)

ፋክስ. 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ. 200454-07121322

ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ሰማያዊት ሓይለኣብቤተልሄም ታደሰፍናን ሚኪኤለ

ኤምባሲ ህ/ሪ/ ቻይና፡ ፊልም ንምርኢት ኣቕሪቡ

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኮም ዝሰረቱ ተሃድሶ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ንምሕያል ዝሕግዝ ርክብ ተኻዪዱ።ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደን -

ዕላማን ኣገዳስነትን ኮም ዝሰረቱ ተሃድሶ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ዝተዘተየሉን ርክብ፡ ወኪል ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣቶ ዮሴፍ ፍስሃየ፡ ውሁድ ኣገባብ ኣሰራርሓ ብምትእትታው ኣድማዒ ስራሕ ንምዕማም ዝሕግዝ ዳግመ-ውደባ ኮሚተታት ከምእተኻየደ ገሊጹ።እቲ ዕላማ፡ ተሳትፎ ኮም ኣብ ክንክን

ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ 70 ዓመት ምምስራት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ብ21 መስከረም ናይ ፊልም ምርኢት ኣካዪዱ።እታ ንምርኢት ዝቐረበት ፊልም፡ “ዘ

ዎንደሪን ኤርዝ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተዘርግሐት - ብቅዲ ሳይንሳዊ ልብ-ወለድ ዝተዳለወት ኮይና፡ ብውሩይ ቻይናዊ ጸሓፊ ሊዩ-ቺሺን ዝተደርሰት እያ። ፊልም “ዘ ዎንደሪን ኤርዝ”፡ ነዛ

እንነብረላ ዘለና መሬት ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ደቂ-ሰብ ነቲ ጸገማት ክገጥሙሉ ዝፍትኑ መንገድታትን እተርኢ በቲ ሓደ፡

ኣገዳሲ ሰብኣዊ ህይወት ቻይናውያን ድማ በቲ ካልእ እተርኢ እያ። ብዘይካ’ዚ፡ ንኣነባብራ፡ ባህሊ፡ ባህርያዊ

ጽባቐ፡ ቻይና በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለን ካልእን ዘላሊ ምርኢት ቀሪቡ።ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሚኒስተራት

ዝርከቡዎም ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም።ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ዝመጽእ

1 ጥቅምቲ ዝበዓል መበል 70 ዓመት ምምስራት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ምኽንያት ብምግባር፡ ዝተፈላለየ መደባት ሰሪዑ ኣሎ።

ስንኩላንን ኣረጋውያንን ዝያዳ ብምዕዛዝ፡ ኣብ ምፍታሕ ጸገማቶም ከምዝዋስኡ ንምግባር፡ ከምኡ’ውን ስንኩላንን ኣረጋውያንን ነብሶም ክኽእሉ ኣስተዋጽኦ ዝህልዎ ሓገዛት ንምብርካት ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

ዓሰብ - ተሃድሶ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ዘሐይል ርክብ ተኻዪዱ

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሑመድ ዓሊ፡ ዝጸንሐ ተመኵሮን ኣሰራርሓን ዝያዳ ንምምዕባሉ ዝግበር ዘሎ ዳግመ-ውደባ ብምዃኑ፡ ኮሚቴታት ግቡእ ተራአን ከበርክታ ተላብዩ።

ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት - ኣብ ብቕዓት ትምህርቲ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮን ዝርጋሐ ኣብያተ-ትምህርትን ጽቡቕ ስራሕ ከምእተተግበረ፡ ብ17 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ገሊጹ።ኣብ 2018/2019 ናይ መጀመርያ

ተመኵሮ ዝነበረ ሰበኽ-ሳግማዊ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ክሕበር እንከሎ፡ ንዝበረኸ ውጽኢት ክህሉ ብዛዕባ ዘድሊ ውህደትን ምትሕግጋዝን ሰፊሕ ምይይጥ ተኻዪዱ።ብዘመናዊ ህንጻ ዝተሰርሓ 14 ኣብያተ-

ትምህርቲ ከምኡ’ውን 35 ግዝያውያን ኣብያተ-ትምህርቲ ሓዊስካ፡ ብሓፈሻ 362 ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ኣገልግሎት ከምዘሓገያ፡ 92 ሚእታዊት ካብ ጠቕለላ ዓድታት እቲ ዞባ ኣገልግሎት ይረኽባ ምህላወን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።ሓላፊ ትምህርቲ መምህር ረሺድ

መሓመድ-ዑስማን፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ምስ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናት ብ42 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ድማ ብ3 ሚእታዊት ክዓቢ እንከሎ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ግና ብ1 ሚእታዊት ከምዝጐደለ ሓቢሩ። ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር

ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን

ዞ/ሰ/ቀ/ባሕሪ - ገስጋስ ትምህርቲ ብኣዎንታ ተገምጊሙ

ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ እቲ ዞባ ኣብ ገስጋስ ትምህርቲ ደሓን ዕብየት የመዝግብ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ሕጽረታት ንምፍታሕ - ሚኒስትሪ ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ዕላማ መንግስቲ ዜጋታት ንሓዋሩ ዝረብሑሉ ባይታ ምጥጣሕ ስለዝኾነ፡ ኩለን ኣካላት መንግስትን ሕብረተ-ሰብን ብሓያል ውህደት ክሰርሑሉ ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ትግባረ መደባት ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ትካል ጥዕና ግላስ ዝረኽቡዎ ዘለዉ ኣገልግሎትን ዝካየድ ጐስጓሳትን፡ ኣብ ድሕነት ኣደን ህጻንን ከምኡ’ውን ኣብ ምክልኻል ሕማማት ጽቡቕ ውጽኢት ይረኽቡሉ ከምዘለዉ፡ ተገልገልቲ ገሊጾም።ሓላፊ’ታ መደበር ተሓጋጋዚ ነርስ

ዮናስ ሃብተማርያም እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ 8 ኣዋርሕ 51 ነብሰ-ጾራት ኣብ’ታ ትካል ከምእተገላገላ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ዜጋታት ድማ እናተመላለሱ ኣገልግሎት ከምዝረኸቡ ሓቢሩ።ኣብ ሸፈነ ክታበት ህጻናት፡ ምቁጽጻር

ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ምሕያል፡ ኣበርክቶ ሓለፍትን ኣስራሕትን ትካላት ወሳኒ ምዃኑ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ መንእሰይ ዑስማን ዓብዱልቃድር ኣገንዚቡ። ኣብ ከተማ ዓሰብ ምስ ሓለፍቲ

ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ካብ ኮለጃትን ሞያውያን ማእከላትን ተመሪቖም ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ናይ ዝሰርሑ መንእሰያት ቊጽሪ ዓቢ ምዃኑ - እዚኣቶም ኣብ ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ክነጥፉ ምእንቲ ድማ፡ ሓለፍቲ ከተባብዑዎም

ዓሰብ - ኣብ ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ተዘትዩ

ኣዘኻኺሩ።ጽልዋን ኣበርክቶን ሰራሕተኛታት

መንእሰያት፡ ኣብ ምሕያል ውዳበ ተመሃሮ ልዑል ብምዃኑ፡ ብዘለዎም ሞያን ፍልጠትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ንኽገብሩ፡ ምትብባዕን ምሕያልን ሓለፍቲ ከይፍለዮም ድማ ተማሕጺኑ።ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ

ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ኣብ ትካላቶምን ከባቢኦምን ግቡእ ተራኦም ከበርክቱን ነብሶም ከማዕብሉን፡ ኣብ ዝፍጠር ባይታን ውዳበን ንኽሳተፉ፡ ካብ ሓለፍቲ ኩሉ-መዳያዊ ምድግጋፍ ከይፍለዮም ተላብዩ።

ትካል ጥዕና ግላስ ብተገልገልቲ ትምጐስ

ሕማም ዓሶን ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬትን ብወከልቲ ጥዕና ዓድን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ዝሰላሰል ዘሎ መደባት፡ ዝምስገን ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ዘይምጥርናፍ ዓድታት ኣብ ንጥፈታት ስርሖም ጸገማት ይፈጥር ስለዘሎ፡ ሕብረተ-ሰብ ነዚ ጉዳይ ክነቕሓሉ ኣዘኻኺሩ።መደበር ጥዕና ግላስ፡ ብህዝቢ ዝተሃንጸ

ዘመናዊ መጸበዪ ነብሰ-ጾራትን ሓራሳትን፡ ኣገልግሎት ላቦራቶሪ፡ መደቀሲ ሕሙማት፡ መርኣዪ ሕሙማት፡ መዐቀቢ መድሃኒትን ካልእን ዘጠቓለለ ክፍልታት ኣለዋ።ካብ ከተማ ሓጋዝ ንሸነኽ ምብራቕ

ኣስታት 9 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ መደበር ጥዕና ግላስ፡ ንምምሕዳራት ከባቢ ግላስ፡ እንጭናቕን ኢዳምርን፡ ከምኡ’ውን ካብ ገለ ክፋል ሓጋዝ ንዝመጹ ኣስታት 13 ሽሕ ዜጋታት ኣገልግሎት ትህብ።

ስ/ሳልሕ

ዓብደልቃድር

ሎሚ ኣብ ERI-TVሰዓት መደብ

12:00 ደኩመንታሪ12:30 ዜና ትግርኛ12፡50 ልዝብ መንእሰያት13፡30 ዜና ዓረብ13:45 ዶክተራት ካብ ስትድዮ 14:30 ዶክመንታሪ15:30 ናትራን17:00 ዜና ትግርኛ17፡20 ሙ/ድራማ17፡30 ዜና ዓረብ17፡40 ሳይዳ18፡40 ሙ/ድራማ19፡30 ሄሎው ቆልዑ20:00 ዜና ትግረ20:10 ሄራር21:00 ዜና ትግርኛ21:25 ተኸታታሊት ኩነታዊት ፊልም እንዳ ዝማም22:00 ዜና ዓረብ22:10 ሙ/ድራማ22:30 ዜናእንግሊዝ22:40

ብኻልኣይ መስመር ተለቪዥን ኤርትራ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣሎ። ኣርሰናል ምስ ኖቲንግሃም ፎሬስት ሰዓት 09፡45 ምሸት

ኣገደስቲ ቴሌፎናትሆስፒታል ሓሊበት

18 54 00ሆስፒታል ኦሮታ20 19 17

ፖሊስ ኤርትራ12 77 99

ኮርፖሬሽን ኤለትሪክሲቲ

12 22 22ፋርማችያ ቁ. 1

127565መጥፋእቲ ሓዊ

202099ማሕበር ቀይሕ መስቀል

154633

Page 3: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 3 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ዮሴፍ ሃይለማርያም[email protected]

ደሃይ ኣቦይ ደልየ!

እዚ ኣብ ስእሊ እትዕዘቡዎ ዘለኹም መንእሰይ ተኽሊት ሓድጉ ገብረ ሃይለ እዩ ዝበሃል። ኣብ`ዚ ግዜ`ዚ፡ ኣብ ባረንቱ ዝቕመጥ ዘሎ’ዩ። መንእሰይ ተኽሊት፡ ኣብ 1984 ዓ.ም እዩ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ሓበላ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተወሊዱ። ኣደኡ ወ/ሮ ሓዳስ ገሬሱስ

መዓሾ እያ ትበሃል። ኣቦኡ ድማ ተጋዳላይ ሓድጉ ገብረ ሃይለ ደስታ ዝበሃል ኰይኑ፡ ቅድሚ ናጽነት ከም ኣባል ክፍሊ ሕርሻ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ሽላሎ ደምበ ፖሊስ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ምስ ኣደኡ ኣብ`ቲ ቦታ ምስ

ተላለዩ ድማ ንዓኡ ከምዝወለዱ ካብ ወላዲቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣለዎ።ኣብ`ቲ ሽዑ ግዜ፡ ኣደኡ

ኣብ`ቲ ከባቢ ዝርከብ ሓበላ ዝበሃል ዓዲ ትቕመጥ ዝነበረት ክትከውን ከላ፡ እንዳ ሻሂ ከፊታ ሂወታ ትመርሕ ዝነበረት`ያ። ኣቦኡ ከኣ ኣብ ሽላሎ መዓስከር

ደምበ ፖሊስ፡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈት ህዝባዊ ግንባር ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ’ዩ። ተጋዳላይ ሓድጉ ገብረ ሃይለ

ኣብ’ቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቦታ (ሽላሎ ደምበ ፖሊስ) ክሳብ ተኽሊት ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ዝኸውን ነይሩ’ዩ። ደሓር ግን፡ ብውድብ ህዝባዊ

ግንባር ተቐዪሩ ናብ ካልእ ቦታ ከይዱ። ናበይ ከምዝኸደ ግን ወላዲቱ ወ/ሮ ሓዳስ ገሬሱስ እውን ኣፍልጦ የብላን። ካብ’ቲ ከባቢ ብስራሕ ተቐዪሩ ናብ ካልእ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሩ ከምዝተፋነዋ’ዩ መንእሰይ ተኽሊት ዝገልጽ። ካብ 1985 ኣትሒዙ ድማ፡

ንሱ ይኹን ወላዲቱ ክሳብ ሎሚ ደሃይ ተጋዳላይ ሓድጉ ገብረ ሃይለ የብሎምን። እታ እንኮ ዝመጽኣቶም ሓበሬታ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ‘ማይ ጤል’ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣሎ ትብል’ያ ነይራ። እዛ ወረ እዚኣ ግን፡ ካብ ወረ ሓሊፋ ክትረጋገጽ ኣይከኣለትን። ተጋዳላይ ሓድጉ፡ ሓጺር

ቁመትን ቀይሕ ሕብሪ ቆርበትን ዘለዎ ምዃኑ ወላዲቱ ንመንእሰይ ተኽሊት ኣዕሊላቶ’ያ። ኣብ ሕርሻ ሽላሎ ደምበ

ፖሊስ ክሰርሕ ከሎ ከኣ፡ ሃለቃ ወዲ ዓረዛ ዝበሃል መቓልስቱ ከምዝነበሮ መእንሰይ ተኽሊት ወሲኹ ይገልጽ። ናይ ሰለስቲኦም ናይ ሓባር ስእሊ ማለት ናይ ተጋዳላይ ሓድጉ (ኣቦኡ)፡ ናይ ሃለቃ ወዲ ዓረዛን ናይ ሓዳስ ገሬሱስ (ኣደኡ) ከምዝነበረቶም፡ እንተዀነ፡ እታ ስእሊ፡ ሃለቃ ወዲ ዓረዛ ከባዝሓ ኢሉ ምስ ወሰዳ ክሳብ ሎሚ ከምዘይመለሳ ወላዲቱ ከምዝገለጸትሉ ይሕብር። ሃለቃ ወዲ ዓረዛ’ውን ክሳብ

ሎሚ ደሃይ ዝበሃል ከምዘይብሉ መንእሰይ ተኽሊት ይሕብር። ንተጋዳላይ ሓድጉ ገብረ

ሃይለ ደስታ፣ በርሀ፡ ሓጐሳን ብርነሽን ዝበሃሉ ሰለስተ ኣሕዋት ከምዘለውዎ፡ ወላዲቱ ንመንእሰይ ተኽሊት ኣዕሊላቶ’ያ። ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ዓምዲ

ስድራቤት፡ መንእሰይ ተኽሊት ሓድጉ ገብረ ሃይለ፡ ደሃይ ተጋዳላይ ኣቦኡን ስድራቤቱን ክረክብ ሓገዝኩም ይደሊ ኣሎ። ብመሰረት’ዚ ገሊጹዎ ዘሎ

ሓበሬታ ከኣ፡ ብፍላይ’ቶም ቅድሚ ናጽነት ኣብ ሽላሎ መዓስከር ደምበ ፖሊስ ተመዲብኩም ምስ ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ክፍሊ ሕርሻ ትሰርሑ ዝነበርኩም ተጋደልቲ፡ ሃለዋት ተጋዳላይ ሓድጉ ገብረ ሃይለ ክትህብዎ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓበሬታ ኣለኒ ዝብል ሰብ

ምስ ዝህሉ፡ ብቚጽሪታት ቴለፎን 07516887 ወይ 116266 ደዊልኩም ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ደሃይ ወላዲየይ ክረክብ ሓግዙኒጓል 20 ዓመት መንእሰይ’ያ። ኣባል 31

ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃን ከኣ፡ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ተመዲባ ሃገራዊ ግቡኣ ኣብ ምፍጻም ትርከብ። ከም መንእሰይ መጠን ምስ

መሓዙታ እናሰሓቐትን እናተጻወተትን እናተማህረትን እናሰርሐትን’ኳ ኣብ መስርሕ ህይወት ትጐዓዝ እንተሃለወት፡ ሓደ ኣብ ኣእምሮኣ እናተመላለሰ ድቃስ ዝኸኣል ጕዳይ ግን ኣለዋ። ነቲ ጕዳይ እናክትዝክር ድማ ብውሽጣ

ትሽቚረርን መልሲ ኣብ ዘይትረኽበሎም ሓሳባት ትሽመምን። ዕድመ እናወሰኸት ብዝኸደት ከኣ፡ እቲ ጕዳይ መሊሱ ሻቕሎት’ዩ ዝፈጥረላ። ወላዲታ’ውን ጌና ንሳ ጓል ሽዱሽተ

ወርሒ ከላ ብሞት ስለዝተፈልየታ፡ ብናይ ወለዲ ፍቕሪ ማሚቛ ክትዓቢ ዕድል ኣይገበረትን። ሎሚ ግን ኣብ ሓደ መዕለቢ ከተብጽሖ

ኣገዲዱዋስ፡ ናብ ቤት ጽሕፈትና መጺኣ ጕዳያ ባዕላ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዘንትያትላ ኣላ - መንእሰይ ትዕበ ሚኪኤል ብሩኽ።“ኣነ ትዕበ ሚኪኤል ብሩኽ’የ ዝበሃል።

ኣብ ኣቑርደት’የ ተወሊደ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ስድራ እንዳ ኣደይ ዓብየን ተማሂረን። ወላዲተይ ለምለም ካሕሳይ ዘርአ’ያ ትበሃል። ኣቦይ ድማ፡ ሚኪኤል ብሩኽ ከምዝበሃል ዓባየይ ሓቢራትኒ። “ወላዲተይ ወ/ሮ ለምለም ካሕሳይ

ዘርአ፡ ኣባል 2ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት እያ። ሃገራዊ ግቡኣ ፈጺማ ድማ ቅድሚ ወራር ወያነ ምጅማሩ ናብ ገዛኣ ተመሊሳ ኣብ ኣቑርደት ትቕመጥ ነይራ። “ኣብ እዋን ጻውዒት ንልምዓት

ሃገር ድማ ዳግማይ ናብ ኣሃዱኣ እንዳ 22 ተመሊሳ ኣብ እግሪ መኸል ኣብ

ምክልኻል ሃገር ተጸሚዳ። ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ሂቦሙና ኢላ ናብ ስድራኣ ናብ ኣቑርደት መጺኣ ነይራ፡ እንተዀነ ቀልጢፋ ናብ ኣሃዱኣ ተመሊሳ። እንደገና ድማ፡ ብሰንኪ ነፍሰ-ጾር ምዃና ጻዕዳ ወረቐት ተዋሂቡዋ ንኽትሓርስ ናብ ስድራኣ መጺኣ። ኣብ ኣቑርደት ከኣ ንዓይ ወሊዳትኒ። “ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ከለኹ ከኣ

ሒዛትኒ ናብ ሓጋዝ ክትሰርሕ መጺኣ፡ ኣብ ሓንቲ እንዳ ሻሂ ስራሕ ጀሚራ። እንተዀነ ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ውሑድ መዓልታት ኣብ ሰነ 2000 ዓ.ም ሞይታ። ምስ ሞተት ሬሳኣ ዘለልዮ ሰብ’ዩ ተሳኢኑ። እታ ተስርሓ ዝነበረት ወናኒት እንዳ ሻሂ’ውን ኣበይ ምዃኑ ዓዳ ትፈልጥ ኣይነበረትን። በዚ ከኣ፡ ንግዜኡ ጸገም ፈጢሩ። እንተዀነ፡ ሓደ ናብ’ቲ እንዳ ሻሂ ዝመጽአ ሰብ ዝፈልጣ ኰይኑ ስለዝተረኽበ፡ ኣቑርደት ምዃኑ ዓዳ ምስ ሓበሮም፡ ናብ ኣቑርደት መጺኣ ከም እትቕበር ኰይኑ። “ኣነ መቐረት ኣቦ ኰነ ኣደ

ከይረኸብኩ’የ ምስ ኣቦሓጐይ ኣቶ ካሕሳይ ዘርአ ገብረማርያምን ዓባየይ ወ/ሮ ግደይ ዝበሎ ክንፈ ዓብየ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ኣደይ ኰነ ብዛዕባ ኣቦይ ኣፍልጦ የብለይን። ካብ ሚኪኤል ብሩኽ ዝበሃል ሰብ ከምዝወለደትኒ’ዩ ሓበሬታ ጸኒሑኒ። ኣቦይ ኣበይ’ዩ ዓዱ ሓበሬታ የብለይን። ከምኡ’ውን ምስ ሚኪኤል ብሩኽ ኣብ ኣቑርደት ድዮም ወይስ ኣብ ምክልኻል ሃገር - ኣበይ ተላልዮም’ዮም ወሊዶምኒ ዝፈልጦ የብለይን። ካብ ቤተ ሰብና’ውን ዝፈልጦ ሰብ የለን። ኣነ ምስ ተወለድኩ ይኹን ማማ ምስ ሞተት እውን እንተዀነ ኣይመጽአን ወይ ደሃይ ኣይገበረን።

“ስለዚ፡ ማማየይ ወ/ሮ ለምለም ካሕሳይ ዘርአ፡ ኣባል 2ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣባል እንዳ 22 ዝነበረት’ያ። ካብኣ ዝወለድካኒ ወላድየይ ሚኪኤል ብሩኽ ብሂወት እንተደኣ ሃሊኻ፡ ጓለይ ክትብለኒ፡ ኣነ ድማ ኣቦይ ክብለካ ብሃንቀውታ እጽበ ኣለኹ’ሞ፡ ደሃይ ግበረለይ።”ዝኸበርኩም ተኸታተልትን ኣንበብትን

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ዓምዲ ስድራቤት ድማ ብፍላይ፡ መንእሰይ ትዕበ ሚኪኤል ብሩኽ ደሃይ ወላዲኣ ክትረክብ ተበጊሳ ስለዘላ፡ ካብ̀ ዚ ገሊጻቶ ዘላ ሓበሬታ ተበጊስኩም፡ ደሃይ ሚኪኤል ብሩኽ ዝተባህለ ኣቦኣ ንኽትረክብ ናታትኩም ምትሕብባር ትደሊ ኣላ። ኣቦኣ ኣቶ ሚኪኤል ብሩኽ’ውን ብሂወት እንተደኣ ሃሊኻ ደሃይ ክትገብረላ ትጽበየካ ኣላ። ስለዚ፡ ሓበሬታ ኣለኒ ዝብል ሰብ ብቚጽሪታት ቴለፎን 07621592 ወይ 07435670 ወይ ድማ 116266 ደዊልኩም ክትረኽብዋ ትኽእሉ ኢኹም።

ተኽሊት ሓድጉ ገብረ

ትዕበ ሚኪኤል ብሩኽ

“ጸቕጢ ደም ዘለዎም ኣባላት ስድራቤት ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ ክምገቡ ኣለዎም!” ክኢላታት

ኣደታት ንስድራቤት ዝኸውን መግቢ ኣዳልየን ዝቕርባ’የን። ስለዝኾነ፡ ዓቐን ናይቲ ዝሰርሕኦ ዓይነት መግቢ ምስ ጥዑይ ኣመጋግባ ዝኸይድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከረጋግጻ ሓላፍነት ኣለወን። እዚ ማለት፡ እቲ ዝኽሽንኦ ወይ ዘዳልውኦ ዓይነት መግቢ መኣዛዊ ትሕዝቶኡ ማለት ዓቐን ፕሮቲኑ፡ ስብሑ፡ ካርቦሃይድረትን ቫይታሚንን ፈሊጠን ከዳልውኦ ዝጸበቐ ብምዃኑ’ዩ። እዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ፡ ነዚ እትምልከት ኮይና፡ ተመራመርቲ ብመጽናዕቲ ዘረጋገጹዎ ውጽኢት’ዩ። ብፍላይ ኣደታት ድማ ከስተውዕላላ እናዘኻኸርና ናብ ትሕዝቶኣ፦ኣብቲ መጽናዕቲ

እቶም ተመራመርቲ፡ ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ ምምጋብ፡ ካብ ልዑል ጸቕጢ ደም ክከላኸል ከምዝኽእል ዝገልጽ’ዩ። እቲ መጽናዕቲ ን15

ዓመታት ዝቐጸለ ኮይኑ፡ እቶም ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ ዝበልዑ ሰባት ምስቶም ልዑል ቅብኣት ዘይበልዑ ምስ ተወዳደሩ፡ እቶም ትሑት ቅብኣት ዝወሰዱ፡ ልዑል ጸቕጢ ደም ከማዕብሉ ዘለዎም ዕድል ኣዝዩ ውሒዱ ተረኺቡ። እቶም ልዑል ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ ዝምገቡ ዝነበሩ ሰባት ድማ ካብቶም ትሑት

ቅብኣት ዝበልዑ ብ31% ልዑል ጸቕጢ ደም ኣማዕቢሎም ስለዝተረኽቡ፡ ጸቕጢ ደም ዘለዎምን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ትሑት ቅብኣት ዘለዎም መግቢ ክምገቡ ኣዘኻኺሮም። ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ ልዑል

ፕሮቲንን ከም ካልሲዩም፡ ፖታሲዩምን ማግነዚዩምን ዝኣመሰሉ መኣዛታት መግቢን

ዝርከቦ’ዩ። ኣብ

ምንካይ ጸቕጢ ደም ተራ ዘለዎ ድማ በዞም ዝተጠቕሱ መኣዛታት መግቢ ሃብታም ስለዝኾነ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይእምቱ። ጸቕጢ ደም ዘለዎም ኣባላት ስድራቤት ዘለወን ኣደታት ድማ ዘዳልውኦ መግቢ ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ክኸውን

ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ልዑል ጸቕጢ ደም

ሕማም ልቢን ወቕዒን ዘጋድድ ብምዃኑ፡ ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ቅብኣት ዝበዝሖ መግቢ ካብ ምምጋብ ክቑጠቡ መኺሮም። ኣቐዲሙ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ብትሑት

ቅብኣት ዝስርሑ ውጽኢት ጸባ ዝኾኑ መግብታት፡ ጸቕጢ ደም ኣብ ምቁጽጻር ሓገዝቲ ከምዝኾኑ ተገሊጹ’ዩ። ከምኡ’ውን ብዙሕ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ምብላዕ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር፡ መዓልታዊ ካብቲ ንቡር ብሰለስተ ዕጽፊ ቅብኣት ዝጎደሎም ውጽኢት ጸባ መግብታት ምምጋብ፡ ኣዝዩ

ድሩት ቅብኣት ዘለዎ ዕሹግ መግቢን ማእከላይ ዓቐን ሶዲዩምን ምውሳድ፡ ጸቕጢ ደም ኣብ ምንካይ ውጽኢታዊ ምዃኑ ይገልጽ። ትሑት ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ፡ ኣዕጽምቲ ዝተማልአ ጥዕና ክህልዎም ዝሕግዝ ከምዝኾነ’ውን ይግለጽ’ዩ። ኣብ መወዳእታ እቶም

ተመራመርቲ፡ ጸቕጢ ደም ምስ ምውሳኽ ዕድመ እናዓበየ ዝኸይድ

ሕማም ብምዃኑ፡ ምስ ደረጃ ዕድመ ዝኸይድ ኣመጋግባ፡ ጽኑዕ ሕክምናዊ ክትትል፡ ልዑል ቅብኣት ዘለዎ ርጉኦ ካብ ምምጋብ ምቑጣብን ነቲ ሕማም ኣብ ምቁጽጻር ሓጋዚ ስለዝገብሮ፡ መግቢ ኣባላት ስድራቤት ዘዳልዋ ኣደታት ወይ ኣሓት ብፍሉይ ከስተውዕላሉ ኣተሓሳሲቦም።

Page 4: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 4 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ህዝባዊ ቦታታት ብጽሬት ክተሓዙ ከም ዘለዎም ኩሉ ሰብ ከምዝፈልጦ ምንጋር ዘድሊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ከም’ዚ ዝበሉ ብብዝሒ ህዝቢ ዝንቀሳቐሰሎም ቦታታት፡ ሕማም ንኽዝጋሕን ንኽመሓላለፍን ምቹኣት ብምዃኖም። ሕጂ ዘዛርበኒ ዘሎ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ

ኩነታት መዋፈሪ ኣውቶቡስ ዕዳጋ ሓሙስ (ዕዳጋ ብዕራይ) እዩ። እዚ ቦታ’ዚ፡ ናብ መንደፈራ፡ ዓዲዃላ፡ ደቀምሓረ፡ ከረን. . . ዝኸዳ ኣውቶቡሳት ዝብገሳሉን ዘዕርፋሉን እዩ። ብኡ መጠን ድማ ዝኣቱን ዝወጽእን ህዝቢ ብብዝሒ ይረኣዮ። እዚ እናዀነ ግን፡ ብኽልተ ኣፋፌት ናይ’ቲ ቐጽሪ ክትኣቱ ኣትሒዙ’ዩ ርስሓት ዝቕበለካ ነይሩ። ከም ናይ ልስሉስ መስተን ማይ ስሓን ዝኣመሰሉ ብተሽከርከርትን ኣጋርን ተረጋጊጾም ዝተጨፋለቑ፡ ነቲ መሬት ኣጋዕዝየሞ ነይሮም። ከይተላዕሉ ነዊሕ ግዜ ከምዘቝጸሩ ከኣ ትርኢቶም ባዕሉ ይሕብር ከምዝነበረ ደጋጊመ ተዓዚበዮ እየ። ኣብ ምዕራባዊ ሸነኹ ግና፡ ብርስሓት ተጐቢኡ፡ ንረኣዪኡን ተገልጋሊን ባህ ዘየብል ኰይኑ ጸኒሑ። ኣብ’ዚ ቦታ ውሑድ ዘይኰነ እዋን ተመላሊሰ እየ። ብሕልፊ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ከም ዝረኣኹዎ፡ ብርስሓት ተመሊኡ፡ ንፋስ ርስሓት ተተሰኪሙ ንሰባት ክኸድን ይረአ ከምዝነበረ ኣይተኸወለን። ብሕልፊ ብድሕሪ’ተን ናብ ምብራቕ

ገጸን ዝርእያ ኣውቶቡሳት ርስሓት፡ ፍጹም ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ መራሕቲ ማካይን መደቦም ክሳብ ዝፈልጡ ኣውቶቡሳቶም ሪጋ ዘትሕዙሉ ቦታ፡ ኣብ ባይታ ዝተኾመረ ገፈጥ-መፈጥ ጸይሩ እዩ ጸኒሑ። ዝሞታ ደርሁ፡ ደማሙ፡ . . . ከይተረፈ ምስ’ቲ ዝተኾመረ እልቢ ዘይብሉ ርስሓት ተሓዋዊሰን ንኣዒንትኻ ባህታ ከሊኡ፡ ኣፍካን ኣፍንጫኻን ዘሕትም ኰይኑ ከሎ ተዓዚበዮ። ዝተጨፋለቐ ጎማታት ልስሉስ መስተ፡ ዝተፈላለዩ ባኮታት፡ ፌስታላት፡ ዝኣረገ ኣሳእን፡ ኣጭርቕቲ፡ ቅራፍ ዕፉን (ዓፈል) . . . ተኾሚሩ፡ ነቲ ከባቢ እንዳ ጐሓፍ ኣምሲሉዎ ነይሩ። ካልእ ዘተሓሳስብ

ኩነት’ውን ተዓዚበ። ጽሬቱ ዝተሓለወ ህዝባዊ ዓይኒ-ምድሪ ኣብ’ቲ ቐጽሪ ኣሎ። ኣብኡ ዝተመደበት ሰራሕተኛ’ውን ኣላ። እዚ ተዋዲዱ እናሃለወ ደኣ፡ ስለምንታይ ገለ ሰባት ኣብ’ቲ እኩብ ጐሓፍ ቀልቀል ክወጹ ጸኒሖምን ኣለዉን? ዓገብ ዝብልከ የለን ድዩ? ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ስቱር ቦታ ከይዱ

ቀልቀሉን ሽንቱን ከም ዝጕሕፍ መን ኣሎ ዘይፈልጥ። እዚ ዝተፈላለየ ርስሓት፡ ካብ’ተን ንምንታይ ኣገልግሎት ከምዝውዕላ ዘይፈለጥኩወን ሓንቲ ዕጽውቲ ገዛን ክልተ ኮንተይነራትን ርሑቕ ኣይኮነን። ብሰንኪ’ቲ ዝተኾመረ ግዕዘይ ድማ ደፊርካ ዝእተዋ ኣይኮናን ነይረን። ኣፋፌተን ብርስሓት ተባሒቱ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ጽላት መጐዓዝያ ብምስፋሕ ህዝቢ ካብን ናብን ከባቢታት ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ባይታ ንምፍጣር ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ በብግዜኡ ብርክት ዝበላ ናይ ህዝቢ መጐዓዝያ ቀሪቡ እዩ። እዘን ናይ ህዝቢ መጐዓዝያ ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሕጽረት መጐዓዝያ ኣብ ምቅላል ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከም ዘለዋ እውን፡ መስክሩለይ ዘየድልዮ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ዝረአ ዘሎ እዩ።

ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት፡ ብኹሉ መዳየን ጽፉፋት ክኾና ግዴታዊ ሓላፍነት ኣለወን። ብፍላይ እተን ዝብላዕን ዝስተን ዘቕርባ ትካላት፡ ብቐረባ ምስ ጥዕና ሰብ ጥቡቕ ርክብ ስለዘለወን፡ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ይግባእ።ንሎሚ እምበኣር፡ ኣብ ሃይኮታ ኣብ

ዝርከብ መሸጢ ስጋ ዝተዓዘብኩዎ እየ ክዛረብ ደልየ ዘለኹ። ኣብ ሓውሲ ከተማ ሃይኮታ፡ ስጋ ጤለ-በጊዕ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣሎ። እዚ ትካል መሸጢ ስጋ’ዚ፡ ጽፈት ጎዲሉዎ ኣሰካፊ ኮይኑ ይርከብ። እዘን ስጋአን ኣብ ማእከል መሸጢ ኣሕምልትን ፍሩታታትን ዝሽየጥ ዘሎ እንስሳታት፡ ኣበይን መዓስን ከምዝሕረዳ ኣይፈለጥኩን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሃይኮታ መሕረዲ ስጋ ተባሂሉ ዝተዳለወ ቦታ የሎን። ኣብ ፍቐዶ በረኻን ኣብ ቃሕ ዝበለካ ቦታን እየን ተሓሪደን ዝመጽኣ ዘለዋ። እዘን ጥሪት ጥዑያት ድየን ኣይኰናን ዝምርምር ሓኪም’ውን ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ኣብ ሕልና ናይ’ቶም ዝሓርዱወን ዘለዉ ሰባት እዩ ዝምርኮስ።እቲ ስጋ ዝሽየጠሉ ዘሎ ቦታ፡ ብቸሜንቶ

ዝተሰርሐ መንደቕ-መሰል ኮይኑ፡ ጽሬቱ ዘይሓለወ እዩ። ስጋ ብዘይመሸፈኒ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ መንደቕ’ዚ እዩ ዝንበር። ገሊኡ ኣብ ጽሬቱ ዘይተሓለወ መሸማዕ ተዘርጊሑ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ሓጺን ተንጠልጢሉ ርስሓት ክእክብ ይውዕል። ንርስሓትን ተጓዳእቲ ነፍሳትን ተቓሊዑ ኣብ ዕዳጋ ይውዕል። ሃመማ ዓሲሎም

ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ፡ ቅድሚ ውሑዳት ዓመታት፡ ኣብ ክልተ ከተማታት ዞባ ጋሽ ባርካ (ባረንቱን ተሰነይን) ኣብ ውሽጢ ከተማ ዘገልግላ ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት ተመዲበን፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከባ። ኣብ’ተን ከተማታት ዝጸንሐ ናይ መጐዓዝያ ጸገማት ኣብ ምቅላል ከአ ዓቢ ኣበርክቶ ገይረንን ይገብራ ኣለዋን። እዘን ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝተመደባ

ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት፡ ኣገልግሎተን

ኣውቶቡሳት ከተማ ባረንቱ መዋፈሪ ኣውቶቡሳት. . .?

መሸጢ ስጋ ሃይኮታ ኣይግድን

“ዚዝ. . .!” እናበሉ፡ ካብ’ቲ ደበቝቦቓ ሓመድ ብንፋስ ተተጸይሩ ዝመጽእ ርስሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ስጋ እናዓለበ፡ ተጠቃማይ ገዚኡ ይኸይድ። ካብ’ዚ ከባቢ ከይረሓቕካ፡ ነዊሕ እዋናት

ዘቚጸረ ንኽትርእዮ ዘፈንፍን፡ ዝተኾመረ ርስሓት ተዓዚበ። ኣብ ጎድኒ መሸጢ ስጋ፡ ንመሸጣ ዝተዳለወ ኣብ ከሻሹ ዝመልአ ሽጉርቲ ተደርዲሩ ኣሎ። ነቲ ሽጉርቲ ዝሓዘ ክሻ መኽደኒ (መሸፈኒ) ተባሂሉ ዝመጽአ ቆጽሊ ዓርኮብኮባይ (ዓጌፋ) ኣብ ርሑቕ ኣይተጓሕፈን። ነዚ ከባቢ ምስሉ ደዊኑዎ እዩ ዝርከብ። ብፌስታላት ዝተጠቕለሉ ጐሓፋት ናይ ስጋን ዝተፈላለዩ ርስሓትን ተሓዋዊሶሞ። ብዝኾነ ጽሬቱን ጥዕናኡን ዘይተሓለወ

መግቢ ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ዘሎ ኣይመስለንን። ንሓደ-ክልተ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ’ዚ ስጋ እንታይ ኣረኣእያ ከምዘለዎም ተወኪሰዮም ነይረ። “እዚ ደኣ እንታይ ከይገብረና፡ ናብራ ናብራ ቐደምና!. . .” ዝብል መልሲ እየ ረኺበ። ሕማቕ ወይ ዝተበከለ መግቢ፡ ገሊኡ

ሽዑ ንሽዑ ከሕምመና፡ ገሊኡ ድማ ቀስ ኢሉ ምስ ግዜ ሕማም ከም ዘሰክመና ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩና እዮም። ስለ’ዚ፡ በዚ ኮነ በቲ፡ “ጽሬት ኣደ ጥዕና” ምዃና ተገንዚብና፡ እዚ ዘይቅዱው ኣገባብ ሳዕቤኑ ተራእዩ፡ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ርእይቶይ አካፍል።

መሓመድ ዓሊ ከራር

ምስረአኻ፡ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ዘየለዋ እየን ዝመስላ። እቲ ዝገርም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ’ቲ ርስሓት፡ እተን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ዝህባ ማካይን ብጻዕቂ ምህላወን እዩ። እዚ ጐሓፍ፡ ኣብ ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ብገለ

ምኽንያት ባርዕ እንተኣጋጢሙ ኣብ ልዕሊ እተን ኣውቶቡሳት ዘስዕቦ ዕንወት’ውን ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኩምራ ርስሓት ኣብ ድሕሪአን ተወቲፉ ከምዝነብረ ብዙሕ ሰብ ርእዩዎ እዩ። ብወገን ደቡብ እትው ክትብል ከለኻ፡ ናብ የማን ምስተዓጸፍካ ድማ ካብ’ዚ ብዘይፍለ ድርዳር ጐሓፍ ካብ’ቲ ዝጸንሖ ጎዲሉ’ምበር ኣዐርዩ ኣይጸረየን ዘሎ።ጥዕናና ባዕልና ክንሕሉ ከም ዘለና

ዘይንግንዘብ ኣይመስለንን። እዚ ጐሓፍ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ናይ ጽሬት ወፈራ ብምግባር ክእለ፡ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ክጐሓፍ ወይ ክቃጸል ዘይክእል ኣይኰነን። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣባላት ማሕበር ኣውቶቡሳት ዓወት፡ ቅድሚ ሰሙን ተበግሶ ዝወሰዱ። ነቲ ንምርኣዩ ዘግነብንብ ትርኢት ብወፈራ ከምዝጸሪ ገይረሞ።እዚ ቦታ’ዚ ጽሬት ከምዝተኻየደሉ ሓበሬታ

ረኺበ። ኣብ 23 መስከረም 2019 ድማ ክርእዮ ከይደ። ብሓቂ ከአ ብዙሕ ርስሓት ተኣልዩ ጸኒሑኒ። እንታይ’ሞ ክዓብስ፡ “ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ኰይኑ ነገሩ። ገለ ሓላፍነት ዝጎደሎም ውልቀ ሰባት መሊሶም የርስሑዎ ኣለዉ። ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝነበሩ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ሓቲተዮም። “እዚ ደኣ ከም’ዚ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ እኳ’ዩ ገይሩ ጸኒሑ። ሎሚ ቕነ ጽሬት ተኻዪዱሉ እዩ። ንሓደ ክልተ መዓልታት ድማ ጸርዩ ውዒሉ። እነሆ ከኣ ሕጂ ኣብ’ዘን ውሑዳት መዓልታት ናብ’ቲ ዝነበሮ ይምለስ ኣሎ።” ዝብል ምላሽ ሂቦሙኒ። እዚ ዝእከብ ዘሎ ርስሓት ጠንቂ ሕማም ንክኸውን ዘስግእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንግርማ ናይ’ቲ ከባቢ’ውን ዳግም ክድውኖ ቀሪቡ ኣሎ። ብሓቂ እዚ ከባቢ ንጥዕና ህዝቢ ተባሂሉ ንኽጸሪ፡ ብዙሕ ወጻኢ ጉልበትን ንዋትን ከምዝሓተተ ኣይከሓድን እዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ እቶም ግዱሳት፡ ነዚ ንዋናታቱ ይኹን ንረኣይቱ ዘየቕስን ግዕዘይ ሸለል ከይበሉ ስጉምቲ ወሲዶምሉ። እግሪ-እግሪ እቶም

ሰናይ ዝገበሩ ግና፡ ገለ ልማደኛታት የጋዕዝዩዎ ኣለዉ። ስለ’ዚ ነዞም ውሑዳት ኣጋዕዘይቲ ተኸታቲልካ ኣብ ሕጊ ብምቕራብ ተሪር መአረምታ ክወሃቦም ኣለዎ። ክሳብ ደረጃ ንቕሓት ናይ’ዞም ኣጋዕዘይቲ ክብ ዝብል ከኣ ዋርድያ ምግባር ተመራጺ ይመስለኒ። ወይ’ውን ካልእ ይሓይሽ እዩ ዝበሃል መፍትሒ ክናደየሉ ርእይቶይ አቕርብ።

መሓሪ ግርማይ

ኣብ ማእከል ከተማ ጥራይ ተሓጺሩ ኣይተረፈን። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ውሽጢ’ታ ከተማ ዝህባኦ ኣገልግሎት፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ናብ ሓውሲ ከተማታት ጎኘን ሞጎሎን ብምንቅስቓስ ኣገልግሎት ይህባ እየን። ብፍላይ ኣብ’ቲ ህዝቢ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሰሉ መዓልቲ ዕዳጋታት፡ ናብ’ተን ሓውሲ ከተማታት እናተንቀሳቐሱ ዕለታዊ መነባብሮኦም ንዝመርሑ ዜጋታት፡ ዓቢ ፍታሕ ፈጢረናሎም ብምህላወን፡ እቲ ተበግሶ ክምስገን ይግበኦ። እቲ ብቐረባ ዝጥቀመለን ዘሎ ህዝቢ ከኣ ዓቢ ፍታሕ ብምርካቡ ምስጋናኡ ክገልጽ ይስማዕ ኣሎ። ህዝቢ “እንቋዕ ካብ’ቶም ከም ቃሕታኦም ገንዘብ ዘኽፍሉና ወነንቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን ተገላገልና” ክብል በቒዑ ይርከብ። እቲ እወታዊ ሸነኽ ናይ’ዘን

ኣውቶቡሳት ከም ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣታዊታተን ብዝምልከት፡ ኣቓልቦ ዘድልዮ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ንዓኡ ተባሂሉ ትኬት እንተዝዳሎ ዝያዳ ሊላይ ምዀነ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝኽፈል ገንዘብን

ዝወሃብ ትኬትን ነንበይኑ ብምዃኑ፡ ንኻልእ ዘይቅዱው ተግባር ክዕድም ስለዝኽእል። ህዝቢ ረኺቡዎ ዘሎ መስተርሆት መታን ቀጻሊ ክኸውን ድማ፡ ነዘን ኣውቶቡሳት ብኽንክን ክንጥቀመለን እምሕጸን።

ዳዊት - ካብ ባረንቱ

ቅድሚ ምጽራዩ

ድሕሪ ምጽራዩ

Page 5: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 5 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ማህደር ጀጋኑሺሃብ ኣርኣያ

ኣስመሮም ጸጋብርሃን

መስርዕ ገመል

ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ድሕሪ ስትራተጂያዊ ምዝላቕ ዝተመስረተ ሰንሰለታዊ ዕርድታት ህዝባዊ ግንባር እዩ። ጸላኢ ኣብ እዋን ምዝላቕ ከተማ ናቕፋ ብምሓዝ ንመላእ ሳሕል ክቈጻጸር ዝነበሮ ህንጡይ ናህሪ፡ ኣብ ካልኣይ ወራር ኣብ ውግእ ማዕሚደ ምስ ተዀልፈ። ኣብ መጀመርያ 1979 ብጎላጉል ከምኡ’ውን ብባሕሪ ብማርሳ ተኽላይ መጺኡ ናብቲ ቀንዲ ደጀን ህ.ግ. ብምእታው፡ ንህ.ግ ምሉእ ብምሉእ ንምድምሳስ ሓሊኑ ኣብ ሳልሳይ ወራር ዝኸፈቶ ግንባር እዩ። ህ.ግ ግን ነቲ ዝህንደድ ዝነበረ ጸላኢ ኣብ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ኣትሪሩ ብምምካት፡ ጸላኢ ኣብቲ ጎልጎል ተደሪቱ ነቲ ዕርድታት ኣንቃዕሪሩ ጥራይ ከምዝጥምቶ እዩ ገይሩዎ። ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዶብ ሱዳን ብምዃኑ፡ ንደጀን ህዝባዊ ግንባርን ነቲ ምስ ሱዳን ዘራኽብ መስመርን ቀንዲ ዋሕሱ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ጸላኢ ከይጥሕሶ ኣጽኒዕካ ዝተታሕዘ ግንባር እዩ። ዕርድታት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ካብ ከባቢ ውድጋን ክሳብ ደምቦቤት ዶብ ሱዳን ዝዝርጋሕ፡ ኣብ ነዋሕቲ ሰንሰለታዊ ኣኽራናትን ስንጭሮታትን ዝተሃንጸ እዩ ነይሩ። ብኣንጻር’ዚ ዝተጠቕሰ ዕርዲታት ህዝባዊ ግንባር፡ ንሰራዊት ህ.ግ. ኣኽቢቡ ክድምስስ ዝኸተተ ገዚፍ ዓቕሚ ጸላኢ ብተመጣጣኒ ዝርግሐ ዕርድታት መስሪቱ፣ ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ተፋጠጥ ነበረ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ግንባር ናብ ዕርድታት ህዝባዊ ግንባር ተጸጊዑ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዝሕሉ ሰራዊትን ኣጽዋርን፡ ዝተፈላለየ ናይ ደገፍ ሓይልታቱ እውን ኣብ ድሕሪት ኣብቲ ጸጣሕ ጎላጉል ለም ኢሉ ዓስኪሩ ነበረ። ስርዓት ደርግ፡ ካብ ሳልሳይ ክሳብ

ሓምሻይ ወራር ኣብ ልዕሊ’ዚ ዕርድታት’ዚ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት እዩ ኣካዪዱ። ብድሕሪ’ዚ እውን ኣብቲ “ኦሮማይ! ድሕሪ ደጊም ሰውራ ኤርትራ ዝብሃል ከብቅዕ’ዩ” ኢሉ ንዓለም ብዕሊ ዘፍለጠሉ፡ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ሻዱሻይ ወራር እውን ነዚ ዕርድታት’ዚ ንምስባር ንኣዋርሕ እዩ ተረባሪቡ። ሕልሚ ስርዓት ደርግ ግን ኣይሰመረን። በንጻሩኳ ደኣ፣ ከቢድ ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራ ተሰኪሙ ዘፍ ኢሉ። ኣብ 1983 ንሻብዓይ ግዜ ዘበገሶ ሰላሕታ ወራር እውን፡ ብቐንዱ ኣብ ግንባር ባርካን ሓልሓልን ዝቐንዐ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል እውን ብመጠኑ ናይ መናውራ ምንቅስቓስ የካይድ ነይሩ እዩ። ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል

ዝነበራ ኣሃዱታት ህ.ግ ብርጌዳት 44፡ 23፡ 31፡ 4 ከምኡ’ውን ናይ ከቢድ ብረት በጦሎኒታት እየን። ይኹን እምበር ኣብዚ ኩሉ ወራራት ህዝባዊ ግንባር ብዘይካ ካላሽን ምስ ንቕሓት፡ ዝውንኖ ካልእ ዓቢ ዕጥቂ ኣይነበረን። ዘመናዊ ኣጽዋር ስርዓት ደርግ መሬት ይፍሕር፡ ጎቦ የፍርስ፡ ኣግራብ የብርስ፡ ፍጥረት የጽንት፡ ንተጋዳላይ ከኣ ሓዊሱ ክድምስስ ለይቲ ምስ መዓልቲ ከም

ካብ “ዛንታታት ተመክሮ ገድሊ” ቅጺ-2 መቐይሮ

ማይ ይዘንብ። ንቕሓትን ተጋዳላይን ግን ኣይጠፍኡን። መሊሶም ተኣምር ሰሪሖም። ንቕሓት ከውሒ ፈንቂሉ ሂወት ኣስሪሩ። ንውዲታት ጸላኢ ኣፍሺሉ። ንቕሓት ንምስጢራት ጸላእቲ ሰርሲሩን ሰይሩን ዘንብብ ሓይሊ ብምዃኑ፣ ንእንባታት ትምክሕቲ ደርግ መኪቱ። ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኣትዩ ቅያ ሰሪሑ። ኣብዚ ግዜ ድማ እያ መስርዕ ገመል ኣብ ባሕሪ ከብዲ ደርግ ዝኣተወት። ወይ መዓናጡ ደርግ ከሕቅቓ ወይ ድማ ዘቚቛቶ ክትወጽእ ኣትያ። ድሕሪ ሰላሕታ ወራር ኣብ ወርሒ

8/1983 ኣቢሉ እዩ። ኣብ ከውታ ለይቲ መስርዕ ገመል ጸልማት ተጎልቢባ ተበጊሳ። ኣባላታ ጸሃየ ተወልደ፡ ወረደ መጎስ፡ የማነ ኪዳነ፡ ዕንድኩር ይበሃሉ። እዛ መስርዕ ተልእኾኣ ንምፍጻም ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ብጸልማት እያ ነቒላ። ጸሃየ ተወልደ መሪሑ፡ ሓላፊኦም ወዲ ሓፍቲ ድማ ብጽቡቕ ምንዮት ኣሰናበቶም። መንገዶም ቀጺሎም። እቲ ጉዕዞ ካብ ምዕራባዊ ኣጻድፍ ደምቦቤት ናብ ዶብ ሱዳን “ዋሓጢት” ናብ ዝበሃል ቦታ ምውራድ እዩ። ኣብ እግሪ ዋሓጢት ምስ በጸሑ፡ ኣብ ከባቢ ቃሮራ-ሱዳን ዝሰርሕ እስቲፋኖስ እዛዝ ዝበሃል ኣባሎም፡ ጨዓይ ገመል ቀሪቡሎም ጸንሐ። ነቲ ዝነበሮም ናይ ሜዳ ክዳውንቲ ቀዪሮም ከምቲ እስቲፋኖስ እዛዝ ዝተኸድኖ ጀለብያ ተኸድኑ። ኩፍየትን ዕማን ድማ ወደዩ። ኣለባብሳኦም ንህዝቢ’ቲ ከባቢ ከምዝመስል ኣጸቢቖም ድሕሪ ምርግጋጽ ጉዕዞ ቀጸሉ። እስቲፋኖስ እዛዝ እናመርሖም፡ ገመሎም ሒዞም መንገዶም ናብ ሰሜን ሱዳን ገጾም ኣቕንዑ። እስቲፋኖስ ኣብ ጥቓ ቃሮራ በጺሑ ክሳብ ዝፍለዮም ብሓደ ተጓዒዞም። ካብኡ ግን ገመል ሓሙሻዮም ንበይኖም ቀጸሉ። ዶብ ሰጊሮም ካብ ቃሮራ ኤርትራ ንየማን ኣጸቢቖም ርሒቖም ተጓዕዙ። ንቃሮራ-ኤርትራ ንደቡብ ገዲፎም፡ ንሰሜን ነዊሕ ምስ ከዱ መሊሶም ኣንፈቶም ንደቡብ ቀዪሮም ናብ መሬት ኤርትራ ብምእታው፡ ጎላጉል ሰንጢቖም ናብ ከባቢ “መባኣ” ኣተዉ። ካብ ከባቢ ደምቦቤት ናብዚ ቦታ

ንምምጻእ ክንድቲ ኮለል ኣይመድለየን። ካብ መበገሲ ቦታኦም ብቕድሚኦም ዘሎ ድፋዕ ቆሪጾም እንተዝሰግሩ ነይሮም፡ መንገዲ ኣርባዕተ ሰዓት ጥራይ ምኾነ። እንተኾነ ግን ኣብ ምሉእ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ክሳብ ዶብ ቃሮራ ማዕረ ማዕረ መጣምቲ ድፋዕ ተጋደልቲ ድፋዕ ጸላኢ ኣሎ። በቲ ድፋዕ ሰሊዅካ ምእታው እውን ዝከኣል እኳ እንተነበረ፡ ብድሕሪኡ ኣሰርካ ቀልጢፉ ክልለ ስለዝኽእል ኣይተመርጸን። ኣብቲ ስራሕ ስንቂ የድሊ እዩ። ነዚ’ውን መጽዓኛ የድሊ። በቲ ድፋዕ ከኣ ገመል ሒዝካ ምሕላፍ ዝከኣል ኣይነበረን። መባኣ ቀላይ ሑጻ እዩ። ሓንቲ ጸጸር

ወዲቓ ኣብ ቀላይ ሑጻ ኣበይ ትረኽባ? በዓል ጸሃየ ከኣ ኣብቲ ባሕሪ ሑጻ ተሰትዮም። እቲ ቦታ ቀላጥ ጎላጉልን ብውሕጅ ዝተባሕጎጐ ፍግረ መሬትን ዝነበሮ እዩ። ብዘይካ ቆጣቑጢ ኣሻዅ

ጨዓ መጽለሊ ዝበሃል የብሉን። ንፋስ ህቦብላ ካምሲን ዓውዱ እዩ። እቲ ሓደ መዕቆቢ እቲ ብውሕጅ ዝተቐደ መሬትን ኣብ ሓጋይ ማይ ዘይርከቦ ንቑጽ ሩባታትን እዩ። ስርዓት ደርግ ነቲ ኣብ ግንባር ሰሜናዊ

ምብራቕ ሳሕል ዝነበረ ዕርድታቱ ክሳብ ቃሮራ ኤርትራ ከም ሰንሰለት ብሰራዊት ረቕሪቕዎ እዩ። ኣብ ቅድሚ ድፋዑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፈንጂ ተዘሪኡ ብምንባሩ ስክፍታ ኣይነበሮን። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ሰንሰለታዊ ዕርድታት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተንቀሳቐሱ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ ዝከታተሉ፡ ሓበሬታ ዝእክቡን ዝህቡን ወሃ ዘበሉ ናይ ስለያ ኣሃዱታት ነይሮሞ እዮም። ብድሕሪት ዝተሰርዐ መካናይዝድ ብርጌዳት’ውን ህጡር እዩ። ነዚ ብሰብን ኣጽዋርን ዝተሞርገ ዕርዲ ከይተሰምዐ ዝሰግር ይትረፍ ሰብ ዑፍ’ውን ከምዘየሎ ጽኑዕ እምነት ነይሩዎ። በዚ ቀዋሚ ዕርድታቱ ከይተሰምዐ ክሓልፍ ዝኽእል ብዘይምንባሩ፣ እቲ መስርዕ ገመል እትንቀሳቐሶ ዝነበረት ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ዝርከብ ጎላጉል ካብ ሓለዋን ምክትታልን ናጻ እዩ ነይሩ። ጸሃየን መስርዑን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ

ሰራዊት ጸላኢ ብዝሑን ኣተሓሕዛ ቦታኡን ምንቅስቓሱን ምጽናዕ እቲ ቀንዲ ተልእኾኦም ነበረ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ገባር መሳርሕቲ ዝኾኑ ምውዳብን ምምልማልን’ውን ዕማሞም እዩ። ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ቋንቋኡ ትግረ እዩ። ኩላ’ታ መስርዕ ምሉእ ምልከት ቋንቋ ትግረ ነይሩዋ እንተዘይተባህለ ደርጎስጎስ ትብል እያ። ልዕሊ ኩሉ ግን ዕንድኩርን እቲ ገመልን ይፈልጡ። ምኽንያቱ እቲ ገመል ወዲ መሬት እዩ። ዕንድኩር ከኣ ኣቐዲሙ ምስ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ዘዋስእ ስራሕ ስለዝነበሮ፡ ሕልፊ ኩሎም ትግረ ይመልኽ። መባኣ ኣዝያ ኣገዳሲት ቦታ እያ። ካብ

ኩሉ’ቲ ከባቢ ማይ ኣብኣ እዩ ዝርከብ። ናብ ድፋዕ ጸላኢ ተጸጊዕካ እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ካልእ ቦታታት ካብ ቃሮራ ክሳብ ማህሚመት ትበጽሕ ማይ የለን። እዛ ማይ ዝነበራ እንኮ ቦታ መባኣ፡ ሰይድና ኢብራሂም ዝበሃሉ ናይ’ቲ ከባቢ ውሩይ ሰብኣይ ዝቕመጡላ እያ። ሰይድና ኢብራሂም ብክእለቶምን ገለ ጥበቦምን ፍሉጥ ብምዃኖም ብዙሕ ሰብ እዩ ናብኦም ደልዩ ዝመላለስ። ዋላ ካብ ጸላኢ ከይተረፈ ብዙሓት እዮም ዝመላለሱ። እቶም ሸኽ ዓቢይን ፍሉጥን ብምዃኖም፡ ትምህርቲ ቁርኣን ዝመሃሩ ኮነ ዝሓመሙን ዝተፈላለየ ሽግራት ዘለዎምን ሰባት እዮም

ዝመጽኡዎም። በዚ ድማ እቲ ቦታ ብቀጻሊ ሰባት ክንቀሳቐሱ ዝርኣዩሉ ቦታ ነበረ። ናይ ሰይድና ኢብራሂም መነባብሮ ኣዝዩ ገፊሕ ብምዃኑ፡ ንሶም ዝልእክዎምን ንዕኦም ዝደልን ሰብ ብዙሕ እዩ። ወዶም’ውን ብናይ ኣቦኡ ክእለትን ስልጣንን ስለዝኽበር፣ ንዕኦም ተኪኡ ዝሰርሓሉ እዋናት ኣሎ። እቶም ሸኽ ሓሙስ ሓሙስ ሕሙማት ስለዝርእዩ፡ ሓሙስ ሕልፊ ኩለን መዓልታት ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ እዩ ዝእከብ። ነታ ኣብቲ ቦታ እትርከብ ምንጪ ማይ ከኣ ብዙሕ ሰብ ክጥቀመላ ይውዕል። ለይቲ’ውን ኣይተዕርፍን። ለይቲ ግን ውሑድ ሰብ እዩ ዝመጽኣ። በዚ ድማ እታ ቦታ ንመስርዕ ገመል ኣዝያ ኣገዳሲት ነበረት። ማይን ብዓቢኡ ከኣ ብዙሕ ሰብን ብዙሕ ሓበሬታን ዝርከበላ ቦታ እያ። የግዳስ መስርዕ ገመል፣ ህላወኣ ከይተፈልጠ ትደልዮ ሓበሬታ ክትእክብ እንተዘይኮኑ፡ ቅልዕቲ ከይትኸውን ኣዝያ ትጥንቀቐሉ ጉዳይ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ተዕርፈሉ ቦታ ካብቲ ማይ ዘለዎ ኣጸቢቑ ዝረሓቐ ከባቢ እያ መሪጻ። ማይ ክትደሊ ከላ ብለይቲ ገመላ ሒዛ ትወርድ። ኣባላት መስርዕ ገመል፡ ኣብዚ

ዕማም’ዚ ምስ ኣሃዱኦም ተተኣሳስሮም ፒ.ኣር.ሲ. (PRC) ዝዓይነታ ሬድዮ ርክብ ነበረቶም። እዛ ንብረት’ዚኣ ቀንዲ ሂወት ናይ ስርሖም እያ ነይራ። ዓባይ ብምዃና ጸላኢ ቀትሪ እንተመጺእዎም ተሰኪሞማ ከምድላዮም ክንቀሳቐሱ ስለዘይክእሉ፡ ዘይሓሰቡዎ ሓደጋ እንተኣጋጠሞም’ውን ኣብ ኢድ ጸላኢ ከይትወድቕ፡ ቀትሪ ተቐቢራ እያ ትውዕል። ምስ ተቐብረት ሓመድ ከይኣትዋ፡ ገዲፎማ እንተኸዱ እውን ተቐቢራ ብዙሕ ግዜ ክትገብር ስለትኽእል፡ ብሓጺን ዝተሰርሐ ናታ ፍሉይ ሓሞኹሽታይ ሳንዱቕ ነይሩዋ። መዓልታዊ ቦታ ይቐያይሩ ብምንባሮም፣ ለይቲ ስርሕ ምስ ሓደሩላ፡ ወጋሕታ መቕበሪኣ ጉድጓድ ይፍሕሩላ ነበሩ። ጉድጓድ ኩዒትካ ምቕባር ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ናቱ ውሕልነትን ብልሓትን ኣለዎ። ብሰንኪ ሃንደበታዊ ምንቅስቓስ ጸላኢ ካብኣ ርሒቖም ክኸዱ ስለዝኽእሉ፡ ድሒሮም ምስተመልሱ ብቐሊሉ ክረኽቡዋ ክኽእሉ ኣለዎም። ብኣንጻሩ ከኣ ብኣጋጣሚ ጸላኢ ናብቲ ከባቢ እንተተንቀሳቒሱ ኣሰር ክረክብ የብሉን። ስለዚ ድማ፡ ጉድጓድ ኩዒቶም ነቲ ቅድም ዘውጽኡዎን ዳሕራይ ዘውጽኡዎን ሓመድ ብጥንቃቐ ከስተብህሉሉ ኣለዎም። ነታ ሬድዮ ምስቀበሩዋ ድማ፡ በቲ መወዳእታ ዝወጽአ ጀሚሮም ነቲ ሓመድ ኣብ ጕድጓዱ መሊሶም ነቲ ቦታ ከምዘይተዃዕተ ኣምሲሎም ክደፍኑዎ

ኣለዎም። ምናልባት ጸላኢ ናብቲ ከባቢ ወፊሩ፡ ገዲፎማ እንተኸይዶም ምስ ተመልሱ እቲ ዝተቐብረቶ ቦታ ከይጠፍኦም፡ ሓደ ቀዋሚ ዝኾነ ምልክት ኣስተብሂሎም ብኮምፓስ ኣማእዚኖም ናይቲ ቦታ መለለዪ መዝጊቦም እዮም ዝኸዱ። ነቲ ምልክትን ዝተመዝገበ ሓበሬታን ኩሎም ብሓባር ከምዝፈልጡዎ ይገብሩ። እዚ ከኣ ሓደ ጥራይ ዝፈልጦ እንተኾይኑ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከይህሉ ስለዝኽእል እዩ። እዚ ዕዮ’ዚ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ዝፍጸም ዕዮ ነበረ። ኩሉ ግዜ ኣብ ዝወዓሉዎ ኣይሓድሩን

እዮም። ዝንቀሳቐሱሉ መገዲን ዝሰርሑሉ ቦታን እናቐያየሩ እዮም ስርሖም ዘሳልጡ ዝነበሩ። ምሸት ምሸት ከኣ ምስ ማእከላይ መአዘዚ ቦታኦም ማለት ምስ በዓል ወዲ ሓፍቲ ሓበሬታታት ይለዋወጡ። መባኣ ኣብ መንጎ ማህሚመትን ቃሮራን ዳርጋ ኣብ ማእከል እያ እትርከብ። ኣብ መንጎ ማህሚመትን ቃሮራን ዘሎ ርሕቀት ዳርጋ 48 ኪሎሜተር ኣቢሉ እዩ። መባኣ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ እትርከብ ቦታ ብምንባራ ብኹሉ ሸነኻት መዓስከራት ጸላኢ ዘኽበባ ቦታ እያ። እቲ ቀንዲ ዕርዲ ጸላኢ ካብ መባኣ ብዙሕ ርሑቕ ኣይኮነን። ካብ መባኣ ናብ’ቲ መኣዘዚ ቦታ ጸላኢ ኣውገት እውን ቀረባ እዩ። ኣብ ቃሮራ-ኤርትራ ዝነበረ መዓስከር ጸላኢ’ውን ካብኣ ብዙሕ ርሑቕ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘካይድ ህዝብን ሰራዊትን በዚ ጎላጉል’ዚ እዩ ዝመላለስ። መስርዕ ገመል ከኣ ካብቲ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዝነበሮ ከባቢ ርሕቕ ኢላ ኣብ ጎዳጉዲ ተሓቢኣ እያ ትውዕል። ብቐትሪ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቦታ ጸላኢ በጺሖም፡ ምስ ወተሃደራት ጸላኢ ተራኺቦም ሓበሬታ ዘምጽኡ ውድባት ስለ ዝነበሩዋ ሓበሬታ ኣይሓልፋን እዩ። ኩሉ ስራሕ ኣባላት መስርዕ ገመል

ብለይቲ እዩ። ንምምስሳል ምእንቲ ክጥዕሞም ናብቲ ቦታ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ከምቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ወተሃደራት ዝለብሱዎ ክዳን ተሰፍዩሎም እዮም ኣትዮም። ስለዚ ብለይቲ ክዛወሩ ከለዉ ብክዳኖምን ጫምኦምን ከይልለዩ ዘሰክፍ ኣይነበሮምን። ንገመሎም ካብ መውዓሊኦም ቦታ ኣርሒቖም ዝብላዕ ኣብ ዝርከበሉ ቀዪዶም ፈንዮሞ ይውዕሉ። ግን ከኣ ኣማዕድዮም ይከታተሉዎ። ምሸት ምሸት ነቲ ዝረኸቡዎ ሓበሬታታት ብሬድዮ ይልእኩን ይቕበሉን። ስለዝኾነ ለይቲ ድቃስ ኣይነበሮምን። ዘዕርፉሉ ግዜ ብቐትሪ እዩ። ሓለዋ እናተበራረዩ የዕሪፎም ይውዕሉ።

ይቕጽል

Page 6: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 6 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ጆሜ/ ደጀን ተኽለጆሜ/ ደጀን ተኽለጆሜ/ ደጀን ተኽለ

ፍቕረይ፡ እናተፋቐርና ኣዒንቲ ኣግፊሕኪ ካብ ቅድመይ ክትክወሊ ምስ መረጽኪ፡ ትምለስኒ ኢኺ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣይነበረንን። ስለዚ ድማ’የ፡ ህይወተይ ናብ ዘመሓይሸሉ መንገዲ ኣንፈተይ ዘበልኩ።መቐረት ፍቕሪ ተረዲኡኪ ኣንፈትኪ ናባይ ምስ ኣበለ፡ ንምርካበይ ቀሊል ዝመሰለኪ

ጉዕዞ ክነውሓኪ ተዓዚበ። ከም ቀደም ኣብቲ ዝገደፍክኒ ምስ ዝርንዛሕ ንብዓተይ ክጸንሓኪ’ሞ፡ ዳግማይ ዓቢደልኪ! እናበልኩ ክልምነኪ ተጸቢኺ።

ነገራት ኣብ ግዚኦም ጥራይ ምቁራት ምዃኖም ኣይፈለጥክን። ንዓይ ድማ፡ ኣብ ግዚኡ ኢኺ ነይርኪ ምቅርቲ። ልበይ ኣብ ጸልማት ደርቢኺ ራሕሪሕክያ ምስ ከድኪ፡ ኣብ ጸገማ ብርሃን እትውልዕ ምስ ረኸበት ተደቢሳ’ያ።‘ግዜ ዘይስዕሮ የለን’ ከም ዝተባህለ። ኣብ ጉዕዞኺ ከማይ ዝሓልን ዘቀባጥርን ምስ

ሰኣንኪ ንዓይ ዘኪርኪ ተመሊስክኒ። ንምርካበይ’ውን ላዕልን ታሕትን ኢልኪ። እንታይ’ሞ ክዓብስ ‘ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ’ ኰይኑ።ዝሃብኩኺ ፍቕሪ ኣብ ከውሒ ልብኺ ስለ ዝዘራእኩዎ ፍረ ኣይረኸብኩሉን። ከም

ዓሻ ሓረስታይ፡ ስቕ ኢለ ኣብ ከውሒ ምዝራእ ኣይደጋገምኩን። ካብ ጥልመትኪ ተማሂረ፡ ህይወትይ ናብ እተጸብቕ ለባምን መስተውዓሊትን ፍቕረይ ዘሪአ። ካብ ዝሓሰብኩዎ ንላዕሊ ድማ፡ ካዕበት ፈርየ። ስለዚ፡ ኣይተምርርኒ ምስ ጠለምክኒ’የ ካብ ልበይ ከውጽኣኪ ተቐሲበ።

ጆርዳን፡ ኣዒንቱ ብትዅረት ናብ ኩሉ ኣንፈት ለኣኸን። ኣብ’ታ ብባሕሪ ዝተኸበበት ደሴት ካልኣይ ኣይነበሮን። ‘ኣንታ ፈጣሪ! በጃኻ በይነይ ከይትሓድገኒ!’ በለ ኣብቲ ደንደስ ባሕሪ ኰይኑ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ሰብ ይነፍጽ ከም ዘይነበረ፡ ሎሚ ኣብቲ ንበይኑ ዝተረፈሉ እዋን፡ ሰብ ኣብ ጐድኑ ክህሉ ኣይጸልአን። ‘ኦ ፈጣሪ! በጃኻ! ሓደ ሰብ ልኣኸለይ። በጃኻ!’ በለ ንብዓት ካብ ኣዒንቱ ጸረር እናበለ።ነቲ ኣብ መንጽሩ ዝነበረ ልሙዕ ጫካ

እናረኣየ ኣንቀጥቀጠ። ኣብ’ታ ደሴት ክልተ ለይቲ’ዩ ሓዲሩ። ከምዚ ኢሉ ነቲ ወሪዱዎ ዘሎ ጸገም ክገጥም ከም ዘይክእል ብምሕላን፡ መጽለሊ ዝዀኖ ቤት ክሃንጽን ሓሳባቱ ሰብሲቡ ካብ ጭንቀትን ብስጭትን ክገላገል ከም ዘለዎን ስለ ዝሓሰበ፡ ካብቲ ኣግራብ ብምቚራጽ ቤት ክሃንጽ ጀመረ።ኣብ ሓደ ናይ ክዳን ፋብሪካ ኣካያዲ

ስራሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ዕብየት ኣርእዩ - ኣብ ሓጺር ግዜ ከኣ ብትዕቢት ክወሓጥ ጀሚሩ። ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱ ድማ፡ ንዕቀትን ገጽ ምኽላእን ኣርኣየ። ኩሉ ሰብ ድኹም፡ ክንድኡ ዘይበቅዕ ገይሩ ብምሕሳብ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብስራሕ ክዛረቡዎ ንዝመጹ መሳርሕቱ ጸር-ጸር ይብለሎም ነበረ።መጽለሊቱ እናሰርሐ ንሕሉፍ ህይወቱ

ብምግምጋም ነብሱ ወቐሰ። ቅድሚኡ ተሰሚዑዎ ዘይፈልጥ ጓሂ ድማ ተሰምዖ። እቶም ኩሉም ኣብዚ ዘለዎ ቦታ ንኽህሉ ዘኽኣሉዎ ነገራት እንታይ ምዃኖም ንምፍላጥ ኣይተጸገመን። ከም ኣካያዲ ስራሕ፡ ካብ ዝቚጸር ጀሚሩን ድሕሪኡ ዘማዕበሎ ባህርን ኣብ ዓይነ ሕልንኡ ተመላለሰ። ከም ሰብ፡ ሕያዋይን ቅኑዕን’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ስራሕ ዘመዝገቦ ዓወት ግና፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት’ዩ መሊሱዎ። ነቲ ምስ ሰራሕተኛታቱ ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ድማ ኣላሕልሖ። ጆርዳን፡ ሓደ ዕለት ካብቲ ዝሰርሓሉ ሃገረ

ካናዳ ብስራሕ ናብ ብራዚል ብመርከብ ነቐለ። ኣብቲ ጉዕዞ ዘይተሓስበ ማዕበል ብምምጻእ ነታ መርከብ ምስ ኣርባዕተ ኣባላታ ንታሕቲ ኣስጠማ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ጆርዳን ኣምላኽ ኣለኻ ኢሉዎ ካብ’ታ መርከብ ብምውጻእ በቲ ማዕበል ተገፊዑ ናብ ሓንቲ ደሴት ተጸግዐ። ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ብድኻም ተሰኒፉ እናሻዕ ብኣፉን ኣፍንጭኡን ጨዋም ማይ ባሕሪ እናጕስዐ ካብ ዝነበሮ ኣይተንቀሳቐሰን። ንእለቱ ድማ፡ ነቲ ቅድሚ ምብጋሱ ዝነበረ መዓልታት

ኣብ ደሴታት ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ፡ ኣደናቒ ሓሰኻ’ዩ። እቲ ቘጽሊ ዝመስል ኣካላቱ ምስ ከባቢኡ ስለ ዝመሳሰል፡ ካብ ጸላእቱ ይከላኸለሉ። እቲ ዘገርም፡ እዚ ሓሰኻ ኣብ ኩሉ መድረኻት ዕብየት ናይ ህይወቱ ዝተፈላለየን ኣደናቕን ምምስሳል ይውንን። እንቋቚሖ ከሎ ደቂቕ ዝነቐጸ ፍረ ስለ ዝመስል፡ ጸላእቱ ኣየስተውዕሉሉን’ዮም። ምስ ተጫጭሐ’ውን ኣብ ጫፍ ገረብ ዝርከብ ኣጒሚ ስለ ዝመስል ጸላእቱ የደናግር። ምስ ዓበየ፡ ሕብሩ ኰነ ቅርጹ ንቘጽሊ ይመስል። መዓስ እዚ ጥራይ፡ እዚ ሓሰኻ ንፋስ ኣብ ዝመጻሉ እዋን’ውን ጸላእቱ ንምድንጋር፡ ልክዕ ከም ቈጽሊ ምስቲ ንፋስ ነብሱ የወዛውዝ።

ደሴት ሰሎሞን፡ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ሰለማዊ ውቅያኖስ ካብ ዝርከባ ማያውያን ሃገራት ሓንቲ’ያ። እዛ ደሴት ኣስታት 27,556 ት.ኪ.ሜ ስፍሓት እትውንን፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ልዕሊ 30 ንኡሳን ደሴታት እትጥርንፍ ንኡስ ሃገር ዝዀነት ደሴት’ያ። ጠቕላላ ንውሓት ገማግም’ዛ ባሕራ 5,313 ኪ.ሜ እዩ። እዛ ንጡፍ ቱሪዝማዊ ምንቅስቓሳት ዝረኣየላ ደሴት ሰሎሞን፡ ኣብ 1568 እያ ብዳህሳሲ ኣልቫሮ ደ መንዳና ኒራ ተረኺባ። ወግዓዊ ቋንቋ ህዝቢ’ታ ደሴት እንግሊዝ’ዩ። እዛ ሃገር ብባይቶ ትመሓደር ኰይና ብቐዳማይ ሚኒስተር ድማ ትምራሕ። እተመሳቐለ ቃላት ስርሑ

ምስ ሓደ መሳርሕቱ ብዛዕባ ዕረፍቲ ምሃብ ዝተመላለሶ ዘከረ። እቲ ሰራሕተኛ፡ ማለት ሬድዋን፡ ብስርሑ ውፉይን ንስርሑ ዝምእዘዝን’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዛ ጉዳይ ምስ ሓላፊኡ ከይተረዳድአ ከም ዝኸደ ድማ ትዝ በሎ። በቲ ሽዑ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከኣ ንእለቱ ተጣዕሰ። ሬድዋን፡ ንዕረፍቲ ናብ’ታ ወለዱ

ዝቕመጡዋ ደሴት ምስ ከደ፡ ሓደ ንግሆ ዓሳ ክገፍፍ ናብ’ቲ ገምገም ባሕሪ ነቐለ። እታ ወለዱ ዝነብሩላ ደሴት ብዙሕ ህዝቢ ዝቕመጣ ኣይኰነን። ኣብቲ ገምገም ባሕሪ እንከሎ ድማ፡ ንኣቓልቦኡ ዝስሕብ ነገር ተመልከተ። ‘እዋእ!’ ድማ በለ ነቲ ከም መግፈፊ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ገመድ ፈንዩ። ኣብ’ታ ደሴት ዝውላዕ ትኪ ናይ ረዲኤት ምልክት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ’ዩ። ንብረቱ ክእክብ ግዜ ከይቀተለ፡ ብጉያ ናብቲ ትኪ ዝረኣየሉ ሸነኽ ናይ’ታ ደሴት ኣምርሐ። ኣብቲ ጫካ ናይ’ታ ደሴት ኰይኑ ኣብ

ከቢድ ሓሳብ ጥሒሉ እንከሎ ሓደ ነገር ትዝ በሎ። ኣብ’ታ ደሴት፡ በይኑ ምስቶም ድምጾም ዝሰምዖምን ገለ ዝረኣዮምን እንስሳታት እንተ ዘይኰይኑ ሰብ ኣሎ ዝብል ግምት ፈጺሙ ኣይነበሮን። ነተን ክልተ ሃዲኑ ዝሓዘን ዘጋሩ ከብዱ ንምዕንጋል ድማ፡ እምኒ ብምግጫው ሓሰር ኣኪቡ ሓዊ ክፈጥር ፈተነ። ድሕሪ ክንደይ ሃልኪ ድማ፡ እቲ ስራሕ ዕዉት ኰነሉ። እቲ ዝነኸሰ ሓዊ እናተኸኸ ሃል ሃል ክብል ድማ ግዜ ኣይወሰደሉን።ናህሩ ካብ ካልኢት ናብ ካልኢት እናወሰኸ

ኣብቲ ትኪ ዝረኣየሉ ቦታ እናላህልሀ በጽሐ።

በቲ ዝረኣዮ ተገሪሙ ድማ፡ ሃንደበት ልጓማ ከም ዝሓዘት ማኪና ደው በለ ኣእጋሩ ተኺሉ። እቲ ሕቑኡ ሂቡዎ ኣብ ጥቓ’ቲ ሓዊ ዝነበረ ሰብ ዝፈልጦ ኰይኑ ተሰምዖ። እቲ ኩነታት ሕውስውስ ኢሉዎ እንታይ ከም ዝገብር ሕርብት ኢሉዎ ንደቓይቕ ካብቲ ዝነበሮ ከይተንቀሳቐሰን ድምጺ ከይገበረን ተዓንደ።ገለ ነገር ክብድብድ ኢሉዎ ንድሕሪት

ግልጽ እንተ በለ፡ ንሱ’ውን ብኣግርሞት ተዓንደ። ኣብ ሰብ ዘይብላ ደሴት’የ ዘለኹ ኢሉ እናሓሰበ፡ ቅድሚ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ስራሕ ብሰንኪ ዕረፍቲ ዝምልከት ጉዳይ ምስኡ ዘይተረዳድአ መሳርሕቱ’ዩ ዝርኢ ነይሩ። ‘እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን?’ ድማ በለ ንውሽጡ።እቲ ከጠራጥሮ ዝጸንሐ ሰብ መንነቱ

ንምልላይ ፈጺሙ ኣይተሸገረን። ብጉያ ናብኡ ብምቕራብ ድማ፡ “ብኸመይ ናብዚ መጺኻ?” ብምባል ተገሪሙ ሓተቶ፡ ሓቚፉ እናሰዓሞ። ሓደ ብሓደ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምግላጽ፡

“ኣብ ስራሕ፡ ምስ መሳርሕተይ ዝነበረኒ ዝምድና በቲኸ፡ እቲ ናይ’ታ ትካል ዓወት ናይ በይነይ ሓሲበ ልበይ ደፊነ’የ ነይረ። ፈጣሪ ድማ፡ ዝያዳ ዕዉት ንክኸውን ስለዝደለየኒ’ዩ መስለኒ ጌጋይ ክእርም ነዚ መንገዲ ከም ዝበጽሓኒ ገይሩ፡” ብምባል ኢዱ ጨበጠ። “ንህይወተይ ዘጸብቕ ትምህርቲ ቀሲመ’የ” ድማ በለ፤ ካብቲ ቦታ ብቐሊል መንገዲ ክወጽእ ብምኽኣሉ ብሓጐስ መሊኡ ነበረ።

ትምህርቲ ቀሲመ እየ

ኣየገርምንዶ?

ንኣፍልጦ

ደብዳበ ፍቕሪ ኣይተምርርኒ

ኣገባብ ኣጸዋውታኣብ ታሕቲ ናይ ጋድምን ናይ ትኹልን ቃላት ተዋሂቦም ኣለዉ። ከም መጀመሪ

ድማ ፊደል ‘ማ’ ተዋሂባ ኣላ። ስለዚ ካብዛ ፊደል ብምብጋስ ነዛ ዝተመሳቐለት ቃላት ስርሑዋ። ናይ ጋድም ቃላት ንጋድም፣ ናይ ትኹል ቃላት ድማ ንትኹል ጥራይ ክምልኡ ይግብኦም።ናይ ጋድም ቃላትታሕቲማልስልሙዕክለብማሕላደግሲማርታባናማለትረማዕሰታሪትማንታ

ናይ ትኹል ቃላትሰብስልቲማሕታታባማህደርትባዕማንታቤትማላሕሳርታክሲማዕረሪሓን

መም ያቆብ መርሃዊ (ጃክ)

Page 7: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 7 መበል 29 ዓመት ቁ.20

Page 8: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 8 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሱሌማን ኣሕመድ

ወዲ ሰብ ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝማዕበለ ሓንጎል ይውንን። ናይ ወዲ ሰብ ሓንጎል ንሰባት ፍሉይ ክእለት ዓዲሉዎም እዩ። እቲ ዝዓበየ ከም ዝዛረቡ ገይሩዎም። ቋንቋ ንደቂ ሰባት ባህሊ (ባህልን ኣተሓሳስባን ዝጥርንፍ ዓውዲ) ንኸማዕብሉ ሓጊዙዎም። ባህሊ ካብን ናብን ደቂ ሰባት ብትምህርትን ሓበሬታን ይመሓላለፍ። ቴክኖሎጂ’ውን ኣብ ቀዳሞት ደቂ ሰባት ኣካል ባህሊ እዩ ነይሩ። ቀዳሞት ሰባት ድሌቶምን ሃረርታኦም ከማልኡ፡ መሳርሒታት ክምህዙ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ነይሮም። እቲ ጕሉሕን ሃብታምን ዝኾነ ባህሊ ወዲ ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ከም ዝፍለዩ ገይሩዎም ይርከብ። እቲ ምዕቡል ሓንጎል ወዲ ሰብ፡ ደቂ

ሰባት ምስ ዝኾነ ፍጥረት ተዛሚዶም/ ተሳንዮም ከም ዝነብሩ ገይሩዎም። ዓሳ ከም ኣብነት እንተወሲድናዮ፡ ምስ ኩነታት ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ተሳንዩ ዝኸይድ ኣካል እዩ ተዓዲሉዎ። ካብ ማይ ወጻኢ ግን ክንቀሳቐስ ኣይክእልን። ሰባት ግና ክንዲ ዓሳ’ኳ ክሕንብሱ እንተዘይከኣሉ፡ ኣብ ማይ

ወዲ ሰብን ፍሉይነቱንምንስፋፍ ቀልጢፎም ክለምዱ ይኽእሉ። ውሽጢ ማይ ጥሒሶም’ውን ምርምራት ከካይዱ ይኽእሉ። ኣብ መሬት ድማ ክኸዱ፡ ክጎዩ፡ ክሓዅሩ ከምኡ’ውን መሳርሒታት ተጠቒሞም ሰማየ ሰማይ ክበሩ ይኽእሉ። ናይ ወዲ ሰብ ልዙብነት ትዕድልቲ ተፈጥሮ፡ ንደቂ ሰባት ኣብ ዝኾነ ከባቢ ከም ዝነብሩ ገይሩዎም - ካብ ትሮፒካዊ ክሊማ ክሳብ ኣርክቲክ።ተመራመርቲ ስነ-ህይወት፡ ንሰባት ምስ

መጥበውቲ (mammals) ይምድቡዎም። ኣብዚ ምድብ’ዚ ከም ድሙ፡ ከልቢ፡ ጤለ-በጊዕ፡ ሓርማዝ ወዘተ ዝኣመሰሉ እንስሳታት ሓዊስካ፡ ኣስታት 4,500 ዝተፈላለዩ ዓሌታት ይርከቡ። ኩሎም መጥበውቲ ዓንዲ-ሕቖ፡ ጸጒሪ፡ ኣርባዕተ መሓውርን ቀዋሚ ሙቐት ኣካላትን ኣለዎም። ኣንስትዮ መጥበውቲ - እተን እንኮ እንስሳታት ደቀን ንምዕንጋል ዝሕግዘን ጸባ ንምፍራይ ዘገልግልን ጽኪ ኣለወን። ደቂ ሰባት ምስ ኤፕን ህበይን ካልኦትን

ተደሚሮም እቲ ካልእ ስርዓተ መደብ ናይ

ብግቡእ ጸባ ጡብ ኣደ ዝረኸቡ ህጻናት፡ ብምኽሳዕን ካልእ ምስ ምግዛፍ ሰብነትን ብዝተኣኣሳሰሩ ጸገማት ጥዕና ክጥቅዑ

ጸባ ጡብ፡ ተኽእሎታት ምኽሳዕ ናይቲ ህጻን ከም ዘጕድል ተገሊጹ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ‘ኮርነል’ ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-መግቢ ትሑት ካሎሪ ዘለዎ ሓዲሽ ‘ጠስሚ’ ከም ዝመሰርሑ ሓቢሮም። እቲ ሓዲሽ ዝተመስርሐ ‘ጠስሚ’

ዝበዝሐ ትሕዝቶኡ ማይ ከም ዝኾነ ዝገለጹ እቶም ተመራመርቲ፡ ካብ ሓደ ማንካ ጣውላ ናይዚ ‘ጠስሚ’ 2.8 ግራም ቅብኣን 25.2 ካሎሪን ጥራሕ ክርከብ ከም ዝከኣል ገሊጾም። ካብ ጸባ ከብቲ ከይተጻረየ ዝዳሎ ደረቕ ጠስሚ ልዕሊ 84 ሚእታዊት ስብሕን ኣስታት 16 ሚእታዊት ትሕዝቶ ማይን ክህልዎ እንከሎ፡ ካብ ሓደ ማንካ ጣውላ ክሳብ 11 ግራም ስብሕን 100 ካሎሪን ከም ዝርከብ እቶም ተመራመርቲ ምስቲ ዝመስርሑዎ ሓድሽ ‘ጠስሚ’ ብምንንጻር ኣመልኪቶም። እቶም ክኢላታት ስነ-መግቢ ነቲ

ማይ ምስ ቅብኣት ንምትሕውዋስ ፍሉይን ኣገባብ ለጎጒታ (special emulsion process) ከም እተጠቕሙ ብምምልካት፡ መጠን

ዝበዝሕ ትሕዝቶኡ ማይ ዝኾነ ሓድሽ ‘ጠስሚ’ ተመስሪሑ

ቅማረ ማይን ቅብኣን ናይቲ ሓድሽ ጠስሚ 4 ብ 1 ከም ዝኾነ ሓቢሮም። “80 ሚእታዊት ማይ ምስ 20

ሚእታዊት ቅብኣት ብምትሕውዋስ እሞ ጣዕሙን ጥዕናዊ ጥቕሙን ዘየጥፈአ ‘ጠስሚ’ ከነማዕብል ብዙሕ ጻዕርን ምርምራትን እዩ ወሲዱልና” ዝበለ ፕሮፌሰር ስነ-መግቢ ኣሊረዛ ፖራድ፡ እዚ ዝተመስርሐ ‘ሓድሽ’ ጠስሚ ኮሌስትሮል ኣብ ምእላይን ካልእ ጥዕናዊ ጥቕሚ ኣብ ምብርካትን ዝህልዎ ጥቕሚ ልዑል ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብዚ ጥዕናዊ ንቕሓት ናይ

ሰባት እናዓበየ ዝመጸሉ ዘሎ ግዜ’ዚ፡ ጠለብ ትሑት ቅብኣት ግን ልዑል ፕሮቲን ዘለዎም መግብታት ይሰፍሕ ብምህላዉ፡ ተደላይነት ናይዚ ሓድሽ ‘ጠስሚ’ ልዑል ከም ዝኸውን ኣብቲ ምርምር ዝተሳተፉ ክኢላታት ሓቢሮም።

ምንጪ፦ scitechdaily

ዘለዎም ተኽእሎ ዝተሓተ ምዃኑ ተገሊጹ።ኣብቲ ብዛዕባ ቆልዑን ሕማምን

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዓለምና ዝቕልቀሉ ዘለዉ ሓደስቲ ምህዞታትን ርኽበታትን መበገሲኦም ካብ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ምዃኑ ኩላትና ንሰማምዓሉ ሓቂ እዩ። እዞም ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝተራእዩ ምህዞታት፡ ሎሚ መበገሲ ሓያሎ ምህዞታት ብምዃን ህይወትና ብዝቐለለ መንገዲ ንኽንመርሕ ኣኽኢሎምና ይርከቡ። እዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዝርከቡ ርኽበታትን ምህዞታትን ንዓለምና ዝቐየሩ መሰረታውያን ምህዞታት እዮም፦=> ቴለግራፍ (telegraph) - ምዕባለ

ኣብ ኣገባብ መራኸቢታት ኣብዚ ግዜ’ዚ ንዓለምና ናብ ሓንቲ ቊሸት እናቐየራ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። መራኸቢታት ካብ ግዜ ጥንቲ ብደብዳበ መልእኽትታት ካብ ምስዳድ እዩ ዝጅምር። ድሕሪ ደብዳበ ዝሰዓበ ቴለግራፍ እዩ። ቴሌፎን ድማ ደድሕሪኦም። ሽዑ ድማ ሬድዮን ተለቪዥንን መጺኡ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ናብ መራኸቢ ኢንተርነት ማዕቢሉ። ክሳብ ሕጂ ጥቕሚ መራኽቢታት ብዝግባእ ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና። ክሳብ ሕጂ’ውን ወዲ ሰብ ንኣገባብ መራኸቢታት ከማዕብል ላዕልን ታሕትን እዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ 1836 ሳሙኤል ሞርሲ ናይ ኤለክትሪክ ቴለግራፍ እንተዘይምህዝ ነይሩ ግና፡ እዚ ኩሉ ሎሚ ኣብ መራኸቢታት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ ኣምበይ ምተበጽሐን። => ኮምፕዩተር (computer) - ኣብ

ምህዞ ኮምፕዩተር እቲ ናይ ፈለማ ሓሳብ ብእንግሊዛዊ መሃንድ ማሽን ዝኾነ ቻርለስ ባባጀ (charles Babbage) እዩ ተበጊሱ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣላን ቱሪን መሰረታዊ ሕጊ ዘመናዊ ኮምፕዩተር ኣማዕቢሉ። ኣብቲ ፈለማ ኮምፕዩተር ኣዝያ ገዚፍ ኣካል ሒዛ እያ ተማሂዛ። ምስ ግዜ ድማ እናማዕበለት፡

ንዓለምና ዝቐየሩ ምህዞታት

ቅርጻ ድማ እናነኣሰነ እናተቐየረን ነዘን ሎሚ ንርእየን ዘለና ክመስላ ክኢለን። ምህዞ ኮምፕዩተር ንዝኾነ ኣብዛ ዓለም

ዝካየዱ ስርሓታን ንጥፈታትን ብዝግባእ ክሳለጡን ከሐይሉን ኣኽኢሎም እዮም።

ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ብግቡእ ጸባ ጡብ ኣደ ዝረኸበ ህጻን ‘ለፕቲን’ (leptin) ዝተባህለ ነዝዒ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ ዝተሓተ ምዃኑ ተገሊጹ። ብጸባ ጡብ ኣደ ኣብ ዝዓብዩ ህጻናት፡ ምስቶም ብዝተመስርሐ ሓርጭ ጸባ ናይ ዝዓብዩ ህጻናት ዓቕሚ ብምዝማድ፡ ንነዝዒ ‘ለፕቲን’ ናይ ምጽቃጥን ናይ ምምዝዛንን ጀነቲካዊ ዓቕሞም ዝለዓለ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ኣብቲ ህጻን ኣብ ዝርአ ግዝፊ ሰብነትን ምኽሳዕን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ኣረዲኡ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ምኽሳዕ ኣብ ግዜ ህጻንነት

ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሽግር እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ይንገር። ልዕሊ ንቡር ግዝፊ ዘለዎም ዕሸላት ኣብ ዳሕራይ ዕድሚኦም ብዝተፈላለዩ ሕማማት ልብን ሕማም ሽኮርን ክጥቅዑ ዘለዎም ተኽእሎታት ብልዕሊ 50 ሚእታዊት ዝዓበየ ምዃኑ ድማ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

መጥበውቲ የቑሙ። ወዲ ሰብ ምስ’ዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ እንስሳታት ብብዙሕ መዳይ እዩ ዝመሳሰል። ኩሎም በቲ ምዕቡል ርእየት ማለት ‘ቪዥን’ ብዛዕባ ኣብ ኣከባቢኦም ዝርከቡ ነገራት ሓያል ሓበሬታ ይእክቡ። ደቂ ሰባትን ኤፕን ዝማዕበለ ስርዓተ መትንን ስልጡን ሓንጎልን ኣለዎም። ነዊሕን ተዓጻጻፍን ኣጻብዕቲ ድማ ይውንኑ። ንወዲ ሰብ ካብዞም ምድቡ ዝፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ደው ኢሉ ብኽልተ መሓውሩ ክኸይድ ስለ ዝኽእል እዩ። እዚ ክእለት’ዚ ክህልወካ ነዊሕን ድልዱልን መሓውር ክህልወካ ይግባእ። መቐመጫ ወዲ ሰብ ብተረርቲ ጭዋዳታት ዝቖመ ኮይኑ፡ ሰብነትና ንቕድሚት ገጹ ከም ዝድፋእ ብምግባር፡ ኣብ እንንቀሳቐሰሉ እዋን ኣቃውማና ይሕሉ። በንጻሩ ኤፕ ዝበዝሐ ህይወቱ ኣግራብ ኣብ ምሕኳርን ኣብ ምሕንባስን፡ በርባዕተ መሓውሩ ኣብ ምጕዓዝን እዩ ዘሕልፎ። ኣብ መቐመጭኡ ፈኮስቲ ጭዋዳታት እዩ ዘለዎ። ኣእዳዉ ድማ ካብ ኣእጋሩ ዝነውሑን ዝተረሩን እዮም። በዚ እዩ ድማ ደው ኢሉ ብዙሕ

ክኸይድ ዘይክእል።ሓንጎል ወዲ ሰብ ካብ ናይ ኤፕ ዝማዕበለን

ብኽልተ ዕጽፊ ዝዛየደን እዩ። ዕድመ ወዲ ሰብ ካብ ካልኦት ምድቡ ዝነውሐ እዩ። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዕድመ ወዲ ሰብ ልዕሊ 67 ዓመት ክግምገም እንከሎ፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ድማ ኣስታት 45 ዓመት ይበጽሕ። ዝበዝሑ ምስ ሰብ ዝምደቡ እንስሳታት ግና ትሕቲ’ዚ ገምጋም ዕድመ እዩ ዘለዎም።ወዲ ሰብ ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሓሉ ዕድመ

ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት እዩ። እዚ ዘገምታዊ ምዕባለ’ዚ እዩ ድማ ንወዲ ሰብ ሓንጎሉ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ ነገራት ብዝግባእ ከጽንዕን ክመሃረሉን ዝሕግዞ። ገለ እንስሳታት ፈኲስ ማለት ቀሊል ባህሊ

የማዕብሉ እዮም። ቺምፓንዚ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ብቕድሚኦም ካብ ዝነበሩ ብኸመይ መሳርሒታት ከም ዝሰርሑ ይመሃሩ። ገለ እንስሳታት ከም ኤፕን ህበይን

ፍሉይ ድምጺ ብምፍጣር ነንሕድሕዶም ይረዳድኡ። እዚ ይኹን’ምበር፡ ወዲ ሰብ ካብ ካልኦት እንስሳታት ዝፈልዮ ቋንቋ ምዃኑ ዘይምርሳዕ።

Page 9: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 9 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ኤርምያስ ገብረልዑል [email protected]

ደሃይ ሴካፋ ኤርትራ ምስ ሱዳንን ኡጋንዳን ነጥቢ ተማቒላ

ብቐዳም፡ ኣብ ካምፓላ ስታድዩም ፔስ ዎር ሜሞርያል ናይ ጉሉ ምስ ኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ

1ብ1 ዝተፈላልየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ትማሊ ድማ ምስ ሱዳን 3ብ3 ተፈላልያ። መዋእል ተስፋይ ኣብ ዓስራይ

ደቒቕ፡ ሮቤል ተኽለሚካኤል ከምኡ ድማ ዓሊ ሱሌማን ዘቑጸሩወን ሸቶታት፡ ኤርትራ ምስ ሱዳን ነጥቢ ክትማቐል ዘኽኣላ ነይረን።ብቐዳም፡ ልዑል ግምት ዝተወሃባ

ኣአንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ፡ ኣብ መበል 37 ደቒቕ ካብ ኢቫን ቦግረ ብዝረኸበታ ሸቶ ክትመርሕ ክኢላ ነይራ። ይኹን እምበር መዋእል

ተስፋይ ኣብ መበል 57 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ንመሪሕነት ናይታ ብደገፍታ ዝማሞቐት ጋንታ ገቲኡ።ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን

ኡጋንዳን ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት ኣብ ኣስመራ ኣብ ግጥም ፍጻመ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 20 ተራኺበን ምንባረን ይዝከር። ኤርትራ ዝስዕብ ጸወታኣ ምስ

ጅቡቲ እዩ።

መደብ ጸወታሎሚላ’ሊጋ

ሪያል ቫላዶሊድ - ግራንዳ 10፡00

ሪያል ቤትስ - ለቫንተ 9፡00ባርሴሎና - ቪያሪያል 10፡00

ሰረ’ኣሄላስ ቬሮና - ኡዲነዝ 8፡00ብሬስካ - ጁቬንቱስ 10፡00

ሊግ (ኢኤፍኤል) ካፕ ዓዲ እንግሊዝ

ኣርሰናል - ኖቲንግሃም ፎረስት 9፡45

ኮልቸስተር ዩናይትድ - ቶተንሃም 9፡45

ክራውሊ ታውን - ስቶክ 9፡45ሉቶን ታውን - ሌስተር ሲቲ

9፡45ፖርስ ማውዝ - ሳውዝሃምፕተን

9፡45ፕሪስተን ኖርዝ ኢንድ - ማን

ሲቲ 9፡45ሸፊልድ ወንስደይ - ኤቨርተን

9፡45ዋትፎርድ - ስዋንሲ 9፡45

‘እዚ ምዕራብ’፡ ቅነ ስፖርት ሓይልታት ምክልኻል የካይድ ኣሎንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል

ስፖርታውን ባህላውን ውድድራት ዝሓቘፈ ቅነ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዚ ምዕራብ፡ ብ21 መስከረም ኣብ ከተማ ባረንቱ ብምዕሩግ ስነ-ስርዓት ተጀሚሩ።እቲ ኣዛዚ ምዕራባዊ ግንባር ብሪጋደር

ጀነራል ተኽለ ክፍላይ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛን ሓላፊ መኮነን ጐስጓስን ሓበሬታን ሚኒስትሪ

ምክልኻል ኮሎኔል ሰለሙን ስዩምን ኣብ ዝተረኽቡሉ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዝተበገሰ ቅነ፡ ጉጅለ ባህሊ እዚ ምዕራብ ብዘቕረበቶ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ኣብ መንጎ ጋንታታት ዱታን ገልዓሎን ብዝተኻየደ ግጥም ኵዕሶ እግሪን ደሚቑ ነይሩ።ኣብ እዚ ምዕራብ ሓላፊ ስታፍ ጐስጓስን

ሓበሬታን ተለንተ ዳኒኤል ዮሴፍ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ባህላዊ ውድድራት

ወሲኹ ንሻሙናይ ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑን፡ ካብ ክልቲኡ ጾታ - 15 ጋንታታት ዝሳተፋኦ ውድድራት ኵዕሶ እግሪ፡ መርበብ፡ ኣትለቲክስን ጨመተ ተዅስን ከምዘጠቓልልን ገሊጹ።ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስፖርታዊ

ውድድራት፡ ጉጅለታት ባህሊ ኣሃዱታት ናይቲ እዚ፡ ኣብ ሙዚቃ፡ ትልሂት፡ ድርሰትን ድራማታትን ዘተኰረ ባህላዊ ቅነ ከካይዳ ምዃነን እውን ሓቢሩ።

ሓድሽ ጽንጽንታኸ እንታይ ኣሎ?+ ኣብ ውድድር ላ’ሊጋ ዳር ትርኢት

ትርኢ ዘላ ባርሴሎና፡ ንኣሰልጣኒኣ ቫልቨርደ ከተባርሮ ከምእትኽእል ይንገር ኣሎ። ብቐዳም ብግራናዳ 2ብ0 ዝተሳዕረት ባርሴሎና፡ ካብ ሓሙሽተ ጸወታታት ሸውዓተ ነጥቢ ጥራይ ብምውህላል ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ካብ ዘመዝገበቶ ውጽኢት እዚ ናይ ሎሚ ዘመን ዝተሓተ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። በዚ ድማ መንበር ቫልቨርደ፡ ብኻልእ ኣሰልጣኒ ክትካእ ከምዝኽእል ይንገር ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ንቐጠራዊት ክለብ ኣል ሳድ ዝዕልም ዘሎ ናይ ቅድም ኣከፋፋሊ ባርሴሎና ዣቪ፡ንቦታ ቫልቨርደ ክትክኡ ዝኽእሉ ዓለምቲ እናተባህለ ይጥቀስ። ንሱ እውን ትማሊ ኣማስያኡ፡ መዛኑኡ ንዝነበሩ ሊዮነል መሲ፡ ሉዊስ ስዋረዝን ሰርጆ ቡስኬትን ምዕላም ከምዘይብድሆ ብምዝራቡ፡ ናብ ኖ ካምፕ ናይ ምቕናዕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ይግለጽ።

+ ኣብ ክለብ ኢንተር ሚላን ኣንጸባራቒ ብቕዓት የርኢ ዘሎ ሮሜሉ ሉካኩ፡ ብኣሰልጣኒኡ ኣንቶንዮ ኮንተ ብፍሉይ ክንክን ከምዝካየደሉ ተዛሪቡ።

+ ሎሚ ምሸት ኣንጻር ጁቬንቱስ ዝስለፍ ኢጣልያዊ ኣጥቃዒ ክለብ ብሬስካ ማርዮ ባሎተሊ፡ ናብቲ ዝነበሮ ብቕዓት ንኽምለስ ልዕሊ ወርሒን ፈረቓን ጽዑቕ ልምምድ ከምዘካየደ ተዛሪቡ። ሎሚ ምሸት ሸቶ ንምምዝጋብ ናብ ሜዳ ከምዝወርድ ዝገለጸ ባሎተሊ፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ቦታ ንምርካብ፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ናይ ክለቡ ጸወታ ዝነኣድ ብቕዓት ከርኢ ከምዝጽዕር ተዛሪቡ።

+ ብሌስተር ሲቲ 2ብ1 ዝተሳዕረት ቶተንሃም፡ ንብቕዓት ናይ ክንፊ ተጻዋታይ ክለብ ፊዮረንቲና ሪካርዶ ሶቲል ንምዕዛብ ልኡኻታ ናብ ኢጣልያ ከምዝለኣኸት ተሓቢሩ። እዚ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢጣልያ ትሕቲ 21 ዓመት ዝኾነ ተጻዋታይ፡ ምስ ፊዮረንቲንና ጽቡቕ ናይ ጸወታ እዋን የሕልፍ ምህላዉ ይንገር።

+ ናፖሊ ኣብ የማናይ መስመር ምክልኻል ንዝጻወት ኤልሰይድ ኣይሳጅ ንተወሰኽቲ

ዓመታት ከተጽንሖ ሓድሽ ውዕል ከምዝቐረበትሉ ተሓቢሩ። እዚ ኣልባንያዊ ተጻዋታይ፡ ዝመጽእ ክረምቲ ኣብ ሕቑፊ ክለብ ቸልሲ ክኣቱ ከምዝኽእል መራኸቢ ብዙሃን የጋውሓ ነይረን።

+ ኣሰልጣኒ ኤቨርተን ማርኮ ሲልቫ፡ ንብቕዓት ዴንማርካዊ ኣጥቃዒ ክለብ ኣርቢ ሌፕዚግ - የሱፍ ፓውሊሰን ንምዕዛብ ልኡኻቱ ናብ ጀርመን ምልኣኹ ተሓቢሩ።

+ ብሰንበት ብዌስት ሃም 2ብ0 ዝተቐጽዐት ማን ዩናይትድ፡ መንበር ዓላሚኣ ኦሌ ጉናር ሶልሻየር ነቕ ነቕ ምባሉ ይፍለጥ። ኣሰልጣኒኣ ዝነበረ ሞሪኖ ከኣ ድሕሪ ናይ ብቕድሚ ትማሊ ስዕረት ንህሉው ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ሓጺር መግለጺ፡ “ዝኸፍአ ውጽኢት። ዝሓለፈ ታሕሳስ ካብዛ ጋንታ ክፋኖ እንከለኹ፡ ካብዚ ናይ ሎሚ ዝሓሸ ብቕዓት ነይሩዋ” ክብል ተዛሪቡ። ናይ ቅድም ኣከፋፋሊ ማን ዩናይትድ ሮይ ኪን ከኣ፡ “ዓባይ ጋንታ - ኣታዊን ወጻኢን ዝኾነ ብቕዓት ከተርኢ እንከላ ትሓዝን። ብዌስት ሃም ንዝወረዳ ስዕረት እሞ፡ ክዝክሮ ኣይደልን” ኢሉ።

** ** **

ባሎን ዲ ኦር ምስ ፊፋ ዘ ቤስት እንክነጻጸርውጽኢት ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ካብ

እኩብ ሓባራዊ ጻዕሪ ተጻወትቲ ዝርከብ እኳ እንተኾነ፡ ኪንዮ እቲ ናይ ጋንታ ዓወትን ስዕረትን፡ ዓመታዊ ውልቀ ተጻወትቲ ፍሉይ ሽልማት ሃረር ክብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ፡ ብሉጽ ሓላዊ ልዳት . . . ወዘተ ድማ ክጥቀስ ይከኣል። ይኹን እምበር፡ ኣብ ዓወት ውድድራት ሓንቲ ጋንታ ወይ እውን ክለብ፡ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበረ ተጻዋታይ፡ ዓመታዊ ዓቢ ሽልማት ክወሃብ ልሙድ ተርእዮ እዩ - ባሎን ዲ ኦር ከምኡ ድማ ሽልማት ፊፋ ዘ ቤስት እቲ ዝዓበየ ህያብ ናይዛ ፕላኔትና ምዃኑ ዳርጋ ኩሎም ናብ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ዝሰማምዑሉ እዩ።

ሓደ እዋን ብሓባር ዝወሃቡ ዝነበሩ ሽልማት ባሎን ዲ ኦርን ፊፋን እንታይ ፍልልይ ኣለዎም? ብመን ከ ይምወሉ? እንታይ ረቛሒታት የማልኡ?ፈረንሳዊት ናይ ጸወታ ኵዕሶ

እግሪ መጽሔት - ፍራንስ ፉትቦል ንሽልማት ባሎን ዲ ኦር እትህብ እያ። ብመንጽሩ፡ ሽልማት ዘ ቤስት ከኣ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ዓለም - ፊፋ - ይዕደል።ፍራንስ ፉትቦል፡ ካብ ጥሪ ክሳብ

ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ንዝካየዱ ጸወታታት ግምት ብምግባር ንውልቀ ተጻወትቲ ከወዳድር እንከሎ፡ ብሉጻት ንዝበሎም ከኣ ኣብ ታሕሳስ ሽልማት ይህብ። ፊፋ ከኣ፡ ካብ ክረምቲ ክሳብ ክረምቲ ንዘሎ ንጥፈታት ብምግምጋም

ንከዋኽብቲ ተጻወትቲ ኣብ ወርሒ መስከረም (ትማሊ ምሸት፡ ናይ 2019 ሽልማት ኣብ ሚላን ኣካዪዱ) ሽልማቶም ይዕድሎም።ባሎን ዲ ኦር፡ ኣብ ዝተፈላለየ

ኩርንዓት ዓለም ካብ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ብዝርከብ ድምጺ ንብሉጻት ተጻወትቲ ክሽልም እንከሎ፡ ፊፋ ከኣ ኣሰልጠንቲ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ኣሕሉቕ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ጋዜጠኛታት ከምኡ ድማ ደገፍቲ ንዝህቡዎ ድምጺ ምርኩስ ብምግባር ሽልማት ይዕድል።መጽሔት ፍራንስ ፉትቦል፡ ኣብ

ልግብጋብ ክሪስታል ዝተቐመጠት ኣዝያ ኣንጸባራቒት ዝኾነት ወርቃዊት ኵዕሶ ንዕዉት ሽልማት ባሎን ዲ ኦር እትወሃብ እያ። ብመንጽሩ፡

ካብ ፕላቲንየምን ካርቦንን ዝተሰርሐ ዋንጫ-መሰል ሽልማት ከኣ ፊፋ ንሽልማት ዘ ቤስት ዘበርክቶ ህያብ እዩ። ሽልማት ባሎን ዲ ኦር ኣብ 1956

ምሃብ ክጅመር እንከሎ፡ ዘ ቤስት ከኣ ኣብ 2017 ኣሃዱ ብምባል ንዕዉታት ዓመታዊ ክዕደል ጸኒሑን ኣሎን።ምስ ፊፋ ብጥምረት ክሰርሕ

ዝወሰነ መጽሔት ፍራንስ ፉትቦል ካብ 2010 ክሳብ 2015 ብሓባር ፊፋ ባሎን ዲ ኦር ዝብል ሽልማት ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ኣብ 2016 ሽልማት ‘ዘ ቤስት’ ዝብል ዘተኣታተወ ፊፋ፡ ምስ ፈረንሳዊት መጽሔት ዝነበሮ ዝምድና ብምቁራጽ፡ ነቲ ኣብ 1991 ዝጀመሮ ሽልማት ክቕጽሎ ክኢሉ ይርከብ።

Page 10: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 10 መበል 29 ዓመት ቁ.20

በይሉል ገብረሚካኤል - ፉርቱና ኤፍሬም

ናጽነት ደስበለ

VACANCY ANNOUNCEMENTThe Common Market for Eastern and Southern Africa (COMESA) invites qualified applicants for the following posts:-

S/N NAME OF VACANT

POST

GRADE NO. OFPOSTS

ACADEMICQUALIFICATIONS

PROFESSIONALEXPERIENCE

1. D i r e c t o r Trade and Customs

P5 1 A minimum of a master’s degree in international trade, commerce or business administration with adequate knowledge of monetary economics; with good communication skills and inter personal relations

10 years’ minimum experience in international trade and economic related areas with proven track record of management

2. D i r e c t o r I n d u s t r y and

Agriculture

P5 1 Post graduate degree in Economics, Social and Economic Law, MSc Development Studies or Business Administration

10 years’ experience in working on industrial and agricultural development with a strong private sector background in a leadership role

AGE: Candidate should not be more than fifty six years of age at the time of submitting their applicationWORKING LAUGUAGE REQUIREMENT FOR ALL APPLICANTS: Must be fluent in English, French or Arabic. A combination of any two or all of these languages will be an added advantage ELIGIBILITY FOR APPLICATION: Applicants must be citizens of COMESA Member StatesPLACE OF WORK: Lusaka, ZambiaCOMESA APPLICATION Form can be accessed at the COMESA website: http://www.comesa.int; all documents MUST be submitted electronically and also in hard copies to: Ministry of Trade and IndustryEmail: [email protected] Office No. 210CLOSING DATE OF APPLICATION: 10 days from the date of announcement

ኣብ ምፍራስ ዝርከብ ኤሪ - ሊብ ትካል ዕደና ናይ ብርኪ ማሕበር ዘገልገሉ ናይ ቤት ጽሕፈትን ገዛን ኣቕሑን ናውትን፡ ኮምፕዩተራት፡ ፕሪንተራት፡ ናይ ኮምፕዩተር መሳንይቲ ነገራት፡ቡሎተር ጎማታት፡ ቴንዳታት ከም ዘለውዎ ኣብ ዘለውዎ ዕጹው ጨረታ ከካይድ ስለዝደለየ ተጫረቲ ይዕድም። እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ንብረት ኣብ ደምበ ሰምበል (ቀጠልያ ህንጻ) ቤት ጽሕፈት ትካል ኤሪ - ሊብ ምልክታ ኣብ ጋዜጣ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ ክሳብ 11፡00 ቅ.ቀ ክርእዩ ይክኣል።

ነፍሲ ወከፍ ንብረት መለለይ ቁጽሪ (ታግ) ተዋሂቡዎ ስለዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ተጫራቲ እዞም ተዋሂቦም ዘለዉ መለለዩ ቁጽሪ ብምጥቃስ ሰታሪት ጨረታ ከረክብ ይሕተት።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ንወይዘሮ ኣይዳ መብራህቱ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07238448 ወይ 121135 ተወከሱ።

1. ምልክታ ጨረታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤሪትራ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት (ካብ 8፡00 ቅ.ቀ ክሳብ 5፡00 ድ.ቀ) ክፉት ይኸውን።

2. ሰታሪት ጨረታ ኣብ ትካል HLB Abraham lsaac and Company ሳልሳይ ደርቢ ህንጻ ራዛ፡ ጎደና ብድሆ ቁጽሪ ቴሌፎን 121132 ወይ 121135 ይቐርብ።

3. ጨረታ ኣብ መበል 15 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤሪ - ሊብ ደምበ ሰምበል ካልኣይ ደርቢ ቀጠልያ ህንጻ ተጫረትቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

4. ዕውታት ተጫረትቲ ብቴሌፎን ይሕበሩ፡ ብእኡ መሰረት ድማ ዘቕረብዎ ናይ ጨረታ ዋጋ ብcpo ከፊሎም፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ንብረቶም ይእክቡ።

5. ዕውት ኣብ ዝተባህሎ ጊዜ ከፊሉ ንብረቱ እንተዘይወሲዱ ናብ ተዓዋቲ ቁጽሪ 2 ይሰግር።

6. ሊኲደተር ነዚ ጨረታ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ዳግማይ ምልክታ ጨረታ

ምልክታኣቶ ብርሃን ጣህር ስዒድ ዝተበሃልኩ ነቲ ዞባ ማእከል ምም/ን/ዞባ ኣባሻውል

ዚፕ ኮድ 1A134 ፕሎት 12R ፓርሰል C ቁጽሪ ፓርሰል ASP00043145 ጎደና 134-12 ቁጽሪ ገዛ 40 ዝርከብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን ቤ/ጽ ካዳስተር ብመለለይ ቁ.ንብረት 1፡003887 ብዕለት 19/03/2019 ብስመይ ተመዝጊቡ ዋንነቱ ዝተረጋገጸለይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ገዛይ ስለ ዝሸጥክዎ ስም ዋንነት ናብ ስም ዓዳጊ ከመሓላልፎ ስለዝደለኹ ዝቃወም እንተሎ፡እዚ ምልክታ እዚ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝወጸሉ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ቤ/ጽ ካዳስተርን የቕርብ።

ኣቶ ብርሃን ጣህር ስዒድ

ምልክታብስም ህብትዝጊ ኣቶብርሃን ንጉሰ ዝተመዝገበ ብ ቁ.ፍ.ዋኒን

ASL00031572 ASL00019911 ዝኾነ ኣብ ዞባ ማእክል ን/ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ ጎደና ድግሳና ቁ.ገዛ 2 ዝርከብ ናይ ቤት ዕዮ ምቁር ሕብስትን ካፈን ትካለይ ንኣቶ ፋኑስ ግደ ሃይለሚካኤል ካብ ዕለት 01/01/2019 ክሳብ ዕለት 31/12/2020 ኣካርየዮ ስለዘለኹ ዝቃወም ምስ ዝህሉ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘሎዎ ቤት ፍርዲ ተቓውሞኡ የቕርብ። እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፍጸመሉ አፍልጥ።

ህብትዝጊ ኣቶብርሃን ንጉሰሕጋዊ ወኪል ሂወት ኣቶብርሃን ንጉሰ

ምልክታብስም ዶ/ር ዮውሃንስ ግደ ክንፈ ዝተመዝገበ ብቁ.ፍ.ዋኒን

ASL00031838 ዝኾነ ኣብ ዞባ ማእከል ን/ዞባ ኣኽርያ ጎደና 135-7 ቁ.ገዛ 20 ዝርከብ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቕሑት መሸጥን መጸገንን ትካለይ ንኣቶ ኣሚነ ስዮም ምራጭ ካብ ዕለት 01/08/2019 ክሳብ ዕለት 31/12/2022 ኣካርየዮ ስለዘለኹ ዝቃወም ምስ ዝህሉ እዚ ምልክታ እዚ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልቲ ስልጣን ንዘሎዎ ቤት ፍርዲ ተቓውሞኡ የቕርብ።፡ እንተዘይኮይኑ ዝቃወም ኣካል ከምዘየለ ተቖጺሩ እቲ ናይ ክራይ ውዕል ሕጋዊ ምዝገባ ከምዝፈጸመሉ አፍልጥ።

ዶ/ር ዮውሃንስ ግደ ክንፈሕጋዊ ወኪል ግደ ክንፈ ዕቕባገብርኤል

Page 11: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 11 መበል 29 ዓመት ቁ.20

ERITREA TEXTILE INDUSTRIES P.L.C.

Vacancy AnnouncementEritrea Textile Industries PLC is inviting interested applicants for the following position: Position name: - Senior AccountantNumber required: - OneAge: - 25 - 45 years’ old

Qualifications, Experience and Skills: -

Education - University Diploma or Degree in •Accounting.Working Experience - 4 years’ and above experience •as an Accountant. Experience in manufacturing enterprises will have an asset.Skills and abilities - Good skills of Computer •Microsoft offices. Excellent skills in Peachtree software. Good skill in preparing Financial statements, Good knowledge in Store Management and report writing. Written and verbal communication skills.

Requirements - Interested applicants are hereby invited to submit your hand-written application with the following required documents: -

Latest CV including Phone Numbers, copy of Eritrean 1. ID, copy of work experience or recommendation documents and copy of educational certificate,

National Service completed or exempted proof, 2.

Clearance paper from the current/last employer, 3.

NB. –Only short listed candidates will be called for an •interview,

Application documents will not be returned to the •sender,

Deadline for application: 10 days from the day of •publication in the Newspaper.

Place of Assignment: - AsmaraSalary: - NegotiableAddress: - Please mail your application to: ERITREA TEXTILE INDUSTRIES PLC, P. O. Box 314. Asmara, Eritrea. OR you can submit your application to our office Bada Avenue 746, No. 7/9 (Opposite to Expo Hotel) in working hours.

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ ሓ.ዝ.ብ.ት

ዓቢ ምጉዳል ዋጋ ኢንዱስትሪ ዓለባ ኤርትራ (ኢ.ዓ.ኤ.) ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን በዓል መስቀልን

እንዳበለ ከም ወትሩ ዓማዊሉ ንምሕጓስ ኣብ ፍርያቱ ክሳብ 50% ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበረ የበስር!

ፍርያትና ንሸጠሉ ቦታ፡

ኣብ ኣስመራ ፦ ኣብ ድኳን ትካልና ጎደና ተጋደልቲ ፊት እንዳ ኖራ

ኣብ መንደፈራ፦ ሩት ቡቲክ ጥቓ ጂራ ፍዮሪ

ኣብ ደቀምሓረ፦ ፎዝያ ቡቲክ ጥቃ ዕዳጋ

ሃየ ዝዕድል ተጠቐምሉ! ብዓይነት ፍርያትና፥ ምቑሉል ኣገልግሎትናን ርትዓዊ ዋጋን ክትዓግቡ ኢኹም!

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮውሃንስን መስቀልን!!! ቁ.ተሌፎን- 182967/186405 ኣስመራ

ብስራት ንወለዲ

ቤት ትምህርቲ ዕብየት (ሳራ) መውዓሊ ህጻናት ጥራይ ዝነበረ ተወሳኺ ስሩዕ ትምህርቲ ንመባእታ ተማሃሮ

ቀዳማይ (1) ክፍሊካልኣይ (2) ክፍሊሳልሳይ (3) ክፍሊ

ምዝገባ ጀሚርና ከም ዘለና ብሓጎስ ነበስር፡ ከምኡ’ውን ናይ ሰርቪስ ኣገልግሎት ኣለና።

ኣድራሻና፡ ከባቢ ስፐይስ መንበሪ ኣባይቲ ሸዊት ቴሌፎን 07138775 / 07207914

ካብ ቤት ትምህርቲ ሳራ (ዕብየት)

ምልክታወ/ሮ ለተርፍኤል ግደ ቀለታ ዝተበሃልኩ ዜጋ ኣብ ዞባ ማእከል

ምምሕዳር ጸጸራት ከባቢ ቤት መኻእ ብምስክር ወረቐት 111351 መወከሲ ቁ/134538 ብስም በዓል-ቤተይ ነፍስሄር ክብርኣብ ኣስፍሃ ቃሉ ዝተመዝገበ ሊብሬቶ ኦርጅናል ስነድ ስለዝጠፋኣኒ፡ ረኺበዮ ወይ ድማ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል ኣካል እንተድኣ ሃልዩ ብቁጽሪ ቴሌፎን 07204830 እንተዘይኮነ ግን ናይ’ዛ ጠፊኣትኒ ዘላ ሊብሬቶ መተካእታ ኦርጅናል ካብ ዝምልከቶ ኣካል ክሓትት ምኻነይ ብኣኽብሮት እሓትት።

ወ/ሮ ለተርፍኤል ግደ

ምልክታወ/ሮ ዑቕባማርያም ወልደማርያም ተስፋዝጊ ዝተበሃልኩ ኣብ ዞባ

ማእከል ን/ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ከባቢ ኣዲስ ኣለም ጎደና ሃገር ቁጽሪ ገዛ 14 ዝርከብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ካዳስተር ብመዝገብ ቁጽሪ 1፡001350 ብስመይ ዝተመዝገበ ስለዝጠፍኣኒ ረኺበ ዝብል እንተሃልዩ ብምባይል 07114125 ከፍልጠኒ ብትሕጃ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ኣለኩ ዝብል እንተሎ ከኣ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልታት ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ናይ መአገዲ ትእዛዝ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ካዳስተር እንተዘይቀሪቡ ቅዳሕ ናይ’ዚ ሰነድ ክሓትት ምኻነይ የፍልጥ።

ወ/ሮ ዑቕባማርያም ወልደማርያም ተስፋዝጊ

Page 12: ደቡብ - ጐዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዕዉት መደብ ...50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_eritra_24092019.pdfሓዳስ ኤርትራ መበል 29 ዓመት ቁ.20

ሓዳስ ኤርትራ 24 መስከረም 2019 - ገጽ 12 መበል 29 ዓመት ቁ.20

Sabur Printing ServicesSabur Printing Services

ፋርማሲ በራኺ

ተረኛ ፋርማሲ ጎደና ቁ.ስልኪ ዕለት

ፋርማሲ ቁ.1 መዓልታውን ለይታውን ኣገልግሎት ትህብ ቁ.ቴሌፎን 127565

24/09/2019 07147264ከባቢ ፊያታሌሮ ፊት ቶታል መዐደሊ ነዳዲ

ይቕጽል . . .

ምድራኽ ውሑስ፡ ጸንባሪን ዘላቒን ቁጠባዊ ዕብየት፣ እኹል፡ ኣፍራዪ ሽቕለትን ኣዕጋቢ ስራሕን ንኹሉ፣

ሰባት ነብሶምን ስድራቤቶምን ዝናብዩሉ ኣዕጋቢ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ክህልዎም፡ ሓደ ኣገዳሲ ኣካል ቁጠባዊ ዕብየት እዩ። እቲ ጽቡቕ ዜና፡ ብዓለም ደረጃ ማእከላይ ደርቢ ሕብረተሰብ እናዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ - ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ዳርጋ ብሰለስቲ ዕጽፊ ብምዕባይ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሓደ ሲሶ ክበጽሕ ክኢሉ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ዕድላት ሽቕለት ምስ ወሰኽ ዓያዪ ሓይሊ ይስጉም የለን። ከምኡ ክኸውን ኣይግባእን። ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ዋኒናት ዘተባብዕ ፖለሲታት ክንክተል ንኽእል ኢና። ግዱድ ዕዮ፡ ጊላነትን ንግዲ ደቂሰብን ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና። ኣብ 2030 ከኣ፡ ንኹሎም ደቂተባዕትዮን ደቀንስትዮን ቅቡል ስራሕ ናይ ምርግጋጽ ሸቶና ክንጭብጦ ንኽእል ኢና።

ምህናጽ ጸዋሪ ትሕተ-ቅርጺ፣ ምድራኽ ጸንባሪን ዘላቒን ኢንዱስትሪያውነት፣ ምሕያል መሃዝነት፣

ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለ፡ ነቶም ከም ምፍጣር ሽቕለትን ምምንጫው ጽሩይ ጸዓትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ግሎባዊ ግድላት ክንፈትሕ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት ዓለም ሓድሕድ እናተኣሳሰረትን ዝያዳ እናበልጸገትን እያ ትኸይድ ዘላ - ዕድመ ንኢንተርኔት። ዝያዳ እናተኣሳሰርና ብዝኸድና መጠን ድማ ካብ ልቦና፡ ፍልጠትን ኣበርክቶን ኣብ ዝኾነ ክፋል ናይዛ መሬት ዘለዉ ሰባት ዝያዳ እናረባሕና ኢና ንኸይድ። እዚ እናኾነ ግና ክሳብ ሕጂ 4 ቢልዮን ሰባት ኣብ መርበብ ኢንተርኔት ጽንቡራት ኣይኮኑን፣ ዝበዝሑ ካብኦም ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝርከቡ እዮም። ኣብ ምህዞን ትሕተ-ቅርጺን ዝያዳ ወፍሪ እናገበርና ብዝኸድና ኩልና ዝበለጸ ህይወት ኢና እንነብር። ነቲ ዘሎ ጋግ ናይ ዲጂታል ዓለም ምጽባብ፡ ቀጻልነት ዘለዎም ኢንዱስትሪታት ምትብባዕ፡ ኣብ ስነፍልጠታዊ ምርምርን ምህዞን ወፍሪ ምግባር፡ ዘላቒ ልምዓት ኣብ ምስላጥ ኣገደስቲ መገዲታት እዮም።

9 - መስንዕ፡ ምህዞን ትሕተ-ቅርጺን8 - ቅቡል ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን

ይቕጽል

ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት

8 ቅቡል ስራሕን ቁጠባዊ ዕብየትን

9 መሳንዕ፡ ምህዞን ትሕተ-ቅርጺን

UNITED NATIONS ERITREA

ብርሃነ ምሕረትኣብ

ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኢራን ተታሒዛ ዝጸንሐት ባንዴራ ብሪጣንያ ዝሰቐለት መርከብ፡ ናጻ ከምእተለቐቐት ቢቢሲ ሓቢሩ።እታ ‘ስቴና ኢምፔሮ’ ዝተሰምየት መርከብ

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ብመጻብቦ ሕርሙዝ

ብኢራን ተታሒዛ ዝጸንሐት መርከብ ተለቒቓ

ኣብ ኬንያ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ ዛጊት ሸውዓተ ተመሃሮ ከምዝሞቱን ሓያሎ ካልኦት ድማ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ምንጭታት’ታ ሃገር ሓቢሮም።እቲ ‘ፕረሽየስ ታለንት’ ዝስሙ ቤት

ትምህርቲ መባእታ ደረጃ፡ ትማሊ (ሰኑይ) ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ ኣትዮም እናተመሃሩ ሃንደበት ከምዝፈረሰን ሰባት ንምድሓኖም ይጓየዩ ከምዘለዉን ተሓቢሩ።ብፍርስራስ ጠዋሉ ዝተጸቕጡ ተመሃሮ

ብሓገዝ ነበርቲ ክድሕኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 60 ድማ ቈሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኬንያ ሓቢሩ።እቲ ብጣውላ ዝተሰርሐ ቤት ትምህርቲ፡

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብትሕቲኡ ዝሓልፍ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ድሕሪ ምህናጹ ክፈርስ ከምዝኸኣለ’ዩ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸስስ።

እቲ በዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ኬንያ ብቕልጡፍ ናብቲ ቦታ ዘይምብጽሖም ወለዲ ተመሃሮ መረረኦም ኣስሚዖም።እቲ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ

8 ሚእቲ ተመሃሮ ኣለውዎ።ዜጋታት ኬንያ፡ መንግስታውያን

ኣብያተ ትምህርቲ እናደኸማ ይመጻ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ንተመሃሮ ደቆም ኣብ ብሕታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ከመዝግቡ ከምዝመርጹ ይንገር። በዚ ድማ ኣብ 2014 ኣስታት 7 ሽሕ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ቍጽሪ ናብ ልዕሊ 16 ሽሕ ከምዝደየበ ወግዓውያን ጸብጻባት የመልክቱ።

ናይሮቢ - ቤት ትምህርቲ ብምፍራሱ ሸውዓተ ተመሃሮ ሞይቶም

እናሓለፈት ብሓይልታት ኢራን ተጨውያ ድሕሪ ምውሳዳ፡ እቲ ኩነታት ኣብ መንጎ ኢራንን ብሪጣንያን ወጥሪ ከምዘለዓዓለ ኣይርሳዕን።ኢራን ነታ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ

ሒዛታ ዝጸንሐት መርከብ ‘ስቴና ኢምፔሮ’ ዝለቐቐትሉ ምኽንያት ዛጊት ኣየፍለጠትን። እንተዀነ ቅድሚ ክልተ ቕነ ኣብ ጂብራልታር ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብብሪጣንያ ተታሒዛ ዝነበረት መርከባ (ግሬስ ሓደ) ድሕሪ ምፍታሓ፡ ብወገና ነዚ ናይ ምልቃቕ ስጉምቲ ወሲዳቶ ክትከውን ከምእትኽእል’ዩ ዝግለጽ። ኢራን ነታ ‘ሕግታት ጕዕዞ ባሕሪ ጥሒሳ’

ብምባል ሒዛታ ዝጸንሐት መርከብ ምስ 23 ሰራሕተኛታታን ምሉእ ጽዕነታን ናጻ ለቒቓታ ከምዘላን ንጕዕዞ ክትብገስ ከምእትኽእልን ሓቢራ።ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ‘ስቴና ኢምፔሮ’

ብሽወደናውያን ሰብ ርእሰ-ማል እትውነን መርከብ ከምዝዀነት’ዩ ዝግለጽ።

ልኡኽ ጣሊባን ምስ ቻይና ይዝቲ

ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር ናይ ደገ ሓልታት ዝዋጋእ ዘሎ ጉጅለ ጣሊባን ምስ ሰብ-መዚ ቻይና ንምዝርራብ በይጂንግ ኣትዮም።እቲ ብመስራቲ ናይቲ ጉጅለ ምዃኑ

ዝንገረሉ ሙላህ ባርዳር ዝምራሕ ብ9 ሓለፍቲ ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ጣሊባን፡ ኣብ ጉዳይ ጻዕርታት ሰላም ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ ምስ ቻይናውያን ሰበ-ስልጣን ከም ዝዘራረብ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ልኡኽ ጣሊባን ኣብ ጉዳይ

ጻዕሪታት ሰላም ንምዝርራብ ናብ ቻይና ዘቕንዕ ዘሎ፡ ድሕሪ’ቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ነቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ጣሊባንን ዝተኻየደ ዝርርባት ምስራዙ እዩ። እቲ ብትሽዓተ ሰባት ዝቘመ ልኡኽ ጣሊባን፡

ኣቐዲሙ ምስ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ኣብ ሞስኮ ሃናጺ ዝርርባት ከምዘካየደ እዩ ዝገልጽ።

ጣሊባን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብታ 18 ዓመታት ብውግእ ዝተሓመሰት ኣፍጋኒስታን ሰላም ከውርድ ተስፋ ዝተገብረሉ ዝርርብ ሰላም ብኣመሪካ ስለ ዝፈሸለ፡ ናይ ዝስዕብ ዕንወት ምሉእ ሓላፍነት ባዕላ ከምእትስከሞ ኣነጺሩ። ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚሩ ኣብ መንጎ

ሓለፍቲ ጣሊባንን ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ኣብ ዶውሓ - ቐጠር ክካየድ ዝጸንሐ ትሽዓተ ዙርያታት ዘተ ሰላም፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ከምእተዛዘመን፡ ንትግባረኡ ኽታም ፕረዚደንት ትራምፕ ጥራይ ተሪፉዎ ምጽንሑን ይፍለጥ።ይኹን እምበር ኣብዚ ቅንያት’ዚ ጣሊባን

ኣብ ካቡል መጥቃዕቲ ብምፍናው ሓደ ኣመሪካዊ ወተሃደር ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ንኣዋርሕ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ከምዝሰረዞ ይፍለጥ።

መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዋዕላ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሳተፉ

ኣስታት 60 መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዋዕላ ክሊማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምእተሰተፉ ኣልጀዚራ ሓቢራ።እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰባት ኣንጻር ክሊማዊ ለውጢ ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ተኸፊቱ።ዕላማ ናይቲ ዋዕላ ናብ ኣከባቢ ዝትፋእ

ዘሎ መጠን ካርቦን ንምጉዳል ዝሕግዝ ዕቱብ ስጉምቲ ንምውሳድን ኣብ ፓሪስ ዝተኸተመ ስምምዕ ክሊማ ንምትግባርን ምዃኑ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ግሎባዊ ዋዒ ንምቅላስ መራሕቲ ሃገራት ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ ንዝተኸተመ ስምምዓት ከተግብሩ ጸዊዑ። ኣብ ዓለም ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሰባት ብጉዳይ ክሊማዊ

ለውጢ ንመራሕቲ ሃገራት ተሓተትቲ ከምዝገብሩ ድማ ኣፍሊጡ።ኣብቲ ዋዕላ፡ መራሕቲ ጀርመን፡ ፈረንሳን

ህንዲን ዝርከቡዎም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት እኳ እንተተረኽቡ፡ መራሒ ናይታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ብከላ ተስዕብ ዘላ ኣመሪካ - ዶናልድ ትራምፕን ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ልዕሊ ጫካታት ኣማዞን ናይ ዝወረደ ባርዕ ዝውቀስ - ፕረዚደንት ብራዚል ጃይር ቦልሶናሮን ነብሶም ካብቲ ዋዕላ ኣግሊሎም ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ።