ጽሕፍቶ ስድራ ታደሰ - ጽሕፍቶ ኮይኑ ድዩ...

12
መበል 22 ዓመት ቁ. 246 04 ግንቦት 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ ገጽ 10 ምዕቃብ ማይን ሓመድን ገጽ 3 ጽሕፍቶ ስድራ ታደሰ - ጽሕፍቶ ኮይኑ ድዩ ክተርፍ! ገጽ 5 ተመርዓዊ ጥራይ ኣይትበሉኒ ገጽ 8 በዓል ወጻኢ ገጽ 4 ትማሊ። ጥርዚ ሓዘንን ቃንዛን 2013 ቀዳም ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ካልኣይ ዋዕላ ምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ሕቶ መንእሰያት፡ “ውሁድ ጻዕሪ መንእሰያት ንብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተቓኒዑ። ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ኢብራሂም ሓሰን ኣብ ዘቕረቦ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንጥፈታት ስራሕ፡ ንቕሓት መንእሰያት ንምብራኽን ሞያዊ ብቕዓት መንእሰያት ንምሕያልን ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን ኣሰተምህሮታትን ከምእተዋህበን ዝምስገን ውጽኢት ከምእተረኽቦን ኣረዲኡ። ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ንጠንቅን ሳዕቤናትን ብመንእሰያት ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን ከምኡ’ውን ኣብ ትምህርቲ ዝርአ ሸለልትነትን ድኻምን ብዝምልከት፡ ብሓላፊ ምክልኻል ገበን ዞባ ደቡብን ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይቲ ዞባን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ። ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሱልጣን ስዒድ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ገምጋም ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብቑዕን ኣድማዕን መንእሰይ ኣብ ምፍራይ ውህደት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ማሕበር ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም ዞባ ደቡብ፡ ካልኣይ ዋዕላ ምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ሕቶ መንእሰያት ተቓኒዑ ገብረክርስቶስ ብወገኑ፡ መንእሰያት ውዳቤኦም ኣሐዪሎም ሃገራዊ መደባት ንምዕዋትተራኦምከዕዝዙብምዝኽኻር፡ ብሞያን ፍልጠትን ከምኡ’ውን ብልዑል ንቕሓትን ሃገራውነትን ዝተሃንጸ መንእሰይ ወለዶ ንምዅስኳስ፡ መንግስቲ ከም ቀዳማይ ሃገራዊ ዕማም ወሲዱ ይነጥፈሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ። ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፡ ተራ መንግስትን ወለድን ኣብ ምእላይን ምዅስኳስን መንእሰያት ክሕይል፤ መንእሰያት ንቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣብ ረብሓኦምን ረብሓ ሃገሮምን ከውዕልዎ ምእንቲ ቀጻሊ ስልጠናታት ክወሃብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ከም ኣካል ናይቲ ጠንቂ ሓደጋታት ብምውጋድ ሳዕቤናቱ ንምክልኻል ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ን35 መምህራን ምምራሕ መኪና ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተሰነየ ስልጠና ሂቡ። ብ25 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ- ስርዓት ምምራቕ፡ ኣወሃህዲ ናይ’ቲ መደብ ኣቶ ኢሳይያስ ተኸስተ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ንሓደ ወርሕን ክልተ ቅነን ዝተዋህበ ስልጠና መቐጸልታ ናይ’ቲ ድሕነቱ ዝሓለወ ኣገባብ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ንምትእትታውንን ሓደጋታት ትራፊክን ሳዕቤናቱን ንምንካይን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምግታእ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ዓቢ ተራ ክህልዎ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ኣቶ ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ እቲ ስልጠና ኣብ መምርሒ ኣሽከርከርትን ትራፊካዊ ትምህርትን፤ ምዕባለ ብቕዓት ምቍጽጻር መኪና፤ ኣሰራርሓ ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን መምህራን ምምራሕ መኪና ኣሰልጢኑ ተሽከርከርቲ፤ መወከሲ መጽሓፍ ንተልመዴን ምምራሕ ተሽከርከርቲ፤ ኣዋጅ ቍጽሪ 154/2006ን ሕጋዊ ምልክታ 61/2000ን፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ረዲኤት ዘጠቓለለ ምንባሩ ኣረዲኡ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ስልጠና፡ ብቑዓትን ሓላፍነታውያንን መራሕቲ መካይን ብምፍራይ ሓደጋታት ንምውጋድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ቀሲሞምዎ ዘለዉ ትምህርቲ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክሞም ብምዃኑ፡ ድሕነት ትራፊክ ንምምዕባል እቲ ፍልጠት ብግቡእ ከመሓላልፍዎ ምዃኖም ኣረጋጊጹ። ኣብ 2005 ዝጀመረ ቤት-ትምህርቲ ስልጠና መምህራን ምምራሕ መኪና፡ ሕጂ ንሻድሻይ ግዜኡ ዘሰልጥን ዘሎ ኮይኑ፡ ዛጊት 285 መምህራን ምምራሕ መኪና ከምዘሰልጠነ ሰነዳቱ የመልክቱ።

Transcript of ጽሕፍቶ ስድራ ታደሰ - ጽሕፍቶ ኮይኑ ድዩ...

መበል 22 ዓመት ቁ. 246 04 ግንቦት 2013 ገጻት 12 ዋጋ 1.00 ናቕፋ

ገጽ 10ምዕቃብ ማይን ሓመድን

ገጽ 3ጽሕፍቶ ስድራ

ታደሰ - ጽሕፍቶ

ኮይኑ ድዩ ክተርፍ!

ገጽ 5ተመርዓዊ ጥራይ ኣይትበሉኒ ገጽ 8

በዓል ወጻኢ

ገጽ 4ትማሊ። ጥርዚ ሓዘንን ቃንዛን20

13

ቀዳም

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ካልኣይ ዋዕላ ምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ሕቶ መንእሰያት፡ “ውሁድ ጻዕሪ መንእሰያት ንብሩህ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተቓኒዑ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ኢብራሂም ሓሰን ኣብ ዘቕረቦ ናይ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንጥፈታት ስራሕ፡ ንቕሓት መንእሰያት ንምብራኽን ሞያዊ ብቕዓት መንእሰያት ንምሕያልን ዝተፈላለዩ ስልጠናታትን ኣሰተምህሮታትን ከምእተዋህበን ዝምስገን ውጽኢት ከምእተረኽቦን ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ንጠንቅን ሳዕቤናትን ብመንእሰያት ዝፍጸሙ ገበናትን በደላትን ከምኡ’ውን ኣብ ትምህርቲ ዝርአ ሸለልትነትን ድኻምን ብዝምልከት፡ ብሓላፊ ምክልኻል ገበን ዞባ ደቡብን ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይቲ ዞባን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቶ ሱልጣን ስዒድ ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ገምጋም ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብቑዕን ኣድማዕን መንእሰይ ኣብ ምፍራይ ውህደት ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ማሕበር ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍሬም

ዞባ ደቡብ፡ ካልኣይ ዋዕላ ምውህሃድ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ሕቶ መንእሰያት ተቓኒዑ

ገብረክርስቶስ ብወገኑ፡ መንእሰያት ውዳቤኦም ኣሐዪሎም ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ተራኦም ከዕዝዙ ብምዝኽኻር፡ ብሞያን ፍልጠትን ከምኡ’ውን

ብልዑል ንቕሓትን ሃገራውነትን ዝተሃንጸ መንእሰይ ወለዶ ንምዅስኳስ፡ መንግስቲ ከም ቀዳማይ ሃገራዊ ዕማም ወሲዱ ይነጥፈሉ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታ ዋዕለኛታት፡ ተራ መንግስትን ወለድን ኣብ ምእላይን ምዅስኳስን መንእሰያት ክሕይል፤ መንእሰያት ንቴክኖሎጂ ሓበሬታ

ኣብ ረብሓኦምን ረብሓ ሃገሮምን ከውዕልዎ ምእንቲ ቀጻሊ ስልጠናታት ክወሃብ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ከም ኣካል ናይቲ ጠንቂ ሓደጋታት ብምውጋድ ሳዕቤናቱ ንምክልኻል ዘካይዶ ጻዕሪ፡ ን35 መምህራን ምምራሕ መኪና ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝተሰነየ ስልጠና ሂቡ።

ብ25 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ኣወሃህዲ ናይ’ቲ መደብ ኣቶ ኢሳይያስ ተኸስተ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ንሓደ ወርሕን ክልተ ቅነን ዝተዋህበ ስልጠና መቐጸልታ ናይ’ቲ ድሕነቱ ዝሓለወ ኣገባብ ምምራሕ ተሽከርከርቲ ንምትእትታውንን ሓደጋታት ትራፊክን ሳዕቤናቱን ንምንካይን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምግታእ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ዓቢ ተራ ክህልዎ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ እቲ ስልጠና ኣብ መምርሒ ኣሽከርከርትን ትራፊካዊ ትምህርትን፤ ምዕባለ ብቕዓት ምቍጽጻር መኪና፤ ኣሰራርሓ

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን መራኸቢታትን መምህራን ምምራሕ መኪና ኣሰልጢኑ

ተሽከርከርቲ፤ መወከሲ መጽሓፍ ንተልመዴን ምምራሕ ተሽከርከርቲ፤ ኣዋጅ ቍጽሪ 154/2006ን ሕጋዊ ምልክታ 61/2000ን፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ረዲኤት ዘጠቓለለ ምንባሩ ኣረዲኡ። ወኪል ተመረቕቲ ብወገኑ፡

ዕላማ ናይ’ዚ ስልጠና፡ ብቑዓትን ሓላፍነታውያንን መራሕቲ መካይን ብምፍራይ ሓደጋታት ንምውጋድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ቀሲሞምዎ ዘለዉ ትምህርቲ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክሞም ብምዃኑ፡ ድሕነት ትራፊክ ንምምዕባል እቲ ፍልጠት ብግቡእ ከመሓላልፍዎ

ምዃኖም ኣረጋጊጹ።ኣብ 2005 ዝጀመረ ቤት-ትምህርቲ

ስልጠና መምህራን ምምራሕ መኪና፡ ሕጂ ንሻድሻይ ግዜኡ ዘሰልጥን ዘሎ ኮይኑ፡ ዛጊት 285 መምህራን ምምራሕ መኪና ከምዘሰልጠነ ሰነዳቱ የመልክቱ።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 2

\\\\\\\\\\\\\

ኣሰናዳኢ ሳምሶን ሃይለ

[email protected]ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢብንያም ፍስሃጽዮንቍ.ስ 201820(2214)

ፋክስ 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. [email protected]ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394 - 08204224ምልክታ

ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

መዓልታዊት ጋዜጣ

ኤደን ሃብትኣብነብያት ጸጋይ

ኤደን ገብረመድህንሰላማዊት ክብረኣብሳምራዊት መለስ

ለይ-ኣውት

09፡00 መደብ ህጻናት ሪምና09፡30 ምኽሪ ሞያውያን10፡20 ተኸታታሊት ፊልም ዒሳ11፡00 ዘተ ስፖርት11፡45 hot tracks12፡30 ዜና ብትግርኛ12፡50 ምስሊ ፕላኔት13፡30 ዜና ብዓረብ13፡45 ዕላል ጥበባት14፡20 ናትራን14፡55 ዶክተራት ኣብ ስቱድዮ17፡15 ኣልመለፍ ኣልእስቡዒ17፡50 ማእገር19፡00 ዜና ትግረ19፡15 ዳረት ቃና20፡00 ዜና ዓረብ20፡20 ፍሉይ መደብ ሙዚቃ21፡00 ዜና ብትግርኛ21፡30 ቃለ ቡራኬ ኣቡነ ዲዮስ ቆሮስ21፡35 ፍሉይ መደብ ሙዚቃ22፡15 ዜና ብእንግሊዝ22፡30 መደብ ሳህራ

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ መበል 22 ዓመት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ክተካይዶ ዝመደበት ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት ካብ 2 ግንቦት ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ክዝርጋሕ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ሕቶታት ክሳብ ጽባሕ ብተኸታታሊ ንሕትመት ክበቅዕ’ዩ። ኩሉኹም ኣብዚ ውድድር’ዚ እትሳተፉ ኣንበብቲ፡ መልስኹም ነቲ ብመልክዕ ምርጫ ዝወሃበኩም ፊደላት ኣብቲ ጋዜጣ ብምኽባብ ክትምልሱ ትሕተቱ። ናይ ኣርባዕቲኤን መዓልታት ሕታማት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 2ይ ገጽ ድማ ተጠርኒፉ፡ ኣብ ቡስጣ ተዓሺጉ፡ ብመገዲ’ዚ ስዒብና እንሕብረኩም ኣድራሻና ይለኣኽ። ኣብ ከባቢ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቡስጣ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ማርኬቲን ሚኒስትሪ ዜና ብኣካል እናቐረብኩም’ውን መልስታትኩም ከተረክቡ ከምእትኽእሉ ብተወሳኺ ንሕብር። ንዕዉታት ንእስ ዝበለት ተለቪዥን እትርከቦ ዝተፈላለየ ሽልማት ተዳልዩ ምህላዉ

እናገለጽና፡ መልስታትኩም ካብ 5 ግንቦት ክሳብ 22 ግንቦት 2013 ብመገዲ ቁጽሪ ሳንዱቕ ቡስጣ 247 ወይ ብኢመይል [email protected] ወይ ድማ [email protected] ኢልኩም ክትልእኩዎ ከምእትኽእሉ ነፍልጥ። ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ዝመጽእ መልሲ ቅቡል ከምዘይኮነ ግና ኣቐዲምና ንሕብር።

ሕቶታት ናጽነት9. “ኤርትራ፡ ኢቭን ዘ ስቶነስ ኣር በርኒን” (ERITREA፡ EVEN THE

STONES ARE BURNING) እትብል፡ ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ ብመን ተጻሒፋ?

ሀ. ቶማስ ኬናሊ ለ. ሮይ ፓትማንሐ. ባዚል ደቪድሰን መ. ኢለን ገብራይ

10. ኣብ ግዜ ረፈረንደም ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ “እወ ንናጽነት ኣድሚጹ?

ሀ. 99.805 ለ. 99.803 ሐ. 99.806 መ. 99.8

11. ካብዘን ዝስዕባ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከባ ቦታታት፡ ሰራዊት ወያነ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዝሃለቐላ’ያ

ሀ. ዓዲበጊዖ ለ. እምባታሪኻ ሐ. እምባሶይራ መ. ኩሉ መልሲ’ዩ

12. ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ባሕርታት እቲ ዝጸዓቐ ምንቅስቓስ መራኽብ ዝካየደሉ ባሕሪ

ሀ. ቀይሕ ባሕሪ ለ. ባሕሪ ካስፒያን ሐ. ቢጫ ባሕሪ መ. ማእከላይ (ሜዲተራንያን) ባሕሪ

ከም ኣካል ናይቲ ስድራ ስውኣት ንምሕጋዝ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝውሰድ ዘሎ ተበግሶታት፡ ተማሃሮ፡ መምህራንን ሰራሕተኛታትን 2ይ ደረጃ ቤት-ምህርቲ ሓላይ - ኣስመራ፡ 24 ሽሕ ናቕፋ ብምውጻእ ን4 ስድራ ስውኣት ንነፍሲ-ወከፎም 6000 ናቕፋ ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ምህርቲ መምህር ጊላይ ፍስሃጽዮን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ተበግሶ ብሰናይ ድልየት ተመሃሮ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2011/2012 ከምዝጀመረን ሎሚ ዓመት ንካልኣይ ግዜኡ ይትግበር ከምዘሎን ብምጥቃስ፡ እዚ ቅዱስ ዕላማ - ተማሃሮ ሕድሪ ሰማእታት ንምፍጻም ንዘለዎም ቅሩብነት ዘነጽር ብምዃኑ፡ ከም ባህሊ ኣብ ኩሎም ተማሃሮ ሰሪጹ ካልኦት ኣብያተ-ትምህርቲ ክኽተልኦ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

“ምሕጋዝ ስድራ ስውኣት ጾር ኩሉ ዜጋ’ዩ” ዝበሉ ተመሃሮ ስዒድ ዓብደልቓድርን ልዋም ንጉሰን ብግደኦም፡ እቲ ሓገዝ ንሕልናኦም ዘቕስን ተበግሶ’ምበር ምስ ሞሳ ሰማእታት ዝዳረግ ከምዘይኮነ ብምሕባር፡ ንመጻኢ ብዝበለጸ ከምዝቕጽልዎ ቃል ኣትዮም።

ሓገዝ ካብ ዝተገብረሎም ስድራ-ስውኣት ኣቶ ጎይቶኦም ተስፋጋብርን ኣቶ ሃይለ ደባስን፡ ማዕረ-ማዕረቲ መንግስቲ ዝገብረሎም ዘሎ ቀጻሊ ኣልያን ናብዮትን፡ ህዝቢ’ውን ብወገኑ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ከምዝደጋገፎም ብምግላጽ፡ ንተበግሶ ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ኣመስጊኖም።

ማሕበረሰብ ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ንስድራ ስውኣት ሓጊዙ

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ሓላፊት ማሕበራዊ ውሕስነት ስድራ-ስውኣት ወይዘሮ ኣኽበረት ኣዛርያ ብግደኣ፡ ተመሃሮን መምህራንን ቤት-ትምህርቲ ሓላይ ጉዳይ ምንባይ ስድራ ስውኣት ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ከምዝኾነ

ተረዲኦም ንዝጀመርዎ ሰናይ ተበግሶ ብምንኣድ፡ እቶም ተማሃሮ ነዚ ሓሳብ’ዚ ምትግባሮም፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰማእታቱ ንዘለዎ ክብርን ሕድሮም ኣብ ምትግባር ዘለዎ ሓላፍነትን ዘነጽር ስለዝኾነ፡ ብካልኦት ኣብያተ-ትምህርቲ ክስዓብ ተላብያ።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 3

ገብሩ ክብረኣብ

ጽሕፍቶ ስድራ ታደሰ - ጽሕፍቶ ኮይኑ ድዩ ክተርፍ!እቲ እዋን ቡሹ ዝተባህለ ሓለቓ

ወተሃደራት ጸላኢ ዝተቐትለሉ ነበረ። ቡሹ ሓደ ካብቶም ህዝቢ ኣስመራ ንምብስባስ ዝዓጠቑ ኣረሜናት’ዩ ነይሩ። ብሰንኩ ክንደይ ሰላማዊ ሰብ ተጋፊዑ፡ ተሓይዪሩን ብዘሰቕቕ ኣገባብ ተቐቲሉን…ክንደይ…!!! ግፍዒ ዒቕ ዝበሎ ህዝቢ ድማ ምስ ሓፋሽ ውዱባት ደቁ ብምምካር ቡሹ ተዋሪዱ ንኽቕተል ነጠፈ። ድሕሪ ሞት ቡሹ ጭፍራታቱ ሕነኡ ከሕውዩ ሆ… እናበሉ ጨደሩ። ብዙሕ ቅትለትን ካልእ ግፍዒታትን ድማ ፈጸሙ። ኣብቲ እዋን ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ጐበዝ ዝነበረ ታደሰን መንእሰያት ብጾቱን ነቲ ኣብ ጐደና ዝተፈጸመ ቅትለትን ግፍዒታትን ብዝርኣዩ ኣስካሕክሑን ሓረኑን። ከይወዓሉ ከይሓደሩ ድማ ነቐሉ - ሕነ ንጹሃን ንምፍዳይን ናጽነት ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ቃልሲ እጃሞም ንምብርካትን።“ኣነን ብጾተይን ብዓንተቦኡ’ውን

ውዱባት ነበርና። ሓፋሽ ውዱባት ኴንና ፓምፍለት ዘርጋሕና። ሃገራዊ ስምዒት ዝቐሳቕስ ዘረባታት ኣጋዋሕና። ድሕሪ ሞት ቡሹ ዕግርግርን ግፍዕን ምስ በዝሐ ግን ንሃገራዊ ስምዒትና ምጻር ሰኣንናዮ። ንሜዳ ምስላፍ ዝሓሸ መሰለና ራብዓይ

ርእሰይ ድማ ወጻእና”ታደሰን ብጾቱን ብግዜ ለይቲ ካብ

ኣስመራ ወጹ። ብዝግብ ኣቢሎም ደቀምሓረ ሓደሩ። እቲ እዋን መጀመርታ ሰብዓታት’ዩ። ፈቐዶኡ ከበድቲ ውግኣት ይካየድ ነበረ። ደብዳብ ነፈርቲ ጸላኢ ደቃቕ’ውን እንተኾነ ኣየቋርጽን ነበረ። ብኡ ዝኣክል ጕዕዞ ታደሰን ብጾቱን ብለይቲ’ዩ ነይሩ። ነዊሕ ተጓዒዞም ሓውሲ ከተማ ማይ ዓይኒ ብዝኣተዉ ድማ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተቐበለቶም።ታደሰ ኣብ ንጡፍ ሃገራዊ ቃልሲ

ሰለስተ ዓመታት ምስ ኣቑጸረ ጸጋ መሓሪ ምስ ዝተባህለት ዜጋ ተመርዓወ። ካብቶም ሸውዓተ ውሉዱ ነቶም ክልተ ሜዳ ኸሎ’ዩ ወሊድዎም። ተጋዳላይ ታደሰ ኣብ ብዙሓት ከበድቲ ውግኣት ተሳቲፉ። ብዙሕ ግዜ ተወጊኡ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሕንክስ ዘብሎ ናይ ዓንዲ ሕቖ ስንክልና’ውን ኣሎዎ። “ኣብ ገድሊ ሞት ኣብ ቕድመኻ ኣሎ። ስንክልና ኣብ ቕድመኻ ኣሎ። እቲ ፍቕሪ ግን ንኹሉ ጥዑም ይገብሮ።” ታደሰ ንውግኣት ማይ ዕዳጋ፡ ሰገነይቲ፡ ጾሮናን ዓዲዃላን ብፍሉይ ይዝክሮም። ተጋዳላይ ታደሰ ኣብ 1987 ምስ

ምብትታን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰለፈ። ንቓልሲ ዝነበሮ ሞራል ድማ ክብ በለ። ንዓለም ሕልሚ ዝመስላ ዝነበረ ናጽነት ኤርትራ ምስ ተጋህደ፡ ተጋዳላይ ታደሰ ሃንቀውታኡ ህያው ኰይኑ ቀሰነ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ ሓድሽ ዓዲ

ተወሊዱ ዝዓበየ፡ ታደሰ ቀንዲ ሞያኡ ኤለትሪሻን ነበረ። ድሕሪ ናጽነት ድማ ብሞያኡ ምስ ኣሃዱ ክፍለሰራዊት 61 ብምዃን ንልምዓት ሃገር ወፈረ። ኣብ 1998 ብዶብ ዝተሳበበ ወራር ወያነ ምስ ሰዓበ ካብ ስድራኡ ዝኸተተ ተጋዳላይ ታደሰ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ፈለማ ሰማንያታት ዝተወልደ ቦኽሪ ወዱ ሰመረ’ውን ዓጠቐ - ብደም ጀጋኑ ዝተረኽበ ናጽነት ንኽዕቀብ። ሰመረ ኣብ ሜዳ’ዩ ተወሊዱ። ምስ እንዳ ህዝቢ እናተቐመጠ ድማ ክሳብ ሻውዓይ ክፍሊ ተማህረ። ድሕሪ ናጽነት ኣካዳምያዊ ትምህርቱ ቀጸለ። ኣብ ትምህርቱ ብሉጽ ዲሲፕሊንን መንፈዓትን የርኢ ብምንባሩ’ውን ናብ ደረጃ ዩኒቨርሲቲ ክበጽሕ ኣይኣገሞን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስነፍልጠት ባሕሪ ኣጽነዐ። ኣብ 1999 ድማ ተመረቐ።ወራር ወያነ ጀሚሩ ክሳብ

ዝኸትት’ውን ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ክዓዪ ጸንሐ። “ሰመረ ወደይን ብጾቱን ኣብ ሳልሳይ

ወራር ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ዓስኪሮም ነበሩ። ሓደ ንግሆ ኣሃዱኦም ቀረብ ንኸምጽኡ ለኣኸቶም - ብመኪና። ኣብ ኣጋ ምምላሶም መኪናኦም ኣብ ኪሻፋ ጸላኢ ኣተወት’ሞ ተሃርመት፡” ክብል ይጸዊ ብዛዕባ መውጋእቲ ወዱ እንክዝክር። ሰመረ ድሕሪ መውጋእቱ ንሕክምና ናብ ጀንገረን ተላእከ። ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝኣክል’ውን ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ተገብረሉ። ጥዕናዊ ጸገሙ እናበኣሰ ብዝመጸ ከኣ ካብ ውትህድርና ተፋነወ።ሰመረ ካብ ውትህድርና ምስ ተፋነወ

ኣቐዲሙ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ክዓዪ ጀመረ። ንኣዋርሕ ግቡእ ዕዮኡ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ግን ሃንደበት ብሕማም ርእሲ ተጠቕዐ። ሕማሙ እናበኣሰ ብዝኸደ ድማ ናብ ስድራኡ ኣምረሐ - ናብ ኣስመራ። ዝወረዶ ሕማም ግን ኣይተመሓየሸን። ኣእምሮኡ ክሳብ ዝስሕት’ኳ ደኣ ገደዶ። “ሰመረ ወደይ ሃንደበት’ዩ ብናይ

ኣእምሮ ሕማም ዝተጠቕዐ። ቦኽሪ ወደይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ንቡር ክርሕቕ ምስ ረኣኹ ዝብሎ ጠፈኣኒ። ኣደኡ’ሞ ኸኣ ጨርቃ ደርበየት።” ኣዒንቲ ታደሰ ንብዓት ዓቖራ።ተማሂሩ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ

ዝነበረ ሰመረ ደረጃኡ ኣመሓይሹ መነባብሮ’ታ ስድራ ከበርኽ ትጽቢት

ነበረ። ቦኽሪ ገዛ ብምንባሩ ድማ ልዑል ሃንቀውታ ገዲፉ። በዚ ዝኣክል ወላዲቱ ወይዘሮ ጸጋ መሓሪ ብሕማም ወዳ ብዙሕ ሰንበደትን ጐሃየትን። ንኽትከናኸኖ’ውን ብዙሕ ሃለኸት።

ሕማም ሰመረ ነታ ስድራ ብሓፈሻ ኣብ ሃልኪ ጸመዳ። ሰመረ ህዱእን ዘይጓዳእን ብምንባሩ ግን እታ ስድራ ቅሩብ ትንፋስ ነይሩዋ። “ሰመረ ወደይ ካብ ቈልዕነቱ’ውን

እንተኾነ ኢድካ ኣብ ኣፉ ኣእቲኻሉ ዘይናኸስ - መስኪን’ዩ ነይሩ። ምስ ሓመመ’ውን ጠባዩ ኣይገደፈን። ምሉእ መዓልቲ ብስቕታ ተዋሒጡ’ዩ ዝውዕል። ሒዝናዮ ክንውዕል ስለዘይንኽእል ደኣ ገለ ናይ ሽጋራን ካልእን ወልፍታት ለሚዱ እምበሪ..” ወለዲ ታደሰ ዝሓመመ ወዶም ክሓውየሉ ዝኽእል መንገዲታት ፈተኑ። ንሕክምና ድማ ከዱ። ማይጨሎት’ውን ተሓጽቡ። ለውጢ ግን ኣይተረኽበን። እታ ስድራ ኣብ ከምዚ ኩነታት ከላ’ዩ ድማ ተደራቢ ጾር ዝተጻዕና።“ናይ ሰመረ ወደይ ‘ንፈጣሪ

ኣይትሕምመኒ ዘይኰነሲ ኣሕውየኒ ኢኻ ትብሎ’ ኢልና ክንቅበሎ ምስ ተቐረብና፡ ካብኡ ዝኸፈአ ሕማም ኣለክሳንደር ስዒቡ። ኣለክሳንደር ምንኣስ ምንኣሱ’ዩ ንሰመረ። ገለ’ኳ ምልክት ርኢናሉ ዘይንፈልጥ ሃንደበት ‘ርእሰይ!’ በለ። ሰዓታት ከይተቖጽረ ድማ ከምዛ ጽሉል እናዘለለን እናህተፍተፈን መጺኡና” እተን ኣቐዲመን ንብዓት ዝዓቖራ ኣዒንቲ ታደሰ ንዘስረባኦ ከርግፍኦ ዝደለያ መሰላ። ስምዒታቱ ክቈጻጸር ንገለ እዋን ብስቕታ ሓለፈን። ክህውኾ ኣይደለኹን። ጸኒሑ ግን ቀጸለለይ። “ውላድ ሕሱም’ዩ። ኣለክሳንደር ተጸሊሉ ተባህለ። ብኣዒንትና’ውን

ረኣና። ኣነን ኣደኡን ግን ክንኣምን ኣይከኣልናን። ሕማቕ ሕልሚ ደኣ እንተኾነ እምበር፡ ክሳብ ዝብል’የ ኰይነ። ኣደኡ’ሞ ክትጸሮ ኣገማ። ብናይ ቦኽሪ ወዳ እምብዛ ጉህያን

ሓሚማን ብምንባራ ናይ ኣለክሳንደር ምስ ተወሰኻ ዓራት ሓዘት። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ዓረፈት።”ድሕሪ ሞት በዓልቲ ኪዳኑ ጾር

ስድራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ እንግዳዑ ወደቐ - ንታደሰ። ክንዲ ሰብ ኣኺሎም ክሕግዝዎ ተስፋ ዘንበረሎም ክልተ ዓበይቲ ደቁ ብሕማም ኣእምሮ ማሲኖም’ዮም። እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ገና ነኣሽቱን ተመሃሮን’ዮም ዘለዉ። ታደሰ ኣብ መፋርቕ 2010 ብጥዕናዊ ምኽንያት ካብ ንጡፍ ሰራዊት’ኳ እንተተጣየሰ ደቁ ክጥውር ግን ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ’ዩ ዝርከብ። “ጽዒርካ ምንባር መኣስ ይጽላእ።

መንብሮና ሓርኮትኮት እንዳኣሉ። ግዳስ ክልተ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ኣጓብዝ ምእላይ ክንደይ ከቢድ መስለካ! ብሕልፊ ኣለክሳንደር ወደይ ውዑይ’ዩ። ይበኣስ፡ ይተሃራረም፡ ክንደይ ሳዕ ዘይሓነቐና። ፈቐዶኡ ስለዝኸዱ ድማ ንምእላዮም ከቢድ’ዩ - ብሓቂ ከቢድ።” ታደሰ እዚ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሽግር ሰሪሑ ንኽኣቱ ዝኸበደ ሽግር ስለዝፈጠረሉ ናብራ ምጻሩ ስኢኑዎ ተወዲኡዎ ኣሎ። “ክልተ ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎም ኣጉባዝ ሓቚፍካ፡ በዓልቲ ቤትካ ብሞት ተፈልያትካ፡ ተማሃሮ ቈልዑ ሒዝካ፡ ነዛ ንቐለብካ ዝኸውን ገንዘብ’ኳ ኣብ ዘይትረኽበሉ ኩስቱር ምድሪቤት፡ እሞ ድማ ኣብ ገዛ ክራይ ምንባር መቸም እንድዒ . . .!” ክብል ታደሰ ዘረባኡ ከይወድአ ንብዓት ጥሪቕ ኣበለ - ብዙሕ ትርጉም ዝህብ ጥሪቕታ!

ታደሰ ምስ በዓልቲ ቤቱ

ሰመረን ኣለክሳንደርን - ደቂ ታደሰ

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 4

ሱራፌል ተ/ብሩኽ

ሞባይለይ ሽዋሕ ዝብል ድምጺ ምስ ኣስመዓትኒ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከም ዝመጽኣኒ ፈሊጠ፣ ክልተ ኢደይ ሓርጭ መሊኡ ይለውስ ስለ ዝነበርኩ ግን ከም ዘላቶ ክትጸንሕ ነይርዋ፣ ለዊሰ ምስ ወዳእኩ ክርእያ ኢለ ኣልዒለያ፣ ካብ ፍትወይ ምዃና ምስ ረኣኹ ድኻመይ በየን በሪሩ ኣይፈለጥኩን - ከም ቈልዓ ዘሊለ፣ ምስታ ተወሊዓ ዝነበረት ዘይፈልጣ ደርፊ ሳዕሲዐ፣ መን ይርእየኒ ኣሎ’ኳ ኣይበልኩን፣ ኣብቲ መንበር ኮፍ ኢለ ነዊሕ ነቢዐ፣ ናይ ሓጐስ ድዩ ናፍቖት ዘይርደኣኒ ንብዓት፣ ንብዓተይ ኣንቂጸ ናብ ሳሎን ኣትየ ኮፍ ኢለ፣ ማማ ኣብ ፊተይ ኰይና ቀው ኢላ ትጥምተኒ ነይራ፣ ገጸይ ደበና ከም ዝጸዓነ ሰማይ ዘጢጡ። ኣጣምታይ ሃሲሱ። ኣብራኸይ ኣብ ሳሎን ሰቒለ። ብምስሊ ፍትወይ ስምዒተይ ክቀያየር ኣደይ ትርእየኒ ነይራ፣ መደንገጽ ኰይነ፣ ከብዳ ግምጥል ኢሉዋ፤ ነብሳ ምግባር ኣብዩዋ መጺኣትኒ፣ “እዋይ ጓለይ!” ኢላ ኢዳ ኣሕሊፋ ናብ ደረታ ምስ ኣጥበቐትኒ ኣይከኣልኩን፣ ከም ብሓድሽ ንብዓተይ ክዕየዮ፣ “እዋይ ጓለይ!” እናበለት ከም ቈልዓ ክትረርወኒ እንከላ ምስ ነብሲ-ወከፍ ነነው…ነነው… ዘይውዳእ ፍቕሪን ሓልዮትን ኣደይ። በቲ ሓደ ከኣ ከርተት ናይ ፍቕረይ ይረኣየኒ ነይሩ፣ ኵሉ ብማዕረ ስምዒተይ ጽቡቕ ገይሩ ይወግኣኒ ስለ ዝነበረ ነብሰይ ክእብዳ ኣይከኣልኩን፣ ማማ ብዛዕባ ናይ ዕርክነት ህይወተይ ኣዕሊለያ ኣይፈልጥን’የ፣ ስለምንታይ ነቢዐ ክትሓተኒ ምዃና ክዝክር’ኳ ኣይከኣልኩን፣ እኽልቲ ጓል ከም ቈልዓ እናረረወትንን ርእሰይ እናሓኸኸትን ኣደቂሳትኒ፣ ኣብዚ ዕድመ ከምዚኣ ዕድል ዝረኸበ ከቶ የለን፣ ማማ ተቓላሲትን ፈቃርን ኣደ’ያ፣ ናይ በረኻን ናይ ናብራን ቃልሲ ተበራርዩ ክሳብ ሕጂ ኣይበለየላን፣ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ካብቲ ህልም ዝበለ

ድቃስ ክትስእ እንከለኹ ኣብ ዓራተይ’የ ነይረ፣ እንታይ ኰይነ ክሳዕ ክንድኡ ሰኒፈ ኢለ ኣሕሲቡኒ፣ ገጸይ ዝሕልሕል ምስ በለኒ’የ መተረኣሰይ ጠልቂዩ ምህላው ርእየዮ፣ ንብዓት ድዩ እንድዒ፣ መተረኣሰይ ገምጢለ መሊሰ ተጋደምኩ፣ ዓመት ምሉእ ተፈላሊና ክነስና ከምዚ ብርቱዕ ስምዒት መጺኡኒ ኣይፈልጥን፣ ደሃዩ በዛ ናይ ዓቢ ሓው ሞባይል’የ ዝረክብ፣ ንሱ ኣብ ነዊሕ ከይዱ ስለ ዝርእዮ ሓጺር መልእኽቲ ይጽሕፈለይ፣ እዛ ናይ ሕጂ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ዝመጽኣትኒ’ያ፣ ነዊሑኒ ድዩ ክንድኡ ተኻኢለ? ምዃን ከኣ ኣነ መተንፈሲ የብለይን፣ መልእኽቱ ተቐቢለ ጥራይ’የ ትም ዝብል፣ ሓዉ ኣብ ዝመጽኣሉ ከኣ ጽቡቕ ከም ዘሎ ደዊሉ የዕልለኒ፣ ምስ ሓዉ ገና ብኣካል ኣይተፋለጥናን፣ ብተለፎን ጥራይ’ዩ፣ ፍትወይ’ኳ እታ ዘላቶ ንሓውን ንብጾቱን ኣዕሊሉ ይፎዅሰሉ ይኸውን፣ ኣነ ግን ንመን የካፍሎ። መን ይማቐለለይ፣ ማማ፡ ማዕጾ ቀስ ገይራ ክትከፍቶ እንከላ

ረኣኹዋ፣ እዘን ዝደቀስኩወን ይውሓዳ ይብዝሓ ንዓኣ ብሻቕሎት ናብ ዓመታት ከም ዝተመጠጥኣ ተረድኣኒ’ሞ ብድድ በልኩ፣ ካልኣ ዘይኣኽላ! ተወሳኺ ክዀና ኣይደልን እየ፣ ድሮ ተንሲአ ዓራተይ ኣመዓራረኹ፣ “ጽቡቕ’ዶ ደቂስኪ ሓቀይ!” በለትኒ፣ ልበይ ፍስሃ መልአሞ ፍሽኽ በልኩ፣ “ኣንጺፍኪዮ በሊ ንዒ!” ኢላትኒ ናብ ሳሎን ገጻ ከደት፣ መብዛሕታኡ ግዜ ኣፋ ብጽቡቕ ዘረባ’ዩ ዝጅምር፣ ሓቀይ

ድማ’የ “ወለላይ” ክብላ፣ “ደሓን’ዶ ኴንኪ?” ክትብለኒን “ጽቡቕ’ዶ ደቂስኪ?” ክትብለኒን ንዓይ ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ፣ “ደሓን’ዶ ኴንኪ?” ነቲ ዘይደሓነይ’ዩ ከዘክረኒ፣ ጽቡቕ ድቃስ ግን ንዕረፍቲ። ቅሳነት። ሓድሽ ንቕሎ። ወጋሕታ። ሓድሽ ገጽ። ትግሃትን ብርትዐን’ዩ ከዘክረኒ፣ ወለላ ኣፋ። ኵሉ ሳዕ ንልበይ ፍስሃ ምስ መልኦ’ዩ፣ ናብ ሳሎን ምስ ከድኩ ገዛ ጽቡቕ ገይሩ ተላዒሉ። ሰቲ ተነስኒሱ። ኣብታ ጣውላ ከኣ ናተይን ናይ ማማን ጽብቕቲ ስእሊ። ኣቝሑት ቡን ምስ ዕምባባኡ ተቐሪቡ ነይሩ፣ ሰላሕ ኢለ ተመሊሰ ነብሰይ ተሓጺበ ተመሊሰያ፣ ተመሲሕና ናብዛ ቡንና፣ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ዝገበርኩዎ

መስሓቕን ዘምጻእኩዎ ጽቡቕ ዕድል ኣዕሊላትኒ፣ ዝበዝሐ በብግዜኡ ኣብ ዳየረይ ኣስፊረዮ’የ፣ ከም ሓድሽ ከኣ ኣስሒቑና፣ ተረጋጊአ ምስ ረኣየትኒ። “መሓዙትኪ በብምኽንያተን ምስ ረሓቓ ከም ዝጽምወኪ እፈልጥ’የ፣ ርኣይያ’ሞ እዛ ህይወትና። ካብዚኣ ትምቅር የላን፣ ንሕና ካብ ሰብና ኣጸቢቕና ንሓይሽ፤ ምኽንያቱ ክልተ ጸጋ ኣለና፣ ፍቕሪ ኣለና። ዝብላዕ ከኣ ኣይሰኣናን፣ ኣነን ንስኺን ተፈላሊና እንታይ ኢና ክንከውን እስከ ሕሰቢ?” ክሓስብ ግዜ ከም ዝሃበትኒ ትም በለት፣ እዚ ዘሕስብ የብሉን፣ ሓቃ’ያ ናፍቖት መሓዙተይ ኣለኒ፣ እታ ሓንቲ ስድራኣ ኣመርዕዮማ። እታ ሓንቲ ዓዲ ኵልና ከይዳ። እታ ሓንቲ ስደት ከይዳ። እታ ሓንቲ ዘላ ከኣ ምሉእ መዓልቲ ድኳን ስለ እትውዕል ከም ድላይና ክንራኸብ ኣይንኽእልን ኢና፣ እንተወሓድና ሰለስተ ካባና ምሉእ መዓልቲ ብሓደ ንውዕል ነይርና፣ ምስ ሞት ዳናይት ግን ኵሉ ነገርና ጠፊኡ፣ ፋሕፋሕ ኢልና፣ ክንራኸብ እንከለና ይጽምወና፣ ከይፈተና ዳናይት ዘኪርና ንበኪ፣ እንተዘይተራኸብና ይሕሸና፣ ሓዘን ድሕሪ ምዕጻው ናብ ገዛ ዳናይት ኬድና ከም ቀደምና ክንከውን ፈቲንና፣ ግን ኣይከውንን’ዩ፣ ስድራኣ ክኢሎሞ እንከለው። ብሰንኪና ሓድሽ ሓዘን እናተቐየረ ምኻድ ገዲፍናዮ፣ ንሕና’ውን ዘይምርኻብ መሪጽና፣ ብዘይ ንሱ’ውን ህይወት ፋሕ-ፋሕ ከብለና ግደኡ ኰይኑ፣ ብሰንኪ ምሕዝነትና ስድራና ኣዝማድ ስለ ዝተቐየሩ ናትና ዘይፈልጡዎ ነገር የብሎምን፣ ንራኸብ ከም ዘየለና’ውን ይፈልጡ’ዮም፣ ማማ ከኣ ናይ መሓዙተይ ናፍቖት መሲሉዋ፣ ኣብታ ዘለታ ተወሰኸታ’ዩ ኰይኑኒ እምበር ንሱ’ውን ዝከኣል ኣይኰነን፣ “ንስኺ ልብኺ ብዘይካ ንመሓዙትኪ

ንኻልእ ቍሊሕ ዘይብል ኰይኑ’ምበር ብዙሓት ፈተውቲ ኣለዋኺ፣ ምስ ጓል ወዲ ሓበሻ። ጓል ኳትሮ መሓዛይ። ምስተን ትማሊ ዝመጻእክኒስ ጽቡቕ እንዲኺ ትቃረቢ፣ ናይ ቀደም መሓዙትኪ በዓል መን’የን እንተትብልኒ ልዕሊ ሚእቲ ምጠቐስኩልኪ፣ ግድን ኣይኰነን ምሉእ ህይወትካ ሓንቲ መሓዛ ሒዝካ ክንበር፣ በታ ህይወት ዝኸፈተትልካ መገዲ ተቐቢልካ ኢኻ እትኸይድ፣ ብዝሓለፈ ቅኒን ክትብል ግን ኣይንበርን’ዩ፣ ንስኻትክን ንሓቂ ምቕባል ኣቢኽናኣ፤ ‘ከምኡ ገይርካ ኣይሕዘንን’ዩ’ ‘ዝኸፍአ ከይተምጽኣልና’ እናበለክን ሰብ ምስማዕ ኣቢኽን፣”“ማማ ንሱ ኣይኰነን!” ኢለ ኮለፍኩዋ

ከይተብክየኒ ፈሪሀ፣ ናይ ዳኑ ነገር ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ምውጻእ ኣብዩና’ዩ፣

ብደገ ደሓን ዘለና እንተመሰልና። ውሽጥና ግን ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዝኽራ ክሕቈን’ዩ ዝውዕል፣ ማማ ናብ ዝኸፍአ ከይትኸይድ ክብል ግን ባዕለይ ጫሌዳ ፈጢረ፣“እንታይ ደኣሉ?” ኢላ ቅንዕ በለት፣

“እዛ ጓለይ ክንዲ ኵለን መሓዙትኪ ክዀነልኪ እንታይ ይጐድለኒ፣ ክልተ ልቢ ከይህልወና ኢለ እንድየ ምሳኺ ጉጅም ዝብል፣ ስጕምና ከይተሰማማዕናላ’ዶ ትኸውን’ያ? እሞ ክሳብ ክንድዚ እንተዀይኑ…? ዋላ ዝኸፍአ እንተዀነ ኣነ ምፍላጠይ’ዶ ይተርፍ’ዩ፣ ኣይተሻቕልኒ ንገርኒ!?” በለትኒ ከይተረዳኣ፣ ማማ ክትሓመኒ ኣይደልን’የ፣ ዘሕምማን ዘጥዕያን ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ ካብ ኰንኩ ክነግራ ኣለኒ ኢለ ወሲነ፣ ብምንታይ ጀሚረ ብምንታይ ክቕጽል ጠፍኣኒ፣ “ዓንተቦይ እናለወስኩ መሴጅ መጺኣትኒ፣ ስርሐይ ምስ ወዳእኩ ሞባይለይ ኣልዒለ እንተረኣኹ ናይ ዝፈልጦ ሰብ ብምዃኑ ሰንቢደ፣ ምስ ኤፍረም ቅድሚ ክልተ ዓመት ዕርክነት ጀሚርና።” ክብላን “ኣሰይ እዛ ጓለይ ጎቢዛትለይ’ባ’ያ!” ክትብለኒ ሓደ ኰይኑ፣ ስሓቕን ሕንቕንቕን ተሓዋዊሱኒ ከም ገለ ኰይነ፣ ማማ ከምቲ ዝፈትዎ ገይራ ዓው ኢላ ስሒቓ፣ ዘረባኣን ስሓቓን ከም ዝሑል ማይ ኰይኑ ነቲ ዝነድድ ዝነበረ ልበይ ኣዕረፈለይ፣ ውሽጠይ ክብርትዕ ተፈለጠኒ፣ ካብ ንፋለጥ ሰለሰተ ዓመትና። ዕርክነት ካብ ንጅምር ከኣ ክልተ ዓመትና ምዃኑ፤ ኣብ ዓመትና ብዙሕ ክጭነቕ ከም ዝጀመረ ነጊረያ፣ “ሓንቲ ብጌጋ ዝበደላ ነገር ነይራ፣ ውሽጡ ምቕሳን ከሊኣቶ፣ ሽዑ ኣነ ልዕሊኡ ተረቢሸ ‘ብርቱዕ ሕማም ካብ ሞት ነይሓልፍ!’ ኢለ ባዕሉ ክሕብርን ፍርዱ ወዲኡ ሰላምና ክንረክብ ከም ዝሕሸና ነጊረዮ፣ ሰሙን ምሉእ ተዘራሪብና ተሰማሚዕና፣

ንማማ ድሕሪ ነዊሕ ቅንዕ ኢለ ረኣኹዋ፣ ገጻ ዓዝዒዙ ነይሩ፣ ስምዒታ ምስ ዝትንከፍ ምሕማማ ርጉጽ’ዩ፣ “ማማ ከምኡ ኣይትኹኒ ኣይትሓዝለይ በቃ!” ኢለ ዓቕለይ ጸቢቡኒ፣ ንሳ ግን ፍሽኽ ኢላ ነዛ ገጻ መለሰታ፣ ብዙሕ ሕቶታት ሓቲታትኒ፤ ናጻ ኰይነ ኵሉ መሊሰላ፣ ዘሕለፍናዮ ጽቡቕን ሕማቕን’ውን ኣዕሊለያ፣ “ሓቂኺ እንዲኺ ደኣ…! ናቱ ምእሳር። ናይ ዳናይት። ናይቲአን ምጥፋእ ኵሉ ብሓደ ኰይኑኪ፣ ድሕሪ ሕጂ ዝዀንክያ ብእዋና ክትነግርኒ ቃል እተውለይ! ኵሉ ኣብ ውሽጥኺ ዓቝርኪ ክትመትኒ ኣይደልን’የ፣ ሃየ ሕጂ ቃል እተውለይ!?” ኢላ ቃል ኣእተወትኒ፣ ኣነ’ውን ምስ ማማ ምዕላል። ዕረፍቲን ፈውሲን ምርካብ ምዃኑ ስለ ዝረኣኹ ብልበይ ቃል ኣተኹላ፣ ድሮ ክትጨርቀለይ ስለ ዝጀመረት ብስሓቕ ህይወትና መለስና፣ “እንታይ ኢሉ’ዩኸ ጽሒፉልኪ!” በለትኒ፣ “ኵሉ ነናቱ መገዲ እናመርሐ እንድዩ

ክወስደና ጸኒሑ፤ ኣየንበብኩዋን፣… እንኪ ቅድም ንስኺ ኣንብብዮ ኢለ ሃብኩዋ፣ ኣንቢባ። እንቃዓ እናስተንፈሰት ሃበትኒ፣ ስምዒታተይ ኣኪበ ከንብባ ጀመርኩ፥

“I want feel around UI miss the way U swing around

meI like the way U see me girl

I like the way U lough

I like the way U make me loughI miss being with UI miss being myself

U gives me peace! I don’t know hw to thankU!

I do miss U to death!I do love U forever!” ይብል ነበረ፣

ገጸይ ክኸብድ ይፍለጠኒ ነይሩ፣ ኵሉ ቃንዛይ ብድሕሪ ናፍቖተይ ተሓቢኡ ከም ዝመጽእ ንነብሰይ እናኣዘኻኸርኩ ክብርትዕ ጸዓርኩ፣ “ንዒ በሊ እቲ ጋቢየይ ኣምጽእለይ ቆሪረ፣” ምስ በለትኒ ከይተፈለጠኒ ኣምጻእኩላ፣ ኣብቲ ሰዓት ቁሪ ዝበሃል ኣይነበረን፣ ማማ ካብ መንበራ ተንሲኣ። ጋቢኣ ተወንዚፋ “ኣብቲ

ሓጐሰይ… ሃብኒ ሻሸይ… ክዕመሞ” ኢላ እናደረፈት ክትስዕስዕ ጀመረት፣ ክንዲ ጎቦ ዝኸውን ነብሳ ነነው…ነነው ክትብል እንከላ ናይ ተስፌ ግጥሚ ኣዘኪራትኒ፥ “ዋላ ይነኖ’ምበር ኣይምሖን’የ፣”፣ ማማ ናይ ነጸላ ፋዕራ ዘይነበራ። ተወንዚፋ ክርእያ’ውን ሓድሽ ነገር’ዩ፣ ኣነ ክስሕቕ ንሳ ክትላገጽ ኣምሲና፣ ኣብ ዓራታ ምስኣ እናዕለልኩ ድቃስ ወሲዱኒ፣ትማሊ። ጥርዚ ሓዘንን ቃንዛን

09።30 ድ.ቐ. ቀዳም 02 መጋቢት 2012

ንግሆ ክትንስእ እንከለኹ ኣብ ርእሰይ ዝርብሽ ዋላ ሓንቲ ዘይብለይ ክነሱ ንእሽቶይ ቃንዛ ይስመዓኒ ነይሩ፣ ግዲ ከይገበርኩሉ ስራሕ ገዛይ ኣጻፊፈ ነብሰይ ተሓጸንኩ፣ እዛ ሰንበት ጽቡቕ ክውዕል ኣለኒ ኢለ እሓስብ ነይረ፣ ሰላም መሓዛይ ድኳን ዘይትውዕል እንተዀይና ናብ ኤክስፖ ወይ ቤት ገርግሽ ንዕናይ ክብላ እሓስብ ነይረ፣ መዓንጣ ከኣ ስኢነ’ምበር ንማማ “ናብ እንዳ ዳናይት ንዕናይ” ክብላ ሓሲበ፣ ግን ትብዓት ስኢነ፤ ነብሰይ ከኣ ኣይኣመንኩዋን፣ ኣበይ ከም ዝውዕል ኣብ ሓሳብ እንከለኹ። ሰላም መሓዛይ ብካንሸሎ ክትኣቱ ረኣኹዋ፣ ብዘይ ልበይ እናወጨጭኩ ናብኣ ጐየኹ፣ ንሳ ከኣ ከምኡ፣ ተሓናኒቕና ተሰዓዓምና፣ ንሳ ክንዲ ናተይ ስምዒት ዝነበራ ኣይመስለኒን፣ እናዘከርኩዋ ምምጽኣ ከም ዘደነቐኒ ምስ ነገርኩዋ። “ትማሊ ምሉእ መዓልቲን ለይቲን ክዝክረኪ ውዒለን ሓዲረን፣ ስራሕ ምኻድ ይትረፍኒ ኢለ ምስ ሻቕሎተይ’የ መጺአ።” በለትኒ፣ ኣነ ቍርሲ ክሳብ ዘዳሉ ንሳ ኣቝሑት ቡን ቀረበት፣ ማማ በየን ከም ዝወጽአት ኣይረኣኹዋን፣ ኵሉ ሕማቕ ዝደራረበካ። ኵሉ ጽቡቕ ተኣኪቡ ዝመጽኣካ መዓልቲ’ውን ኣሎ፣ እቲ ሕማቕ እናሻዕ ክብንቍሰካ ክነዋንወካ። ከምቲ ተስፌ ዝበሎ “ኣይምሖን’የ!” ክትብል ኣለካ፣ ብናይ ትማሊ ዝጀመረ ዕላል። መገዱ እናኣግፍሐ ነዊሕ ኣዕሊልና፣ ሞባይለይ ክትጽውዕ እንከላ ኢና ከባቢና ኣስተቢህልና፣ሰዓት 3።00 ምስ ኰነ ምስ ሰላም ተታሓሒዝና ናብ ኤክስፖ ከድና፣ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ኣሳፊሕና

ቡን ምስታይ ጀመርና፣ ድሕሪኣ ናብዚ ገጽና መጺእና ኣይንፈልጥን ኢና፣ ኤክስፖ ከም ቀደሙ ጽምው ኢሉ ነይሩ፣ ነነጢሮም ኣብቲ ሳዕሪ ኣሳፊሖም ዘዕልሉ ነይሮም፣ እታ ቦታና ኣማዕዲና ምስ ረኣናያ ደው ኢልና ነቐጽና፣ ከምኣ ኢላ በይና ነይራ፣ ሕማቕ እናተሰማዓና ቀረብና፣ ኮፍ ኢልና ነዊሕ ትም በልና፣ ሰላም ዘረባ እንተዘይትጅምር ዝስዕብ ፍሉጥ’ዩ ነይሩ፣ ዘረባ ብሕንቕንቕ እናተዃላለፈ “ኤፍረም በዚኣ ቅልቅል እንተ ዝብልሲ እንታይ መበልኪ?” ትብለኒ፣ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን እየ፣ ኣብ ርእሰይ ክልተ ዓመት ስለ ዝነበረ። ንራኸበሉ ኣጋጣሚ ሓሲበሉ ኣይፈልጥን፣ “ሕጂ ምጽእ እንተዝብል ግን ኪንዮ ዘሊለ ሓቝፈ ምንባዕ ካልእ ኣይረኣየኒን ዘሎ።” በልኩዋ፣ ብኡ ዝጀመረ ብዛዕባ መጻኢ እናስሓቕና ጽቡቕ ኣዕለልና፣ ሰላም ተለፎን ተደዊሉዋ ተንሲኣ ተቐበለታ፣ ካባይ ርሒቓ ስለ ዘዕለለት ኣይሰማዕኩዋን፣ ቍሩብ ጸኒሓ “ኮካ ከምጽእ’የ።” ኢላ ከደት፣ ኣነ ኸኣ ኣብታ ዳናይት ኮፍ ትብላ ፍረሽ ዕምባባ ተኺለ ምስኣ ይጻወት ነይረ፣ ሽዋሕታ ናይ እግራ ሰሚዐ ግልጽ ኢለያ፣ ኣዒንተይ ክኣምነን ኣይከኣልኩን፣ ኤፍረም ሒዛትለይ ተመሊሳ፣ ከምታ ዝበልኩዋ ብዘይ ልበይ ማዕረ ቍመቱ ዘሊለ ተጠምጠምኩዎ፣ እናነባዕኩ ኣጋማጢለ ክስዕሞ ንሱ ጠሚሩ ክሕዘኒ ነዊሕ ጸናሕና፣ “ኣንቲ ይኣኽለኪ ጸለሎ ከይጽይቐኪ!” ክትብል ሰላም እሰምዓ ኣለኹ፣ ኮካ ከምጽእ ክትብለኒ እንከላ ኣይዘከርኩዎን፣ ናይ ሓቂ ኮካይ ሒዛትለይ መጺኣ፣ “ኮካኺ መጺኡ!” ይብላኒ ነይረን’የን፣ ሕጂ ሰሙን ዝድቅስ ኣይመስለኒን፣ ኣብዚኣ ምሳይ ከሕድሮ ኣይጸላእኩን፣ ክንደይ ግዜ

ቻው ተባሂልና! ክንደይ ግዜ ናይ ደሓን ሕደር ተሰዓዒምና፡ ኣደኡ ትቝጸሮ፣ ሰላም ጐቲታ እንተዘይትወስደኒ ከምኣ ክንብል ምሓደርና ነይርና፣ ሕጂ እንታይ ተረፈ!? እዚ ጠልጠል ኢሉ ዝሓደረ ጸሊም ደበና። ጽቡቕ ማይ ኣዝኒቡ ቃንዛይን ሓዘነይን ሓጺቡለይ፣

ትዕግስቲ በረኸትኣብ

ሎሚ። ጥርዚ ሓጐስን ሓድሽ ተስፋንሰንበት 03 መጋቢት 2013 10።30 ድ.ቐ.

ኩርናዕ ካርቱን

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 5

ጥዑምዝጊ ተስፋይ

ኣብ ትምህርቲ ዝርከብ ጓል 24 ዓመት’የ። ክሳብ ኣብ’ቲ ዝመደብኩዎ ደረጃ ዝበጽሕ መርዓ ዝበሃል ኣይደልን’የ። ምንኣሰይን ምንኣስ ምንኣሰይን ኣሕዋት ኣለዋኒ። ብዓይኒ ሕብረተሰብና ክረኣያ ከለዋ ንመርዓ ኣኺለን’የን። ስድራይ “ብሰንክኺ’የን ደቅና ደው ኢለን ዘለዋ’ሞ ተመርዓዊ” እናበሉ ኣጨኒቖሙኒ። አረ ሎምስ ኣሕዋተይ “ብሎኮ” ክብሉኒ ጀሚሮም ኣለዉ። ብኸመይ’የ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ መርዓ ከም ዘየለኹ ንኹሉ ሰብ ዘረድኦ? ናይ ገዛእ ርእሰይ መደብ ስለ ዘለኒ ተመርዓዊ ከይትብሉኒ። ከምኡ ክትብሉ እንተ ዄንኩም ምምካረይ ይትረፍኩም።

B.N. 333 ኣስመራ

ዘይደለኽዮ ክትገብሪ ክንደፋፍኣኪ ኣይንደፍርን። ሓንቲ ጓለነስተይቲ ኣብ ፈለማ 20ታት ክትምርዖ ከምዘለዋ ናይ ስነ-ሂወት ክኢላታት ከምዘማኽሩ ምሕባር ግና ግቡእና’ዩ። ምኽንያቱ፡ ጉዳይ ፍርያምነት ጓለነስተይቲ ምስ ፈለማ 20ታት ዕድመ እወታዊ ምእትስሳር ስለዘለዎ። መርዓን ሓዳርን ዋላ’ውን ካብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ከምዘይዕንቅፈኪ ክኢላታት ምሕደራ ግዜ ንዝህብዎ ምኽሪ ተወኪስና ዘረጋገጽናዮ እዩ። ዝበዝሓ

ተመርዓዊ ጥራይ ኣይትበሉኒ

ካብተን ክሳብ ናይ ፒ.ኤች.ዲ ትምህርተን ዝቕጽላ ደቀንስትዮ ኣብ ሓዳርን ውላድን ዕዉታት ከምዘይኮና’ውን ብኣብነት ኣሰንዮም ዘቕርብዎ’ዩ። ስለዚ፡ ብዓቢኡ ብርእሰ ተኣማንነት ናብ ራኢኺ ትስጉሚ ሰብ ከም ዝዀንኪ ካብ ሓበርክና፡ ሓዳርን

ትምህርትን ኣሳኒኺ ክትከዲ ዝጽግመኪ ኣይመስለናን። እንተኾነ ግዳ፡ “ተመርዓዊ” ንዝብል

ምኽርና ከም ዘይትሰምዕዮ ኣቐዲምኪ ስለዘፍለጥክና፡ ኣብ ድሌትኪ ተመርኲስና ገለ ክንብለኪ።“ፈለማ ዓባይ ገዛ ክትውገን ኣለዋ”

ዝብል ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ኣሎ። “ዓባይ እንተ ዘይተመርዕያ ምንኣሳ ከይተመርዓወት ትንበር” ዝብል እምነት ግን የለን። ስለ ዝዀነ ንስኺ ስለ ዘይተመርዓኺ፡ ኣሕዋትኪ ናይ ምምርዓው ዕድል የብለንን ማለት ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ዘለናዮ እዋን፡ እዚ ብሂል’ዚ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይ ሕብረተሰብና ከቢድ ጽልዋ ዘለዎ ኰይኑ ኣይስመዓናን። ስለ’ዚ ንስድራ ቤትኪ ካብ ዕላማኺ ነቕ ከም ዘይትብሊ ኣእምንዮምን ኣርእይዮምን። ብዛዕባ’ዚ ኩነት ከይተሻቐልኪ ትምህርትኺ ቀጽሊ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተመርዓኹ በዓልቲ ሓዳር’የ። ኣብ ፈለማ ሓዳር ብምግባረይ ሕጉስቲ’የ ነይረ። ሕጂ ግን ሓዳር ጸሊአዮ። ምኽንያቱ ፍቕሪ ናይ ፈለማ ዓርከይ ምውጻእ ኣብዩኒ። ዝዀነ ክኸውን ሃጽ ኢልኪ ናብኡ ኪዲ

ይመጽኣኒ’ሎ!ስመይ ንዓኹም ጥራይ ኣስመራ

ደሓርከ!? . . . ሃጽ ምስ በልኪ ኣበይ ከም እትዓልቢ ፈሊጥኪ ዲኺ!? ፈለማ ንውሽጥኺ ከይተወከስኪ ናብ መርዓ ተጓይኺ። እቲ ኣብ ናይ ካልኦት መርዓ ዘወናወነኪ ብልጭልጭ ኣባኺ ክረአ ተተምኒኺ ክትኰኒ ትኽእሊ። ናይ መርዓኺ ፈንጠዝያን ስልማትክን ንግዜኡ ካብ ውሽጥኺ ዘይነቐለ ታሕጓስ ፈጢሩልኪ። ሕጂ ግን ተሰዊሩ።

ፍቕሪ ፈለማ

ብቐዳምነት ቃል ኪዳን ክቡር ምዃኑ ኣስተውዕሊ። ብዝመስረትክዮ ሓዳር ሕጉስቲ ክትኰኒ ከም ዝግበኣኪ እመኒ። ካልኣይ ጌጋ ከይትፍጽሚ ሕሰብሉ። እቲ ምስ ኣፍቃሪኺ ዘሕለፍክዮ ሂወት። ንኻልኣይ ግዜ ክትረኽብዮ

ኣይትኽእልን ኢኺ። ንሱ ንሓዋሩ ከም ዘይደልየኪ ጽቡቕ ጌርኪ ትፈልጢ ይመስለና። ስለ ዝዀነ ኢኺ ድማ ምስ ካልእ ሰብ ቃል ኪዳን ክትኣስሪ ዝወሰንኪ። ናይ ፈለማ ኣፍቃሪኺ ከዘኻኽሩኺ ዝኽእሉ ነገራት ካብ ጥቃኺ ኣርሕቕዮም። ብዝተኻእለኪ ዓቕሚ ንበዓል ቤትኪ ከተሐጉስዮን ኣባኺ ከም ዝተኣማመን ክትገብርዮን ጸዓሪ። “ሃጽ ክብል’የ” እንተ ኢልኪ ግን ሂወት ከም’ቲ ሕጂ ትሓስብያ ዘለኺ ከም ዘይትጸንሓኪ እመኒ።

ተማሃሪት’የ። ኣዝየ ዘፍቅሮን ዘፍቅረንን ዓርኪ ኣለኒ። ብልቢ ትፋቐርን ትተኣማመንን እንተ ዄንካ፡ ቅድሚ መርዓ ጥንሲ እናተኸላኸልካ ስጋዊ ርክብ ምፍጻም እንታይ ጸገም

ወዲ 21 ዓመት’የ። ንገዛእ ነብሰይ ንኸማዕብል ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ አንብብ’የ። ርእሰ ተኣማንነት ከም ዘጥሪ’ውን ገይሩኒ ኣሎ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ማሕበራዊ ምትእኽኻባት’ውን እሳተፍ’የ። ካብ’ቲ ምስ ኣዕሩኽተይ ኰይነ ዝገብሮ ውጥንን ስራሕን፡ እቲ ብውልቀይ ዝገብሮ ውጽኢታዊ ኰይኑ ረኺበዮ። ምስ ኣዕሩኽተይ እንትርፎ ክሳራ መኽሰብ ኣይረኸብኩን። ስለ’ዚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ መደባት ንዝገጥሙኒ ብድሆታት፡ ብኸመይ ክሰግሮም ከም ዝኽእል ምኽርኹም ለግሱለይ።

ኤሱ ወዲ ማይ ድማ

ብድብድቡ “ምስ ኣዕሩኽተይ እንትርፎ ክሳራ መኽሰብ ኣይረኸብኩን” ብምባል

እንታይ ጸገም ኣለዎ?

ኣለዎ። ትዕግስቲ - ካብ ኣስመራ

ቅድሚ ሕጂ ርክብ ዘይፈጸምኪ እንተ ዄንኪ፡ ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ተጠንቀቒ። ፈጺምኪዮ እንተ ዄንኪ ድማ ኣቋርጽዮ። ቅድሚ መርዓ ዝግበር ርክብ ኣብ ገዛእ ነብስኺ ዘለኪ ክብረት ከጉድለልኪ’ዩ። ምሉእነት ከም ዘይብልኪ ኰይኑ ክስመዓኪ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ኩሎም ጥንሲ ናይ ምክልኻል ሜላታት፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውሑሳት ኣይኰኑን። እቲ ዝኸፍአ ሸነኹ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ሕማማት መውስቦ ምህላዎም’ዩ። ወላ’ውን ፍቑራት ኩኑ፡ ኣብ ነናይ ብሕትኹም ናብራ ዘለኹም ኢኹም። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓድሕድኩም እምነት እተሕድሩሉ እዋን ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ እቲ ካብ ሓድሕድኩም ዝለመድኩሞ ርክብ፡ ኣብ ካልእ እዋን ካብ ካልኦት ከም እትደልይዎ ኣይትስሓቲ። ኣብ መንጎኹም ኣሎ ትብልዮ ዘለኺ እምነት፡ ካብ ሕማም ክከላኸለልኩም ኣይክእልን’ዩ። ብዓንዳ ርእሱ’ውን ትተኣማመኑ እንተ ዄንኩም ካብ ስጋዊ ርክብ ተሓሪምኩም ክትጸባበዩ’ዩ ዝግበኣኩም። ኣፍቃሪኺ ክብርኺ ክሕልወልኪ ይግባእ። ቅድሚ መርዓ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ሓሸውየ እንተ ኣቲኺግን፡ ኣብ ጣዕሳ ክትሽመሚ ኢኺ።

መሰናኽላት ብኸመይ እገጥሞምንኣዕሩኽትኻ ኣይትዀንን። ሓቀኛ ዓርኪ ንሂወትካ ዋጋ ከም ዝውስኸላ ኣይትዘንግዕ። ናብራና ምስ ዝተፈላለዩ ሰባትን ኣዕሩኽትናን ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ክንመያየጥ፡ ክንደጋገፍ፡ ክንመላላእ፡ ሽርክነት ክንፈጥር. .

. ግድን’ዩ። ኣብ ቅኑዕ ናይ ስራሕ መንፈስ ዝተሰረተ ሽርክነት፡ ናይ ኩላቶም ተሻረኽቲ ረብሓ ስለ ዘማእክል፡ ኣርባሒ እምበር ጎዳኢ ኣይኰነን። ካብ ናይ በይንኻ ሓሳባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘለዎም መሻርኽቲ ዝህነጽ

ውህሉል ሓሳባት ይበልጽ። ነብሲ ወከፍ ሰብ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ክሕሉ ይደሊ’ዩ። ብምርድዳእን ተመጣጣኒ ሕድገት ብምግባርን ግን፡ ኣብ ስምምዕ ይብጻሕ። ንስኻ እትሕንጽጾ መደባት ብኣዕሩኽትኻ ተደፊእካ ዘይኰነስ፡ ናይ ብሓቂ ድልየት ናይ ውሽጥኻ ኣለሊኻ ሓንጽጽ። ምስ ኣዕሩኽትኻ

ወይ መሻርኽትኻ እትሰርሓሉ ብልሓት ዳህስስ። ውጥናትካ ምስ ክዉንነት ኣዛሚድካ መርምሮም። ብውልቅኻ ይኹን ምስ መሻርኽቲ ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፡ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ውጥን ተመራሕ። ዘየዋጽኣካ እንተ ዀይኑ፡ ካልኦት መንገድታት ፈትሽ። ኣብ ዝኣመንካሉ ዕዮ ብርእሰ ተኣማንነት ተንቀሳቐስ። ዓወትን ውድቀትን ከም ዘሎ ተገንዘብ፣ ግን ከኣ ንኽትዕወት ተጋደል።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 6

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ዞባ ማእከል

ኣብ መንጎ ከሳሲ ወረ/ነፍ ኣቶ ስብሃቱ በይን መልከ 1.ኣቶ ኪዳነ ስብሃቱ በይን ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ኣቶ ስብሃቱ በይን መልከ 1.ኣቶ መንግስቱ ስብሃቱ 2.ወ/ሮ ፍረወይኒ ስብሃቱ 3.ወ/ሮ ስምረት ስብሃቱ ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ፡ ተኸሰስቲ ወረ/ነፍ ኣቶ ስብሃቱ በይን መልከ 1.ኣቶ መንግስቱ ስብሃቱ 2.ወ/ሮ ፍረወይኒ ስብሃቱ 3.ወ/ሮ ስምረት ስብሃቱ ብመጸዋዕታ ክቐርቡ ስለዘይከኣሉ ብጋ/ሓ/ኤ ተጸዊዖም ን29/5/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ላ/ቤ/ፍ 2ይ መጋባኣያ ቁ.29 ይቕረብ። እንተዘይቀሪቦም ድማ ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ክረአ ምዃኑ ንሕብር።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማእከል ከተማ

ወ/ሮ ዝፋን ሓጎስ ወልደገርግስ ኣደና ወ/ሮ ኣለማሽ ልጅ እምባየ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 2 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/5/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ገጀረት ቲራቮሎ

ወ/ሮ ጸሓይቱ ባህታ ሓፍትና ወ/ሮ ክብራ ባህታ ዑቅባሚካኤል ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓፍተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ብርሃነ ገብረሚካኤል ገብረእግዚኣብሄር ወላዲትና ወ/ሮ ገብሪኤላ ወልደማርያም ኣረጋይ ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 1 ሓወይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን23/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ተመስገን ገብረዝጊ መንግስቱ ወላዲና ገብረዝጊ መንግስቱ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 6 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣባሻውል 4 ኣስመራ

ከሳሲ ኣቶ ተኣምራት ገብረስላሰ ሓጎስ ተኸሳሲት ወ/ሮ ሰናይት ኣብርሃም፡ ምስ ተኸሳሲት ብባህሊ ሃገርን ልምድን ተመርዒና ሰብ ቃልኪዳን ኢና ከም ሰብኣይን ሰበይትን 5 ዓመት ጌርና ከይተራኸብና ስለዚ እዛ ሰብ እዚኣ ብተደጋጋሚ ንሽምግልና ክትቀርብ ተሓቲታ ፍቓደኛ ስለዘይኮነት ከምዘየላ ተሓሲቡ ጉዳይና፡ ሓደ መዕለቢ ክረክብ ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/13 ሰዓት 8፡00 ቅ/ቀ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተመናይ ጸጸራት

ፖራዲዞ

መም/ገነት ሃይለ ገብረትንሳኤ በዓል ቤተይ ኢሳቕ ተስፋሂወት ገብረማርያም ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 7 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/5/13 ኣብ ቤ/ፍ

ይቕረብ።

ኣቶ ዳዊት ዘርኤ ፋንታይ ወላዲተይ ለተስላሴ ኣስረስ ይግዛው ስለዝሞተት፡ ኣነ ምስ 7 ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ኣኽርያ

ኢትዮጲያ ጸጋይ ገብረኣምላኽ ወደይ ኣሕፈሮም ካሳ ብርሃነ ስለዝሞተ፡ ኣነ ኣደኡ ጥራይ ወራሲቱ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሂወት ባህታ ሃብተገርግሽ በዓል ቤተይ ብርሃነ ኪዳነ ባህረ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 5 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲጓዕዳድ

ወ/ሮ ገነት ተስፋማርያም ተወልደ ተጸዋዒ ኣቶ ሞጎስ ቀሺ ኢሳቕ ተስፋይ ዝተባህለ ብዕለት 30/10/2005 ኣብ ቅድሚ ቤተ ዘመድ ሽማግለ ቃልኪዳን ከምዘውረድና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንፍትሕና ኣብ ቅድሚ ቤ/ፍ ብሕጋዊ ክጸድቀለይ ስለዝበላ፣ ተጸዋዒ ን17/5/03 ብኣካል ወይ ብወኪሉ ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ቤ/ፍ ኣብዘየለወሉ ክሪኦ ምዃኑ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ጻዕዳክርስትያን

ኪሮስ ተኸስተ ቀሺ ሓጎስ ኣባሓጎና ቀሺ ሓጎስ ባህታ ወልደጋብር ዓባይና ቁዱሳን ዑቅባይ ወልደሩፋኤል ስለዝሞቱ፡ ናይ ኣባሕጎናን ዓባይናን 6 ደቆም ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸልና ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን29/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓደምነገር

ኣቶ ሃብቶም ቀሺ የማነ ሓጎስ በዓልቲ ቤተይ ኮኾብ ገብረእግዚኣብሄር ምሕረትኣብ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 1 ወዱ ድማ ወራሲ ምዃኑ ይረጋገጸሉ ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን26/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ምለዛናይ

እዝግሃርያ ዘርኣይ ኣብርሃ ወደይ ፍትዊ ወልደትንሳኤ ገብረማርያም ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 6 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን22/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓደርደ

ወ/ሮ ፋጥና ዓሊ ክራር ተጋዳላይ እድሪስ ሳልሕ መሓመድ ሙሳ ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ምስ 6 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን30/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ሽማንጉስ ላዕላይ

ወ/ሮ ለተኺዳን ገብረሃዋርያት በዓል ቤተይ ንርኣዮ ዑቕባስላሴ ወልደክርስቶስ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 6 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን11/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ወ/ሮ ሰናይት መብራህቱ በዓል ቤተይ ዓንደጼን የውሃንስ መብራህቱ ስለዝሞተ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 4 ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን25/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከባቢ 03 ከረን

ኣቶ ገብረዝጋብሄር ብርሃነ ብድሆ ሓወቦና ብጹእ ኣቡነ ተስፋማርያም ብድሆ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 1 ሓወይ ኣብ ቀዋሚን ተንቀሳቓስን ንብረት ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን31/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ

ከተማ መንደፈራ

ወ/ሮ ያነሽ ተስፋስላሴ ገ/ማርያም በዓል ቤተይ ተኽለገርግስ ወ/ሚካኤል ገ/ታትዮስ ስለዝሞተ፡ ኣነ ምስ 5 ደቀይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን17/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ከተማ ዓዲ ዃላ

ወ/ሮ ፌቨን ብርሃነ ኣለማዮ ምስ ጥፉእ ኣቶ ዳዊት መንግስትኣብ ብ2005 ብናይ ሃገር ባህልን ልምድን ተመርዒና 1 ቆልዓ ወሊድና እንተኾነ እዚ ሰብኣየይ ንዓይ ንበዓልቲ ቤቱን ሓዳሩን ገዲፉ ስግረ ዶብ ከይዱ 6 ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ኣለኹ ከይበለ ደሃይ ስለዘጥፍአ እሞ ኣነ ኣይ ፍትሕቲ ኣይ በዓልቲ ሓዳር ኮይነ ኣጎላጉል ደው ስለዝበልኩ፣ ጥፉእ ኣቶ ዳዊት መንግስትኣብ ን16/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ። እንተዘይቀሪቡ ኣነ ምስ ሕጋዊ ወኪሉ ናይ ሓዳር ምፍልላይ

ዛኤር ሓ.ዝ.ብ.ማ. ርሑስ በዓል ፋሲካ ይግበረልና እናዳበለ ንዓማዊሉ ንምሕጓስ ኣብ ዝተፈላለየ ፍርያቱ

ዓቢ ናይ ምጉዳል ዋጋ ከምዝገበረ ንዓማዊሉ ከበስር ይፈቱ።

ኣድራሻና

ኣስመራ መንደፈራ

=> ጎደና ሓርነት ቁ. 32 => ከባቢ ሞቢል 09 ነበር ፊት ካተድራል ቤ/ክ ቁ.ስ. 610017 ቁ.ስ. 110074

=> ጎደና ተጋደልቲ(ባራቶሎ ነበር) ከረን ጎዳይፍ => ፓላሶ ሪቫ ቁ.ስ. 182383 ቁ.ስ. 40030

=> ኣስማራ ፓላስ ደቀምሓረ

ኢንተርኮንቲነንታል ነበር => ጥቓ መድሃኔዓለም ቁ.ስ. 153700 ext.2280 ቤተክርስትያን

ክገብር ምዃነይ ኣቐዲመ የፍልጥ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ዓዲ ዓጓ

ሳምሶም ዓብለሎም ኣሕፈሮም ኣቦይ ዓብለሎም ኣሕፈሮም ስለዝተሰውአ፡ ኣነ ሓደ ወዱ ስለዝኾንኩ ኣደይ ካልእ ሰብኣይ ስለዝተመርዓወት በጀካይ ደማ ካልእ ቆልዓ ስለዘይብሉ ኣነ በይነይ ወራሲ ምዃነይ ከምኡ’ውን ናይ ውክልና ሞግዚተይ ዓባየይ ወ/ሮ ግደይ ሃይለ ዑቅባጼን ድብዛና ናይ ሞግዚት ሓላፍነትን ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን8/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ኮማዊ ቤት ፍርዲ ማይተራ

ወ/ሮ ማና ገብረስላሴ ተኽለ በዓል ቤተይ ሃብተ ለገሰ ገብረ ስለዝተሰውአ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ 4 ደቅና ድማ ኣብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን15/5/13 ኣብ ቤ/ፍ ይቕረብ።

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 7

ዳሃብ ዳዊ

ት - ቤተ

ልሄም ታደሰ

ምልክታ

ኣብ ከተማ መንደፈራ መ.ቁ.61008003960 ዞን 4 ሎታ 31 ፓርሰል “H” ብሽም እምባፍራሽ ተኽለሃይማኖት ገብረማርያም ዝተመርሓለይ መሬት ኦርጂናል ናይ ምርሒት ወረቐት ስለ ዝጠፍኣኒ ፡ ዝረኸበ ወይ ብዕዳ ሒዘዮ ዝብል እንተሎ ብቑጽሪ.ተሌፎን 08620490 ክሕብረኒ እንተዘይኮይኑ መተካእታ ክሓትት ምዃነይ ኣረጋግጽ።

እምባፍራሽ ተኽለሃይማኖት ገብረማርያም

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 8

45 ክፋል

በዓል ወጻኢወ/ሮ ሮማ ኣብ መንጎኣን ወዳን

ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ድቃስ ዝህባ ኣይነበረን። ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝበሃል ድማ ስምዒታ ኣብ ልዕሊ’ታ ኣብ ቤታ ከም ከዳሚት ኮይና ተገልግላ መርሃዊት ክተውጽኦ ዝደለየት ትመስል። መርሃዊት ኣብ ኩሽነ እንከላ’ያ ሓትኖኣ ስምዒት ሕርቃን ሓዚላ ሃንደበት ህሩግ ኢላታ።“ኣንቲ ሃላይ ንዒ እስከ!’’ ካብቲ

ዝነበረቶ ኩሽነ ብምናታ ዓትዒታ ናብ ሳሎን ወሰደታ። “እንታይ’ዩ እዚ? ኣንቲ ውርደተኛ!’’ ኣብ ሳሎን ፈሲሱ ዝነበረ ማይ’ዩ ዘዛርባ ነይሩ። ማይ ምፍሳስ ከም ዓቢ በደል ቆጺራ’ያ ትዛረብ ነይራ። መርሃዊት’ውን ኣብቲ ፈለማ ዓቢ በደል ዝፈጸመት መሲልዋ ልባ መሊቛ’ያ። ሓትኖኣ፡ ማይ ፈሲሱ ኢላ ብኸምኡ ኣገባብ ክትዛረባ ትጽቢታ ኣይነበረን። ደሓር ግና እታ ሰበይቲ ዝነበረቶ ኩነታት ስለ ዝተረድኣ ‘ወይ ጉድ!’ ብምባል ክትጻወር ከም ዘለዋ ምስ ነብሳ ተረዳድአት። ወ/ሮ ሮማ ምስ ወዳ ካብ ትበኣስ ንደሓር ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ጸርጸር ትብል ከም ዝነበረት ተረዲእዋ’ዩ። “ሕጂ እናረኣኹኺ ቀልጢፍኪ ወልውልዮ።’’ ሮማ ትእዛዝ ሂባ ደው ኢላ ተጸበየት።“መን’ዩ ክዕይዎ?’’ ሓተተት

መርሃዊት፡ ነቲ ኣብ ሳሎን ኣብ ልዕሊ መንጸፍ ፈሲሱ ዝነበረ ማይ ሓትኖኣ ከም ዝኸዓወቶ እናኣመነት።“በዓለደኺ ትፈልጢ! ወልውልዮ

እብለኪ ኣለኹ።’’ እታ ሰበይቲ ጌጋይ ተፈሊጡ ዝብል ስምዒት ከም ዝሓደራ ደጊማ ክተንጸርጽር ተራእየት። መርሃዊት ካልእ ዘረባ ከይሰዓበ እንከሎ መወልወሊ ክተምጽእ ተቐላጢፋ ካብ ሳሎን ወጸት። “እዚ ወዲ ናበይ ከይዱ ይበሃል?’’ እታ ጸርጸር ክትብል ዝጸንሐት ሮማ፡ ጓል ሓብታ ምስ ተመልሰት ህድእ ኢላ ሓተተታ።“እንድዒ ኣይፈለጥኩን!’’ መለሰት

መርሃዊት ቅጭ ከም ዝመጻ ከይትፍለጥ እናተጠንቀቐት። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብቲ ቤት ዝወርዳ ዝነበረ ግፍዒ ከንጸርጽራን ክሳብ መዓስ ከብላን ጀሚሩ’ዩ። ግና ድማ ከተማ ስለ ዘስተማቐረት ዳግማይ ተመሊሳ ናብቶም ኣብ ገጠር ዝቕመጡ ስድራኣ ክትከይድ ኣይትደሊን’ያ። ትምህርታ ክትሰናኸል ምዃና’ውን ትፈልጥ’ያ። ግና ህይወት እናዳሓትኖኣ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰልከያ’ዩ ዝኸይድ ነይሩ። ‘ሓደ ዝኾነኒ ሰብ እንተዝረክብ’ በለት ክምርዓዋ ዝኽእል ሰብ እንተረኸበት ብምምናይ።“ስራሕኪ ወዳዲእኪ እንተዄንኪ

ናብ ወ/ሮ ሮማ ክተካይድኒ ኢኺ።’’ ወ/ሮ ሮማ ሃንደበት ዝመጻ ዝመስል ዘረባ ኣስምዐት። ግደ ንመርሃዊት’ምበር ንዓኣስ እቲ ዘረባ ሓድሽ ኣይኮነን። ደጋጊማ ክትሓስበሉ ዝቐነየት’ያ። ምስ ወዳ ተባኢሳ ከም ዘየዋጽኣ ፈሊጣ ነበረት። መርሃዊት ግና ናይ ሓትኖኣ ዘረባ ምርዳእ ኣብዩዋ ተዓኒዳ ጠመተታ። “እንታይ ደኣ ትዕነዲ? ስራሕ ገዛ ወዲእኪ እንተዄንኪ ንዕናይ!’’“ሕራይ!’’ መርሃዊት ክዳና ክትቅይር

ሸበድበድ በለት።***

“ኣብ ጀርመን ዲኻ ትነብር ዘለኻ?’’ ኣርሴማ ነቲ ኣብ ቤታ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝገበረ ሚልክያስ ሓተተቶ። ዘይተንከፍዎ ኣርእስቲ ናይ ዕላል ኣይነበረን።“ይበሃል!’’ በለ ክስሕቕ ከንፈሩ

እናኸፍገተ። ደሓን ትእቶ ኣርሴማ ምስ

ነብሲ ወከፍ ዝለዓል ኣርእስቲ ከንፈሩ ከፊቱ ከም ዝዛነ ገይራቶ ነበረት።“እምበርከ?’’ በለቶ ንሳ’ውን ከናፍራ

ከፊታ። ጸዓዲት ኣስናና ከም ስባር ጥርሚዝ ኣብለጭለጩ። ኣብ ገጻ ዝደምቕ ብርሃን ናቱ ብርሃን ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ጽውግታ ዘይፈልጥ ወትሩ ድሙቕ ገጽ’ዩ ዘለዋ። “ኣብ ጀርመን ብምህላውካ ዕግበት ዘለካ ኣይትመስልን። ሓቀይ ድየ?’’ ቀው ኢላ ጠመተቶ።“ስደት እንታይ ዘዐግብ ኮይኑ ኣቲ

ሽኮሪና! ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘይሓይሽ ህይወት እኳ ኢና ነሐልፍ። ሓወይ ትብሎ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ዓዲ ምንባር ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እቲ ዝፈተኖ ጥራይ’ዩ ዝፈልጦ።’’ በላ ናብራ ስደት ከም ዝመረሮ ብዝምስክር ቃና።“ሓሰውቲ!’ ’

ሃ ን ደ በ ት

ተጻረፈት ኣ ር ሴ ማ ። “ኩነታትኩም ንስደት እናመስገነ ኣፍኩም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዘረባ ክዛረብ እንከሎ ኣዝዩ’ዩ ዝገርም። ስደት መሪጽኩሞ’ምበር መሪጽኩም ድዩ ሚልክያስ? ከምዚ ትብሎ ዘለኻ እንተኾይኑ ስለምንታይ ናብ ዓድኹም ዘይትምለሱ?’’ ሕርቃና ክትክውል ኣይፈተነትን።ሚልክያስ ግብረ መልሲ ናይ ኣርሴማ

ሃንደበት ኮይንዎ ብስንባደ ቀዘዘ። ጽቡቕ ከም ዘይጸንሑ እታ ናይ ንእስነት ኣፍቃሪቱ ጎርዞ ቅይር ክትብሎ ከየገረሞ ኣይተረፈን። “ኣርሴማ ደሓን ዲኺ?’’ ሓተታ ኣዒንቱ ኣብ ገጻ ተኺሉ።“እዞም ካብ ስደት ዝመጻእኩም ሰባት

እትብልዎ ሓደ ዓይነት ቃና’ምበር ኣገሪሙኒ። በጃኹም ነቶም ኣብ ዓድና ንነብር ዘለና ኣፍቀርቲ ሃገር ካብ ክሳድ ንላዕሊ ኣይትዛረቡና። ስደት ኢዱ ሰዲዱ ኣይሓዘኩምን። ከምዚ ትብሎ ዘለኻ እንተኾይኑ እንታይ ኣለኩም ኣብ ስደት ዘቐምጥ፡ ዓዲ ኣለኩም ናብ ዓድኹም ተመለሱ።’’“እንታይ ሒዝና?’’ በላ ቅልጥፍ

ኢሉ። “ንዓመታት ኣብ ስደት ከርተት ኢልካ ጥራይ ኢድካ ትኣቱ ዲኻ? ኣብ ልዕሊ ካብ ደገ ዝመጸ ሰብ ዘሎ ትጽቢት እንታይ ድዩ?’’“ስደት ከምዚ ትብሎ ዘለኻ

እንተኾይኑ ዓድኹም ምእታው ጥራይ’ዩ ዘዋጽኣኩም። ጥራይ ኢድካ ኢኻ ኢላ ሃገርካ ምቕባል ኣይትኣብየካን’ያ። ግና ክትህብትሙ ስለ ትደልዩ ናብ ዓድኹም ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። ሓቂ

እንተዝህልወኩም ካብ ብጥዕናኻ ምህላው ንላዕሊ ካልእ ኣይምተመነኹምን። እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥምኩም ዘሎ ጸገም ካብቲ ክትበጽሕዎ ትደልዩ ዕላማ ዝፈኩስ እንተኾይኑ ግና ዕላማኹም ክሳብ ትፍጽሙ ኣብ ስደት ክትጸንሑ ኢኹም። እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ግና ኩሉኹም ካብ ስደት ዝመጻእኩም ሰባት ዘይእመን ዘረባ ክትዛረቡ ኢና ንሰምዓኩም። ካብ ሰብኣየይ ጀሚርካ ‘ጽቡቕ ኣለና’ ዝበለኒ ሰብ ክሳብ ሕጂ ኣየጋጠመንን። ንስኻትኩም ኢኹም ኣብዚ ሎሚ እዋን ገዛ ክትገዝኡ

ዓቕሚ ዘለኩም። ንስኻትኩም ኢኹም ስድራኹም ከም ድላዮም ክኾኑ ት ሕ ግ ዙ ን ትጥውሩን ዘለኹም።

ጓ ላ

ኣ ሜ ሪ ካ ኣ ላ ፡ ወዳ ጀርመን ኣሎ ወዘተ ዝበሃል እንታይ ስለ ዝኾነ ድዩ?. . .እስከ ኣይተዛርበና በጃኻ።’’ በለት ኣዕሚቛ ድሕሪ ምስትንፋስ።ሚልክያስ ሃንደበት ክርትም ኢሉ

ሰሓቐ። “እንታይ ደኣ ዘረባይ ማዕረ ክንድዚ ኣኾርዩኪ? ደስ ዝበለኒ ክዛረብ ኣይክእልን ድየ?’’“ትኽእል ኢኻ? ደስ ዝበለኩም ስለ

ዝተዛረብኩም ግና ትእመኑ ማለት ኣይኮነን። እምበር ደስ ዝብለኩም ከም ትዛረቡ ደኣ ንፈልጥ እንዲና። ስለዚ ኢና ድማ ዘይንኣምነኩም።’’ ኣባጨወት። “ክገርመኪ ድማ ኣብ ኩለንተናኺ

ሓደ ነገር ተዓዚበ። ኣብ ስምዒት ኲራ ጽባቐ ዝበሃል ከም ዘየለ ኣረጋጊጸ። እቲ ዝፈልጦ መልክዕኪ ኣብ ስሚዒት ኩራ ምስ ወደቕኪ ክረኣየኒ ኣይጸንሐን። ስለዚ ሓደ ነገር ክብለኪ ዝደሊ ጽቡቓት ፈጺመን ክኹርያ የብለንን።’’ ሰሓቐ። እታ ኣብ ስምዒት ዝኣተወት ኣርሴማ’ውን ቁንጅናኣ ክትመስል ከም ዝደለየት ክምስ ክትብል ተራእየት።“ሕጂኸ ጽባቐይ ተመሊሱዶ?’’ በለቶ

ንሰሓቕ ተቐሪባ።“እስከ ቅረብኒ ክርእዮ።’’ ንትእዛዙ

ትቕበል ድያ ኣይትቕበልን ክፍትና ኣብ ሳሎኑ ኮፍ ኢሉ ተጸበያ። ኣርሴማ ግና ዕቱብ ገጽ እናርኣየት ጥራይ ኣብ

ቦታኣ ኮይና ጠመተቶ። “ከም ዘፍቅረኪ ኣይትፈልጥን ዲኺ?’’ ከም ዘይትፈልጥ ርእሳ ብምንቕናቕ ገለጸትሉ። “እዋእ! እሞ ትም ኢለ’የ ዝደክም ዘለኹ።’’ በላ ካብ ክሳድ ንላዕሊ።ሚልክያስ ካብ ዝተቐመጦ ሳሎን

ተሲኡ ናብ ኣርሴማ ቀረበ። ሰላሕ እናበለ’ዩ ቀሪብዋ። ንሳ’ውን ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተት ትጽበዮ ነበረት።“ካብ ልቢ ከም ዘፍቅረኪ ኣይትፈልጥን

ኢኺ?’’ ኣብ ጎድና ተቐሚጡ ሓተታ። ኣርሴማ ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበትን። “እሞ ሕጂ ብተግባር ከፍልጠኪ ኣለኒ።’’ ኢዱ ናብ መንኩባ ሰደደ።“ኣብ ገዛይ?’’

በለቶ በቶም ፍሩያት ኣዒንታ እናጠመተት።“ፍቕሪ

ቦ ታ

ኣይመርጽን’ዩ።’’ በላ ናብ ከንፈራ እናተጸግዐ።

ኣርሴማ ኣይተቛወመትን። ሚልክያስ ከንፈሩ ናብ ከንፈራ ምስ ኣቕረበ ‘መጺእካለይዶ ክጽበየካ’ ብዝመስል ስምዒት ዓጸፌታ መለሰትሉ። ድሕሪ 14 ዓመት ዝተረኽበ ፍቕሪ ድማ ዳግማይ ክዕንብብ ተራእየ።

***ወ/ሮ ሮማ ኣብ ቤት እንዳ መሓዝኣ

ምስ ኣተወት ከቢድ ስክፍታ ተጻዒንዋ ዝሓሰበቶ ሓሳብ ክተፍስስ ኣይከኣለትን። ርግበ’ውን፡ እቲ ዘረባ ንሳ ትጀምሮ ዝብል ስምዒት ከም ዝሓደራ ብዘይካ ክኣትዋ እንከለዋ ዝለገሰትለን ሰላምታ ተወሳኺ ቃላት ክትዛረብ ኣይተሰምዐትን። እተን ኣንስቲ ዓቕልኻ ብዘጽብብ ስቕታ ተቐቢረን ንገለ ደቓይቕ ከምኡ ኢለን ቀጸላ።

***ሆቴል ሳን ሻይን፡ ካብቶም ኣብ

ቅርዓቱ ዝነበሩ ተገልገልቲ፡ ሲናይ ሶልያናን’ውን ቀንዲ ዓማዊል ናይቲ ገዛ ምዃኖም ዝምስክሩ ክመስሉ ኣብ ሳሎኑ ኣራጢጦም ነበሩ። ሶልያና፡ ዝካረ ክፍሊ ካብ ትረክብ ንደሓር ቁሩብ ዝተረጋግአት ትመስል ነበረት። እኹል ናይ ገዛ ኣቑሑት ግና ዛጊት ኣይገዝአትን።“ገዛና ገረውረ’ያ ትብል ዘላ።” ከም

ናይ ክልቲኦም ገዛ ገይራ’ያ ትዛረብ ነይራ። ኣብ ተግባር ድማ ሲናይ ካብ ጎድና ዝተፈልየሉ መዓልቲ የለን። እቲ ምሕዳር’ውን ሰባት ከይርእይዎም

ብምስካፍ’ምበር ዳርጋ ዘይወግዓውያን ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኖም ነበሩ። “ኣቑሑ ገዛ መዓስ ኢኻ ተጋዝኣኒ?” ንኣፍቃሪኣ እናጠመተት ሓተተት። ሲናይ ግና ኣብ ካልእ ሓሳብ ኣትዩ ብምንባሩ ዝሃባ መልሲ ኣይነበረን። “እንታይ ደኣ ኣብ ሓሳብ ዝኣተኻ ትመስል?’’ ሶልያና ስግኣት ብዘለዎ ኣዒንቲ ጠመተቶ። ከም ኣፍቃሪኣ፡ ብጻያን ሓዋን እትርእዮ መንእሰይ’ዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ብዘይካኡ ዝሕግዛ ይኹን ኣበይ ኣለኺ ዝብላ ሰብ ኣይነበራን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ክትከስሮ ኣይትደሊን’ያ።“ዘይነገርኩኺ’ምበር ምስ ኣቦኺ

ተራኺብና ነይርና።’’“እንታይ ኢልካ?’’ ሶልያና

ሰንበደት። ኣብ ኣእምሮኣ ድማ ‘ከመይ፡ ስለምንታይን ካልኦትን ዝብሉ ሕቶታት ተመላለስዋ። “ኣበይ ይፈልጠካ?’’“ኣነ’ውን ንሱ’ዩ ገሪሙኒ ዘሎ። ኣብ

ዝኾነ ይኹን እዋን ኣይንፋለጥን ኢና። ከተላልይኒ ትኽእሊ ዝነበርኪ ንስኺ ጥራይ ኢኺ።’’ በላ ኣብ ገጻ ዝረኣዮ ስግኣት ኣብ ጥርጣረ ሸሚምዎ።“እንታይ ደኣ ኢሉካ?’’ ዝተባሃሃልዎ

ክትሰምዕ ቅልጡፍ ሕቶ ኣቕረበት።“ብዙሕ’ዩ።’’ በላ ርእሱ ኣድኒኑ።

“ምስ ሳዶር ምህላውኪ ዝደገፍዎ ኣይመስሉን’ዮም። ስለዚ ኣነ ምሳኺ ከም ምህላወይ መጠን ክመኽረክን ናብ ቤትኪ ክመልሰኪን’ዮም ተማሕጺኖሙኒ።’’“ኣነ ቈልዓ ድየ ሲናይ? ዘኽፍኣለይን

ዘጸብቐለይን ዝፈልጥ ሰብዶ ኣይኮንኩን። ደሓር ድማ ምሳኻ እንታይ ዘዛርብ ኣለዎ። ጉዳይ ናይ ስድራና ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ሰብኣይ’ዚ ንኹሉ ሰብ ክነግረለይ. .” ንብዓት ስዒርዋ ፊቕፊቕ በለት።“ክትበኽዩ ኢለ ኣይኮንኩን።” በላ

ንብዓታ እትደርዘሉ ሶፍት እናሃበ። “ከም ዝሰማዕክዎም እንተኾይኑ ብሳዶር ሕጉስ ኣይኮኑን።’’“ኣንታ ግደፎ እንዶ ናይ ሳዶር!

ምሳኻ እንታይ ዲና ተረዳዲእና? ኣነ ንሳዶር ከም ዘይደልዮ ትፈልጥ እንዲኻ።’’ ብእወታ ርእሱ ነቕነቐ። “እንታይ ደኣ ትብል ኣለኻ?’’“ኣነስ ምስ ስድራኺ እንተ ትተዓረቒ

ደስ ምበለኒ። ምኽንያቱ ስድራኺ’ዮም ስድራኺ።’’ በላ ከይትበኣሶ እናተሰከፈ።“ሲናይ ካብ ልቢ የፍቅረካ’የ። እዚ

ትብለኒ ዘለኻ ከም ዘይጠፍኣኒ ድማ ትፈልጥ ኢኻ። ስድራይ ልዕሊ ኹሉ ምዃኖም ዝስሕት ይመስለካ እንተሎ ተጋጊኻ።’’ በለቶ ህድእ ኢላ።“ኣነስ ስለ ዘደንገጹኒ’ዮም እምበር

ብኻልእ ኣይኮንኩን። ናይ ሳዶር ተግባር ድማ መመሊሱ የሕዝነኒ ኣሎ። ምስ ስድራኺ ኣባኢሱስ እንታይ ክረክብ’ዩ እስከ?’’“ካልእ ነዐልል በጃኻ!’’ ካብቲ

ዝተላዕለ ኣርእስቲ ክትገላገል ደለየት።

ይቕጽል

ብንያም ፍስሃጽዮን

[email protected]

ሸባብሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 -ገጽ 9

ልዝብ ሸባባት

ደሞዝ ጸጋብርሃን

ክብርታትን ስነ-ምግባርን መንእሰይ

ሳሙኤል ተስፋማርያም

እዛ ሕቶ ኣገዳሲትን እዋናዊትን እያ። ምኽንያቱ፣ሓደ መንእሰይ መንነቱን ክብርታቱን እንተፈሊጡ ብዝኾነ ይኹን ወይ ዝመጸ ሓይሊ እንተመጸ ዝሰዕሮ የለን። መንእሰይ ክንብል እንከለና ብዝሰርሖ ስራሕን ኣብዛ ሃገር ብዝገብሮ ኣበርክቶ እዩ ዝምዘን። እዚ ማለት ንሃገርካን ህዝብኻን ከተበርክት እንተኴንካ መጀመርያ ስነ-ምግባርን ክብርታትን ናይቲ ሕብረተሰብ ክትፈልጥ ኣገዳሲ እዩ። ክብርታትን ስነ-ምግባርን መንእሰይ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ክሪኦ እንከለኹ ኣብ ክልተ ከፊለ ክሪኦ ምደለኹ፣ እቲ ቀዳማይ መንእሰይ ገድሊ፣ እቲ ኤርትራ ከም ሃገር ጸኒዓ ክትቀውም ዝገበረ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ መንእሰይ ሎሚ ወይ ድማ መንእሰይ ወለዶ እንብሎ እዩ። ነጻጺልና ክንርእዮ እንተኾይና፣ መንእሰይ ገድሊ(ናይ ሎሚ ኣቦ) ዝበሃል ምሉእ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ዝዓጠቐ እዩ። እቲ ክብርታትን ስነ-ምግባርን እንብሎ ዘለና፣ ዘይተሳዓርነት፣ ተስፋ ዘይምቑራጽ፣ ብጻይነት፣ ሓቦ፣ ኒሕ፣ ናይ ዓወት መንፈስ ዝውንን፣ ፍቕርን ሓድነትን እዚ ዕጥቂ እዩ። እቲ ስነ-ምግባር ድማ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ከምኡ’ውን ባህልን ያታን ናይቲ ሕብረተሰብ ከይበረዘ ብግቡእ እናሓለወ ምኻድ እዩ። ነዚ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ስለዝዓጠቐ ድማ ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ምስ ዓርሞሽሽ ሰራዊት ደርግን ዓለምን ተዋጊኡ ነዛ ሎሚ ኣፍ ልብና ነፊሕና ብክልተ እግርና ኣደልዲልና ከይተሸገርና ከተሸቑረርና ኣብ ዝኸድናዮ ክፍሊ ዓለም ባንዴራና እናዳ ኣወዛወዝና እንንየተላ ሃገር ከም ሃገር ክትከውን ዝገበረ ናይ ትማሊ መንእሰይ ገድሊ እዩ። እዚ መንእሰይ እዚ ምስ እምባ ገጢሙ ዝሰዓረ፣ ዘተኣደነ ሰራዊትን ኣጽዋርን ስለዝነበሮ ኣይኮነን ተዓዊቱ፣ እንታይ ደኣ ካብ ከውሒ ዝደልደለ ካብ ዓረ ዝተረረ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ስለዝነበሮ እዩ። እቲ ከም ካልኣይ ዝጠቐስናዮ መንእሰይ ወለዶ ኸ? እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ነቲ ክብርታትን ስነ-ምግባርን እንብሎ ዘለና ኣምር ካብቶም መንእሰያት ገድሊ እንብሎም ናይ ሎሚ ኣያታቱ እዩ ዝቕበልን ዝወርስን። እዚ መንእሰይ ወለዶ ነቲ ናይ ትማሊ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ክዕቕብ ደኣምበር ናቱ ሓድሽ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ። ነዚ ካብ ኣያታቱ(መንእሰይ ገድሊ) ዝወረሶ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ብዝግባእ ዓቂብዎ ኣሎ ዶ? እዚ ሕቶ እዚ ንነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ዝብጽሖ ኮይኑ፣ ነብሱ ክሓትትን ክምልሰላን ድማ ኣለዎ ዝብል መረዳእታ ኣለኒ። ከም መንእሰይ ብናተይ ትዕዝብቲ ወይ ተመክሮ ክሪኦ

እንተኾይነ፣ ብመጠኑ ተዓቂቡ ኣሎ ክብል እደፍር ምኽንያቱ፣ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ኣብ ሰለስተ መድረኽ ክኸፍሎ ይኽእል፣ እቲ ቀዳማይ ካብ 1991-1997 እዚ እቲ ናጽነት መጺኡ፣ እቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ መንእሰይ ሕድሪ ዘሰከሞ፣ ሕድሩ ድማ ዘልዓለ፣ ኣሰሮም ንኸድምቕ ብመሰረት ኣዋጅ መንግስቲ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ብወለንታኡ ዝወፈረ፣ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ገድሊ ንምዕቃብ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ራሃጹ ዘፍሰሰ መንእሰይ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልኣይ ካብ 1998-2003 ዝዓነወ ርስቱ ኣብ ምጽጋንን ምህናጽን (ሃገራዊ ህንጸት) እንከሎ ብሕማቕ ጎረቤት

ንዝተፈጥረ ግርጭት፣ ልኣላውነት ሃገር ኣብ ምኽባር ኣብ ዝነበረ ወራራት ደሙ ዝኸዓወ፣ ንዝነበረ ወራራት ኣፍሽሉ ኣሰር መንእሰያት ገድሊ(ዘይተንበርካኽነት፣ ተወፋይነት፣ ጽንዓት፣) ብዘይ ሃገር ክብረት የለን ንዝብል ገድላዊ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ዝዓቐበ እዩ። እቲ ሳልሳይ እንብሎ ዘለና ድማ ካብ 2003 ክሳዕ እዚ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ እዩ። እዚ ልኣላውነት ሃገር ብዝኾነ ምኽንያት ንኸይድፈር፣ ርእሰ ምርኩስ እዚ ሕመረቱ ክብርታት ሒዙ ሃገሩ ዘልምዕን ንሃገሩ ኣብ ጥርዚ ብልጻገን ግስጋሰን ዘኾይጥ እዩ። ለይትን ቀትርን ንፋስን ቁርን ተጻዊሩ ‘ዋርሳይ ይከኣሎ’ ብዝብል መርሓ ጭርሖ ኣብ ምልማዕ ዝርከብ ዘሎ እዩ።

ንሕና መንእሰይ ወለዶ ብፍላይ እዚ ኣብ 3ይ መድረኽ እንብሎ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክብርታትን ስነ-ምግባርን መንእሰይ ኤርትራ ንምዕቃብ ረዚን ሓላፍነት ኣለዎ። ምኽንያቱ፣ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ናብ ሓንቲ ቑሸት ትኸደሉ ኣብ ዘላ ባህሊ ክብርን ስነ-ምግባርን ናይ ሕብረተሰብ ንምሕላው ውፉያት ክንከውን ኣለና። ብቀንዱ’ውን ፓሊስ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን ንሕና መንእሰያት ነዚ ዝመጸና ዘሎ ወራር ብዝግባእ እንተዘይነቒሕናሉን እንተዘይመኪትናዮን፣ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ንነፍስ እንተኾይና ከምቲ መንእሰይ ገድሊ ዝሰርሖ ትእምርቲ ክንሰርሕ ክንጽገም ኢና። ብዝከኣለና ነዚ ተገንዚብና ግና ብሓፈሻ ነቲ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝጸንሐ ብፍላይ ድማ ነቲ ብመንእሰይ ገድሊ ዝመጸ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ክንዕቕቦ

ክንክእል ኣለና። ዘይወረስናዮ ገድላዊ ክብርን ስነ-ምግባርን እንተደኣሃልዩ ድማ ብዘይ ዝኾነ ዛሕልታት ሃየ ሕጂ ክንወርሶን ክንፈልጦን ንበገስ። ንሕና ድማ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ብግቡእ እንተዘይኣውሪስናዮምን እንተዘይኣፍሊጥናዮምን ብናይ ጽባሕ ወለዶ መንእሰያት ተሓተቲ ምኻና ካብ ማንም ዝሕባእ ከምዘይኮነን ንፍለጥ።

ሃይማኖት ተኸስተ

ክብርታትን ስነ-ምግባርን መንእሰይ ክንብል እንከለና፣ ንዝሓለፈን ዘሎን መድረኻት ብምንጽጻር ኢና ክንድህስሶ እንኽእል። ምኽንያቱ፣ ናይ ሎሚ ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን ካብ ትማሊ ስለዝብገሱ። ብቀንዱ ናይ ሎሚ’ውን ናብ ጽባሕ ዝወስዱ ስለዝኾኑ። ኣብዚ ዘለናዮ ምዕቡል ዘመን መንእሰይና ብዓይኒ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ክንጥምቶ እንተፈቲና መዳርግቲ ኣልቦ ክብል እየ ዝኽእል። ምኽንያቱ፣ መንእሰያት ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለዉ ብቐጻሊ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ንከታተሎ ዘለና ሓቒ እዩ። ነዚ ርኢኻን ሰሚዕካን ናብ ኤርትራዊ መንእሰይ እንተተመሊስካ ከኣ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኢኻ ትዕዘብ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን ወረስትን ተግባርትን ኢና። እዚ ኩሉ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ውሑድ ዘሰክፈካ ተግባራት ግና ኣሎ። ንሱ ኸኣ ባህሊ ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን ኣብ ምዕቃብ እዩ። ንኣብነት ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ምክብባርን እናሃሰሰ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። እቲ ሓቐኛ ህይወት ከኣ ኣብ ምክብባርን ምድግጋፍን እዩ ዝጽብቕ። ገዛና እቲ ኹሉ ነገር ንመሃረሉ ጸኒሕና

ድማ እቲ ዝዓበናሉ ባህልን ልምድን ነንጻባርቐሉ ስለዝኾነ፣ ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን’ውን ካብኡ እዩ ዝውለድ። እቲ ሓቂ እዚ እንተኾይኑ እዚ ሎሚ ብናይ ደገ ባህልታት እናተጣሕሰ ብውሑድ መጠን ዝቀላቐል ዘሎ፣ ካብኡ ነቲ ሃብታም ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን መሊሱ ዘድምቕ ንመሃረሉ ደኣ’ምበር ናትና ኣጥፊእና ንዕኡ ከነንጸባርቕ ወይ ክንመስል ኣይንፈትን። ሰብ ንውሽጡ’ዩ ዝመስል ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ክብርታትን ስነ-ምግባርን ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን ንናቱ’ምበር ንኻልእ ኣይመስልን እዩ። ዋላ እንተመሰለ’ውን ኣየምሕረሉን እዩ። እዚ ምዃኑ ተረዲእና ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን ከምቲ ዝሓለፈ ወለዶ ከይሸረፈ ከይጉረፈ ዘረከበና ንሕና

ድማ ብዝከኣለና ዓቒብና ናብቲ ዝመጽእ ወለዶ ከነመሓላልፎ ንጽዓር። ከነሕልፎን ብኽብሪ ክንሕዞ’ውን ሓላፍነት ናይዚ ሎሚ መንእሰይ እንብሎ ኣካል ሕብረተሰብ እዩ።

ሙሉጌታ ኣርኣያ

ክብርታትን ስነ-ምግባርን መንእሰይ ብመንጽር ገበናዊ ሕጊ ክድህስሶ እንተፈቲነ፣ መጀመርያ ገበናዊ ሕጊ ባህሪ ዜጋታት ንምቁጽጻር ክጠሓሱ ዘይግበኦም ህልው መሰል ዜጋታት ንዝጥሕሱ ሰባት ንምቕጻዕ ዝቆመ ኣካል ሕብረተሰብ ምኳኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ነቶም ኩሎም ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝንቐፉ ተግባራት ኣብ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ገበናዊ ተግባር ተባሂሎም ተገሊጾም’ዮም ክበሃል ኣጸጋሚ እዩ። ከምኡ’ውን ብ ሞ ራ ላ ዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ጥ ፍ ኣ ት ተ ባ ሂ ሎ ም ዝንቐፉ ኩሎም ተ ግ ባ ራ ት ብገበን ዝቕጽዑ ኣ ይ ኮ ኑ ን ። ንኣብነት ምስ ክብርታትን ስነ-ምግባርን መንእሰይ ዝተኣሳሰሩ ገበናዊ ተግባራት ኣብ ገ/ሕ/ኤ ዝሰፈሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሃብቲ ዝፍጸሙ ገበናት (ስርቂ፣ ከትሪ፣ ምትላል፣እምነት ምጉዳል) ኣብ ጾታዊ በደል(ዓመጽ፣ ዘይፍቑድ ስጋዊ ርክብ

ምስ ትሕቲ ዕድመ፣ ግብረ ሰዶም) ወዘተ እዮም። ኣብ ልዕሊ ህይወት ወይ ኣካል ሰብ ጉድኣት ከውርድ ዝኽእል(ኣምባጋሮ፣ ምንጻል ጥንሲ) ንዝኣምሰሉ ብሰንኪ ዘ ይ ሞ ራ ላ ው ን ዘይሓላፍነታውን መንእሰይ ዝፍጸሙ ካብ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ዝወጹ ተግባራት እዮም።

ናብዚ ዘይ ስነ-ምግባራዊ ፍጻመታት ክኸዱ ዝደፋፍኦም ነገራት ከኣ ኣብ ትምህርቲ ከሕልፍዎ ዝግበኦም ዕድመ(13-19) ብሰንኩ ከባብያውን መዘናውን ጽልዋ ኣንፈቶም ይስሕቱ። ነቲ ሰሪሖም ክረኽብዎ ዝግበኦም ገንዘብን ካልእን ብክብርታቶምን ስነ-ምግባሮምን ዝብርዝ ተግባራት(ካብ ኣውቶሱብ፣ ገዛ) ይረኽብዎ። እቶም ነዚ ተግባር እዚ ዝፍጽሙ መንእሰያት መን እዮም እንተኢልና፣ እቶም ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብግቡእን ብግብርን ንክብርታትና ዘጉልሑን ንስነ-ምግባርና ዝሕግዙን ኣተሓሳስባ ዘይረኸቡ፣ኣብ ዝኣልን ሓላፍነታውን ስድራ ዘይዓበዩ እዮም።

ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና መዋእል ከም ገዛኻን ብዓቕምኻን ምንባር፣ ናይ

ስራሕ ፍቕሪ ምፍጣር፣ ብስድራኻን ቀረብትኻን እሙንን ክቡርን ሰብ ምዃን፣ መጠኑ ዝሓለወ ስክፍታ፣ ዒብን ሓቦን ዘለዎ ምዃን መሰረቶም ካብ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ሕብረተሰብና እዮም ዝነቕሉ። ኣብዚ ዘሎ ወለዶ መንእሰይ ግና እናሃሰሱ ዝኸዱ ዘለዉ ይመስሉ። ብስነ-ስርዓትን ስነ-ምግባርን ተመሊእካ ምኻድ ብመቕጻዕቲ ወይ ፈሪሕካ ዘይኮነ ክስዓብ ዘለዎ ካብ ትማሊ ኣብ ዘብጽሓና፣ ካብ ሎሚ’ውን ናብ ጽባሕ ዝወስደና ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ሃብታም ክብርታትን ስነ-ምግባርን ሕብረተሰብና ምዃኑ ምስትብሃል የድሌና። ንኣብነት ጾታዊ ዓመጽ ኣብዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ሕሉፍ ሓሊፉ ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ልዕሊ ክልተ እናኾንካ ምግሳስ ይረአ ኣሎ። ንኽብርታትና ዘፋኹስ ሓደ ጽዩፍ ስነ-ምግባር እዩ። ካብ ባሃሊኡስ ደጋሚ ክትብል’ውን ይድርኸካ። ብሓፈሻ’ውን ኣብዚ ግዜ መንእሰያት ኣብ ጾታዊ ዕርክነት ዘለዉ/ዋ

ኣፍልጦኦም ገና ኣብ ትምህርቲ እንከለዉ ዘለዎም ንቕሓትን ምሉእ እዩ’ኳ እንተዘይበልኩ ንኽተዓራረኹ ዝደፋፍኦም ስምዒት እምበር ኣፍልጦ ዘይምኻኑ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ፣ ምስ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ ልዕሊ ዓቐን ይበዝሕ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ብስምዒት ተደፋፊኦም ዝገብርዎ ቀጻልነቱ ድኹም ብምዃኑ ቀልጢፉ ዝቋረጽን ምጥልላምን ምክሕሓድን ብብዝሒ ዝረኣየሉ ወቅቲ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ውልቃዊ ኮነ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ሕብረተሰብ ሃሳዪ ይኸውን። መብዛሕትኦም ኣብ ብፍቕሪ፣ ሓልዮት ኣብነታዊ ኣመራርሓ ኣብ ዘለዋ ስድራቤት ዝዓበዩ፣ እዚ ሓደጋ ክርእዩ ዘለዎም ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እናሰከፈካ ዝኸይድ ደሎ እሞ ኸኣ ንክብርታትን ስነ-ምግባርን ሓደ መንእሰይ ዝጸሉ ኣብ ህዝባውን መንግስታውን ሃብቲ ዘለዎም ኣተሓሕዛን ተገዳስነትን ይጎድል ምህላዉ እዩ። እዚ ኸኣ ነጸብራቕ ኣብ ክብርታትን ስነ-ምግባርን ዘለና ጥቡቕ ኣተሓሕዛ የነጽረልና። ስለዚ መንእሰያት እዚ ወለዶ ነቲ ናይ ኣቦታትና ክብርታትን ስነ-ምግባርን ብዝከኣለና ክንዕቕቦን ከነደንፍዖን ሓላፍነትና ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። ‘ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ ዘለና መንእሰያት ኣብ ክብርታትናን ስነ-ምግባርናን ብዙሕ ጎደሎ ከም ዘለና ደሚቑ ዝረአ ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ክብል እንከለኹ ግና ክብርታትን ስነ-ምግባርን ሕሉፍ ታሪኻትና ንፍጽም የለናን ማለት ኣይኮነን።ብዙሕ መንእሰይና’ውን ክብርታቱን ስነ-ምግባሩን ኣድኒቕካ ዘይትጸግቦ ኣለና።

***

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 10

ኤርምያስ ሰሎሞን

ሕርሻን መግብን

ምዕቃብ ማይን ሓመድን2ይን መወዳእታን ክፋል

ሜላታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን

1. ስነ-ሂወታዊ ኣገባብ ምዕቃብ(biological measure)

ስነ-ሂወታዊ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ንባዕሉ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ንጥፈታት ከፊልና ክንርእዮ ንኽእል፣

1.1 ስነ-ዘራእትን ማሕረስን።- እዚ'ውን ኣብ 5 ንኡስ ክፋልታት ይኽፈል፣

ሀ. ዋህራር (intercropping)።- ዋህራር ማለት ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ኣዝርእቲ ኣብ ሓደ ግራት ምዝራእ ማለት ኮይኑ። ኣብ ልዕሊ'ቲ ልዑል እቶት ምሃቡ ንመሬት’ውን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝሽፍን። ካብ ቀጥታዊ ዝናብ ተኸላኺሉ ሓመድ ካብ ምሽርሻር የድሕን፣ ኣብዚ ክንጥቀመሎም እንኽእል ዘራእቲ። መሸላን ዳጉሻን ወይ ዕፉን ምስ ጥረታት ክኾኑ ይኽእሉ፣ ንኣብነት ዕፉንን ጥረታትን እንተርኢና። ኣብ ሞንጎ እቲ ዕፉን ዘሎ ተረፍ ቦታ ጥረታት ይዝራእ'ሞ። እቲ ጥረታት መሬት የስብሕ። እቲ ዕፉን ድማ ደገፍ ይህቦ፣ መሬት ድማ ብምሉኡ ተሸፊኑ ሓይሊ ዝናብ ኣጕዲሉ ማይን ሓመድን ይዕቀብ ማለት እዩ፣

ለ. ቅርጺ መሬት ሓሊኻ ምልማዕ (contour strip)።- እዚ ኣገባብ ክልተ ዝተፈላለዩ ዘራእቲ ሓደ ድሕሪ'ቲ ሓደ ኣብ ሓደ መሬት ምዝራእ ማለት'ዩ፣ ኣብ ማእከላይ (ውሱን) ትሪ ዕቃበ ዘለዎ ግራት። ሓደ ተቐራሪቡ ዝዝራእ ዘርኢ ምስ ተረሓሒቑ ዝዝራእ ዘርኢ። ሓደ ድሕሪ'ቲ ሓደ ይዝራእ፣ በዚ ሜላ። ካብቲ ተረሓሒቑ ዝተዘርአ ዝኸደ ሓመድ ኣብቲ ተቐራሪቡ ዝተዘርአ ግራት ይዕቀብ ማለት'ዩ፣ ኣብዚ ብኣብነት ዝጥቀሱ ዘራእቲ። ዕፉን ምስ ስገም ወይ ስርናይ ክኾኑ ይኽእሉ፣

ሐ. ብሳዕሪ ምሽፋን (mulching)።- ኣብ ዘይተዘርአ መሬት ወይ ተረሓሒቖም ኣብ ዝተዘርኡ ዘራእቲ ግራት ተረፍ-መረፍ ሳዕሪ ብምጥቃም ግራት ሕርሻ ከም ዝሽፈን ምግባር፣ ኣዚ ኣገባብ። ንፍጥነት ዝናብ ማይን ውሕጅን ኣጕዲሉ ሓመድ ይዕቅብ። ጠሊ’ውን ይዕቅብ፣

ሐ. ምቅይያር ዘራእቲ።- ስሙ ከም ዝሕብሮ ዝተፈላለዩ ዘራእቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓመታት ኣብ ሓደ ግራት ምዝራእ ማለት እዩ፣ ንኣብነት ቀሪም መሸላ ወይ ዕፉን ዝነበረ። ስገም ይዝራእ። ድሒሩ ድማ ጣፍ ክዝራእ ይከኣል፣ ወይ ቀሪም ዓተር ዝነበረ ስገም ይዝራእ። ድሒሩ መሸላ። ድሒሩ ድማ ጣፍ ክዝራእ ይከኣል፣ ዓመት መጸ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ምጥቃም ትሕዝቶ ሓመድ የድኪ። ሕማም የመሓላልፍ። ዕብየት ተኽሊ ይንኪ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶት ይንኪ ጥራይ ዘይኮነ። መሬት ግቡእ ሽፋን ኣቝጽልቲ ስለ ዘይረክብ ሓመድ ይብሕጎግ፣ ቀያይርካ ምዝራእ ግና መሬት ብትሕዝቶ ማዕድን ይህብትም። ምትሕልላፍ ሕማማት ይቋረጽ። ዘራእቲ ብግቡእ ይዓብዩን የጕላዕልዑን፣ በዚ መሰረት ሓመድ ከምኡ’ውን ማይ ይዕቀብ'ሞ እቶት ድማ ይብርክት፣

መ. ምድኳዕ።- ግራት ብግቡእ ምስ

ዝድኳዕ። ፍርያምነት ሓመድ ይዛይድ፣ እዚ ማለት ዝተደኰዐ ግራት። ቅርጽን ኣሰራርዓን ሓመድ የመሓይሽ'ሞ። ማይ ናይ ምዕቃብ ተኽእሎኡ ይዓቢ፣ ኣብ ድዅዒ ዝርከቡ ማዕድናት ብዝተዓቀበ ማይ ይሓቁ'ሞ ምስ ማይ ተወሃሂዶም ድማ ንመግቢ ተኽሊ ቁሩባት ይኾኑ፣ ኣብዚ ግራት ዝዝርኡ ዘራእቲ ኣብ ሓጺር ግዜ በቚሎም መሬት ይኸድኑ። ሓይሊ ዝናብ ኣጕዲሎም ከኣ ሓመድ ከም ዝዕቀብ ይገብሩ፣

1.2. ምትካል ኣግራብ።- ኣግራብ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዘሎዎም ግደ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፣ ኣግራብ ብኣቝጽልቶምን ጨናፍሮምን። ሓይሊ ዝናብ ማይ ኣዝሒሎም ናብ ባይታ ብዘገምታ ከም ዝነጥብ ይገብሩ፣ ብዘገምታ ዝወረደ ማይ ድማ ናብ መሬት ብቐሊሉ ክዘሩቕ ይኽእል፣ ብጉንዶም ድማ ፍጥነትን ሓይልን ውሕጅ ኣጕዲሎም ውሕጅ ብዘገምታ ከም ዝኸይድ ይገብሩ፣ ብዘገምታ ዝኸይድ ማይ ድማ ሓመድ ኣይብሕጉግን ጥራይ ዘይኮነ ሓመድ'ውን ኣይማላእን፣ ስለዚ ድማ ኢና ካብ ጫካታት ጽሩይ ማይ ጥራይ ክፈስስ ንርኢ፣ ሰራውር ኣግራብ’ውን እንተኾነ። ናብ ኩሉ ትሕተ-ባይታ ተዘርጊሑ ንሓመድ (መሬት) ኣደልዲሉ ይሕዞ፣ ሰራውር ኣግራብ ኣብ ምሓዝን ምዕቃብን ሓመድ ኣብ ደንደስ ሩባ ብቐሊሉ ክንዕዘቦ ንኽእል አና፣ ጥቕሚ ኣግራብ ኣብዚ ከይተወሰነ ኣቝጽልቶም ነቒጹ ኣብ ባይታ ምስ ረገፈ'ውን መሽሚሹ ፍርያምነት ሓመድ የዛይድ፣

2. ፊዚካዊ/ ቅርጻዊ ሜላ ምዕቃብ (physical measure)

ፊዚካዊ ወይ ቅርጻዊ ምዕቃብ

ሓመድን ማይን ተባሂሎም ዝጽውዑ ድማ።-

ሀ. ቅናታዊ መትረባዊ ዛላ።- ኣብ ጎቦ ወይ ልዑል ትሪ-ዕቃበ ዘሎዎ መሬት ዝስራሕ ዓይነት ዛላ እዩ፣ እዚ ዓይነት መሬት። ጸዳፍን ቀላጥን ስለዝኾነ። ከምኡ'ውን ልዑል ፍጥነት ማይ (ውሕጅ) ስለ ዘለዎ። ቅርጺ ዛላ

ብዛዕባ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣመልኪትና ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ኣብ ዘቕረብናዮ ኣስተምህሮ። ንትርጕም ሓመድ። ስለምንታይ ምዕቃብ ከም ዝደሊ። ውህደት ማይን ሓመድን ከመይ ከም ዝኾነ... ጠቒስና ኔርና፣ ኣብዚ ሎሚ እነቕርቦ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ድማ ሜላታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን እንታይ ከም ዝመስሉ። ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ላዕለዋይ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን። ኣቶ መሓሪ ሞጎስ ከብርሃልና እዩ፣ ሰናይ ንባብ።-

ብእምኒ ይስራሕለ. መደባዊ ዛላ።- ሓደ ዓይነት ዛላ

ኮይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ደሓን ሓመድ ዘሎዎ መሬት ይስራሕ፣ ዕላማኡ ትሪ-ዕቃበ ኣጕዲልካ ናብ ግራት ሕርሻ ምቕያር እዩ፣ መደባዊ ዛላ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ዘሎዎን ውሑድ ሕርሻ መሬት ዘሎዎን ከባቢ ይስራሕ፣ ዝያዳ ኻልኦት ዛላታት ድማ ንምስርሑ ንዋትን ጉልበትን ይሓትት፣

ሐ. መትረባዊ ዛላ።- እዚ ዓይነት ዛላ ካብ ትሑት ክሳብ ማእከላይ ትሪ-ዕቃበ ዘሎዎ መሬት ብሓመድ ወይ ብእምኒ ክስራሕ ይከኣል፣

መ. ከትሪ።- ኣብ ስንጭሮ ወይ ሩባ ዝስራሕ ዓይነት ቅርጺ ኾይኑ ብእምኒ ወይ ብጋብዮን ይስራሕ

ሰ. ፍርቂ ወርሒ።- እዚ ዓይነት ቅርጺ ካብ 5-20% ትሪ-ዕቃበ ዘሎዎ መሬት ዝስራሕ ኮይኑ። ገረቡ ዝቐንጠጠ ወይ ኣብ ሓመዱ ዝተባሕጎገ መሬት ክስራሕ ይከኣል፣ ዓቐን ፍርቂ ወርሒ ሰንጣቒት 3 ሜትሮ ዕምቆት ድማ 0.5 ሜትሮ ይስራሕ፣ ዕላማኡ ድማ ማይ ከዕቍር። ፈልሲ ገረብ ክትከለሉ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ መሬት ናብ ንቡር መልክዑ ምምላስ እዩ፣

3. ምሕደራዊ ሜላ(management measures)

ሀ. ሕሩም ሕዛእቲ።- ሕሩም ሕዛእቲ ማለት ስሙ ከም ዝሕብሮ ሓደ ጸዳፍ። መሬቱ ዝተባሕጎገ። ናይ ተፈጥሮ ገረቡ ዝጠፍአ መሬት። ናብ ንቡር ህይወቱ ንምምላስ ሰብን እንስሳን ከይኣትዉዎ ንዝተወሰነ ዓመታት ምኽልካል ማለት እዩ፣ ዕላማኡ ድማ ዝጠፍኡ ናይ ተፈጥሮ ኣግራብ ዳግማይ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ዕድል ምፍጣር እዩ፣

ለ. ኣዘዋዊርካ መጋሃጫ ምጥቃም።- ሓደ ካብቲ ብልዑል መጠን ፍግረ-መሬት የቀላጥፉ ተባሂሉ ዝእመነሎም። ብብዝሒ ጥሪት ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መሬት ብተደጋጋሚ ምውፋር እዩ፣ ምኽንያቱ። እንስሳታት ነቲ ላዕለዋይ ተኽሊ ጥራይ ዘይኮኑ። እንተላይ ሱሩ ፍሒሮም ስለዝበልዕዎ። ብብዝሒ ምርጋጽ ነቲ ሓመድ'ውን ናብ

ደቦቕቦቓ ይቕይርዎ፣ ናብ ደቦቕቦቓ ዝተቐየረ ሓመድ ድማ ብቐሊሉ ብንፋስን ማይን ክውሰድ ይኽእል፣ በዚ ድማ ልዑል ፍግረ-መሬት ክፍጠር ይከኣል፣

* ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣብ ግራት

ኣብ ሃገርና ዝናብ ዘይምዕሩይ። ዘይውሑስ። ኣብቲ ዝመጻሉ ድማ ህዱእ ስለ ዘይኰነ። ሓመድ ብቐጻሊ ክሽርሸር ከምኡ’ውን ማይ ብቐጻሊ ክኸይድ ንርእዮ ኢና፣ ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ሓመድ ፍርያምነቱን ማይ ናይ ምሓዝ ተኽእሎኡን ይጎድል፣ ድምር ውጽኢት ናይዚ ድማ ትሑት

እቶትን እቶታውነትን የኸትል፣ ስለዚ ምስራሕ ትሕተ-ቕርጺ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኣብ ግራት ፍጥነት ውሕጅ ነክዩ ሓመድ ካብ ምሽርሻር የድሕን። ማይ ናብ ባይታ ከም ዝዘሩቕን ከም ዝዕቀብን ይገብር፣ በዚ መዳይ ሓመዱ ዝተዓቀበን ጠሊ(ማይ) ኣብ ዘለዎን መሬት ዝካየድ ንጥፈታት ሕርሻ ኣእካል ብግቡእ ንኽዓብዩን እቶታውነቶም ድማ ከም ዝውስኽን ይገብር፣

** *** **

* ድሮ ኣውደኣመት ኢና ዘለና፣ ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ኣዝየን ብዙሓት ጤለ-በጊዕን ከብትን ከም ዝሕረዳ ይፍለጥ፣ ኣብ እዋን ማሕረዲን ድሕሪኡን ክንገብሮ ዝግብኣና ጥንቃቐታት ኣመልኪቱ። ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ። ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን። ላዕለዋይ ክኢላ ልምዓት ቈርበት ኣቶ ገብረማርያም ሓጐስ ሓጺር መብርሂ ክህበና ተወኪስናዮ ኣለና፣

***

ኣብ ግዜ ማሕረድን ኣነቓቕጻን ዝፍጠሩ ጉድለታት።

ኣብዚ ደረጃ ዝፍጠሩ ጉድለታት ንቘርበት ደረጃኡን ዓይነቱን ኣበላሽዮም ትሑት ደረጃ ከም ዝህልዎ ይገብሩ፣ ስለዚ እቶም ናብዚ ደረጃ'ዚ ከብጽሑ ዝኽእሉ ዓይነት ጉድለታት ኣሕጽር ኣቢልና ንርኣዮም።-

ሀ. ምቕዳድ ቈርበት

ብመጀመርታ እንስሳ ንማሕረዲ ክቐርብ እንከሎ። ብህድኣት ቀስ ኢሉ ናብቲ ክሕረደሉ ዝተመርጸ ቦታ ከም ዝኸይድ ይግበር፣

እቲ ንመሕረዲ ዝተመርጸ ቦታ ድማ ጽሩይን ልሙጽን ኮይኑ። ናይ ዝፈስስ ደምን ካልእ ፈሳሲ ነገርን ዘዕቍር ክኸውን የብሉን፣

ብዘይካ'ዚ።ንመሕረዲ (መጀመሪ) ከምኡ'ውን ንመቕለጢ ዝኾኑ ካራሩ ብምቕራብ። ካብ ምቕዳድ ቈርበት ንምድሓን። ኣፍልጦ ብዘሎዎም ክኢላታት። ቈርበት እንስሳ ከም ዝቕለጥ ይግበር፣ ኣብ ግዜ ምቕላጥ ቈርበት። እቲ ዝዓበየ ጌጋን ንቘርበት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝገብሮን

ምቕዳድ ቈርበት እዩ፣ ስለዚ። እዚ እቲ ዝዓበየ ሰብ ዝሰርሖ ጌጋ ብምዃኑ። ዝተማልአ ናይ ኣቀላልጣ ጥንቃቐ ክግበር ኣለዎ፣ እቲ እንስሳ ተንጠልጢሉ ቈርበቱ ከም ዝቕለጥ እንተ ተጌሩ ውጽኢታውን ዝቐለለን ኣሰራርሓ ስለዝኸውን። ምቕዳድ ቈርበት ብብዝሒ ኣይርአን፣

ለ. ቅርጺ ቈርበት ዘይምሕላው

ቅርጺ ቈርበት ፍሉጥን ኣገዳስን ስለዝኾነ። ብኣገባብ ተቐሊጡ ቅርጹ ሒዙ ክወጽእ ኣለዎ፣ ልክዕ ዝኾነ ቅርጺ ዘይብሉ ቈርበት ጎደሎ ኾይኑ ስለ ዝቐርብ። ደረጃኡን ዓይነቱን ኣብ ዝተሓተ ይምደብ፣

ሐ. ምጉታት ቆርበት

ምጉታት ቅድሚ ምቕላጥን ድሕሪኡን ይርአ፣ ብሰንኪ'ዚ እቲ ቈርበት ይለሓሓጽ። በላሕቲ ነገራት ይቐድዎ። ብርስሓት ደምን ፈርስን ድማ ይበላሾ፣ ስለዚ ቈርበት ብጥንቃቐ ክትሓዝ ደኣ ኣለዎ'ምበር ፍጹም ክጉተት የብሉን፣

መ. ኣብ ግዚኡ ዘይምቕላጥ ዝፈጥሮ ጉድለት

እቲ እንስሳ ምስ ተሓረደ።

ከይዘሓለ ብዝቐልጠፈ ግዜ ቈርበቱ ክቕለጥ ኣለዎ፣ ከይተቐለጠ ግዜ እንተወሲዱ። ስጋን ቈርበትን ንኽፈላለ ስለዘጸግም። ናይ ምቕዳድ ተኽእሎ ይዛይድ፣ እቲ ብጸገም ዝተቐልጠ ቈርበት'ውን እንተኾነ። ብዙሕ ስጋን ስብሕን ሒዙ ስለዘሎ ቀልጢፉ ይምሽምሽ፣ ስለዚ ቈርበት ቀልጢፉ ክቕለጥ ከም ዘለዎ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ፣

ጥንቃቐ ኣብ ኣቀላልጣ ቈርበት

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 11

ስፖርትኤርምያስ ገብረልዑል[email protected]

43 ሚልዮን ዝተተመነ ፈርናንዲኖ

‘ሃብታም’ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ዓይና ንዘውደቐትሉ ተጻዋታይ ካብ ምግዛእ ዘልሓጥ ኣይትብልን፣ ሕጂ ድማ ኣዒንታ ናብ በነፊካ ኣቢላ ኣላ - ንብራዚላዊ ፈርንናዲኖ ንምውናን፣ ወዲ 27 ዓመት ፈርናንዲኖ ምስታ ዓርሞሸሽ ክለባት ዩክሬን ዝኾነት በነፊካ ዘይተዛዘመ ውዕል እኳ እንተለዎ፡ ብዘርእዮ ዘሎ ዝነኣድ ብቕዓት ግን ኣቓልቦ ዓበይቲ ክለባት ካብ ምርካብ ዓዲ ኣይወዓለን፣ ነዚ ዝተረድአት ክለቡ፡ “ኣይትወጽእን ኢኻ” ዝብል ውሳነ እኳ እንተዘይሃበቶ፡ ዋጋኡ ሰማይ ብምብጻሕ ክትዓግቶ ትፍትን ኣላ፣ ብመገዲ ኣሰልጣኒኣ ሉሰስኩ ኣቢላ ድማ “42.3 ሚልዮን ፓውድን እትኸፍል ክለብ

ማን ዩናይትድ ናብ ጁቬ

ኣከፋፋሊ ክለብ ጁቬንቱስ - ክላውድዮ ማርኪዝዮ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድንቂ ብቕዓት የርእዩ ካብ ዘለዉ ተጻወትቲ ጁቬ ይስራዕ፣ ንሱ፡ ኣብ ውጥን ናይቲ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ጋንታኡ ከደልድል ወሲኑ ዘሎ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣሌክስ ፈርጉሰን ምእታዉ ድማ ዝተፈላለያ መርበብ ሓበሬታታት ይገልጻ፣ ብመሰረት ጋዜጣታት ኢጣልያ፡ ማን ዩናይትድ ኣስታት 20 ሚልዮን ፓንውድ ወጻኢታት ብምግባር ነቲ ተጻዋታይ ክትውንን ሃቂና ምህላዋ ይሕበር፣ ማን ዩናይትድ ብዘይካ እቲ ንምስግጋር እትኸፍሎ መጠን ገንዘብ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ንሰሙን 120,000 ፓንውድ መሃያ ንምኽፋል እውን ቅርብቲ ምህላዋ ይንገር፣ፈርጉሰን፡ ኣብዚ መወዳእታ ዓመት

ነቶም ብልቓሕ ዘፋነወቶም ማቼዳ፡ በበን ሊንደርጋርድን ጠቕሊሉ ከሰናብቶም መዲቡ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ፣ ብተወሳኺ እውን ብራዚላዊ ኣንደርሰን ብኣስታት 6 ሚልዮን ፓውንድ ነታ ክለብ ክፋኖ ከምዝኽእል ተኣሚቱሉ ምህላዉ ይግለጽ፣ማርኪዝዮ ምስ ጁቬ ክሳብ 2016 ዘጽንሕ

ውዕል ኣለዎ፣

ፋብሬጋስ ናብ ኣርሰናል?እንግሊዛዊት መርበብ ሓበሬታ ስፖርት

ሜትሮ፡ ኣብ እስጳኛ ምስ ባርሴሎና ‘ኣይማእመኦን’ ንዝበለቶ ፋብሬጋስ ናብ ኣርሰናል ክምለስ ከምዝኽእል ኣብ ናይ ትማሊ ፈነወኣ ገሊጻ፣ ን90 ደቒቕ ከምቶም ስሙያት ተጻወትቲ ባርሴሎና ኣብ ሜዳ ክረአ ዘይከኣለ ፋብሬጋስ፡ ብዛዕባ መጻኢኡ ተሻቒሉ ምህላዉ እያ እታ ምንጪ ትገልጽ፣ ነቲ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ኣብ ናይ ውልቁ መርበብ ሓበሬታ ንዝገለጾ ጽሑፍ ምርኩስ ዝገበረት እታ መርበብ ሓበሬታ፡ “ብዛዕባ መጻኢየይ ኣይፍለጥን” ክብል ንዝገለጾ ምሉእ ሓሳባት ዝተፈላለየ ትንተናታት ክትህበሉ ክኢላ ኣላ፣ፋብሬጋስ ኣብ 2011 ነታ ንሸሞንተ

ዓመታት ዝተጻወተላ ኣርሰናል ገዲፉ ናብታ ዘዕበየቶ ክለብ ባርሴሎና ምምርሑ ይፍለጥ፣ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ቨንገር ዋላ’ኳ ንኸም ሳንቲ ካርዞላ ንዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ከፈርም እንተኸኣለ፡ ሕጂ እውን እቲ ናይ ቅድም ሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ዝገደፎ ሃጓፍ ክሽፈን ከምዘይከኣለ ይእመን፣ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ዝካየድ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ንኽትህሉ ትቃለስ ዘላ ኣርሰናል፡ ባህጋ እንተሰሚሩላ፡ ኣብ ዝመጽእ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ስም ዘለዎ ተጻዋታይ ናይ ምፍራም መደብ ከምዝህልዋ ይግመት፣

ስዋረዝ ክልተ ድምጺ ጥራይ ረኺቡ

ኣብ ሜዳ ዘርእዮ ጥበብ፡ ብሰንኪ ጠባዩ ካብ ዝርመስ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፣ በዚ ድማ ኣደዳ መቕጻዕቲ ከምኡ እውን ክሽለሞም ንዝግብኦም ዓበይቲ ክብርታት ብተደጋጋሚ ክስእን ተራእዩ እዩ - ተጻዋታይ ሊቨርፑል ሉዊስ ስዋረዝ፣

ትማሊ ድማ ብማሕበር ጸሓፍቲ ንዝወሃብ

ሽልማት ብሰንኪ ሕማቕ ጠባዩ ክኸስሮ ከምዝኸኣለ ይንገር ኣሎ፣ እቲ ሽልማት ድማ ንተጻዋታይ ቶተንሃም ጋረዝ በይል ክወሃብ ክኢሉ ኣሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ 44 ጸወታታት 30 ሸቶታት ንሊቨርፑል ዘመዝገበ ስዋረዝ፡ ካብቶም ኣብ ስፖርት ብምሉእ ዓቕሞም ዝጽሕፉ ጋዜኛታት ስፖርት ዓዲ እንግሊዝ

መደብ ጸወታሎሚ ሰረ’ኣ

ፊዮረንቲና - ሮማ

9:45 ምሸት

ላሊጋ

ሪያል ማድሪድ -

ሪያል ቫላዶሊድ

9:00 ምሸት

ዲፖርቲቮ ላኮሩኛ -

ኣትለቲኮ ማድሪድ

11:00 ምሸት

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ፉልሃም - ሪዲን 5:00

ኖርዊች - ኣስቶን ቪላ 5:00

ስዋንሲ - ማን ሲቲ 5:00

ቶተንሃም - ሳውዝሃምፕተን

5:00

ዌስትብሮም - ዊጋን 5:00

ዌስትሃም - ኒውካስል 5:00

ኪውፒኣር - ኣርሰናል 7:30

መደብ ጸወታጽባሕ

ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ

ሊቨርፑል - ኤቨርተን 3:30

ማን ዩናይትድ - ቸልሲ 6:00

ሰረ’ኣ

ኡዲነዝ - ሳምፕዶርያ 1:30

ሚላን - ቶሪኖ 4:00

ጁቬንቱስ - ፓሌርሞ 4:00

ላዚዮ - ቦሎኛ 4:00

ናፖሊ - ኢንተር 9:45

ላ’ሊጋ

ሰቪያ - ኤስጳኞል 8:00

ምሸት

ባርሳ - ሬያል ቤትስ 10:00

እንተደኣ መጺኣ፡ መርሓባ!” ክትብል ብንጹር ዋጋኡ ኣፍሊጣ ኣላ፣ፈርናንዲኖ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት እዩ

ካብ ብራዚላዊት ክለብ ኣትለቲኮ ፓራንሰ ናብ ዩክሬን ኣምሪሑ፣ ምስ ሻክታር ብምዃን ድማ ሽዱሽተ ግዜ ጎብለል ክለባት ዩክሬን ሓንሳብ ድማ ተዓዋቲ ዋንጫ ዩዌፋ - ኣብ 2009 ክኸውን በቒዑ እዩ፣

እናተጸልአ ዝሰርሕ በኒተዝኣብ ሊቨርፑል ጽቡቕ ስም ዘጥረየ በኒተዝ፡

ሎሚ ዓመት ብግዚያውነት ንዝዕልማ ክለብ ቸልሲ ናብ ፍጻመ ውድድር ዩሮፓ ሊግ ኣብጺሕዋ ኣሎ - ንባሰል 3ብ1 ብምርታዕ፣

ጽባሕ ናይቲ መንበር ምስልጣን ዝተረከበሉ ዕለት፡ ካብ ደገፍቲ ቸልሲ ጸርፊ ክዘንቦ ዝጸንሐን ዘሎን በኒተዝ፡ ነዛ ዓባይ ለንደናዊት ክለብ ዋላ’ኳ ናብ ግጥም ፍጻመ ከብጽሓ እንተኸኣለ፡ ሕጂ እውን ካብ ሓለፍቲ ክለብ ቸልሲ ፍሱህ ገጽ ኣይረክብን ዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ዓዲ እንግሊዝ ድማ “እናተጸልአ ዝዓዪ ዘሎ” ክብላ ቅጽል ሂበናኦ ኣለዋ፣ሻምፕዮን ኤውሮጳ ዝኾነት ቸልሲ፡ ኣሰልጣኒ

ንምብራር ዓይና ኣይትሓስን፣ ደገፍታ ብቕድሚ ትማሊ ጋንታኦም ብናይ 5ብ2 ድምር ውጽኢት ናብቲ ኣብ ኣምስተርዳም ዝካየድ ግጥም ፍጻመ ብምምርሖም ሓጎሶም እኳ እንተገለጹ፡ ንሞሪኖ ዝጠልብ ፖስተራት

ሒዞም እዮም ኣብ ልዕሊ በኒተዝ ዘለዎም ጽልኢ ከም ወትሩ ብዕሊ ዝገለጹ፣“ናብ ግጥም ፍጻመ ምብጻሕና ሕጉስ እየ፣

ኣነ ሓደ ዕላማ ኣለኒ፣ ንሱ ድማ ዋንጫ ናብ ከብሒ ቸልሲ ብምምጻእ ናይ ቸልሲ ጻንሖተይ ምዝዛም” ይብል በኒተዝ፣ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብቕዓቱ ባይታ

ዘቢጡ ዝነበረ ቶረዝ፡ ሓደ ሸቶ ከቑጽር እንከሎ ካልእ ድማ ሃንዲሱ፣ በዚ ድማ ቸልሲ 15 ግንቦት ምስታ ንፈነርባቸ 3ብ1 ዝሰዓረት በነፊካ ኣብ ኣምስተርዳም ክትራኸብ ዕዙዝ ተራ ተጻዊቱ፣ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ቸልሲ ሰለስተ ግዜ

ካብ ግጥም ፍጻመ ክትሰናበት ተገዲዳ ኣላ፣

ዋንጫ ዓለም ክለባት፡ ዋንጫ ሱፐር ካፕ ኤውሮጳን ኮሚኒቲ ሽልድን፣ ነዚ ዝስዕብ ግጥም ፍጻመ ድማ ቸልሲ ግቡእ ምድላዋት ክትገብር ከመዘለዋ ተጻዋታይ ዴቪድ ሉዊስ የተሓሳስብ፣ድንቂ ሸቶ ዘመዝገበ ሉዊስ፡ “ግጥም ፍጻመ

ፍሉይ ምድላዋት ዝሓትት ጸወታ እዩ፣ ካብ ሕጂ ንዓወት ክንሓስብ ኣለና” ኢሉ፣ ብቕድሚ ትማሊ ሉዊስ ካብ ርሑቕ ዘመዝገባ ሸቶ ብልሓት ዝተሓወሳ ነይራ፣ እታ ካብ ርሑቕ ዝተቐልዐት ኵዕሶ ‘ቀመር ናይ ፊዚክስ’ ዘለዋ እያ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን፣ ሓደ ሓደ ተንተንቲ እውን ምስ ‘ፕለይ ስቴሽን’ ከመሳስልዋ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ምስ ኣእጋር ዴቪድ ቤክሃም ከጣምርወን ፈቲኖም፣ ሞሰስ ነታ ሳልሰይቲ ሸቶ ዘቑጸረ እዩ፣

ክልተ ድምጺ ጥራይ ምርካቡ ንብዙሓት ኣገሪሙ ኣሎ፣

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓለቓ ጋንታ ሊቨርፑል ስቴቨን ጀራርድ፡ ናይ 10 ጸወታታት መቕጻዕቲ ዝተበየኖ ስዋረዝ ካብታ ጋንታ ፈልከት ከምዘይብል ተዛሪቡ፣ ብመሰረት ሓደ ሓደ ማዕከናት ዜና፡ ስዋረዝ ብሰንኪ እቲ ዝተበየነሉ መቕጻዕቲ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝወጽእ ይግለጽ፣ እንተኾነ ስዋረዝ፡ ነቲ መቕጻዕቲ ብስራሕ ከምዝድብሶ ጀራርድ የረድእ፣

ሓጺር ዜና ወጻኢ

= ኣሰልጣኒ ባርሴሎና ዝነበረ ፔፐ ጓርዲዮላ፡ “ናይ ባርሳ ምዕራፍ ተዓጽዩ እዩ” ክብል ሓቢሩ፣ እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዑደት ዘካየደ ኣሰልጣኒ ኣብ ግዝኣት ካታሎን ኣብ ዝጸንሓለን ናይ ምስልጣን ግዚኡ፡ ኣዝዩ ሕጉስ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ሂወት ከምዘይድገም፡ ክደግሞ እውን ከምዘይደሊ ሕጂ ናብ ካልእ ዓይነት ዓወታት ከምዘማዕድውን ገሊጹ፣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ መንበር ምስልጣን ክለብ ባየር ሙኒክ ዝቕበል ጓርዲዮላ፡ ምስታ ኣብ ግጥም ፍጻመ ሻምፕዮስን ሊግ ኤውሮጳ ዝበጽሐት ጋንታ ጽቡቕ ናይ ስራሕ ግዜ ከምዘሕልፍ ገሊጹ፣= ጽባሕ ሰንበት ኣብ ዝካየድ

ግጥም ሰረ’ኣ ኢጣልያ ክለባት ሚላንን ቶሪኖን፡ ተጻወትቲ ሚላን ሞንቶሊቮን ፓዚኒን ብሰንኪ ምጭብባጥ ጭዋዳ ናይ ምስላፎም ተኽእሎ ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታዉ ሮይተርስ ገሊጹ፣ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ፊዮረንቲና ናብ ሚላን ዝተሰጋገረ ሞንቶሊቮ፡ ኣብ 37 ጸወታታት ኣብ መስመር ምክፍፋል ተጻዊቱ፣ ኣርባዕተ ሸቶታት ድማ ኣመዝጊቡ፣ ወዲ 28 ዓመት ፓዚኒ ድማ ካብ 26 ጸወታታት 15 ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ ዝሓለፈ ሰሙን ሚላን ብካታንያ 2ብ1 ድሕሪ ምምርሓ፡ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ነቲ ውጽኢት ናብ 4ብ2 ብምቕያር ዕዙዝ ተራ ክጻወት

ምኽኣሉ ይግለጽ፣= ተጻዋታይ ክለብ ሪያል

ማድሪድ - ጎንዛሎ ሂጕየን ዝመጽእ ክረምቲ ካብታ ጋንታ ከምዝለቅቕ ኣካያዲ ስራሕ እታ ክለቡ ጆስ ኣንጀል ሳንቸዝ ገሊጹ፣ ኣብ ዝሓለፈ 38 ጸወታታት 15 ሸቶታት ጥራይ ከመዝግብ ዝኸኣለ ሂጕየን፡ ንፕረዚደንት ክለቡ ፍሎረንቲኖ ክምስጥ ከምዘይከኣለ ይግለጽ፣ ድሕሪ እዚ ናይ ትማሊ ዜና እቲ ወዲ 25 ዓመት ንሓያለ ክለባት ከምዝምስጥ እኳ እንተተሓበረ፡ ምስ ቶተንሃም ዝነበሮ ርክብ ግን ዝያዳ ናብ ክለባት ዓዲ እንግሊዝ ክኸይድ ከምዝድርኽ ጋዜጣታት ዓዲ እንግሊዝ ይገልጻ፣

ሓዳስ ኤርትራ 4 ግንቦት 2013 - ገጽ 12

ለምለም ተስፋማርያም

እቶም ኣርባዕተ ኣሕዋት ወኻሩ5ይ ክፋል

እቶም ኣኽላባት እግሩ እግሩ ስዒቦም ኣርከብዎ። ብኽሳዱን ከብዱን ከኣ በዝበዝዎ። ድምጺ ኣኻልቦም ዝሰምዑ ጓሶት ደድሕሪ እቶም ኣኽላባት ጎየዩ። ነቲ በቶም ኣኻልብ ተታሒዙ ዝጸንሖም ወኻርያ ከኣ ብኣባትሮም ትንፋሱ ክሳብ ትሓልፍ ቀጥቀጥዎ።መሬት ረፊዱ ነበረ። ባረን በቲ

ኣብ ኣካላቱ ዝዓለበ ጩራታት ጸሓይ ተበራበረ። ፈያን ሓዉ ኣብ ጎኑ ብዘይምርኣዩ ክኣምን ኣይከኣለን። ኣዒንቱ እናሓሰየ ከባቢኡ ኣቋመተ። ብሕርቃን ነዲዱ ዝገብሮ ጠፍኦ። “ገዲፉኒ ከይዱ ማለት ድዩ?” ምስ ነብሱ ተዛረበ። “ኣይውዕሎን’ዩ”

ብምባል ከኣ ንሕቶኡ ባዕሉ መለሰ። ብሕዙን መንፈስ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ብምዃን ‘ፈያን፡ ፈያን’ ብምባል ደጋጊሙ ጸውዐ። ዝምልሰሉ ግን ኣይረኸበን። ጸዊዑ ምስ ተሓለለ፡ ናብቶም ኣብ ማዕዶ ኮይኖም ተወሰጥ ዝጻወቱ ዝነበሩ ጓሶት ከደ። ብዛዕባ ሃለዋት ሓው ድሕሪ ምሕታት ተዓኒዱ መልሶም ይጽበ ነበረ። እቶም ጓሶት ኣብ ዓሚቚ ጸወታ ጥሒሎም ብምንባሮም ቀልጢፎም ኣይሰምዕዎን። ደሓር ግና ነቲ ወኻርያ ምስ ረኣዩ ኣባትሮም ኣልዒሎም ንኽሃርምዎ ናብኡ ገጾም ሰጎሙ። ባረን ብፍርሒ እናንፈጥፈጠ፡

“ክሓተኩም’የ መጺአ፡ ክሓተኩም’የ መጺአ” ከኣ በሎም ምሽክንክን እናበለ። እቶም ጓሶት ከኣ ራህርህሉ’ሞ እንታይ ከምዝደለየ ሓተትዎ። ንሱ ድማ ሓው ከምዝጠፍኦ ሕንቕንቕ እናበለ ነገሮም። ንሳቶም ትቕብል ኣቢሎም፡ “ኣብ ሎሚ ዘውግሐ ለይቲ ሓደ ሰራቒ ወኻርያ ኣብ ማእከል ኣባጊዕና ኣትዩ ክበልዕ ክብል በሊዕናዮ ኣለና። ንሱ እንተኾይኑ ሓውኻ ኣብቲ ሩባ ኣለካ።” በልዎ።ባረን ኣዝዩ ሰምበደ። “እቲ

እንኮ ኣብ ጎነይ ኣሎ ዝብሎ ሓወይ፡ እንተ ተፈልዩኒ እንታይ’የ ዝገብሮ?” እናበለ ምስ ነብሱ እናተዛረበ ናብቲ ዝሓበርዎ ሩባ ሰጐመ። ሕማቕ ከይርኢ ንፈጣሪኡ እናለመነ ከኣ ናብቲ ቦታ በጽሐ። ባረን ካብ ዝፈርሖ ኣይወጸን። መሪር ሓዘን ተሰምዖ። ክልተ ኣእዳው ኣጣሚሩ “ኣቦየ…ኣቦየ ደቅኻ ጸኒትና፡ ደቅኻ ጸኒትና!” እናበለ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ሓው ተደፊኡ መሪር

ብኽያት በኸየ። ዝገብሮ ግና ይነበሮን። ፍቓድ ፈጣሪ ምዃኑ ኣሚኑ ሬሳ ሓው ቀበረ። ቃል ኣቦኡ ንኸተግብር ከኣ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጉዕዞኡ ንምዝዛም ከቢድ ሓዘን ተሰኪሙ ተበገሰ። እታ መዓልቲ ንባረን ኣዝያ

ጽንክርትን ፈታኒትን ነበረት። ንሓዘኑ ድኻም፡ ጥሜትን ጽምእን ተሓዊስዎ፡ ርእሱ ብቓንዛ ክፍለጽ ደለየ። ኣብራኹ ብድኻም ረድረድ ኢልዎ ምስጓም ሰኣነ። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ተሪር ዓቐብ ብኽንደይ ጋዶ’ዩ ወጺእዎ። ቁልቁል እናወረደ

ካብ ርሑቕ ጻዕዳ ነገር ተኣኪቡ ረኣየ። እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ተረቢጹ ድኻሙ ረሲዑ ብታህዋኽ ክስጉም ጀመረ። ጸሓይ ሰፈራ ቅድሚ ምሓዛ ናብቲ ቦታ ክበጽሕ ተሃወኸ። እናቐረበ ምስ ከደ ግና ንመላእ ኣካላቱ ፍርሒ ወረሮ። ኩሎም ኣሕዋቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቅጅል በልዎ። ዕጫ ኣሕዋቱ ኣብ ነብሱ ከም ዝበጽሐት ተገንዘበ።

ጆ/ሜ ደጀን ተኽለ

ሓሙሻይ ክፍሊ’የ ዝመሃር።

ክሳብ ሎሚ ብልጫ ኣምሊጡኒ ኣይፈልጥን’ዩ። ሎሚ ዓመት ግን … እንድዒ

ፈሪሐ በቃ። ሕጂ ትምህርቲ ክንዓጹ ምስ ቀረብና’ዩ ዝፍለጠኒ ዘሎ። ጸወታ ኣብዚሐ ነይረ። ሓንሳብ ሓንሳብ

ከኣ’ሞ ብሰንኪ ጸወታ ዕዮ ገዛይ ከይሰራሕኩ’የ ናብ ትምህርቲ ዝኸይድ ነይረ። ብቐዳማይ ንማማ ኣብ ገዛ ኮይነ ክበኪ ጸኒሐ’ያ። ሽዑ ማማ “እንታይ ኮንኪ?” ምስ በለትኒ፡ “እዞም ደቂ ‘ክላስና’ ሎሚ ዓመት ንምንታይ ብልጫ ዘይወሰድኪ ኢሎም ክስሕቁኒ’ዮም ኢለያ።” ማማ ግን “ኣጆኺ’ዛ ጓለይ ካብ ሎሚ ሰጥ ኢልኪ እንድሕር ኣጽኒዕኪ ከም ቀደምኪ ንፍዕቲ ክትኮኒ ኢኺ።” ኢላትኒ። ኣነ ከኣ ንዘረባ ማማየይ ሰሚዐ ጸወታ ምብዛሕ ገዲፈ ብመደብ ከጽንዕ ጀሚረ ኣለኹ። ነቶም ቀዲሞምኒ ዘለዉ እንተቐዲመዮም ጽቡቕ፡ እንተዘይሰሊጡኒ ከኣ መለበሚ ኮይኑኒ ስለዘሎ ስቕ ኢለ ከጽንዕ’የ። ንዓመታ ብልጫይ መን ከይከልኣኒ። እቶም ከምዚ ኸማይ ጸወታ ከተብዝሑ ዝጸናሕኩም ከኣ ካባይ ተማሂርኩም ኣጽንዑ’ምበር። ከየጽናዕካ ምሕላፍን ብልጫ ምውሳድን ኣይርከባን’የን።

ሜሪ ኣብራሃምኣርባዕተ ኣስመራ

መን ይነፍዕ?1. ውላድ በጊዕ እንታይ ትበሃል?2. ኣብ ዓለም ብስፍሓቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ባሕሪ መን’ዩ?3. ከቢብ ቅርጺ ዘለዋ ገዛ’ያ። ዙርያ ናይታ ገዛ 36 ሜተር’ዩ። 6 ሜተር

ኣረሓሒቕካ ኣብ ዙርያ ናይዛ ገዛ ኣዕኑድ ንምትካል ክንደይ ኣዕኑድ የድልየካ? 4. ካብ ከተማታት ኤርትራ መወዳእታ ናጽነታ ዝረኸበት ከተማ መን

እያ?

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን1. እምባ ሶይራ (3013 ሜተር) 2. መስከረም 1961 3. ልቢ 4.

ለካቲት 2004

ከዕልለኩም ዶ?

ኣብ ባሕርን ምድርን ክነብር እኽእል’የ። ክሕንብስን ክስጉምን ግን ዓቕሚ የብለይን። ብእግረይ ተሓጊዘ’የ ዝጓዓዝ። ኣጻብዕቲ እግሪ ግን የብለይን። ካብ ገዛይ ብዙሕ ርሒቐ ኣይፈልጥን። ኣነ መን’የ፧1. እጎዪ ግን ከኣ ዘይስጉም፡ ኣፍ ከለኒ ዘይዛረብ፡ መደቀሲ ከለኒ

ኣዕሪፈ ዘይፈልጥ’የ። ኣነ መን’የ?

መልሲ ናይ ዝሓለፈ ሕንቅልሕንቅሊተይ

1. ስም 2. ሃመማ 3. እዝኒ 4. ጠበንጃ

መን’የ ኣነ